እሞ እንታይ ይሓይሽ?

አብ ክውንነት ኤርትራዊ ተቓውሞ ሓድሕድ ምብላዕ ናይ ግዜና ብልሓት ኴይኑ‘ሎ። አብ ስራሕ አቢልና አብ ዘዝተበገስናሉ ከአ ንድሕሪት አቢልና ከነንሸራትት ንርአ። ከምዚ እናገበርና ለውጢ ከምጽእ‘የ ምባል ከአ አብ ሕልሚ ምንባር‘ዩ። ንዘዐወትናዮም ነገራት ዓንቀፍቲ ክህልዉ ውሁብዩ፤ እቶም ደለይቲ ለውጢ ባዕሎም ንባዕሎም ክዕንቅፉ ምርኣይ ግና ንጕዳያት ስጊንጢር ይገብሮም። ነዚ መደምደምታ ምሃበይ ንኣንባቢ ግር ከም ዘብል ይርድኣኒ‘ሎ፤ ክንዲ ዝዀነ ድማ ንትዕግስትኹም እምሕጸን።

አብ‘ዚ ቅንያት ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ናብ ቦሎኛ (ኢጣልያ) ብምኻድ አብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዓወት አመዝጊቦም። ዓወታትና ከይ-ኣስተማቐርና ከአ ድሮ ሓድሕድና ክስን ማልሳ-ክስን ፈጢርና ህንክቲ ንበሃሃል አሎና። እሞ እዝ‘ሲ ስለምንታይ ተደልዩ?

ናይ‘ሎሚ ጠንቂ ንኣምባሳደር ኤርትራ ነበር፤ ማለት ንሓው ዓንደብርሃን፤ ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ አብ ፒያሳ ማጂዮረ (Piazza Maggiore Bologna-Italy) መግለጺ ካብ ምሃብ ምግታኡ ዘበገሶ‘ዩ ዚመስል ዘሎ። የግዳስ፣ መበገሲ ሓድሕድካ ምፍላስ፣ ካልእ‘ውን ክኸውን ይኽእል ነይሩ‘ይ። ንዓይ ከም ዝመስለን ካብ ተመክሮይን፣ እቲ ጠንቂ ዝኾነ ሰብ ወይ ዛዕባ ክኸውን ይኽእልዩ። ዘይብቕዓት ክሳዕ ዘሎ ከአ ዝኾነ ኮረር ዚብል ተርእዮ ከፋልሰና ግድን‘ዩ። ስለዚ ንጹራት እስትራተጂታትን ንምርሓሎም ተረርቲ ውሽጣዊ ሕግታትን ክህሉዉናን ብዕትበት ክንምርሓሎምን የድሊ‘ሎ። ሰሪሕካ ምፍንጣሕ አብ ደምበ ተቓውሞ ቀይዱ ሓሊኹና‘ሎ።

እቲ ንሓው ዓንደብርሃን አጋጢሙ ዚብሃል ተረኽቦ ንዕኡ ጥራይ ዘይኮነስ ንዅሉ ደላይ ለውጢ ከጕሂ ይግባእ። ክንድዚ ዝኣክል ምሁር መጺኡኳስ ክትከስበሉ ዘይምኽኣል ስንፍና‘ዩ። ወዮ ድኣ ነቶም ዚምልከቶም ኣሳሰይቲ‘ቲ መዓልቲ ቀዲመዮም ይዛረብ ኣሎኹ‘ምበር፣ ንዓይ ከም ዝመስለኒ፤ ንሓው ዓንደብርሃን ክዛረብ ዘይተፈቕደሉ ምኽንያት ሃንደበታዊ ኣመጻጽኣኡ ኢዩ። አብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣይነበረን፤ ስለዚ ዝዀነ-ሰብ ካባና‘ውን ጽምብር ኢሉ ክዛረብ እንተ‘ኢሉ ኣዳለውቲ ኣይካኣልን ክብልዎ መሰሎም ሕሉው ኢዩ። ካልኦት ብጎኒ እዚን እትን ርእይቶ ሂቦም ንዝበሃል ከአ ነቲ ዝነበረ ሰልፈኛን ነቶም መራሕቱን ብቀጥታ አይምልከቶምን። ስምዒታውያን ውልቀ-ሰባት መፈናፈኒ-ቋንቋ ምዝውታሮም ዓገብ እንተተባሂሉ ጸገም የለን፤ ንባዕልኻ አብ ከምኡ ዚበለ ስምዒታዊ ጥርዚ ኴንካ ምንቃፍ ግና ሓባል ከይበለትኪ ቀድምያ ከም ምባል‘ዩ ዘስምዕ።

ብሓጺሩ ኵላትና አብ ተቓውሞ ዘሎና ኤርትራውያን ጸጸጸርና ክንድርቢ ዘኽእል ኣገባብ ከነማዕብል፡ ካብ ውልቀ ህልኽ ወጺእናን ብቕዓት ተሓንጊጥናን ንበገስ። ጌጋ ኵሉ ግዜ ምሳና ምስ ደቂ ሰባት ስለ ዝኾነ ድማ ጌጋታት ካብ ምቝቛል ፍታሓት አብ ምጽዓድ አቢልና ኣትኵሮና ንግበር።

ተክልሰንበት ተኽላይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8704

Posted by on Jul 19 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “እሞ እንታይ ይሓይሽ?”

  1. ኣወሃሃድቲእቲሰልፊዝወሰድዎስጉምቲቅኑዕንፍትሓውን’ዩኔሩ፡፡ኣምባሳደርዓንደብርሃንኣብመድረኽወጽዩክገብሮዝሓሰበናይተበለጽቲመደረብሓቃኛታትደለይቲፍትሒተኣጊዱ፡ኣቶዓንደብርሃንክሓፍረሉምተገብኦምኽንያቱአብዘይወዓሎመርዓኣውሎኣውሎክብልምፍታኑዘሕፍርስለዝኾነ፡፡ከምኤርትራዊመጠንሓልዮትህዝቢእንተዝህልዎምስቶምደቁንደቂደቁንዝኾኑበሃራትመንእሰያትኮይኑብድሆክብልምተገብኦ፡፡
    እንተኾነግንባህርያቱንፖለቲካዊዕላምኡንዝፈቕደሉኣይመስለንን፡፤ምስቶምናይገድሊብጾቱንምስቶምክሳብቀረባእዋንኢድንጓንትንኮይኑሰብዘንብዑዝነበሩንዘለዉንፊትንፊትገጢሙኤርትራዊትብዓቱከርኢኣይከኣለን፡፤
    ገጽብጾቱክርኢወይኣሕፊርዎ’ሎወይከኣኣፍሪህዎ’ሎ፡፡ብጾቱኣብልዕሊሬሳታትደቁእንዳሳዕስዑንሱኣብ 5ተኮኾብን3ተመዓልቲእንታይይገብርኔሩ?ከመይኢሉ’ኸኣኽኢልዎ?ኣዴታትእንዳነብዓመንእሰያትዝቐበርዎምብጾቶምዘኪሮምእንዳበኸዩንሱኣብሆቴልእንታይይገብርኔሩ? መልሲካብኡንጽበ!!! for more information chech woldu tecle article

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net