ኢሳያስ ኣፈወርቂ መስራትን ኣቦን ሃገረ ኤርትራ???(መልሲ ንጸሓፊ ንኣቶ በረኸት ኪዳነ)

ኣብ እዋን ውድቀት ስርዓት ህግደፍን መራሒኡ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብዙሕ ተዋስኦ ክግበርን ክብሃልን ንሰምዕ ኣለና፡ ፡ ዛንታ ገድልን መሪሕነቱን ብፍላይ ከኣ ዛንታ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ ኣብ ዘመነ 30 ዓመት ገድሊ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ከይጸብጸብና እዛ ሃገርና እንብላ ኤርትራ ነጻ ካብ ትወጽእ ጀሚራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ስርዓቱን ዝፈጸምዎ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ጎሲኻ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “መስራትን ኣቦን”ኤርትራ ክብሃል ክንሰምዕ ከለና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ጸርፊ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣሽሓት ግዳያት ናይዚ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ከኣ ብሽም ነጻ ፕረስ ገበን ምፍጻም’ዩ፡ ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝሃንደሶ ጎደና ጥፍኣት ነዛ ንፈዋ ሃገርና ህላዌኣ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ሓደሽቲ ተዋስኦታት ክስርሑ ምጅማሮም ብወዝቢ ኣይኮነን፡ ፤ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ህግደፍን መራሒኡን ኮን ዶኾን ዝደናገር ይርከብ ብዝብል ኣጉል ተስፋ ዝግበር ዘሎ ዘመተ ምዃኑ ተረዲኡና ኣሎ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጉጅለ ህግደፍን ብፍላይ ከኣ ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተፋተሐ ክኣምኑ ዘይደልዩ ድፉናት ሕልና ነቲ ንዓመታት ህዝብን ሃገርን ከጽንት ዝጸንሐ ጨካን ፍጥረት “ኣቦ ኤርትራ” ክብሉ ክንሰምዕ ከለና ንኣዳም ገረሞ ዘብል’ዩ፡ ፡
ኣቶ በረኸት ኪዳነ ከምዚ ክብል ንኢሳያስ ይገልጾ፡ ፡ “PIA was critical in preventing the collapse of the Eritrean state. Without his great skill as unifier,his charisma and vision,Eritrea would not exist today.” ዘገርም’ዩ!! እቲ ካብ 40 ሽሕ ክሳብ 50 ሽሕ ዝበጽሕ ሞትን ጥፍኣትን ለይለይ ዝብሉ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ተረሲዑ’ድዩ? ብዕብዳኑን ብቀይዲ በተኽ ኣካይዳ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተወልዐ ኣዕናዊ ኩናት ኣሽሓት ተቐበልቲ ሕድሪ መንእሰያት ጸኒቶም ከይኣክል ንኢሳያስ ከም መድሓኒ ጌርካ ምቁንጃው ናይ ጥዕና ኣይመስለንን፡ ፤ሎሚ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ሃገረይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣላ ኢሉ ክሓትትን መፍትሒ ኣብ ምድላይ እጃሙ ከበርክት ምተገብኦ’ምበር ንሰይጣን ከም መልኣኽ ጌርካ ክተምልኾ ምፍታን ናይ ጥዑይ ኣእምሮ ክብል ኣይክእልን፡ ፤ሎሚ ኤርትራ ከምዚ ኣቶ በረኸት ዝብሎ ዘይኮነ ከም ሃገር ተበታቲና፡ ብቁጠባውን፡ ፖለቲካውን፡ ማሕበራውን መዳያታ ለሚሳ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ’ላ፡ ፤ኤርትራ ሎሚ ዝበኽየላ’ምበር ኣብ ልዕሊኣ ብኣስትሓቃር ዘላግጸላ ኣየድልያን’ዩ፡ ፤ከምቲ ኣቡናት ካቶሊካዊት ኤርትራ ዝበልዎ ንስኻ ኣቶ በረኸት ኪዳነ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፡ ኣሕዋትካ ኤርትራውያን ኣበይ ኣለዉ?”ኢለ ብድሆ እብለካ፡ ፡ እዚ ናትካ ጽሑፍ ከንብብ ከልኹ በኽየ፡ ዝርንዝዕ ነቢዐ!!”ዓሻስ ደሓን ኣሎ፡ ዘመድ ዓሻ ከፊእዎ’ሎ” ከም ዝብሃል ደቂ ገዛውትኻ፡ ደቂ ቁሸትካ፡ ደቂ ዓድኻ፡ ብሓፈሽኡ ደቂ ሃገርካ ኣበይ ኣለዉ?ስድራ ቤታቶም’ከ ኣብ ከመይ ደረጃ ይርከቡ?ኣብ ኤርትራ ሎሚ ሬሳ ዘይብሉ ዳስ ተተኺሉ ስድራ ቤት ግዳያት ሞት ሕጹይ ኮይኑወን ዓው ኢለን እቲ ንቡር ክገብራ ተሓሪመን ኣለዋ፡ ፡ እዚ ኩሉ ኣደራዕ ብሰንኪ እቲ ተቆናጅዎ ዘለኻ ጽሉል መራሒ ምዃኑ ኣይተረደኣካን ኣይብልን እንታይ ደኣ ዘስደዐ’ዩ አስዲዑካ ክኸውን ዝኽእል፡ ፤
“ወሓጥዮ እንተበልኩዋስ ትጎስሞ” ከም ዝብሃል ኣቶ በረኸት ኪዳነ ምስ ጥዕንኡ ዘሎ ኣይመስለንን፡ ፡ “He has proven to be incorruptible. He leads by example.He is clearly the greatest Eritrean of his age.” ይብል፡ ፡ ኣቱም ሰባት እንታይ’ዩ ዝብሃል ዘሎ? ከመይ ከመይ’ዩ ዝነገር? ወዲ ሰብ’ዶ ንሰብ የምልኽ’ዩ? ኣብ ኤርትራ ሎሚ ዘይሎ ናይ ስልጣን ብዕልግና የለን፡ ፤ቁጠባዊ ብዕልግና’ሞ መቑጸሪ የብሉን፡ ፡ እቶም ፈሊጥኩም ትርስዑ እንብለኩም የብልናን እንተ እቲ ከም መልኣኽ ተምልኾ ዘለኻ ሰብ ግን ልዕሊ ብዕልግና ሓሊፉ ናብ ጽላለ ኣድሂብሉ መዛረቢ ህዝቢ ኮይኑ’ሎ፡ ፤መን’ዩ ሎሚ ንኢሳያስን ስርዓቱን ዓይንኹም ትደፈን ዘይብሎም?እቶም ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ብገንዘብ ሰኺሮም ብጥይት ክዋድኡ ዝተራእዩ ጀነራላት ተረሲዕም ድዮም?እቶም ብመሸጣ ደቂ ሰባት ሃብቲ ዝደለቡ’ኸ ተረሲዖም? ብመሪሕነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ መንእሰያት ኤርትራ ከም ጠለ በጊዕ ኣብ ንመሸጣ ኩሊት ዝተፈርዱ’ኸ ንመን ክንህቦም?
ኣቶ በረኸት ኪዳነ፡ 1.ኣብ 21 ክፍለዘመን ዘመናዊ ባርነት ተኣታትዩ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ክንዲ ትምህርትን ምርምርን፡ ኣብ ክንዲ ስራሕን ምዕባለን፡ ኣብ ክንዲ ሓዳርን ውላድን ከም እንስሳ ዘገዳም ኣብ በረኻታት ኤርትራ ተሓይሮም ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ኣለዉ፡ ፤ሳዋ መሰረት ጻንታ ኤርትራውያን መንእሰያት ኮይና ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ልሙስ ሕብረተሰብ ሃኒጻ ሃገር ብድኽነት ተበሊዓ ህላዌኣ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ፡ ፡ እዚ ኩሉ ኣደራዕ ብሰንኪ’ዚ ንስኻ ተቆናጅዎ ዘለኻ ኣእምሮ-ቢስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ዩ፡ ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣቦ ኤርትራ ዘይኮነ ተሓታቲ ናይ 50 ዓመታት ሰብኣዊ ግፍዕታት’ዩ፡ ፤ደም ደቂ ኤርትራ አብ ኢዱ’ሎ፡ ፡ ፍትሕን ርትዕን ጓዕጺጹ ንዘለኣለም ክነብር ዝኽእል ወዲ ሰብ ከምዘይለ ክፍለጥ ይግባእ፡ ፤እቲ መዓልቲ ይመጽእ ኣሎ፡ ፤
2.ጉድጓድ ዒራዒሮ ምስክር ጻንታ ጀጋኑና ኢያ፡ ፤ንጹሃት ብሓዊ ይልብለቡ ኣለዉ፡ ፤ነዚ ንጎድኒ ገዲፍና ንገበነኛ ከም መላአክ ኣምሲልካ ብምቅራብ ህዝቢ ክተደናግር ምፍታን ጊዝይኣኡ ዝሓለፎ ሜላ ኢዩ፡ ፤ህዝቢ ይዕዘብ ኣሎ፡ ህዝቢ ዓሻ ኣይኮነን፡ ህዝቢ ቁስሊ ተሸኪሙ ሕርቅም ይብል ከም ዘሎ ዝክሓድ ሓቂ ኣይኮነን፡ ፡
3.ጻንታ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ጎቦታት ሲናይ ጸሊም ታሪኽ ኢሳያስ አፈወርቂ ህያው ምስክር’ዩ፡ ፡ ነዚ ጸሊም ታሪኽ ጎሲኻ ዝግበር ተዋስኦ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ፤እዚ ተዋስኦ’ዚ ብሕጊ ዝሕተትሉ እዋን ይቀራረብ ኣሎ፡ ፤ብሽም ነጻ ፕረስ ዝግበር ገበን ተሓታትነት ክህልዎ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን፡ ፤
4.ጻንታ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ካልእ ጸሊም ታሪኽ ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ዩ፡ ፤ጻንታ ላምፓዱሳ ሓደ ካብቲ ብዙሓት ጻንታታት ምዃኑ ክፍለጥ አለዎ፡ ፤ሬሳታት ኤርትራ ንቡር ከይረኽቡ ተኸልኪሎም ኣለዉ፡ ፤ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሬሳታት ደቂ ኤርትራ ተረኪቡ ኣብ ክቡር ቦትኦም ከየዕርፎም ትብዓት ስኢኑ ዘይንቡር ክገብር ምርጫ ወሲዱ፡ ፤ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፈራህ ፍጥረት’ዩ፡ ፤ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዓይኒ ንዓይኒ ክጠማመት ኣሕፊርዎ ምስ ሬሳታት ክብኣስ ተዓዚብናዮ፡ ፡ ሬሳታት ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ሃገር ተድርብዩ ንቡር ስኢኑሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ንውልቀ መላኺ ከም ሊቀ መላእኽቲ ጌርካ ምቕራብ ዝንቡዕ ኣእምሮ ዝውንን ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ፡ ንሕና ኤርትራውያን ሕግን ድግን፡ ክቡር ባህልን ልምድን ዘለና ህዝቢ ኢና፡ ፤ሬሳ ወዲ ሰብ ክቡር’ዩ፡ ፤ኣሽንኳይዶ ሬሳ ደቅኻን ኣሕዋትካን ሬሳታት ጓኖት’ውን እንተኾነ ክብሪ ክወሃቦ ይግባእ፡ ፤ንሕና ኤርትራውያን ሕልና ስኢና ኣለና፡ ፤ጸሓፊ ኣቶ በረኸት ኪዳነ’ውን ሕልና ኣልቦ ኮይኑ ረኺበዮ፡ ፤ጸሓፊ ሕልና ኣጒዲሉ ንውልቀ ምልኪ ኣብ ዙፋን መላእኽቲ ኣደይቡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘሊቀ መላእኽቲ ይብለና’ሎ፡ ፡ ካብዚ ከምዚ ዓይነት ዝንቡዕን ዘይዓበየ ኣእምሮን ጸሓፊ የድሕነና!!
ኣብ መወዳእታ ንሕና ከም ህዝቢ ፍትሒ ስኢንና ንጸንት ኣለና፡ ፤ፍትሒ ብዋጋ’ያ ትመጽእ፡ ፤ንፍትሒ ክንደልያ ኣለና፡ ፤ንናጽነት ክንደሊ ንሞሮር ወፊርና፡ ፡ ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና ውልቀ ምልኪ ዝረግጻ ሃገር ሒዝና ዓዲ ኣቲና፡ ፤ዕድሎትና ኮይኑ ከኣ እንሆ ንዝሓለፈ 23 ዓመታት ተማእዚዝና ንኸይድ ኣለና፡ ፤ህላዌና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ’ሎ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ክንጸንሕ ዲና ኣይንጸንሕን ንሕና እንምልሶ ሕቶ ኢዩ፡ ፤ንፍትሒ እንተ ደሊናያ ክንረኽባ ንኽእል ኢና፡ ዋጋ ክትሓተና ምዃና ግን ጥርጥር የብሉን፡ ፡ ሓድነትና ተቐኒትና ደቂ እገሌ በዚሖም ደቂ እገሌ ውሒዶም ከይበልና ሃገር ክነድሕን እንተ ተበጊስና ህዝብን ሃገርን ካብ ጥፍኣት ክድሕን ይኽእል’ዩ፡ ፡ ኣብ ጓል መንገዲ መዝሙር ህግደፋውያን ንዝምር እንተኮይንና ግን ንሕና ከም ህዝቢ እንጽንሓሉ አዋን ሓጺር ክኸውን’ዩ፡፡ እዚ ዝግበር ዘሎ ተዋስኦ ሓደገኛን ብዕላማን ዝግበር ዘሎ ምዃኑ ክበርሃልና ይግባእ፡ ፡ ፕሮፓጋንዳ ህግደፍ ዘዕወሮ ልሙስ ሕብረተሰብ ከይንኸውን ንጠንቀቕ፡፡ ፍትሕ ንጠልብ ኣለና፡ ፤ብዘይድልየትና ዝተፈጸመ ሃገራዊ መርዓ ብፍትሕ’ዩ ዝድምደም፡ ፤ጉጅለ ህግደፍ ብሓይሊ’ዩ ኣብ ስልጣን ደይቡ፡ ብሓይሊ’ዩ ከኣ ክወርድ ዝኽእል፡ ፤በትሪ ንዘልዓለ ብበትሪ ጥራሕ ኢኻ ክተውርዶ ትኽእል፡ ፤በትሪ ኣልዒሉ ትንዕ ንዝበለካ ብጃላ ኢድካ ኣይትገጥሞን፡ ፤ህግደፍ ኣብ ኣፍ ደገ ዕርበቱ’ዩ ዘሎ እንተኾነ ግን ሓድነት ጌርና እንተዘይገጢምናዮ ዓመታት ክውስኽ ከምዝኽእል ፈሊጥና ዓንዲ ሕቆኡ ክንዘብጦ ብሓባር ንበገስ፡ ፤
ፍትሒ ይንገስ!!
ወልዱ ተኽለ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8710

Posted by on Jul 21 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net