መስራቲ ጉባኤ ማሕበር ኣካለ ስንኵላን ቺካጎ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

30 ሰነ 2010

ዝኽበርኩም ኣሰናዳእቲ መስራቲ ጉባኤ ማሕበር ኣካለ ስንኵላት ቺካጎ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ሎሚ ነቲ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ግን ነዊሕ ጉዕዞ ዝኸደ፡ ከቢድ ስርሓት ዝተዓመመሉ፡ ዓብይ ሃገራዊ ሓላፍነት ዝተሰከመ፡ ብቀረባ ነቶም ንማሕበር ኣካለ ስንኵላት ኤርትራ ንምሕጋዝ ማሕበር ንምትካል ከይተሓለሉ ዝጸዓሩ ብፍላይ፡ ነቲ ኒሕ ከይበተኸ፡ ካልእ እንተተረፈንስ እታ ዓቕመይ ትኽእላ ትውሓድ ትብዛሕ ኢሉ ዝተወከፈ ህዝቢ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ሰሜን ኣሜሪካ ብሓፈሻ ኣብ ታሪኽ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ኣገዳሲ ዝዀነ እምነ ኵርናዕ ተነቢሩ ዝጸንሐ ክሃንጽ፡ ኣብ ልዕሊ ኣካለ ስንኵላን ተጋደልቲ ዝግብኦም ክብሪ፡ ክህልዎም ዘለዎ ክብሪ ናብ’ቲ ቦትኡ ክምለስ ጸጋ ቃልሲ፡ ስነድ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን፡ ንስውኣት፡ ንስድራ ቤት ስውኣት፡ ንኣካለ ስንኵላን፡ ንስድራ ቤት ኣካለ ስንኵላት፡ ህልዋት ተጋደልቲ ኣባላት ሰራዊት ሓርነት፡ ስድራ ቤቶምን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ኵርዓት’ዩ።

ከም’ቲ ተደጋጊሙ ወትሩ ነልዕሎ ክቡር ታሪኽ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ኽጭብጥ ዝጀመሮ ብረታዊ ተጋድሎ፡ መዘና ዘይብሉ ዋጋ ከፊሉ’ዩ። ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ክንደይ ቅያታት’ውን ተሰሪሖ’ዮም። ንብረት ተራስዮም፡ ኣባይቲ ነዲዶም፡ ጥሪት ጠፊኤን፡ ስድራ ቤት ተበታቲና፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ መተካእታ ዘይብሉ ሂወት ንጹሃት ሃገራውያን ጠፊኡ፡ ደም ፈሲሱ። ንድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ሂወቱ ዝበጀወ ስውእ፡ ኣካሉ ዝበጀወ ውግኣት ሓርነት እቶም ከኣ ቀንዲ ምልክት ሰነድ ቃልስና’ዮም። ስውኣት፡ ውግኣት ሓርነት ሰነድ ሰውራና፡ ብረታዊ ተጋድሎና እዮም። እዚ ስለ ዝዀነ ከኣ እዚ ንዕለት 4 ሓምለ 2010 ዝካየድ መስራቲ ጉባኤ ማሕበር ኣካለ ስንኵላት ኤርትራ ኣውራ ናይ’ቲ ተደጕሉ ዝጸንሐ ሰነድ፡ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎናን፡ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘዕኹኽ፡ ዘበርኽ መንጸብረቕታ ሓቕን ክውነንት ተጋድሎና’ዩ።

ልዕሊ ኩሉ እቶም ንልዕሊ 30 ዓመት ንምእንቲ ህዝቢ ብዝኸፈልዎ ከቢድ ዋጋ፡ ኣብ ኣካሎም ንምሉእ ሂወቶም ስምብራት ዝገደፈ፡ ስምብራት ጥራሕ ዘይኮነ ስቓይን ሕማምን ዝገደፈ ታሪኻዊ ሰነድ፡ ተሰኪሞም፡ ጸይሮም፡ ክነብሩ ድሕሪ ምጽናሕ እንሆ ጸሓይ መሊኣ ክትበርቐሎም ረአና፡ ሓጎሶም ከኣ ሓጎስና፡ እዩ።

ሰብ ብተስፋ’ዩ ዝነብር፡ ተስፋ መወዳእታ ዘይብሉ ንሂወት ብዘይምቍራጽ ዝምግብ’ዩ። ከም’ዚ ናይ ሎሚ ከኣ ተስፋታት ግብራውነቱ ኣመስኪሩ፡ ተስፋታት ንዝኽሪ መብጽዓታቱ ወሊዱ፡ ሓላፍነቱ ተሰኪሙ ኣብ’ዚ መድረኽ ደርጃ መስራቲ ጉባኤ ዝበጽሐ፡ ደታ ኩሉ ፍስሓ ኩሉ፡ ሃገራዊ ኵርዓት፡ ሃገራዊ መወከሲ ሰነድ እዩ።

ተስፋ እንተተባህለ ከኣ፡ ነቲ ተስፋ’ኳ ዝኽእሎን፡ ዝደልዮን’ዩ ዝፈልጦን ዝገብሮ እንተተረኽበን’ሞ፡ እቶም ነዚ ማሕበር ንምምስራት ካብ ዝጅመር ራእይ ጥውራ ውግኣት ሓርነት ህዝቢ ምዃኑ ዝሓለሙ ክቡር ሓው ተስፋይ ተኽልዝጊ፡ ክቡር ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ፡ ክብሩ ሓው ማዓሾ ኣስራት፡ ከምኡ እቶም ኩሎም ምስኦም ሓቢሮም ዝወፈሩ፡ ሎሚ ብሓደ ክልተ ዘይኮኑስ ብኣማኢት ደለይቲ ኵርዓት ህዝቦም፡ ደለይቲ ሰንድ ህዝቦም ተኸቢቦም፡ ብምትሕብባር ኤርትራውያን ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ’ዚ ደረጃ ብምብቕዕም እቲ ዝዘርእዎ ፍረ ክህብ ርኢና። ነቲ ዝተደጕለ ስነድ፡ ነቲ ዝተደጎለ ክብርን ኵርዓትን ቃልሲ ከናኽስዎን ከምበድብድዎን ክኣጉድዎን ታሪኽ ህዝቢ ክማሙቕ፡ ታሪኽ ህዝቢ ብርሃን ክዅላዕ፡ ህዝቢ ከኣ ብርሃን ክርኢ ገይሮም ርኢና።

ኣብ ልዕሊ ውግኣት ሓርነት ዝተፈጸመ ግፍዕታት፡ ነቲ ንቡር ጸላኢ ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኮነን። ንምእንቲ ነጻነቶም ጥይት ኣብ ግንባሮም ተቐቢሎም ብክቡር መስዋእቲ ዝሓለፉ፡ ሰንኪሎም ካባ ነጻነት ዘልበሱና፡ ንሕና እቶም ኣብ ጎኖም ዝነበርና ዝትንክፈና ዓብይ ዕዳ ብምዃኑ ሎሚ ብኣጋጣሚ መስራቲ ጉባኤ ማሕበር ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ጸገማቶም ንርድኣሉ፡ ተረዲእና ጸገማቶም ንፈትሓሉ መንገዲ ክንደጋገፍ ኣብ ሓደ ኣንፊ ዝጽንብረና፡ ንሓብረሉን’ዩ መድረኽ’ዩ።

ውግኣት ሓርነት፡ ነቲ ንምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮም ዝኸፈልዎ ከቢድ ዋጋ ከይኣክል፡ ነቲ ዝተበግስሉ ንጹር ዕላም ነጻነት ሃገር ሓርነት ህዝቢ፡ ድሕሪ 1982 ዝተጋህደ ፖለቲካው’ውን ኩነታት ዳግማይ ከም ዘሰናኸሎምን፡ ከም ዝፈታተኖም ዝሓለፈ ሂወቶም ዝምስክሮ’ዩ። እንተዀነ በቲ ተባዕ፡ ቆራጽ ውሳኔኦም ነቲ መሪር ኩነታት በይኖም ሓሊፎምዎ። ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ቀጺሉ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ጸገሞም ተኻፊሉ ብምሕላፉ ሎሚ ኣብ ኢድ ህዝቢ ክርከቡ ብሓቂ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቐስክዎ፡ ክብሪ ሃገር፡ ኵርዓት ሃገር፡ ስነድ ሃገር ኣብ’ቲ ንቡር ቦትኡ ክምለስ ክግስግስ ርኢና።

ኣብ መወእታ ከኣ ኣብ’ዚ ደርጃ ክትበጽሑ ዘካይድክምዎ ዘይሕለል ቃልሲ እንዳኣሞጎስኩ፡ ዕውት ኣኼባ ኮይኑ ክወጽእ ዘሎን ትምኒይ ተስፋይን ብኣውራ ንውጕኣት ሓርነት ከምኡ’ውን ንኣሰናዳእቲ ጉባኤ ክገልጽ እፈቱ።

ክንዕወት’ና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=872

Posted by on Jul 1 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net