ናይ ሕልና ባርነት
ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ኣብ ጎድኒ ዝፈትዎም ደቁ ኮይኑ ብጉልበቱ ንብረቱን ገንዘቡን ደኺመ ከይበለ ተቓሊሱ ናጽነት ኣምጺኡ፡ ፤እንተኾነ ግን እንተ ብዕድሉ እንተ ብሕመቑ ሓደጋ ወዲቕዎ እቲ ዝበሃጎን ዝሓለሞን ሓርነትተመንጢሉ እንሆ ኣብ ባርነት ይነብር፡ ፤መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍናይብሉጻትስዉኣት መብጽዓ ጠሊሙ እቲ ሓፋሽ ተጋዳላይን ህዝቢ ኤርትራን ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ዘምጽኦ ናጽነትንብሕቱወኒኑብቀይዲበተኽኣካይዳክሃልልምርጫወሲዱ፡ ፤ንፋስሓርነትከየተንፈስናንህዝብንሃገርንኣብናይጎረባብቲኩናትከቲቱህዝቢኤርትራኣብኣደራዕወዲቑ፡ ፡ ተቐባሊሕድሪመንእሰይወለዶብዕብዳንመራሒህግደፍዝተወልዐኩናት፡ ሃገርከድሕንኣብሓዊክኣቱተገዲዱ፡ ፤ኣብጽባሕምውዳእኩናትከኣጠቕሊሉንስደትብምምራሕግዳይጥፍኣትንሞትንክኸውንዕጭኡኮይኑ፡ ፤ኣብምድረበዳሰሃራንማእከላይባሕርንጎቦታትሲናይንሬሳታትደቂኤርትራመሊኡ፡ ፤እዚኩሉኣደራዕብሰንኪጽዩንምሕደራህግደፍንመራሒኡንምዃኑኣሽንኳይ’ዶሰብጭሩበረኻ’ኳተፈልጦ፡ ፤ሎሚ “ናይሕልናባርነት” ዝብልኣርእስቲሂበ ክጽሕፍዘገደደኒግንታሪኽናይ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ባርነትክገልጽ ዘይኮነእንታይደኣሕልናናይ’ቲ ትማሊ ተባዕ ዝመስለኒ ዝነበረ ተጋዳላይ ስነጥበባዊ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ(ሊንጎ) ኣብ ሬድዮ SBS ኣውስትራሊያ ዝገበሮ ንሰማዒ ዘስደምም ቃለ መሕትት ካብ ብዙሕ ቁሩብ ርእይቶይ ክህብ’የ፡ ፤ንተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ሊንጎ ዘይፈልጥ ሰብ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን፡ ፤ ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ሊንጎ ኣብቲ ናይ 1993 ዝተገብረ ናይ መሰል ሕቶ ኣድማ ተጋደልቲ ብምስታፍ ንብጾቱ ወኪሉ መደረን ሕቶታት ተጋደልትን ድሕሪ ምስማዕ ምስ ብዙሓት ብጾቱ ብዘይፍትሓዊ ኣገባባ ከም ዝተኣስረ ይፍለጥ፡ ፤ድሕሪ ናይ 7 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ከኣ ብምሕረት ተለቒቑ፡ ፡ ብድሕሪኡ ከኣ እንሆ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ሃገሩ ዘይረኸቦ ሓርነት እንዳኣተንፈሰ ብሰላም ይነብር ኣሎ፡ ፤እቲ ዘገርም ግን ድሕሪ 21 ዓመታት ካብ ናይ ሕልና ባርነት ነጻ ዘይምዃኑ ኢዩ፡ ፤ልክዕ’ዩ ኣብቲ ጊዜ ዝተኣሰረሉ ብሰንኪ ጉድለት ንቕሓትን ናይ ናጽነት ስኽራንን ነቲ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቶም ዝጣበቐሎም ሰብ ኣይነበረን፡ ፤ህዝቢ ዓገብ ዘይምባሉ ከኣ ነፍሲ ወከፍና ሕልናዊ ተሓታትነት ኣለና፡ ፤እዚ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ ግን ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ሊንጎ ኣብ ዘመነ 2014 ዘስደምም ቃለ መሕትት ምግባሩ መግለጺ የብሉን፡ ፤ካብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ኣብ ክልተ ነጥብታት ኣተኩረ ርእይቶይ ክህብ ክፍትን’የ፡ ፡
ባርያ ኣብ ባርነት ከምዘሎ ዘይፈልጥ እንተኮይኑ ንመሰሉ ጠጠው ክብል ኣይክእልን’ዩ፡ ፤ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ሊንጎ ከኣ ናይ ሕልንኡ ባርያ ምዃኑ ካብ ቃለ መሕትቱ ክርዳእ ክኢለ፡ ፤ጋዜጠኛ ብዛዕባ ናይ ቤት ማእሰርቱ ተመኩሮ ክሓቶ ከሎ ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ዘስደምም መልሲ ክህብ ምስ ሰማዕኩ እዞም ተጋደልቲ ኩሎም ሓደ’ዶ ይኾኑ ክብል ንነብሰይ ሓቲተ፡ ፤ኢዮም ኣይኮኑን ክብል ምስ ነብሰይ ሙጉት ገጢመ፡ ፡ ንሱ ተሞክሮ ቤት ማእሰርቱ ክገልጽ ከሎ’ጽቡቕ’ዩ”ክብል ምስ ሰማዕክዎ በስምኣብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ ክብል ተገዲደ፡ ፤ንነፍስኻ ከም ድልየትካ ትገብራ፡ እንተደለኻ ትድቅስ እንተደለኻ ኮፍ ትብል፡ ኣብ እንዳ ሻሂ ቆጸራ ኣለኒ ኣይትብል፡ ስራሕ ክኸይድ አይትብል ዝብል ስንክሳር ዘረባ ክድርጉሕ ምስ ሰማዕክዎ ቶባእ ኦሮማይ ክብል ምስ ነፍሰይ ተባኣስኩ፡ ፤ንፉዕ ንፉዕ ኣይወልድን’ዩ፡ ፡ ኣቦታትና ክምስሉ”ሕማቕ ንፉዕ እንተ ወለደ ተቐልተ፡ ንፉዕ ሕማቕ እንተወለደ ከኣ ተዘምተ” ከምዝብሃል ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ወዲ ዓበይትን ለባማትን ከንሱ ናይ ሕልና ባርያ ክኸውን ክርእዮ ከለኹ ጉህየ፡ ፤እወ ሓዚነ!! ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ጥዑም ከምዘይኮነ ኣሽንኳይ’ዶ ሰብ እንስሳ ዘገዳም’ኳ ይፈልጥኦ፡፡ ድሕሪ 21 ዓመታት እሞ ከኣ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ንፋስ ሓርነት ከም ድላይካ እንዳ ኣተንፈስካ ባርያ ናይ ሕልና’ዶ ትኸውን ኢኻ? ኣብ ውሑስ ሃገር ሰፊሩ እታ”ኢድ ሰውራ ነዋሕ’ያ” ትብል መፈራርሂት ሓረግ ኣርዒዳቶ ንዘይንቡር ከም ንቡር፡ ንዔረ መዓር፡ ንማእሰርትን መጭወይትን ከኣ ከም ገነት ክጽውዕ ዝመረጸ ሰብ ባርነት’ኳ ክውሕዶ፡ ፡
ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ሊንጎ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዋዩ ዝገደደ መስደምም ዘረባ ዘርባዕባዕ ክብል’የ ሰሚዔዮ፡ ፤ጋዜጠኛ ሆየ እቲ ናይ ቀደም ሊንጎ መሲልዎ ንዝሓተቶ ሕቶ ትርትር ትርትር ዘብሎ’ዩ መሲልዎ ኔሩ፡ ፡ ናይ ሕልና ግዙእ ምዃኑ ዝረስዐ ጋዤጠኛ ብዛዕባ ፌስቲቫል ቦሎኛ ህግደፍ 2014 ከምዚ ክብል’ዩ ሓቲትዎ፡ ፤ካብ ናይ ቀደምን ሎምን ቦሎኛ ዘለዎ ፍልልይን ምዕዳሙን ዘይምዕዳሙን’ዩ ሓቲትዎ፡ ፡ ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ሊንጎ ዘይምዕዳሙ ኣይሓብአን፡ ፤ሓቂ’ዩ ተዛሪቡ፡ ፡ ህግደፋውያን ክዕድምዎ ኣይመረጹን ምኽንያቱ ግን ንሱን ንሶምን’ዮም ዝፈልጥዎ፡ ፤እቲ ዘስደመመኒ ጉዳይ ግን ፍልልይ ፌስቲቫል ቦሎኛ ኣብ ጊዜ ሰውራን ሎሚን ክገልጽ ከሎ ኢዩ፡ ፤ብኩራት መንእሰይ ወለዶ ብንጹር ከም ዝተዓዘበ ኣይሓብአን፡ ፡ ኣብ ፌስቲቫል ህግደፍ መንእሰይ ወለዶ ኣይተሳተፈን ክብል ብዘይምሕባእ ገሊጹ ኢዩ፡ ፤እቲ ዘሕዝን ንምንታይ’ዩ ብኩራት መንእሰይ ወለዶ ኔሩ ዝብል ተኸታታሊ ሕቶቅኑዕ መልሲ ክህብ ትብዓት ስኢኑ፡ ፡ ጻንታ ኤርትራውያን ኣብ ላምፓዱሳ ኣልዒሉ ክዛረብ ትብዓት ኣይነበሮን፡ ፡ ፍልልዩ ናይ ቀደም ቦሎኛ ትእምርቲ ጽንዓትን ሓድነትን ናይ ሎሚ ቦሎኛ ከኣ ዳንኬራን ጓይላን ዕንደራን ኣብ ልዕሊ ንቡር ዘይረኸቡን ዘይተቐብሩን ሕጻውንቲ ቆልዑ ምዃኑ ክገልጽ ፍጹም ትብዓት ኣይነበሮን፡ ፡ መቓልስቱን መራሕቱን ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ኣሕዋትና ክስዕስዑ ምቕናዮም ጎስይዎ ክሓልፍ መሪጹ፡ ፡ እኳ ደኣ ነቶም ሕልና ኣጥፊኦም ኣብ መቓብር ደቖም ክዕንድሩ ንዝመጹ ደዊሉ ከም ዘዕለሎም ኣይሓብአን፡ ፡
ንተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ ሊንጎ”ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” እብሎ ኣለኹ፡ ፤ ብኩራት መንእሰይ ወለዶ ኣብ ፌስቲቫል ቦሎኛ ጠፊእዎ ኣይኮነን፡ ፡ ግን ደስ ከይብሎ እቲ ሓቀኛ መልሱ ከይደለየ ክሰምዖ እንሆ ብትብዓት ክገልጸሉ’የ፡ ፤መንእሰይ ወለዶ በቶም ንኣኻ መሪሖም ዝኣተዉ ጠላማት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ ይጸንቱ’ለዉ፡ ፤ገለ ኣብ ዶባት ኤርትራ ብጥይት ይምንጠሉ፡ ገለ ኣብ ጎቦታት ሲናይ ኩሊቶም ከም ጉዚ ስጋ ይዝልዘሉ፡ ገለ ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ብጥሜትን ጽምእን ኣብ ሕጹ ይድበዩ፡ ገለ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይሃጥሙ እቶምቁሩባት ውጻእ መዓት ከኣ ከምቲ ዝረኣኻዮ ንጉጅለ ህግደፍ በዲሆም ብሕፍረት ከም ዝሃድሙ ዝገበሩ’ዮምሓው ሊንጎ እቲ ንስኻን ብጾትካን ዝተጋደልክምሉ ዕላማተጨውዩ ደቂ ስዉኣት ብጾትኩም’ዮም ኣብ ፌስቲቫል ቦሎኛ ቦኺሮም፡ ፤ እቶም ብሕድሪ ተቐቢልኩም ዘእተኽሞም ሕጻውንቲ ደቂ ስዉኣት’ዮም ጸኒቶም፡ ፤እቶም ንስኻ ጽናሕ ንሕና ክንስዋእ ኢሎም ዝተረፉ ብጾትኩም ጠሊምኩሞም ሓው ሊንጎ፡ ፡ ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ፤ነቲ ወወሊዱ ንበረኻ ዝሰደደ ወላዲ ኢኹም ጠሊምኩም ሓወይ ናተይ፡ ፤ኣብ ኤርትራ ሬሳ ዘይብሉ ዳሳት ከም ንቡር ተወሲዱ ጥራሕ ዘይኮነ ሬሳ ደቅኹም ክትቅበሉ ትብዓት ዘይገበርኩም ግዙኣትሕልና ምዃንኩም ኣመስኪርኩም ኢኹም፡ ፡
ሓው ሃይለሚካኤል ንስኻ ኣብ ንእስነትካ ኣብ ካቶሊካዊት ሃይማኖት ብሞራልን እምነትን ተሓብሒብካ ዝዓበኻ ወዲ ሃይማኖት ኢኻ፡ ፤ሎሚ ግን ሕልና ስኢንካ፡ ፡ ነቶም ቀቢርካ ዝገደፍካዮም ኣሕዋትና ጠሊምካ ንዘይንቡር ከም ንቡር ክትገልጾተዓዚብናካ፡ ፡ እዚ መዓልታዊ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ወዲ ጤለ በጊዕ ኣይኮነን፡ ፤ፌስቲቫል ቦሎኛ ጻንታ ኤርትራውያን ዘመስከረ ዳንኬራን ሳዕሳዒትን’ዩ ኔሩ፡ ፡ እቶም ትማሊ እዚኦም’ዮም ነጻነት መሪሖም ዝኣተዉ ኢልካ ተምልኾም ዝነበርካ በላዕቲ ክልተ ስጋ ናብ ኣሞራ ተቐይሮም ደም ኣሕዋትና ከጉስዑ ይውዕሉ ኣለዉ፡ ፤እቶም ትማሊ ከምጣዖት ዘምለኽካዮም መሪሕነት’ዮም ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ኣሕዋትና ክዘሉ ዝቐነዩ፡ ፡ እሞ ደኣ ድሕሪ 21 ዓመታት ባርነት ሓቂ ክትዛረብ ትብዓት ስኢንካ?
ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ሕጂ’ውን ደጊመ እቶም ሓብሒቦም ዘዕበዩኻ መራሕቲ ሃይማኖትካ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ይብሉኻ አለዉ፡ ፤ኣበይ ኣለዉ ምሳኻ ዝተሰለፉ ኣሕዋትና ሓው ሊንጎ፡ ፤ኣበይ ኣለዉ ደቂ ሕድሪ ደቂ ስዉኣት ሓው ሊንጎ?ኣበይ ኣለዉ ደቂ ሓውቦኻ፡ ደቂ ቁሸትካ፡ ደቂ ዓድኻ፡ ደቂ ሃገርካ፡ ኣዝማድካ፡ ፈተውትኻ ኮታ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ኣበይ ኣሎ? ዝተቓልሰካሉ ዕላማ ኣብ ግብሪ ውዒሉ’ዶ?ንምንታይ’የ ተቓሊሰ ኢልካ ሓቲትካ’ዶ ትፈልጥ? ንምዃኑ ንምንታይ ተቓሊስካ?እንታይ ክተምጽእ ተቓሊስካ? ክሳብ መኣስ ኢኻ ናይ ሕልና ባርያ ክትከውን ሓው ሊንጎ? ምኽረይ ንጹር’ዩሓው ሊንጎ፡ ፤እዋኑ እዋን ምድሓን ሃገርን ህዝብን’ዩሞ ነዞም ደቅኻ መንእሰያት ኣርኣያ ኩኖም፡ ፤ገድላዊ ተሞክሮኻ ኣካፍሎም፡ ፤ምስ ህዝብኻ ወግን ክብለካ ከለኹ ሕውነትና ኣብ ቦትኡ ኢዩ ዘሎ፡ ፡ እዋኑ ንፍትሒ ዘይወገነ ሓውካ’ውን እንተኾነ ብመትከል እትፈላለየሉ እዋን’ዩ፡ ፡ እዋኑ ህዝብን ሃገርን ካብ ጻንታ ምድሓን ካብ ኮነ ሃየ እቲ ክእለትካ ንስለ ፍትሒ ተጠቐመሉ፡ ፡
ፍትሒ ይንገስ
ወልዱ ተኽ
Short URL: https://english.farajat.net/?p=8726