ካብ ግዱሳት ዜጋታት ጅምላዊ ምዕጣቕ ህዝቢ ኤርትራን ምዕባለኡን፡፡

  1. ሓጺር ድሕረ ባይታ

ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣብ ሚያዝያ 2012 ህዝቢ ብጃምላ ናይ ምዕጣቕ በይናዊ መደብ ኣውጺኡ፡፡ በይናዊ መደብ ማለት እንተወሓደ እቲ ካብነ ሚኒስተራት፡ ኣማሓደርቲ ዞባታት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት፡  ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን ጸጥታን እቲ ሃገር ዝበሃሉ ኣካላት ዘይዘተይሉን ይኹን ዶ ኣይኹን ርእይቶኦም ዘየንበርሉን ከም ልማዱ ፕረዚዳንት በይኑ ዝወሰኖ መደብ ምንባሩ ንምብራህ ኢዩ፡፡ ኣተግበርቲ እዚ መደብ ካብዞም ላዕሊ ዝተረቑሑ ኣተግበርቲ ኣካላት ብዝተፈልየ፡ ፕረዚዳንት ባዕሉ ብዝመዘዞም ውልቀሰባት ብመሪሕነት ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ተኽለ ማንጁስ) ምስ በዓል ብርጋዴር ጀነራላት ፍጹም ገብሪሂወት (ወዲ መምህር)፡ ገብረሂወት ዞሞ (ወዲ ሊቀ)፡ ኣብ ሕድሕድ ዞባታት ዝነበሩ መራሕቲ ዕቑር ክፍላተ ሰራዊትን ክፍጽምዎ ተኣዚዞም ዘተግበርዎ ኢዩ፡፡

ዕላማ ጃምላዊ ምዕጣቕ ህዝቢ ኤርትራ  “ውሽጣዊን ግዳማዊን ተጻብኦ ጸላእቲ ንምምካት ዝካየድ ቅድመ ድልውነት” ዝብል ሽፋን እኳ እንተነበሮ  ድሕሪ’ቲ ሽፋን ዝነበረ ቀንዲ ዕላማ ግን ኣብ ልዕሊ ምዱብ ሰራዊት ኤርትራን ሓለፍቱን ምጥርጣራት ዘሕደረ ፕረዚዳንት ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ፍጹም ንጹል ምሕደራ ዘለዎ ቀጥታ ባዕሉ ዝመርሖን ብዝደለዮ ኣግባብ ዘማእዝኖን ኣብ ስልጣኑ ስግኣት ዘይብሉ እሙን ካልኣይ ሰራዊት ኢሳያስ ንምህናጽ ዘንቀደ ውጥን እዩ ነይሩ፡፡

ህዝቢ ኣስመራ ከምዝዝክሮ ኣብ’ዚ ህዝቢ ብጅምላ ናይ ምዕጣቕ መደብ ኣብ ኣስመራን ከባቢኡን ኣብ ሓለዋን ማእቶትን ዝነበራ ምዱብ ኣሃዱታት ክፍላተ ሰራዊት 525፡ ክ/ሰ 22፡ ዕቑር ሰራዊት 59 ካብ ከባቢታት ኣስመራ ክወጻ ተገይሩ ነይሩ፡፡ እዚ ውሳነ’ዚ ብፕረዚዳንት ዝተወሰነ ኮይኑ “ወያነ ንዝጀመረልና መጥቃዕቲ ንምክልኻልን ጸረ መጥቃዕቲ ንምክያድን” ዝብል ጉልባብ እኳ እንተነበሮ ቀንዲ ዕላምኡ ግን በዘን ኣሃዱታት ዝሰግአ ፕረዚዳንት ካብ ጥቕኡ ንምርሓቐን ኮነ ኢሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኢዩ ነይሩ፡፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝረአ ኣብቲ ግዜ ዝተፈጸመ ናይ ዝተፈላለዩ ግንባራት ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት፡ ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል ስታፋት ካብ ኣስመራ ክርሕቑ ዓቕሚ ሰቦም ክቕንሱ ንበለዛ ክእከቡ ዝብሉ ፍልይ ዝበሉ ምክልባት ጺዒቑ ዝተረኣየሉ እዋን ኔሩ፡፡

ሓምለ 2012 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ካብ ኣጀንዳ ወጻእ ነዚ ጃምላዊ ምዕጣቕ ኣልዒሎም ገለገለ ሚኒስተራት ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ኣፍልጦናን ውሳነን ወጻእ ዝፍጸም ዘሎ ሓደገኛ ፖሊሲ ኣይንቕበሎን ዝብል ልሙስ ተቓዉሞታቶም  ኣስሚዖም እኳ እንተነበሩ ካብ ምዕዝምዛም ዝሓለፈን ንህዝቢ ካብ ከልበትበት ዘድሓነን ግን ኣይነበረን፡፡ በዚ ምዕጣቕ ህዝቢ ዘይተሓጎሱን ዘዕዘምዘሙን መብዛሕትኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ብፍላይ ከም በዓል ፍሊጶስ፡ ወዲ ሃብተስላሰ፡ ጀነራል ሰብሓት፡ ወዲ ልብሱ፡ ሃይለ ሳሚኤል ቻይና፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ጠዊል፡ ኣቶ መስጦፋ ኑርሕሴን፡ ገለገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን በብናይ ገዛእ ነብሶም ምኽንያታት ተቓዉሞታቶም የንጸባርቑ ምንባሮም ይፍለጥ፡፡

ይኹን እምበር እዞም ብመደብ ምዕጣቕ ባህ ኣይበሎምን ዝበሃሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ዋላ ባህ ኣይበሎም ንበይናዊ ውሳነ ፕረዚዳንት በዲሆም ህዝቢ ካብ ግዱድ ዕስክርናን ምክልባትን ከድሕንዎ ክሳብ ዘይከኣሉ ትርጉም ዝነበሮ ተቓዉሞ ኔሩ ተባሂሉ ክዝረበሉ ኣይከኣልን፡፡ ካብኦም ንላዕሊ ብዝሓሸን ኣብ መላእ ህዝብና ብሩህ ተስፋ ፈጢሩ ቦግ ኢሉ ህልም ዝበለ ብማእከለዎትን ታሕተዎትን ኣባላት ሰራዊትን ካድራትን  ንፕረዚዳንትን ጉጅልኡን ኣዝዩ ዘሰንበደ ኣንጻር ፖሊሲታት ጉጅለ ኢሳያስ ተጠሊዑ ዝኣወጀ፡ ዓለም ዘዛረበ ሃንደበታዊ ስርሒት ፎርቶ (21 ጥሪ 2013) ኣካይዶም፡፡ እንተኾነ ግዳ በቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ወጊኖም ነቲ በይናዊ ውሳነ ኢሳያስ ይኣክል! ብምባል ሃንደበት ቦግ ንዝበለ ጸረ ኢሳያስ ዓመጽ ብዝሑል ማይ ጀሊሖም ዕድመ ምክልባት ህዝቢ ከምዝናዋሕ ብምግባር ታሪኽ ዘይርስዖ ገበን ፈጸሙ፡፡

እቲ ህዝቢ ብጅምላ ናይ ምዕጣቕ ውጥን ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ክሳብ 75 ዝዕድሚኦም ብዕድመ፡ ብሓዘን ውላዶንም ሕሱም መነባብሮን ደርቆስቆስ ዝበሉ ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ክሳብ ዳሪክቶር ጀነራል ጽፍሒ ዘለዎም ኣብ ኩለን ጽላታት ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብ ኩለን ሆስፒታላትና ዝዓዩ ላዕለዎት ሓካይም፡ መማህራን፡ ሰራሕተኛታት ባንኪ…ብሓፈሻ ዳርጋ ኩሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ኣሳሰይቲ ሆቴላት፡ መራሕቲ መካይን፡ ነጋዶ፡ ሓረስቶት፡ ስንኩላን ጥዩሳት፡ ከካብ ምዱብ ሰራዊት ኣሃዱታቶም ናይ ገዛእ ነብሶም ፍታሕ ወሲዶም ወይ ከኣ ብቋንቋ ህግደፍ “ኮብሊሎም” ቀትሪ ቀትሪ ተሓቢኦም ለይቲ ጸልማት ተኸዊሎም ምስ ስድርኦምን ውላዶምን ዝራኸቡ ኣብ ከባቢታት ዓዶም ዝተሓብኡ ወትሃደራት ብግፋን ብኣስገዳድን ኣብ ዘመነ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት ካብ ስርዓት ደርግ ዝተማረኸ ዘመን ዝሓለፎ ዝኣረገ ጠበናጁ ምዕጣቕ ቀጺሎም፡፡

ከዕጥቑ፡ ክዕልሙ፡ ክውድቡን ክመርሑን ብፕረዚዳንት ስልጣን ዝተዓደሎም መራሕቲ ኣሃዱታት ዕቑር ሰራዊት (ዞባዊ ሰራዊት) ነቲ ዝኣረገ ጠበናጁ ብመካይን ጸጽዒኖም ዓዲ ዓዲ እናዞሩ ብመሰረት ጻውዒት ናብ መእከቢ ቦታ ክርከቡ ንዘይከኣሉ ዜጋታት ናብ ሕድሕድ መንበሪ ኣባይቶም ብምዟር ዓደልዎም፡፡ ክዓጥቕ ዝግበኦ ሰብኣይ ኣብ ገዝኡ እንተዘይጸኒሑ ከም ረዲኤት እኽሊ በዓልቲ ቤቱ ቆጺራን ፈሪማን ክትቅበሎ እንዳገደዱ ድማ ዓዲሎምዎ፡፡

ዕደላ ጠበናጁን ዕጥቅን፡ ድሕሪ ምውዳእ ዝዓጠቐ ህዝቢ ኩሉ በቢዞባታቱ ናብ መባእታዊ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክኣቱ ተገብረ፡፡ ዝሰንከለ፡ ዝጸመመ፡ ዝዓወረን ኣብራኹ ዝጠለሞ ሽማግለን መንግስታዊ፡ ህዝባዊን ውልቃውን ዋኒኑ ሓዲጉ ኣብ ግዱድ ወትሃደራዊ ታዕሊማት ተጸምደ፡፡ ኣጋወጋሕታ ካብ ሰዓት 4፡30 ክሳብ ሰዓት 10፡30 ቅድሚ ፋዱስ ብዝተሰርዑ መዓልታዊ ፕሮግራማት መሰረት ንሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ስራሕቲ ምዕላም ተጸምደ፡፡ በቢዞባታቱ ድሕሪ ዝተኻደ ወትሃደራዊ ታዕሊማት ንምረቓ እንዳተብሃለ ማእለያ ዘይብሉ ወጻኢታት ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚዳንት እንዳተሰለዐ ንሕሩድን ንመስተን ፍሰስ ተፋሰስ ኮነ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ዞባታት ዝተኻየደ ንተዓላሞ ምረቓ ተተባሂሉ ዝወጽእ ዝነበረ መላይን ገንዘብ ንብልሽውና ኣዝዩ ዝተመዓራረየ፡ ውልቀ ሰባት ኣዝዮም ዝበልጸግሉ ኣጋጣሚታት ኮነ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ዞባታት ዝተኻየደ ናይ ተዓለምቲ ምረቓ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ቆጽሊ ከንብረሉ ናይ ግድን ስለዝነበረ ናይ ግዜ ምርጻም ከየጋጥም ኮነ ተባሂሉ ተሓሲብሉ ብግዜ ተሰሪዑ ይካየድ ነበረ፡፡ ናብ ኩሉ መዕለሚ ቦታታት እንዳኮለለ  ከኣ በይኑ ተኽለ ማንጁስ ይምርቖ ነበረ፡፡ ኣብ እዋን ምረቓ ተዓለምቲ ተኽለ ማንጁስ ዘስምዖም ዝነበረ ብደዐታት ጸብጺብካ ዝውድኡ እኳ እንተዘይነበሩ፡ ካብ ገለ ብደዐታቱ ብጭልፋ ግን “ህዝባዊ ሰራዊት” እቲ ቀንዲ ተኣማኒ ሰራዊት ኤርትራ ምዃኑ፡ ኣብ ልምዓትን ኣብ ምክልኻል ሃገርን ብተኣማንነት ክሳተፍ ዝግበኦ ዋልታ ሃገር ምዃኑ፡ ድሕሪ ሕጂ ዘይንቕንቖ ሓይሊ ኢኹም ዘፍርሰኩም መራሒ ፍጹም ከምዘይህሉ …ወዘተ ዝኣመሰሉ ነበሩ፡፡

ድሕሪ ብቑሪን ኣሳሒታን ከምኡ እውን ብጸሓይን ውዑይ ኪሎማን ጽዑቕ ወትሃደራዊ ታዕሊማት ዝወሰደ ህዝቢ ቀጺሉ፡ ናብ ምውድዳብን ምስርራዕን መደብ ኣተወ፡፡ ኩሉ ዝዓጠቐ ህዝቢ በቢንኡስ ዞብኡ ብብርጌዳት ተወደበ (ተሰርዐ)፡፡ መስርዕ፡ ጋንታ፡ ሓይሊ፡ ቦጦሎኒ፡ ብርጌድ ተባሂሉ ከኣ ልክዕ ከምቲ ናይ ምዱብ ሰራዊት ተሰየመ፡፡ ሕድሕድ ንኡስ ዞባ ወይ ምምሕዳር ከባቢ ልክዕ ከምቲ ኣወዳድባ ምዱብ ሰራዊት ብብርጌድ ተሰርዐት፡፡ ብርጌዳት ተኣኻኺብን ድማ ማእለያ ዘይብለን ክፍላተ ሰራዊት ኣቖማ፡፡

ኩሉ ሰማዕን ኣንባብን ክርድኦ ዘለዎ ግን ቅድሚ ምዕጣቕ “ህዝባዊ ሰራዊት” ካልእ “ዕቑር ሰራዊት” ሓድ ሓደ ሻዕ እውን “ዞባዊ ሰራዊት” እንዳበሉ ይጽውዕወን ኢዮም፡ ልክዕ ከምቲ ምዱብ ሰራዊት ደሞዝን ወርሓዊ መቑንን ኣወዳድባን ዘለወን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ 8 ክፍላተ ሰራዊት እየን፡፡ እዘን ኣሃዱታት ክፍላተ ሰራዊት ቅድሚ 2012 ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻልን በብግንባሩ ይመሓደራ ነይረን፡፡ ካብ ሚያዝያ 2012 ግን እዚአን እውን ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ወጺአን ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽሕፈት ፕረዚዳንት ብኣላይነት ተኽለ ማንጁስ ክምርሓ ተኣዘዛ፡፡

ኣስማት እዘን ክፍላተ ሰራዊት ክ/ሰ 53 ሰራየ፡ ክ/ሰ 55 ኣካለጉዛይ፡ ክ/ሰ 59 ሓማሴን፡ ክ/ሰ 57 ጋሽባርካ፡ ክ/ሰ 61 ከባቢ ሰሜናዊ ሳሕል፡ ክ/ሰ 63 ዓንሰባ፡ ክ/ሰ 65 ከባቢታት ተሰነይ፡ ክ/ሰ 67 ደንከል ከባቢ ዓሰብ፡፡ ሕድሕድ ክ/ሰ ብ4 ክሳብ 5 ብርጌዳት ዝተወደባ፡ ዕጥቀን ብጀካ ኣብ ምዱብ ሰራዊት ብወሃቢ ድጋፍ ዝዕጠቕ ኣጽዋር ካልእ ኩሉ ልክዕ ከምቲ ምዱብ ሰራዊት ብስታንዳርድ ዝተዓጥቃ፡ ብኮሎኔላት ዝመዓርጎም ሓለፍቲ ዝእዘዛ፡ ብህልው ዓቕሚ ሰበን ካብቲ ምዱብ ሰራዊት ዝሓሻ ነይረን፡፡ መስርዕ ጋንታን ሓይልን ዝበሃል ውደባታት ክሳብ ቀረባ ኔርወን፡፡ ሕጂ ግን መብዛሕትአን ዓቕሚ ሰበን ተመናሚኑ መስርዕን ጋንታን ተደምሲሱ ከም ሃገረን ብሓይሊ ይስርዓ ኣለዋ፡፡

ንኣብነት ዝኣክል ብኮሎኔል ባህረ ደባስ (ወዲ ደባስ) ትእዘዝ ናይ ዞባ ጋሽ ባርካ ክ/ሰ 57 ኣብ ታሕሳስ 2010 6,613 ጠቕላላ ዓቕሚ ሰብ ነይርዋ፡፡ ጥቅምቲ 2013 ግን 3,344 ዓቕሚ ሰብ ሒዛ ተሪፋ፡፡ እቲ ዝተረፈ 3,269 ዓቕሚ ሰባ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ጠፊኡ ተበታቲኑ፡፡ ካብዚ ብዝኸፍአ ድማ ኣብ ኣካለጉዛይ ትርከብ ብኮሎኔል ብርሃነ ኣንጤኖስ (ወዲ ኣንጤኖስ) ትምራሕ ኣሃዱ ክ/ሰ 55 ከምዝኾነት ርጉጽ ኢዩ፡፡

እምበኣር እዘን ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተመንጢለን ቀጥታ ናብ ትሕቲ ምምሕዳር ቤ/ጽ ፕረዚዳንት ዝኣተዋን ብውክልና ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ዝምርሓን ኣሃዱታት ዕቑር ሰራዊት እየን ነቲ ጃምላዊ ምዕጣቕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ተኽለ ማንጁስ፡ ወዲ መምህርን ወዲ ሊቀን ኮይነን መሪሐንኦ፡፡ ክሳብ ሕጂ ከኣ ብጀካ “ህዝባዊ ሰራዊት” ዞባ ማእከል (ኣስመራን ከባቢኣን) ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝዓጠቐ “ህ/ሰራዊት” ክመርሐኦ ዝጸንሓን ዝመርሐኦ ዘለዋን ንሳተን ኢየን፡፡

በዝሕን ኣወዳድባን “ህዝባዊ ሰራዊት”፡

ሓፈሻዊ ኣወዳድባ “ህዝባዊ ሰራዊት” ልክዕ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣወዳድባ ምዱብ ሰራዊት ካብ መስርዕ ክሳብ ብክ/ሰራዊት ኢዩ ተወዲቡ፡፡ ካብኡ ንላዕሊ ኣብ ሓደ ኣውራጃ ንዝርከባ ክፍላተ ሰራዊት ኣኪብካ ብደረጃ እዚ (ግንባር) ንምስራዕ ብተኽለ ማንጁስ ወጺኡ ዝነበረ መደብ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ግና እቲ መደብ ምስተወጠነ ዘራጊቶ ኣትያቶ ሕጂ ኣይኮነን ብግንባር ብብርጌድ ኣብ ምቕጻሉ ውን ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ በጺሑ ኣሎ፡፡

እቲ ሓደ እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ዝተፈላለያ እዝታት ብምፍጣር ኣዛዚ ካልኣይ ሰራዊት ኤርትራ ክኸውን ዝተመነየ ተኽለ ማንጁስ ኣብዛ እዋን እዚኣ ይትረፍ እዚ (ግንባር) ነታ ንነዊሕ ዓመት ዝሃነጻ መጋበርያ ብልሽውንኡ ዝኾኑ እሙናትን ኣባላትን ስታፋቱ ከማን ኩላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ ትርከብ፡፡ ተኽለ ማንጁስ እውን እንተኾነ ሎሚ ዶ ጽባሕ ተርክበለይ እንዳበለ ሪጋ ሒዙ ኣብ ትጽቢት ኢዩ ዝመስል ዘሎ፡፡ ካብ ገጽ ህዝብን ብጾቱን ተኸዊሉ ህጣሙ ኣጥፍኡ ዳርጋ “ተኽለ ማንጁስ ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ” ዝብል ሓበሬታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ምልጣፍ ጥራይ ኢዩ ተሪፍዎ እምበር ካብ ገጽ ህዝቢ ካብ ዝኽወል ካብቲ ክመርሖ ምዃኑ ኣብ ቀብሪ ሽመቱ ዝተገልጸሉ ምዕራባዊ እዚ ካብ ዝስወር ነዊሕ ገይሩ ኣሎ፡፡

ተኽለ ማንጁስ “ህ/ሰራዊት” ጥራይ ኣይኮነን ሃኒጹ ኣዝዮም ብዙሓት ከም በዓል ኣዳርሰር፡ ሓሽፈራይ፡ ኣብ ኣስመራ ድማ ብደሆ ዝበሃል ንሱ ጥራይ ዝመርሖም ኣብያተ ማእሰርቲ ሃኒጹ ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት ኣሲሩ ገፊዑ ኢዩ፡፡ እንተኾነ ሕጂ እቲ ዝሃነጾ ናይ ኣስመራ ብደሆ ዝበሃል ቤት ማእሰርቱ እውን ብጀነራል ፍሊጶስ ፈሪሱ ኣሎ፡፡

ካብ መራሕቲ መሳርዕ ክሳብ መራሕቲ ሓይሊ ካብቲ ሓፋሽ ዕጡቕ ካብ ባዕሉ ዝተመዘዙ ክመርሕዎ ዝተገብረ ኮይኑ፡  ካብ እዚ ቦጦሎኒ ንላዕሊ ቦጦሎኒ፡ ብርጌድን ክፍለ ሰራዊት ግን ምስ ምሉእ ስታፋቶም ብላዕሊ ዝተመደቡ ወትሃደራት ወይ ተጋደልቲ ነበር ክመርሕዎ እዩ እቲ ፖሊሲ ኢሳያስ፡፡ እዞም ካብ ቦጦሎኒ ንላዕሊ ዝመርሑ ሰባት መብዛሕትኦም ድስኩላት፡ ጥዩሳት፡ ተመላለስቲ ተባሂሎም ኣብ ገገዝኦም ኮፍ ኢሎም ወርሓዊ ደሞዝ ክወስዱ ዝጸንሑ ተጋደልቲ ነበሩ እዮም፡፡ ናብ “ህ/ሰራዊት” ምስተመደቡ ከኣ ይውሓድ ይብዛሕ ልክዕ ከምቲ ምዱብ ሰራዊት ስሩዕ ወርሓዊ በጀትን መቑንን ብመንግስቲ ዝሽረፈሎም እዮም፡፡

ስለዚ “ህ/ሰራዊት” ካብ ተራ ክሳብ መሪሕነት ሓይሊ ወርሓዊ ደሞዝ ዘይብሉ ብነጻ ንኢሳያስ ከገልግል ዝተገደደ ህዝቢ ክኸውን ከሎ እቲ ካብ ቦጦሎኒ ክሳብ ክ/ሰራዊት ዝተመደበ ነቲ ዕጡቕ ህዝቢ ዝጥርንፍ ግን ልክዕ ከምቲ ምዱብ ሰራዊት ምስ ስታፋቱ ወርሓዊ ደሞዝ ዝኽፈሎ ኢዩ፡፡

ሕድሕድ ንኡስ ዞባ እንተወሓደ ሓደ ብርጌድ “ህ/ ሰራዊት” ኣለዋ፡፡ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትአን ንኡሳን ዞባታት ሃገርና ጠበናጁ ዝዓጠቑ ብርጌዳት ኣለው ማለት ኢዩ፡፡ ናይ ኩሉ ዋላ እንተዘይቕረብና ንመርኣያ ዝኣክል ናይ ዝተወሰና ዞባታት ክነቕርብ እሞ ተዓዛቢ ናይ ባዕሉ ሚዛን ክወሰድ ንሓድገሉ፡፡

  1. ኣብ ዞባ ማእከል (ኣስመራን ከባቢኣን) ዝዓጠቐ “ህ/ሰራዊት” ብ7 ክፍላተ ሰራዊት ተወዲቡ ኣሎ፡፡
  • 1ይ ክ/ሰ ቤ/ጽሕፈቱ እንዳሰዓል፡ ኣዛዚኡ ሌ/ኮሎኔል ሰመረ ሕድሩ ኣቃውማ ብርጌዳቱ (ሰረጀቓ፡ በሪኽን ጋላ ነፍሒን)
  • 2ይ ክ/ሰ ቤ/ጽ ፓራዲዞ ኣዛዚ ተጋ/መንገሻ ባሻይ ብርጌዳቱ (ማይተመናይ፡ ዕ/ሓሙስ፡ ፓራዲዞ ዓዲኣቤቶን ዓዲሰግዶን)
  • 3ይ ክ/ሰ ቤ/ጽ ኢንኮዶ ኣዛዚ ወዲ ማና (ኣቃውማ ብርጌዳቱ መብዛሕትአም ታክሲስታ)
  • 4ይ ክ/ሰ ቤ/ጽ ጎዳይፍ ኣዛዚ ዮሴፍ ሃይለ ኣቃውማ ብርጌዳቱ (ትካላትን ሚኒስትሪታትን)
  • 5ይ ክ/ሰ ቤ/ጽ ጸጸራት ኣዛዚ ወዲ ቀሺ (ኣቃውማ ብርገዳቱ ሰንበልን ጸጸራትን)
  • 6ይ ክ/ሰ ቤ/ጽ ጎዳይፍ ኣዛዚ ጸጉ (ኣቃውማ ብርጌዳቱ ቀሓውታ፡ ማይጨሆትን ገጀረትን)
  • 7ይ ክ/ሰ ቤ/ጽ ጸጸራት ኣዛዚ የውሃንስ ሃይለ (ጆን ሃይለ) ኣቃውማ ብርጌዳቱ ካብ ኩሉ ሕውሳዋስ
  1. ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ፡- ኣብ ትሕቲ ዕቑር ክ/ሰ ዝመሓደራ 10 ብርጌዳት “ህዝባዊ ሰራዊት” ኣለዋ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ብርጌድ ናይቲ 57 ዝበሃል “ዕቑር ሰራዊት” ኮይነን ካብ 5ይ- 14 ብርጌዳት ግና “ህ/ሰራዊት” ኢየን፡፡
  • 5ይ ብርጌድ ኣቑርደት
  • 6ይ ብርጌድ መንሱራ
  • 7ይ ብርጌድ ላዕላይ ጋሽ
  • 8ይ ብርጌድ ሎጎ ዓንሰባ
  • 9ይ ብርጌድ ተርኪና
  • 10ይ ብርጌድ ሙልቂ
  • 11 ብርጌድ ሻንባቆ
  • 12 ብርጌድ ባረንቱ
  • 13 ብርጌድ ጎኚ
  • 14 ብርጌድ መቐርካ
  1. ኣብ ትሕቲ ዕቑር ክ/ሰ 55 ዝመሓደራ ብርጌዳት “ህ/ሰራዊት” ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ብርጌዳት ኣባላት እቲ ዕቑር ሰራዊት ክኾና ከለዋ ካብ 6ይ- 11 ብርጌዳት ግና “ህ/ሰራዊት” ኢየን፡፡
  • 6ይ ብርጌድ ሰንዓፈ
  • 7ይ ብርጌድ ዓዲቀይሕ
  • 8ይ ብርጌድ ሰገነይቲ
  • 9ይ ብርጌድ ደቂምሓረ
  • 10ይ ብርጌድ ማይዓኒ
  • 11 ብርጌድ ጾሮና
  1. ኣብ ትሕቲ ዕቑር ክ/ሰ 53 ዝመሓደራ ብርክት ዝበላ ብርጌዳት ኣለዋ እዚን ብርጌዳት ካብ ካልኦት ብዝተፈልያ ክፍላተ ሰራዊት ተወዲበን ኣለዋ፡፡ ንኣብነት ዓዲ ዃላ ዝማእከሉ 1ይ ክ/ሰራዊት፡ ማይ ምነ ዝማእከሉ 2ይ ክ/ሰራዊት፡ መንደፈራ ዝማእከሉ 4ይ ክ/ሰራዊት፡ ዱባሩባ ዝማእከሉ 3ይ ክ/ሰራዊት ተባሂሉ ተወዲቡ ኣሎ፡፡

ኣብ ኩሉ ዞባታት ብደረጃ ንኡስ ዞባ ይኹን ንኡሳን ዞባታት ብምጭፍላቕ ብክ/ሰራዊት ንምውዳብ ብመደብ ተታሒዙ ዝነበረ እዩ፡፡  ካብዘን ንመርኣያ ዝቐረባ ወጻእ ኣብ ካልኦት ዞባታት ብተመሳሳሊ “ህ/ሰራዊት” ብብርጌዳትን ክፍላተ ሰራዊትን ተወዲቡ ኣሎ፡፡ ዝርዝሩ ምቕራብ ምብኻን ግዜ ከይየስዕብ ክንሓለፎ ኢና፡፡

ኩቡራት ተኸታተልቲ!! እዚ ንኣብነት ዝቐረበ ናይ ገለ ከባቢታት ኣወዳድባ “ህ/ሰራዊት”ን ዕቑር ሰራዊትን ብፕረዚዳንት ዝተሓንጸጸ መደብን ዕላምኡን ንኢሳያስ ተኣማኒ ካልኣይ ሰራዊት ተባሂሉ ምንባሩ ርዱእ እዩ፡፡ እንተኾነ ዕጡቕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ካብ እምነቱ ወጻእ ብኣስገዳድ ክዓጥቕ ስለዝተገብረ፡ ንኢሳያስ ራሕሪሖም ናይ ዝጠፍኡ ደቁ መተካእታ ኮይኑ ኣብ ሓለዋ ስልጣን ኢሳያስ ክዋፈርን ናጻ ጉልበት ክምዝመዝን ከምዝተደለየ ንኹሉ ብኣግኡ በሪሂሉ ኢዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ ብተግባር ከኣ ከምኡ ኢዩ ዘሎ፡፡ እዚ ዕጡቕ እዚ ግን ብመሰረቱ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ቀንዲ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብዚ እዋን ናይ ስርዓት ለውጢ ስለዝኾነ እዚ ህዝባዊ ዕጡቕ ኣብ ለውጢ እጃሙ ልዑል ምኻኑ ሓሓሊፉ ይረአ ከምዘሎ እውን ዝዓጠቖ ብደቁ ካብ ባዕዳዊ ጻላእቱ ዝተመንዘዐ ጠበናጁ ተዓጢቑ ኣንጻር ዓመጽትን ጠለምቲ ሕድሪ ሰማእታትን ከቕንዖ ይደናደን ኣሎ፡፡

ኣብ ሕድሕድ እዚ ዝተገልጸ ኣወዳድባታት ዝተኣከበ ዕጡቕ ህዝቢ መጠኑ ክንደይ ይኸውን ንዝብል ሕቶ ብዘይምግናን ክሳብ 75 ዝዕድሚኡ ዜጋ ኩሉ ጠበንጃ ክዓጥቕ ተገዲዱ ከምዘሎ ሕድሕድ ሰብኣይ ወይ ከኣ ሰብኣይ ዘይብላ ኣደ ዘላቶ ስድራ ጠበንጃ ዘይብላ የላን እንተተብሃለ ምግናን ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ጥራይ ዝዓጠቐ ህዝቢ 18,300 ኣሎ፡፡ ኣብ ዞባ ማእከል (ኣስመራን ከባቢኣን) ብ7 ክፍላተ ሰራዊት ዝተወደበ ዕጡቕ ህዝቢ ኣስታት 60,000 ከምዝኸውን ሓርፋፍ ግምታት ኣሎ፡፡ ኣብ ክልቲኡ ኣውራጃታት ኣካለጉዛይን ሰራየን ከኣ ጭቡጥ ጸብጻብ ዋላ እንተዘይቕረብና ተዓዛቢ ካብቲ ዝቐረበ ተበጊሱ ናይ ባዕሉ ግምታት ክወሰድ ይኽእል ኢዩ፡፡

“ህ/ሰራዊት” ብውዳበታት ድሕሪ ምስርራዕ በቢወዳብኡ እንዳተኣከበ ኣብ ናይ ለይትን ቀትርን ሓለዋ ትካላት፡ ሓለዋ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን፡ ሓለዋ ዓድታትን ጎደቦታትን፡ ሓለዋ ጎደናታትን ብሎኮታትን፡ ኣብ ምቕራም “ኩብሉላት”፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ንጥፈታት፡ ግንባርን መንግስትን ዘንቅሉዎም ናይ ናጻ ጉልበት ማእቶት ስራሓት፡….ብዘይዕረፍቲ ክዋፈሩ ክግደዱ ጸኒሖም፡፡

  1. እዋናዊ ኩነታት “ህ/ሰራዊት”፡-

ንኣስታት ክልተ ዓመት ብውክልና ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ዝምራሕ ካልኣይ ሰራዊት ፕረዚዳንት ኢሳያስ ሎሚ ካብ መጀመሪያ ወርሒ 7/2014 ጀሚሩ ኣብ መስርሕ ምፍርራስ ይርከብ፡፡ መን ኢዩ ዘፍርሶ? ስለምንታይ’ከ ይፈርስ? ደረጃ ምፍርራሱ’ከ እንታይ ይመስል? ዝብሉ ኣልዒልካ ምርኣዩን ምምላሱን ግቡእ እዩ፡፡

ብዕለት 1/7/2014 ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ ምነ ዝርከብ ብክ/ሰራዊት ዝተወደበ “ህ/ሰራዊት) “ብላዕሊ ዝወረደና ዝምላእ ቅጥዒ ስለዘሎ ማንም ከይተርፍ”  ኩሉ ናብ ሓውሲ ከተማ ማይምነ ክእከብ ተኣዊጅሉ፡፡ ብመሰረት ኣዋጅ ከኣ ኩሉ ናይ ክራማት ስራሕቱ ራሕሪሑ በቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ኣብ ሓውሲ ከተማ ማይ ምነ ሰዓት 8፡30 ናይ ንጉሆ ተኣኻኺቡ፡፡ ስዒቡ ኩሉ ጠበናጅኡ ኣውሪዱ ኣብ ሓደ ቦታ ከቐምጥ ነቲ ጠበናጁ ዝሕሉ ካልእ ሓይሊ ተመዲቡ ተሰሪዑ ናብ መእከቢ ክኣቱ ተኣዘዘ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝጸንሖም ግን ከምቲ ዝተብሃለ “ምምላእ ቅጥዒ” ዘይኮነ ቀዳምነት ንተኣከብቲ ብካልእ ሓይሊ ተኸቢቦም ጠበናጅኦም ንበይኑ ንሳቶም ንበይኖም ብምግባር ኣኪቦሞም፡፡ ቀጺሉ “ካብ ኣሃዱታትኩም ኮብሊልኩም ኣብ ህ/ሰራዊት ዝዓጠቕኩም ቅድሚ ሕጂ ኣኣብ ከባቢታትኩም ይዓጥቕ ኣብ ዘሎ  “ህ/ሰራዊት” ክትዓጥቁን ክትውደቡን መንግስቲ መምርሒ ኣውጺኡ ነይሩ፡፡ ሕጂ ግና እቲ መምርሒ መንግስቲ ተቐይሩ ናብ ኣዶ ኣሃዱታትኩም ክትምለሱ ትእዛዝ ስለዝወረደና፡ ሕጂ መካይን ተላኢኸናልኩም ኣለዋ በዚኣ ኣቢልኩም ክትብገሱ ኢኹም” ዝብል ዱቦላ መግለጺ ብመራሒ ክ/ሰራዊት ኣቶ ጎይቶኦም ተዋሂቡ፡፡ ተኣከብቲ “ስለምንታይ ደኣ ቅጥዒ ክትመልኡ ኢልኩም ተተላሉና! ስድራቤትና ክንሰናበት ናብራና ክንወጋግን ግዜ ይወሃበና” ዝብል እኩብ ምዕዝምዛምን ሕቶታትን ተልዓሉ፡፡ “ዝመጸና መምርሒ ሎሚ ናብ ቦታኹም ክትብገሱ ስለዝኾነ ዝተብሃለኩም ትገብሩ” ዝብል ቀጢን ትእዛዝ ብምሃብ ንኣስማት ኩብሉላት ጸዊዑ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ንበይኖም ክሳብ ሰዓት 5፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ብሓለዋ ተኸቢቦም ወዓሉ፡፡

ሰዓት 5፡30 ምስኮነ ግን እቶም ዕጥቆም ምስ ኣራገፉ ኣብ ዕጽው ኣደራሽ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ዝኣተው ዕጡቋት ነቶም ዝሕልውዎም ዝነበሩ “ከይትትኩስልና ከይትቀትሉና ኣብ ደምነት ከይትኣትው” ብዝብል ተላዚቦም ነመሳኹትን ማዕጾን እቲ ዝተኣሰርሉ ኣደራሽ ፈንጢሖም ብጀካ 10 ሰባት ዝተረፉ 300 ዝኾኑ ቅዩዳት ሃዲሞም ኣመሊጦም፡፡ ኣብ እዋን’ዚ ህድማ መራሒ’ቲ ሓለዋ ንኣባላቱ ክትኩሱ ብዝኣዘዞ ብፈኮስትን ማእከላይ ብረትን ተኹስታት ተኻይዱ ብጀካ ቀሊል ማህረምቲ ዝበጽሖ ሓደ ሰብ ካልእ ዝወረደ ማህረምቲ ከየጋጠመ ኩሉ ፋሕ ብትን ኢሉ፡፡ እቲ ዝተሃርመ ሓደ ወዲ ዓዲ ቀጢና ዕጡቕ ንሆስፒታል መንደፈራ ተወሲዱ፡፡

ኣብ ህድማ እዞም 300 ዝኾኑ ዕጡቓት ቆሓይን ብልዑል ምትሕብባር ናይ ከባቢ ህዝቢ ብፍላይ ኣዴታትን እቶም ናይ ከባቢ ዕጡቋት ህዝባዊ ሰራዊትን ተዓዊቶም በቢጉጅለ ተበታቲኖም በረኻ ሰፊሮም፡፡

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ስታዲዮም መንደፈራ ዝተጸውዐ ኣኼባ “ህ/ሰራዊት” ካብቲ ናይ ንኡስ ዞባ ማይምነ ብዘይፍለ ፍጻመ እዩ ኣጋጢሙ፡፡ ኣብቲ ዳኒኤል ብዝበሃል ተጋዳላይ ህ.ግንባር ነበር ኣዛዚ ክ/ሰ “ህ/ሰራዊት” ከባቢ መንደፈራ ዝተጸውዐ ኣኼባ፡ ብመሰረት እቲ ጻውዒት ኩሉ ኣባል “ህ/ሰራዊት” ምስተኣከበ ብረቱ ከውርድ ከም ናይ ማይምነ ኣይተኣዘዝን፡፡ ምስ ዕጥቁ ኣብ ውሽጢ’ቲ ስታዲዮም ክስራዕ ምስተገብረ ‘ኩብሉላት’፡ ናይ ሚኒስትሪታትን ዕጡቋትን ነንበይኖም ክፍለዩ ኣዚዙ፡፡ ድሕሪ እዚ ነቶም ኣስታት 400 ዝኾኑ ኩብሉላት ብምትራፍ እቲ ካልእ ነናብ ዓዱን ሚኒስትሪታቱን ክምለስ ተሓቢሩዎ፡፡ እቶም ኩብሉላት ግን ኣብ ቀጽሪ’ቲ ስታዲዮም ተፈልዮም ተሪፎም፡፡ ወዲ ሻንበል ዝበሃል ብዝመርሖ ኣሃዱ ስለያ እቲ ክ/ሰራዊት ከኣ ተኸቢቦም፡፡ ድሕሪ ክባ ዝሰዓበ “ክሳብ ሕጂ ምሳና ጸኒሕኹም ካብ ሕጂ ንደሓር ግን መምርሒ መንግስቲ ተቐይሩ ነናብ ኣዶ ኣሃዱታትኩም ክትምለሱ ስለዝተወሰነ ብረትኩም እንዳውረድኩም ናብ መካይን ተሳፈሩ” ዝብል መግለጺ ተዋሂቡ፡፡ እዚ መግለጺ ዝሰምዐ ተኣካቢ “ዓፈና” ድዩ ብምባል ናብ ከቢድ ጫውጫውታን ታዕታዕን ኣትዩ፡፡ ተቓውሞታቶም ክስምዕ ዝፈተነ መራሒ ኣኼባ “ስድራናን ንብረትናን ክንናቢ ዕድል ይወሃበና፡፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓፈና ከኣ ኣይንቕበሎን፡፡” ዝብል ሓሳብ ሓደ ክልተ ሰባት ርእይቶ ምስ ኣቕረቡ ሓላፊ ኣኼባ ብትሪ ርእይቶታቶም ንዘቕረቡ ብበትሪ ክሰሃሎም ምስፈተነ ኩሉ እቲ ምስ ዕጥቁ ዝነበረ ዕጡቕ ነዲሩ ጠበናጅኡ ብምዕማር “ሕራይ ህረሞም እሞ ሽዑ እንገብሮ ባዕልና ንፈልጥ” ምስ በሉዎ ንምህራም በትሪ ዘዋጣውጥ ዝነበረ ፈሪሑ ሽጉጥጉጥ ምስ በለ ኩሉ ተኣካቢ ጠበናጅኡ ኣዕሚሩ ነቲ ሓለዋ ፈንጢሑን ነቲ መንድቕ ናይቲ ቀጽሪ ስታዲዮም ዘዘሊሉን ነናብ ዝጠዓሞ ፋሕ ጭንግራሕ በለ፡፡ ክጽዕና ዝመጻ መካይን ውን ብጀካ ብፍርሒ ዝተረፉ 20 ዕጡቓት ካልእ ክረኽባ ስለዘይከኣላ ገረውረው ክብላ ናብ ሓልሓለ ተመልሳ፡፡

ኣብዚ ናይ መንደፈራ ካብ ሓለውቲ ሓደ ሰብ ቶኪሱ እኳ እንተነበረ እቲ ናይ ኣተኣላልያ ብቕዓት ዝነበሮ ወዲ ሻንበል ዝበሃል ሓላፊ ስለያ “ከይትትኩሱ” ዝብል ትእዛዝ ንሰራዊቱ ስለዘውረደ እቲ ቶኽሲ ኣይቀጸለን ዝበጽሐ ሓደጋ ከኣ ኣይነበረን፡፡

ዕለት 4/7/2014 ኣዛዚ ዕቑር ክ/ሰ 53 ኮሎኔል ዓስቡ ኣብ ድፋዕቲ ተዋፊራ ኣብ ሓለዋ ንዝነበረት  ክ/ሰራዊት ከባቢ ዓዲኻላ በቢብርጌዳቱ እንዳዞረ ነቶም ኩብሉላት ነናብ ኣዶ ኣሃዱታቶም ክምለሱ ትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ከተግብሩ ንብረቶምን ስድራቤቶምን ኣማሓዲሮም ንሰንበት ዕለት 6/7/2014 ናብ ዓዲኳላ ተመሊሶም መሰነይታ ደብዳቤ ካብ ቤትጽሕቱ እንዳወሰዱ ናብ ኣዶ ኣሃዱታቶም ክምለሱ፡ እዚ ምስ ዘይገብሩ ግን ኣሃዱታቶም ገፊፈን እንተሒዘንኦም “ህ/ሰራዊት” ሓላፍነት ከምዘይወስደሎምን ካብቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተጠቐምዎ ኣገባብ ብዝተመሓየሸ ነቲ መምርሒ ከተግብርዎ እኳ እንተፈተኑ እዚ እውን ኣይሰለጦምን፡፡

ዕለት 4/7/2014 ኣብ ንኡስ ዞባ ማይዓይኒ ዝርከብ ናይ “ህ/ሰራዊት” ክ/ሰራዊት ዝነበሩ ኣስታት 400 ዝኾኑ ኣብ “ኩብሉላት” ኣባላት ብጀካ 80 ዝኾኑ ጠበናጅኦም ኣራጊፎም ኣብ በጣሕ ተሳፊሮም ናብ ማይ ዕዳጋ ክኸዱ እቶም ዝተረፉ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ግና ከምቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝተረኣየ ፋሕ ብትን ኢሎም ኣይተረኸቡን፡፡

እዚ መደብ እዚ ኣብ መላእ ሃገር ብፕረዚዳንት ንዝዓጠቐ ዕጡቕ “ህ/ሰራዊት”ን ዕቑር ሰራዊትን ንምፍርራስ ዝወረደ መደብ ስለዝኾነ፡ ክጥዕመኩም ትእክቡና ክትጥርጡሩና ትብትኑና ኣባጊዕ ኣይኮናን ብምባል ተሪር ናይ እምቢታ ተቓዉሞታት ኣጋጢምዎ ንመደባት ፕረዚዳንትን ጀነራል ፍሊጶስን ነጺጉ ባዕሉ ንመሰላቱ ዘኽብረሉ መገድታት ይናዲ ምህላው ህልውን ጭቡጥን ሃገራዊ ኩነታት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብወገን መንግስቲ ድማ ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ከምዝበሃል ሃዲሞም ኣብ በረኻታት ዝተሓብኡን ወይ እውን ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ናይ ዝሰገሩ ዜጋታት ኣንስቲ እረይወን እሰርወን ተተገዲዶም ክምለሱ እዮም ዝብል ካብ ኣዝዩ ድኹም ሕልና ዝብገስ ትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ንምትግባር ኣንስቲ “ኩብሉላት” ይህደና ኣለዋ፡፡ ከይተሓዛ ፈሪሐን ደቀንን ጥሪተንን ራሕሪሐን ኣብ በረኻታት ይሕበኣ ኣለዋ፡፡ መንእሰይ ይሕባእ፡ ወላዲ ይሕባእ፡ ኣዴታት ይሕበኣ ….ክረምቲ ምድሪ ህዝቢ ቅሳነት ስኢኑ ይከላበት ኣሎ፡፡ ክልተ ሓራምዝ ክጻልኡ ሳዕሪ የጥፍኡ ከምዝበሃል ጀነራላት ኣብ ነንባዕሎም ዘሎ ንሕንሕ ክዋጽኡ ህዝብና የሳቕይዎ ኣለው፡፡

መደምደምታ፡-

ጀነራል ፍሊጶስ ኣዛዚ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ተባሂሉ ተመዚዙ ሽመቱ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብቲ እዋን ዝሞቱ ሓለፍትን ጽንብል በዓልን ኣጋጣሚ ንህዝቢ ኤርትራ ሓላቓ ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻል ኤርትራ ተባሂሉ ተገሊጽሉ፡፡ እንተኾነ ብዘይ ወግዓዊ ኣገባብ ንቦታ ሚኒስተር ምክለኻል ጀነራል ሰብሓት ተኪኡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ስራሕቱ ጀሚሩ ኣሎ፡፡

ኣብ ግዜ ሽመቱ ከም ቅድመ ኩነት ምስ ፕረዚዳንት ዘልዓሎም ሕቶታት ከኣ እዞም ዝስዕቡ ነበሩ፡-

  1. ኩለን ኣሃዱታት ዕቑር ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክለኻል ክጥርነፋ፡፡
  2. ብጀካ ልዕሊ ዕድመን ጥዩስን ዝኾነ ከባቢያዊ ዕጡቕ ካልእ ኩሉ ዕጡቕን ዘይዕጡቕን ኣባል “ህ/ሰራዊት” እቲ “ኩብሉል” ናብ ኣዶ ኣሃዱታቱ ይምለስ እቲ ሳዋ ዘይተዓለመ ናብ ሳዋ ኣትዩ ተዓሊሙ ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ተጸንቢሩ ከም ኩሉ ዜጋ ግብኡ ይፍጽም፡ እቲ ኣብ ሚኒስትሪታት (ሰራሕተኛ መንግስቲ) ዝበሃል ዝተጣየሰ ብመሰረት መጣየሲኡ ንምዱብ ስርሑ የካይድ እቲ ስሩዕ መጠየሲ ዘይብሉ ዋላ ኣብ ሚኒስትሪታት ይስራሕ ኦርኔሉን ደሞዙን በሚኒስትሪ ምክልኻል ዝስለዖ ምምሕዳሩ ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ስለዝኾነ እቲ ዘመሓድር ትካል ብዛዕባ ቀጻልነቱ ክሳብ ዝውስን ሕጂ ውን ኣባል ሚ/ሪ ምክለኻል ኮይኑ ካብ “ህ/ሰራዊት” ወጺኡ ኣብ ሰስርሑ (ሚኒስትሪታት) ይጸንሕ፡፡
  3. ሓይሊ ኣየር፡ ሓይሊ ባሕሪ፡ ክ/ሰ 84፡ ሜካናይዝድ ኣሃዱታት፡ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራ፡ መንግስታዊ ጋራዣትን… ዝበሃሉ ትካላትን ስታፋትን ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሃገር ይኣትው ተጸዋዕነቶም ነቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ይኸውን፡፡
  4. ካብዚ ወጻኢ ኮሎኔል ተስፋልደትን ብ/ጀነራል ሓሊባይን ዝበሃሉ ኣብ ቤ/ጽ ፕረዚዳንት ኮይኖም ንሚኒስትሪ ምክልኻል ብላዕለዋይነት ዝሓማዝቑ ጫለይዳ ኣብያተ ጽሕፈት ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢዶም ከልዕሉ…ዝብሉ ነበሩ፡፡

እምበኣር ከስ ብመሰረት ቅድመ ኩነት ፍሊጶስ እዞም ላዕሊ ዝረኣናዮም ምፍራስ “ህ/ሰራዊት” ተግባራዊ ይኾኑ ከምዘለው ከም ሓደ መረጋገጺ ጭብጢ ኢዩ፡፡ ብተወሳኺ እተን ኣብ ትሕቲ ፕረዚዳንት ቀጥታ ዝምርሓ ዝነበራ 8 ዕቑር ክፍላተ ሰራዊት ናብ ሚ/ሪ ምክልኻል ተመሊሰን በቢግንባሩ ይምርሓ ኣለዋ፡፡ ድሮ ብወዲ ኣንጤኖስ ዝምራሕ ክ/ሰ 55ን ብኮሎኔል ዓስቡ ዝምራሕ ክ/ሰ 53 ቀጥታ ኣብ ትሕቲ ኣዛዚ ማእከላይ ግንባር ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል ቻይና ይእዘዛ ኣለዋ፡፡

ፕረዚዳንት ሃገረ ኤርትራ ነዚ ናይ ጀነራል ፍሊጶስ ቅድመ ኩነት ከመይ ተቐቢልዎ? ንብዙሓት ኣዘራራቢ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ብሓደ ገጽ ፕረዚዳንት ጽላኣቱ ብህዝብን ሰራዊትን ሓለፍትን ሰማይ ከምዝዓረገ ስለዝፈለጠ ኣጻፍሩ ምቑራጹ ስለዘረጋገጸ፡ ናይ ምምራሕ ስብእንኡ ስለዝተመንጠለ ከይፈተወ ስልጣኑ ብዝሓየለ ፍሊጶስ ይንጠቕ ኣሎ ክብሉ ከለዉ ብካልእ ወገን ከኣ ፕረዚዳንት  ብድሕሪኡ ፍሊጶስ ስልጣን ክብሕት ካብ ሩሑቕ ሓሲቡ እንዳሓረዮ ዝመጸ ምኻኑ፡ ክሳብ መዓልቱ ኣኽቢሩ ክሕብሕቦ ዝኣምነሉ ንሱ ጥራይ ምኻኑ ስለዝኣምን ቀስ ብቐስ ነቲ ስልጣን ኣብ መስርሕ ምርካቡ ከምዝርከብ ዘረጋግጽ ኩነት ምኻኑ ዝግምቱ ወገናት ኣለው፡፡

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8728

Posted by on Jul 26 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net