ስለ ምንታይ ፈስቲቫል ደለይቲ ፍትሒ?

1. ኣብ ከባቢና ንዓመታት ዝቐጸለ ፈስቲቫላት እናተሰናደአ ካልእ ፈስቲፋል ምድኳን ንምንታይ ኣድለየ?
2. ንፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ስካንዲናቭያን እናተቓወምካን ኣንጻሩ ሰላምዊ ሰልፍታት እናኣዳሎኻስ ከምይ
ጌርካ ብዛዕባ ፈስቲቫል ምስንዳእ ትጉስጉስ?
3. እዚ ፈስቲቫል እዚ ናይ ተቃወምቲ ድዩ? መን ከ የካይዶ?
ዝብሉ ሕቶታት ክዘንቡና ቀንዮም ኣሎዉ። ካብ መጀመርታኡ እቲ ሓሳብ ከመይን ኣበይን ብከመይን ነቒሉ
ክነብርህ እምበኣር ንቡር እዩ።
ካብ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ጀሚሩ ኣብ ወርሒ ሃደ ግዜ ብዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝመያየጥ ሓደ ናይ ልዝብ
መኣዲ ኤርትራውያን ኣብ ስቶክሆልም ይርከ። ከም እኩባት ንዕለቱ ተራኺቦም ንዘልዓልዎ ዛዕባ ተኻቲዖምዉሉ
ምኻድ እምበር፡ ብዝኾነ ፖለቲካዊ ሰልፊ፣ ሃይማኖት፣ ቀቢላ ወይ ወገን ዘይቅየዱ ተመላለስቲ ኣሎዉዎ።
ንልዝብ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ይዓዪ፡ ንሓድሕድ ምርድዳእን ሓሳባት ሓድሕድና ምክብባርን ከም ባህሊ
ክሰርጽ ዝጽዕት መኣዲ እዩ። ከም ውልቂ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ዝንባለታት እናሃለወና’ውን ካብቲ ናይ ሰዓሪን
ተሳዓሪን ባህሊ ርሒቕና ኩልና ሰዓርቲ ኮይንናሉ እንወጽእ ባይታ ኣብ ምምድማድ ይርከብ።።
ኣብ ዝተፈላለየ ርክባትና፡ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ራሕሪሖምዎ ረመጽ ተሳጊሮም ዝመጹ መንእሰያት ከመይ ገይሩ
ናብ ፈስቲቫላቱ ይኸስቦም፡ ዝብሉ ኣርእስታት ክቀላቐሉና ጸኒሖም እዮም። እቲ መልሲ፡ እዞም መንእሰያት
እዚኣቶም ነቲ ስርዓት ከምዘይድግፉዎ ብንጹር ክበርሃልና ክኢሉ ኣሎ። እቲ ናብ ፈስቲቫላት ስርዓት ህግደፍ
ክኸዱ ዝገብሮም ግን ሃጓፍ ብምህላዉ እዩ። ስለዚ ድማ እዚ ሃጓፍ እዚ ብምንታይ ይመላእ? ትሕዝቶኡ ኸ
እንታይ ይምሰል? ዝብሉ ብደሆታት ተተሓሒዞም ከምዝኸዱን፡ ንትሕዝቶኡን መሰናድኦኡን ደላይ ፍትሒ
ኤርትራዊ ዘሎዎ ቅሩብነትን ዓቕምን መኣዲ ዘተ እርትራውያን ክፍትሾ ጸኒሑ።
ካብዚ ብምንቃል ድማ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዋናኡ ዝኾነ ፈስቲቫል ኣድላይ ምኻኑ ተገንዚቡ። በዚ ኣቢሉ ድማ፡
እቲ መሬት ሃገሩ ረሲኑዎ ኣጻምእ ሳሃራን ዓሳታት ዓቢ ባሕርን ተሳጊሩ ዝተሰደደ መንእሰይና ዳግማይ ትፋኡ
ከይልሕስን ነቲ ዘባረሮ ጓይላ ከየዕምርን ዝድኮን ዘሎ መጋብእያ ኢዩ። መንእሰይና መዛኑኡ ክረክብ እምበር
ውራይ ህግደፍ ከማዕርግ ከምዘጽንበሮም ብጋህዲ ክበርሃልና ካብ ከኣለ እምበኣር እቲ መራኸቢ ባይታ
ምጥጣሕ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ እጃም እዩ።
ኣብ ስካንዲናቪያን ኤርትራውያን ባህልታትናን ያታታትናን፡ ስነጽሑፍናን ታሪኽናን ቋንቋታትናን ላህጃታትና
ኣብ ሓድሕድናን ንነብረሉ ከባቢን ብፈስቲቫላት መልክዕ ክነላሊ ዝተቓወመ ሰብ ወይ ጉጅለ የልቦን። እቲ
ዝግበር ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ፈስቲቫል ስካንዲናቪያን ናይ ኤርትራን ህዝባን ካብ ምዃን ነቲ ስርዓት ስለ
ዝውክል፣ ንናይ ኤርትራ ብሄራትን ባህሊታቶምን ስለ ዝድውን ነቲ ሓቀኛ ባህልታት ሃገርና ብዋናታቱ
ስለዘይንጸባረቕን ብሓደ ወገን ብኻላኣይ ወገን ድማ ጸረ ደሞክራሲን ጸረ ፍትሒን ብምኻኑን ኢና እንቃወሞ።
ንሓደ ዘይፍትሓዊ ነገር ክተልግስ ኣብ ትቃለሰሉ እዋን እምበኣር፡ ብዛዕባ ምልጋሱ ጥራይ ዘይኮነ ክሕሰብ ዘሎዎ
ብዛዕባ ብፍትሓዊ ኣገባብ መተካእታ ምንባር ተተሓሒዙ ዝኸይድ ጉዳይ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ፈስቲቫል እዚ
ከም መበገሲ ቡቝሊ ናይ ከም እርትራውያን ኣብ መጻኢ ክህልወና ዝግበኦ ንኹልና ዘሳትፍ ፈስቲቫል እምበር
ብኩልንትናኡ ኣነ ዘበለ ኣይክኸውንን እዩ። እቲ ምንታይሲ ጉዕዞ ሽሕ ማይል ብስጉሚ ስለ ዝጅመር።
እዚ ፈስቲቫል እዚ ናይ ደለይቲ ፍትሒ እዩ እቲ ንነብሱ ከም ደላይ ፍትሒ ዝፈለጣ ናቱ እዩ። ብርግጽ ኩልና
ኤርትራውያን ናይ ፍትሒ ዋልታታት ክንከውን እዩ ዝግባእ፡ እዚ ጸጋ እዚ ኣብ ኩልና ኣብ ዝዓሰለሉ፡ ብምሉእና
ነብስና ኣገልገልቲ ፍትሒ ስለ እንረኽባ ድማ እዩ፡ ጠመተ ፈስቲቫል ደለይቲ ፍትሒ ናይ ኩልና ኤርትራውያን
ብኹልና ኤርትራውያን ንኹልና ኤርትራውያን ዝኸውን። ኣብዚ ንምብጻሕ ግን፡ ነፍሲ ወከፍና ንኣነ ስዒርና
ንሕና ምስ እንመርጽን ምስ እነዕውትን እዩ። ንሕና እታ ንኩልና ኤርትራውያን ብሓባር ትጠምረና ቃል።
ኤርትራና ከቢራ ትንበር!
ዘልዓለምዊ ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና
ክብርን ሞጎስን ንስንኩላት ሓርነት
ፈስቲቫል ደለይቲ ፍትሒ ንዕለት 2 ነሓሰ (August) 2014
Husby Gård
መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን ኣብ ስቶክሆልም
Email: dialogforum.stockhol@gmail.com

Events

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8734

Posted by on Jul 27 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net