ፖለቲካዊ መርገጻትን ፕሮግራምን ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ምሕደራ (ኤ.ም.ዴ.ም.)

መቕድም፡

ኣብ ዓለምና  ዓቢ ግሎባዊ ቍጠባዊ ምንጋዕ (ቅልውላው) ኣብ ዝርኣየሉ እዋን ኤርትራ ሃገርና ኣብ ምንታይ ኲነታት ከም እትርከብ ንዝከታተል ዘበለ ኩሉ ንምግምጋሙ ከቢድ ኣይመስለናን። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ-ይኹን ጸቢብ ኩነታት ጻዕረኛ ህዝብና ንኽነብር ዓቕሚ ሓጺሩዎን ኣማሪሩን ዘይፈልጥ፡ ሎሚ ብምኽንያት መሪር ዲክታቶርያዊ ቀይዲ መነባብርኡ ጥራይ ዘይኮነስ ዘዂርዕ መንፈሳዊ ሂወቱን ባህላዊ ሰረቱን እንዳተጠቕዐን እንዳሃሰሰን ይኸይድ ብምህላዉ፡ ብተሪር ስምረታዊ ሰውራ ዘረጋገጾ መንነት ሃገራውነቱ ኣብ ቦትኡ ንምምላስን ናብ ዝማዕበለ ደረጃ ንምስግጋርን ብዘይካ ብስምረት ከም ቀደሙ ኣንጻር ዝዀነ-ይኹን መድረኻዊ ቀዳማይ ጸላኢኡ ምቅላስ ካልእ ኣማራጺ መተካእታ ከም ዘይብሉ ነቕ ዘይብል እምነትና ምዃኑ ንሕብር።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ካብ ስግር ዝመጸ ይኹን ካብ ከብድኻ ዝተወልደ መለለይኡ ኣብ መንጎ ህዝብን ኣመሓዳድርኡን ዘሎ ዝምድና ዘይተቓዳዊ ስለዝገብር ኢዩ። ዝምድና ብልጽግናን ሰላምን ክንዲ ዝኸውን ናብ ዝምድና ጨቋንን ተጨቋንን ይቕየር’ሞ ህዝቢ ብፖሊቲካ፡ ብቍጠባ፡ ብማሕበራዊ ናብራ (ባህሉን ሰብኣዊ መሰላቱን) ተጋሂሱ ኣብ ሕስረትን ዓጸባን ስደትን ይወድቕ። ነዚ ሓቂ’ዚ ብዝመሳሰል ሃገርና ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ከጓንፈና’ዩ ኣብዘይበልናዮ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን ዓዘቕቲ ኣትያ ትርከብ።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣፍ ህዝብና ዓጽዩ ንመላእ ሃገር ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ብምቕያር፡ ብስም ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ንኹሉ ክሰርሕ ዝኽእል ዘበለ ዜጋ ከም ባርነት ክግመት ብዝከአል ኣገባብ ነጻ ጒልበት ውጹዕ ህዝብና ይምዝምዝ ኣሎ። እዚ “ካብ” እምበር “ክሳብ” ዘይብሉ ናይ ኣስገዳድ ኣገልግሎት ገዛ ብዙሓት ስድራ ቤታት ዓጽዩ ኣደራሽ መጋበርያ ህግደፍ ዝኸፈተ፡ ስጋን ኣዕጽምትን መንእስያትና ኣማህሚኑ ክሳድ ኣሕሉቝ ህግደፍ ዘሰወደ፡ ሞራል ህዝብና ባይታ ክዘብጥ ዝገበረ ተርእዮ ኰይኑ፡ ብሰንኩ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ህንጻ ሃገሩ ክንዲ ዝሳተፍ ብጎረርኡ ተታሒዙ መፍትሒ ኣብ ዝሰኣነሉ እዋን፡ ነታ ዘፍቅራ ሃገሩን ዘፍቅሮ ህዝቡን ራሕሪሑ እግሩ ናብ ዝመርሖ ኣደዳ ፈቖዶ ስደትን ኣብኡ ዘሎ ሓሳረ-መከራን ይበታተን ኣሎ።

ብጠቕላላ ህዝብና፡ ወላድ መኻን፡ ርኹብ በተኽ ዝዀነሉ ናይ ግፍዒ ዘበን ኢና በጺሕና። ብምኽንያት እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ውሽጣዊ ግፍዕታትን ጒርብትናውን ኣህጉራውን ቀጥዒ-ኣልቦ ዝምድናታትን ህግደፍ፡ እታ ንራህዋን ሰላምን ህዝብና ዝተሰውኣላ ኤርትራ ሃገርና ምስ ዝቐረበን ዝረሓቐን ዞናውን ኣህጉራውን ርኽክባታ ከምዝበታተኽ ኰይኑ ኣሎ። እምበኣር ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣስጋኢ ኩነታት ስለ እትርከብ፡ ንዝተዛናብዐ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ናብ ባህርያዊ ቦትኡን መንገዲ ግስጋሰን ንምምላስ ነቲ ቦዂሩ ዘሎ ምስጢር ምልላይ ከድልየና ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ መን ከም ምዃኑ ጸላኢኡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። ብታሪኽ ዘረጋገጸ ሓያል ህዝቢ ምዃኑ’ውን ዘማትእ ኣይኮነን። ሕቶ ውደባ ክምልስ ብዘይምኽኣሉ ግን ሓሳረ-መከራ ከም ዝቕጽል ይኸውን ኣሎ። ንሕና ነዚ እማመ እዚ ንዝርግሕ ዘለና ናብ ናይ ተግባር መምርሕን ተግባራዊ ስጒምትን ዝሰጋገር ሕቶ ውደባ ኣይተመለሰን ብሃልቲ ኢና ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ክምልሱ ዝኽእሉ ዝክኣል ዘበለ እጃምና ከነበርክት ዝተበገስና ምንቅስቓስ ኢና።

እማመና ንተበግሶና ክገልጽ ከሎ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘጸንሐን ዘሎን ኣገባብ ኣቀላልሳ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ብፍላይ ክኣ “ምሕዝነተ-ኪዳን” ዝተፈልየ ኢዩ። እዚ ድማ ባህሪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ብዝግባእ ስለ-እንርዳእ፡ ንሓደ መሰረታዊ ኣባይ (ጸላኢ) ዝዀነ መላኺ ስርዓት መሰረታዊ ተቓውሞ ክገጥሞ ስለዝግባእ፡ ንዘይምሕረካ ኣይተናሕሲ ዝብል መርገጽ ክህልወና ኸሎ፡ ብናይ ሓባር ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ዝግዛእ ናይ ሓባር ናይ ተቓውሞ ሰራዊት ብምህናጽ ነዚ ዓማጺ ስርዓት’ዚ ሱር-ሰራውሩ ከምዝብተኽ ምግባር ይከኣል ምዃኑን ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንዕኡ ዝበቅዕ ሓይሊ ካብ ከርሱ ከም ቀደሙ ከፍሪ ከምዝኽእልን እንኣምንን ተበጊስና ዘለናን ምንቅስቓስ ኢና።

እምንቶና ዓቕሚ ሓያል ህዝብና ብዘየማትእ ፍልስፍናዊ ተረድኦ ባህሪ ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምስ ዘለልን ኣብ ትሕቲ ንጹር ዕላማ ምስ ዝውደብን ጥራይ ኢዩ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዝውዕል ንጹር ሐገዝ ዝረሓቐን ዝቐረበን ዝረክብ። ናይ ለውጢ ጒዕዞና ክኣ ትርጉም ከም ዝህልዎ ዝኸውን። ብዝተረፈ ንጹር ዕላማን ውደባን ዘይጸውዖ ግዳማዊ ሓገዝ ዕግበት “መራሕቲ ውድባት” እምበር ዕግበት ህዝቢ ክምልስ ከምዘይክእል ኣብ ካልእ ከይከድና ኣብ ተመክሮ ደንበ ተቓውሞ ብግቡእ ከነንብቦ ክኢልና ኢና።

ደንበ ተቓውሞ ብፍላይ ከኣ “ኪዳን” ነዚ ተንጠልጢሉ ዘሎ ሕቶ ህዝቢ ንዓመታት ክምልሶ ብዘይ ምኽኣሉ ዘሕዝን እኳ እንተዀነ፡ ሞጎተና ኣብኡ ክሕጸር ኣለዎ ማለት ከምዘይኮነ ነዚ እማመ’ዚ እንዝርግሕ ዘለና ምንቅስቓስ ኣትሪርና ክንእምት ንፈቱ። “ኪዳን” ብናይ ሰላማዊ ኣገባብ ዝብል ክንፉ እንዳወገነ ክኸይድ ከሎ፡ ብናይ ሓይሊ ዝብል ክንፉ ኣብ ፋሕ ጭንግራሕን ብሕታዊ ላዕልን ታሕትን ተወሲኑ ስለ ዝርከብ ክልቲኡ ክንፍታት ምስ ኣድማዒ ኣገጣጥማ ጸረ-መላኺ ስርዓትን ባህርያቱን ዘይምክት ኣብ ትንዕታ ዝዕገት ምስ ትጽቢትናን ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራን ዘይቃዶ ብምዃኑ ንባህሪ መንገዲ ምንቅስቓስና ፍልይ ዝበለ ክገብሮ ክኢሉ ኣሎ። እዚ ብምዃኑ ድማ፡ ብዛዕባ “ኪዳን” ጥራይ ምዝራብ ብዛዕባ ሕጽረታት ጥራይ ክትዛረብ ምንባር ዘየዋጽእ ጠጠው ኰይኑ ስለዝረኣናዮ  ናብቲ ዝመረጽናዮ ኣገባብ ቃልሲ ክንሓልፍ ኢና።

ምንቅስቓስና ብዝነውሐን ብዝሓጸረን መልክዑ ካብ ዝተፈላለየ ውደባታት ዝተዋህለሉ ንዂነታት ሃገርና ብግቡእ ዝተኸታተሉን ዝተቓለሱን ገና’ውን ዝቃለሱ ዘለዉን ምኩራት ተበገስቲ ዝሓቜፈ ኢዩ። ኣካላት ምንቅስቓስና ብውዱብ ይኹን ብዘይውዱብ መልክዓት ኣብ ዝቐደመን ዝደሓረን ዝተዋስኡን ካብ ምቅላስ ብዓቕሞም ዘየዕረፉን ኢዮም። እዚ ክንብል ከለና ግን ምንቅስቓስና ካብ ውሑዳት ናብ ብዙሓት ብመስርሕ ዝመጸን ኣብ መስርሕ ዕብየት ክኣ ዝርከብን’ምበር ብሃንደበት (spontaneously) ዝተወልደ ስለዘይኰነ ሰንሰለታዊ ታሪኹ ክዝንጋዕ የብሉን።

ገለ ንንጹር ኣወዳድባ ካብ ዝዕንቀፉ ረቛሒታት፦

  • ሃይማኖታውን ብሄራውን ፍልልያትና ብደረጃ ሃገራዊ ሓድነትና ኣብ ግምት ብምእታው ክንርድኦን ከነተኣሳስሮን ዘይምኽኣልና፡ ማለት ንእምነትናን ንብሄራዊ መሰልናን ዝጓዕጸጸ ስርዓት ክንኣሊ ኣብ እንቃለሰሉ እዋን፡ ብሕታዊ እንታይነትና ንናይ ሓባርን ቀዳማይን ሽቶና ክጓትቶ ዕድል ክንህቦ ምዝንጋዕናን ዘይምግንዛብናን
  • መኽሰባትን ክሳራታትን ሰውራ ኤርትራ ብምልኣትን ብዕምቈትን ዘይምፍታግናን ኣሰራርሓ ሃገርና ብመንጽር ሕብረ-ብሄራዊ ሂደቱ  ዘይምግምጋምናን፡ ካብ ዳየሊክቲካዊ ተረድኦ ናብ መካኒካዊ ተረድኦ ምድሃብናን፡ ንረብሓታት ጠለባትን ዝተፈላለያ ብሄራትና ብደቂቕ ዘይምጽናዕናን
  • ኣጀማምራን      ኣፈጻጽማን ተጋድሎና (መኽሰቡን ክሳርኡን) ንኹላትና ዝምልከትን ብኹላትና ዝውነንን ምዃኑ ምዝንጋዕ፡ ብሓጺሩ ታሪኽ ድምር ኣሉታውን እወንታውን ሓቅታት ምዃኑ ዘይምግንዛብ፡ ኣብ ዝኣረገ ፍልስፍና ጀብሃን ሻዕብያን ተሓጺርና ኣብ ምጥቕቓዕ ምብላይና
  • ስርዓት ህግደፍ ብዝተራቐቐ ስልቲታት ኣብ ውሽጢ መዓልታዊ ህይወት ሕብረተሰብናን፡ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ተቓውሞ ደምበውን ከይተረፈ ዘተኣታተዎም ወገናዊ ማሕለኻታት ክንበታትኽ ዘይምኽኣልናን ካብ ናይ ሓባር ሃገራዊ ረብሓ ወጻኢ ኣብ ተዋጠጥ ምንባርናን
  • ስርዓት ህግደፍ ዝጻሕተሮ ውዲታዊ ዶባዊ ውግእ ኣብ ክንዲ ወድዓዊ ሚዛን ኣንቢርና፡ ብትሪ ምቅዋም፡ ብጸቢብ ሃገራዊ ስምዒት ተደፊንና ንጒርብትናዊ ተጻብኦታት ብቅርሕንታዊ ዓይኒ ብምጥማት ህግደፍ ክግልገለሉን ክምዝምዞን ዕድል ምሃብናን እዚ ድማ ንቃልስታትና ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዓቢ ዕንቅፋት ስለዝፈጠረሉን
  • ካብ ዘይብቕዓታዊ ኣመራርሓ ደንበ ተቓውሞ ዝነቐለ፡ ፍርሂ መጻኢ ዕድል ህዝብና ንሓድሽ ለውጢ ንምቕባል ቅሩባት ንምዃን ምምታእና
  • ብዓቢኡ ድማ ተዓራቕን ዘይተዓራቕን ግርጭት ኣብ ግምት ብምእታው ንባህሪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ኣተዓባብይኡን ብዘይምርዳእ ኣብ ኣገባብ ኣፈታትሕኡ ብምድንጋር፡ ብሰላምዶ ብጎነጽ ኣብ ዝብሉ ሜላታት ከነንሳፍፍ ምንባርናን ብሕጽረት ንጹር ኣወዳድባ ዝኣክል ኣብ ቀቢጸ-ተስፋነት ምዝዛውናን ወዘተ… ኢዩ ንብል።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ልዕሊኡን ምኽንያት ብምግባር ኣገባብ ኣተሃላልዋና ክነቓነቕን ክሕቆንን ከድሊ ኢዩ። ነዚ ክውንነት’ዚ ንምልዋጥ ክኣ ኣብ ብምልኡ ናይ ቃልሲ ህይወት ደንበ ተቓውሞ ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ናይ ለውጢ ወፈራ ከም ዝባራዕ ብምግባር ናብ ተግባራዊ መደብ ዕዮ ዘደይብ ኣወዳድባ ክንሰጋገር ክንበቅዕ ኣለና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነታት እቲ ምርጫ ብዙሕ ስለዘይኮነ፡ ወይ ብሓድሽ ኣወዳድባ ናብ ተግባራዊ ኣሰራርሓ ከምትኣቱ ምግባር’ዩ፡ ወይ ክኣ ብፖሊቲካዊ ኣላሽነት ተሳዒርካ ባህርያዊ ሞት ምጽባይ ክኸውን ኢዩ።

ከም ምርጫ ምንቅስቓስና አብ ነግ-ፈረግ (fear of the unknown) ተቐይዱ ካብ ምንባር ንሓድሽ ውደባ ብሓድሽ መንፈስን ኒሕን ተቐቢሉዎ ኣሎ። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ኣብ ምንቅስቓስና ንዝብገሱ ዘለዉ ኣካላት ጥራይ ዘይኮነ ንኹሉን አብ ኩሉን ኣብ ከም’ዚ ንሕና ዝመዘንናዮ አተሃላልዋ ዝርከብ ቅሙጥ ሓይሊ (potential) ዝምልከት ስለዝዀነ ኩሉ ወሳንን ኣድማዕን ተበግሶ ክወስድ ዝጽወዓሉ መድረኻዊ ጠለብ ኢዩ።

ደምዳሚ መርገጻት፦

ብሕጂ ዝድለ ኣወዳድባ ኣብቲ ውድባት ደንበ ተቓውሞ ብስክፍክፍ ወይ ብምፍርራህ ከሰላስልኦ ዘይክኣላ መዳያት ተባዕ ውሳኔን ስጒምትን ዝውሰዶ ኢዩ።

  • ቀንዲ ዕላማና፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ነቒልካ ስርዓታዊ ለውጢ ምትካእ ስለ ዝኾነ፡ ስትራተጂን ስልትን ክሰማማዕ ከም ዘለዎ ምግባር ኢዩ። ስትራተጂ ምንቅስቓስና ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ-ምሕደራ ክኽውን ከሎ ኣገባብ ቃልስና ካኣ ኣብዚ እምነት’ዚ ዝጥመሩ ሓይልታት ብምውህሃድ ብናይ ሓባር ፖለቲካዊ ርእሲ ዝውጃህ ናይ ሓባር ናይ ሓይሊ ትካል መስሪትካ ናብ ተግባር ምስግጋር ኢዩ። (ብናይ ተግባር መምርሒ ናብ ተግባር)።
  • ኣብ ሓያሎይ ኣብ “ኪዳን” ዝርከባ ኣብ ዕጥቃዊ ኣገባብ ንኣምንን ንምርሽን ኣለና ዝብላን ከምኡ’ውን ብሰላማዊ ኣገባብ ዝኣምና ግንከ ኣብ ተመዝማዚ ግዜ ብረታዊ ክንፊ ከማዕብላ ተኽእሎ ዘለወንን ውድባት፡ ሃገራዊ ተለላይነት ዘየማልእ ናይ ዳንጋይ ዳንጋኻ ስጒምቲ ኣብ መጻኢት ኤርትራ (ኣብ ዝኽሰት ናይ ስልጣን ባዶነት)፡ አብ ስክፍታ ዘእቱ ኣሰራርሓ፡ ብምንቅስቓስና ቅቡል ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ስልትና መሰረታዊ ፍልልይ ከም ዘለዎ ኢና እንምዝግብ። እዘን ውድባት እዚኣተን ነቲ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኣሎ ዝብልኦ ማሕበረ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብግሉጽን ዕቱብን መንገዲታት ኣብ ጠረጰዛ ኣውሪደን ብምክታዕ ከጻብብኦን ኣብ ምፍትሑ ድማ እዎንታዊ ተራ ክጻወታን ኣጥቢቕና ንጽውዕ።
  • ካብ’ዚ ብምብጋስ እምበኣር፡ ብናይ ሓባር ናይ ምልመላ ትካል ዝተሃንጸ፡ ብሓባራዊ ኮማንድ ዝተማእከለ ናይ ተቓውሞ ሰራዊት ኣዋፊርካ ንዕድመ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ክንዲ ምሕጻር፡ ብዘይቅቡል ምኽንያታትን ትሕቲ ስምረታዊ ሃገራዊ መኸተ ዝዕቀን ኣረኣእያን ሒዝካ ነንፋንጣኻ ምዂብላል፡ ዘየዐውትን መጻኢ ትጽቢታቱ ከኣ ምስ መላኺ ጠባያት ዝተኣሳሰረ ስለዝዀነ ብምንቅስቓስና ብመትከል ይኹን ብተግባር ተቐባልነት የብሉን።

ሕቶ መሰላት ሃይማኖትን ብሄራትን፡

ሃይማኖታዊ ነጻነት ብቕዋም ሃገር ክወሓስ ዘለዎ መሰረታዊ መሰል አርትራዊ ዜጋ ኢዩ። ሕቶ ሃይማኖት ይኹን ሕቶ ብሄር ምስ ሃገራዊ ሓድነትናን ህሉው ስተራተጂያዊ ዕላማናን ክተኣሳሰር ኣለዎ። ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዘይተኸለት ሃገር ዝዀነ ይኹን ናይ መሰል ሕቶ ክትምልስ ኣይትኽእልን ኢያ። ይትረፍዶ ሕቶ እምነትን ሕቶ ብሄርን ክምለስሲ፡ ወድ-ሰብ ወፊሩ ንምእታው’ውን ጨኒቑዎ ምህላዉ ንመን ይጠፍኦ? ስለዚ ብመትከል ንዝነኣሰን ዝዓበየን መሰላት ክንኣምነሉ ከለና ከም ምንቅስቓስ መጠን ግዴናን ዘይግዴናን እዋኑን ዘይእዋኑን ቀደምትነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብተግባር ነቲ ዕማም ድሕሪ ዕንወት ስርዓት ህግደፍ ንዝትከል ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ-ባይቶ ኤርትራ ክግደፍ ስለዝግባእ ንዘልዓልዎ ሓይልታት ብሕታዊ ፕሮግራሞም ክኽበር ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ብዝተረፈ ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ ላም ፍርቂ ጎድና ስለዘይትሃጥር ውጹዕ ሃይማኖትን ብሄርን ሒዝካ ቀሲንካ ስለ ዘይትነብር ነጻን ዲሞክራሲያዊት ሃገርን ኣላትኒ ክብሃል ኣይክኣልን።

ሕቶ  ምሕደራ ብዝምልከት፡

ብወገንና ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ዘይምእኩል ኣገባብ ምሕደራ ዝብል እምነት ኣለና። ንሱ ኰይኑ ወይ ካልእ መተካእትኡ ግን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘቐመጥናዮ ነፍሲ ወከፍ ኣጀንዳ ውልቀ-ውድባት ክኽበር ስለዝግብኦ እማሜታት ነታ መጻኢት ዲሞክራሲያዊት ባይቶ ሃገርና ክቐርብ ኣለዎ ንብል። መሰል ህዝቢ ኤርትራ ከነኽብር ስለ ዝግባእ፡ መጻኢ ደሞክራስያዊ ባይቶ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ሓደ ዝዓበየ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምፍትሑ ዝዕጠቐሉ ትካል ክኸውን ኢዩ። ናይ ሕጂ ቃልስና ክኣ ነዝን ወዲ ኸምዝን ንምምችቻእ እንተዘይኰይኑ ትርጒም ክስእን ኢዩ። ሕጊ እንዳባ ዘጠቓለለ (ዝተሰነደ)፡ ታሪኻዊ መበገሲ ዘለዎ፡ ምስ ትሕዝቶ መሬት ዝተኣሳሰረ ድዉብ ኣውራጃዊ ኣመሓዳድራና ግን መጀመርያ ኣብ ቦትኡ ክምለስ ኣለዎ።

ሕቶ ውነና መሬት ብዝምልከት፡

መሬት መሰረታውን ዓብላልን ቍጠባዊ ሰረት ናይ ህልውቲ ኤርትራ ስለዝዀነ ኣብ መንግስታዊ ግበታ ክኣቱ ምልካዊ ኣሰራርሓ ብምዃኑ ምስ ምልካዊ ስዕረት ይስዓር። ኩሉ ናይ መሬት ጒዳይ ብስርዓት ህግደፍ ዝተሰልዐ ውዱቕን ዘይሕጋውን ኢዩ። መሬት ዓዲ ናብ ዓዲ ብሕታዊ መሬት ክኣ ናብ ዋንኡ ተመሊሱ፡ ብዓል መሬት ብመሬቱ ብዓል ንዋይ (ገንዘብ) ክኣ ብንዋዩ ብዕግበትን ብምክብባርን ኣብ ነጻ ዕዳጋ ተራኺቦም ይዋገዩን ትሕዝቶኦም ይለዋወጡን። ህዝቢ ኣዘናቢልካ፡ ዳግመ ምጥያስ (Resettlement) ናብ ሕድሕዳዊ ጎነጽ ዝዕድም ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ ኣትሪርና ንዅንኖ። ህዝቢ ኸኣ ነዚ እከይ ፖሊሲታት እዚ ብንቕሓት ክምክቶን ነባሪ ሓድሕዳዊ ምክብባሩ ክሕሉን ነማሕጽን።

መንግሰትን ተርኡን፡

ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ናይ ሃገር ባህርያዊ ሃብትን ንልምዓትን መገሃጫን (Pastural) ዝሕዛእ መሬትን ኣብ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ተመርኵሱ ዲሞክራሲያዊ ሃገራዊ ባይቶ ብዘጽደቖ መሰረት ይቆጻጸር፡ የማዕብል፡ ፍረ እትዋት ድማ ንምምሕዳራት ኤርትራ ከም ኣድላይነቱ ብምምዕርራይ (Proportional distribution) የከፋፍል። መንግስቲ ነቲ ገና ዘይተመዝመዘ ዘሎ መገሃጫዊ ቁጠባ (Pastural economy) ጠመተ ክግበረሉን ይግባእ

ሕቶ ልኡላውነት፦

ኤርትራ ብደም ስዉኣት ዝፈረየት ልኡላዊት ሃገር ከም ምዃና መጠን ዶባታን ወደባታን መሬታን ባሕራን ንዕኡ ዝውንን ህዝባን ንዘልኣለም ዝተኸብረ ይኸውን። ህልዊ ይኹን ክመጽእ ንዝኽእል ንልኡላወነት ዝትንክፍ መጎተ ብሰላማዊ መኸተ እምበር ብብረታዊ ጠመተ ኣይንርእዮን። ንዕኡ ዝትንክፍ መጻኢት ዲሞክራሲያዊት ሃገርና ዝኸተመትሉ ውዕላት መሰረት ብምግባር ድማ ንዓለም ለኻዊ ትካላዊ ውሳኔታት ነኽብርን ንምእዘዝን::

ሕቶ ደቀ-ኣንሰትዮ፡

ደቀ’ንስትዮ ፍርቂ ሓይሊ ናይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ጒዕዞናን ምዕብልንኡን ከም ምዃነን መጠን፡ ንሳተን ዘይተሳተፍኦ መኸተ ክዕወት ይትረፍ ስድሪ ከስጒም ከምዘይክእል ስለ እንኣምን ንተሳትፎአን ዘይሕለል ጻዕሪ ክካየድ ከም ዝግባእ ንኣምን።

ሕቶ መንእሰያት፡

መንእሰያት ተረከብቲ ደሞክራስያን ምዕብልንኡን ከም ምዃኖም መጠን፡ ክንብገስ ከለና ንተሳትፍኦም ብዝልዓለ እምንቶን ጻዕርን ንጠልቦን መጸዋዕታና ነቕርብን።

ሕቶ ስደተኛታት፡

ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ብተኻታተልቲ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ተገፊዑ ናብርኡ ተመዛቢሉ ናብ ፈቖድኡ ኣብ ስደት ዝከላበት ዘሎ ህዝብና፡ ናብታ ዝፈትዋ ሃገሩን ዓዱን መሬቱን ተመሊሱ ሂወቱ ክመርሕን ኣካል ምዕባሌ ሃገሩ ክኸውንን ዝክኣል ዘበለ ጻዕርታት ክካየድ ደው ንብለሉ። ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ምሕራር ሃገርና ዝተጻወትዎ ተራ እናኣሞገስና ሕጂ ኣብ መደበራት ስደተኛታት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ከርፋሕ ናብራ ከምዘሕዝነናን ላዕለዋይ ኮምሽነር ሕቡራት መንግስታት ዓለምን (ላ.ኮ.ሕ.መ.ዓ/UNHCR) ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን ከኣ ዝግብኦም ጠለባት ክልግሱሎም ክንጽውዕ ምዃና ነፍልጥ።

ጒዳይ ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ዝርከብ ናይ ኤርትራ ናይ ምክልኻል ሰራዊት፦

ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝርከብ ትካል ንስርዓት ህግደፍ ዘገልግል ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ብክውንነት ኣቃውምኡ ግን በስገዳድ ከም ምዃኑ መጠን፡ ብመትከል ከም ጭቁን ከነለልዮ ከለና፡ ብተክኒካዊ ኣተሃላልውኡ ግን ኣብ ኣገልግሎት መላኺ ስርዓት ህግደፍ ስለዝውዕል፡ ነዚ ቅሙጥ ሓይሊ ናይ ለውጢ፡ ናብ ባህርያዊ ቦትኡ መሳርሒ  ዲሞክራስያዊ ምዕባለን ተጣባቒ ናይ ቅዋማዊት ሃገርን ንምዃን ክበቅዕ ክንቃለስ ኢና። ምንቅስቓስና ንደም ብመለሳ ስለዘይርእዮ፡ ደም ዝዀነ ይኹን ውጹዕ ህዝቢ ከም ደም ውጹዕ ህዝብና ክብሪ ከም ዘለዎ ይኣምን። ንክንፍታት ዓማጺ መላኺ ስርዓት መሳርሒ ዝዀነ ኣዋፋሪ ሸነኻቱ ግን ብንሕስያ ኣይክጥመቱን ጥራይ ዘይኮነስ እዋኑ ብዝበጽሐ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቦም ብሕጊ ክሕተቱ ምዃኖም ንኣምን። መን ንመን ይሃርሞ ንዝብል ዘንባዕ ሕቶ ግን፡ ግፍዒ መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቢ ክወርድ ከሎ፡ ውጹዕ ህዝቢ መልሲ ክህብ ግዴታ ኢዩ ብማለት ንሓልፎ።

ናይ ቃልሲ መነሃርያና (መደበርና)፡

መንሃርያና ሃገርና ኤርትራ ኢዩ። ኲነታት ጸጥታ መኸተና ኣብ ግምት ብምእታው ግን ካብ ዝዀነ ንዓወትና ዝምነን ብመትከልን ብተግባራዊ ደገፍን ዝተሓባበረና ኲርንዓት ከባቢ ይርሓቕ ይቕረብ ክንጥቀም ኢና።

ሚዛንና ኣብ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ፦

ስርዓት ህግደፍ ብሰላማዊ መንገዲ ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ ዝሰምዕ እዝኒ ከምዘይብሉ ጽኑዕ እምነትና ኢዩ። ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ብመትከል ኣይንዂንኖን ኢና። ብተግባር ግን ምስ ባህርያት ውልቀ-መላኺ ስርዓትን ዝተሓልፈ ፈተነታትን፡ ፍሉይነት ምዕባሌ ነፍሲ-ወከፍ ሃገርን ከም ጭብጢ ብምውሳድ ኣብ ውሳኔ ክብጻሕ ኣለዎ። ኣብ ክውንነትና እዚ ዝተጠቕሰ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ክትርጎም ስለ ዘይክኣል ምርጫ ምንቅስቓስና ኣይኮነን።

ብዛዕባ ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝጥቀሙ ሓይልታት፦

ምንቅስቓስና  ንዘይተጻብኡዎ ኣይጻባእን ኢዩ። ካብ ብምስጢር ብግህዶ ምምራጾም፡ ብግሉጽነት ዝንበብ ምርጭኦም ኢዩ። ምስ ግፍዐኛን ብተሓታትነት ህዝባዊ ክሲ ዝጽበዮ ዘሎን ስርዓት ህግደፍ፡ ኩሉ ናይ ሰላም ኣፍ-ደገ ዝዓጸወን ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ከም ዝጽንቀቕ ዝገበረን ብቐጥታ ጸዊዖም ክሳብ ዘይተሻረኹ፡ ግን ብድንድል ተራኺብና ክንቃለስ ጸገም የብልናን።

ብዛዕባ ዞባዊ ምውህሃድ:

ብባይቶ ኣህዛብ ናይተን ዝምልከተን ሃገራት ዝተወሰነ ከም መሳርሒ ናይ ሕድ-ሕድ ምርድዳእን፡ ምብልጻግን ሓያል ሰንሰለት ናይ ሓባራዊ ጸጥታ ምፍጣርን ክንግልገለሉ ብመትከል ተቐባልነት ኣለዎ። እንተዀነ ግን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ግፍዒ እትርከብ፡ ቅዋማዊ ምሕደራ ዝተነፍጋ፡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ኣብ ቃልሲ እተርከብ ሃገር ሒዝካ ንኽትርጎም ሕልሚ ስለዝዀነ፡ ብቐዳምነት ናይ ኣሰራርዓ ዕማም ክርአ ከሎ፡ ነታ ብሕጂ እትውለድ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ዝጽበ ኢዩ ንብል።

ብዛዕባ መንግስቲ ኣብ ስደት:

መንግስቲ ኣብ ግዳማዊ ዓለም ክእወጅ ይክኣል ኢዩ። እንተዀነ ግን ንዕኡ ዝኸውን ምድሪቤት ከየጣጣሕካ ሰማዒ እዝኒ ክረክብ ኣይክእልን ኢዩ።ትርጒም ናይ መንግስቲ ኣብ ስደት ምእዋጅ ተፈላጥነትን ግዳማዊ ፖሊሲን ሓገዝን ብምውህላል መተካእታ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ መላኺ ስርዓት ንምዃን ንወጻኢ ዓለም ከም ዝኣምኑኻን ከም ዝቕበሉኻን ዝተሓባበሩኻን ንምግባር ኢዩ። ኣዋጅ ብዘይ ትሕዝቶ ግን መትሓዚ የብሉን። ኣብ ኣኼባ’ምበር ኣብ ኣሰራርሓ ዘይራኸብ ደምበ ተቓውሞ ሒዝካ ኣዋጅ ናብ           ሃዋህው ምድርባይ ትርጒም ኣይሕለቦን ኢዩ። እዚ’ውን ቅድም እንታይ ክንምድምድ ኣለና ዝርዳእ በሊሕ ኣእምሮ ዝጠልብ ኢዩ ንብል።

ብዛዕባ ሃገራዊ ዕርቂ

ትርጒም ሃገራዊ ዕርቂ ብተረድኦና ምምዕርራይ ናብራ ህዝቢ ደቂ ሃገር ኢዩ። እዚ ድማ መሰልን ዕድልን ናይ ዕብየትን ምዕብልናን ንሓደ ዝቐርቦ ንሓደ ክኣ ዝርሕቆ ከይከውን ምትኽኻል ማለት ኢዩ። ብተግባር ክርአ ከሎ፦ ዝርግሐ ናይ ትምህርታዊ፡ ጥዕናዊ፡ ቍጠባዊ (ናይ ስራሕ ዕድላት)፡ ጸጋታት ሃገር ብመንጽር ረብሓታት ህዝቢ ከም ዝከፋፈልን ዝተኻኸልን ኣብ ርእሲ ምግባር፡ ብፖሊቲካዊ ሸነኹ ድማ ምምሕዳራዊ ስልጣን ብዲሞክራሲያዊ መዐቀኒኡ ነፍሲ-ወከፍ ክንፊ ናይቲ ህዝቢ በዝምድናዊ ኣዘራርባ ክዓግበሉ ክርአ ከሎ ማለት ኢዩ።

ሃገራዊ ዕርቂ ምትዕራቕ መራሕቲ ማለት ኣይኮንን። ሃገራዊ ዕርቅን ፖለቲካውን ዘይፖለቲካውን ውደባታት ምትዕራቕን ፈላሊኻ ክርአ ዘለዎ ክልተ ዝዛመድ እምበር ብሓደ ዝምዘን ኣምር ኣይኮነን። ንመረዳእታ ዝኣክል እቲ ኩሉ ግዜ ዝዝረበሉ ሃገራዊ ዋዕላ ብብቕዓት ምስ ዝሰላሰል ጥጡሕ ቅድመ-          ኲነታዊ ባይታ ናይ መጻኢ መንግስትን ብኡ ጌሩ ድማ ሃገራዊ ዕርቅን ክኸውን ይኽእል።

ምስትውዓል ዘድልዮ ነጥቢ ምስ ዝህሉ መራሕቲ ተዓሪቖም’ውን ኣብ ናይ ጭቆና ስልጣን ኮፍ ክብሉ ከም ዝኽእሉ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ኢዩ። ግን መሰረት ዘለዎ (ኣብ ናይ ሓባር ዕላማ ዝተጸግዐ) ዕርቂ ናይ መራሕቲ          ደሞክራሲያዊ ቅዋምን ካብኡ ዝውለድ ዲሞክራሲያዊ መንግስትን ግዝኣተ-       ሕግን ፍትሕን ብምምስራት መተዓየይ ናይ ሃገራዊ ዕርቂ ከም ዝዀውን ነቕ     ዘይብል እምነትና ኢዩ። ናይ ርሑቕ ዕላማና ድማ ነዚ ኣምር’ዚ ኣብ ግብሪ ንምተርጓም እምበር ካልእ ሕልሚ የብሉን።

ብዛዕባ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነት:

ምንቅስቓስና ኣብ ጒዳይ ሃገርና ንወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነት ኣይኣምነሉን ጥራይ ዘይኮነስ ኣትሪሩ ይቃወሞ። እዚ ኣረኣእያ’ዚ ብደረጃ ሃገርና ጥራይ ዘይኰነስ ኣህጉራዊ እምነትና’ውን ካብኡ ከም ዘይፍለ ነነጽር። ኣበሃህላና ኣብ ነጻ መትከልና ዝተመርኮሰ ምስ ማተሪያላውን (ነገራዊ)           ፖለቲካውን ናይ ፖሊሲ ምትሕግጋዝን ታዕሊማውን (Training) ክተሓናፈጽ የብሉን። ደሞክራሲያዊ ፍረ ዝቕንጠባ ተኽሊ ኣብ ዝምልከታ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ቦቝላ ትዓቢ ክትከውን ኣለዋ።

ፖሊቲካዊ ፕሮግራም

ስም፡ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዴሞክራስያዊ ምሕደራ

ኣርማ፦ ንመትከልናን ዕላማናን ዘንጸባርቕ

ዕላዊ ልሳን:ዌብ ፡ ተለዓል.ኮም ፡ انتفض Teleaal.com

ዕላማና፦ ብኽቡር መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ነጻነት ሃገርና ኣዕቍብና፡ ደሞክራሲያዊ     ሓድነታ ዘረጋገጸት ልኡላዊት ቅዋማዊት ኤርትራ ምህናጽ ቀንዲ ዕላማና ክኸውን ከሎ፡ ነዚ ንምግባር ግን ንኽብሪ ህዝብና ዝገሃሰን ንልኡላውነት መሬትና ከም ፍረ ዋጋ ደም ህዝብና ዘይቆጸረን፡ ንደም ህዝብናን መሬትናን ናብ ቃሕ ዝበሎ ናይ ስልጣኑ መናውሒ መተዓይዬ ብምግባር: ናብ ቀጻሊ ደም ምፍሳስ ዝመረሸን ግፍዐና መላኺ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ምምሓው ከም መሰጋገሪ ዕማምና ክውሰድ ኢዩ።

ዕላማና ሕብረ ሰልፋዊ ናይ ስልጣን ውድድር ዘፍቅድ ክኸውን ከሎ፡ መተዓየይኡ ደሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ኢዩ።

ዴሞክራሲ፦ ዴሞክራሲያዊ ኣሰራርሓና ብደረቑ ብብዙሓት ምምእዛዝ ዘይኮነስ ኩሉ ኲርንዓዊ ጠመተ ዘለዎ እናሳዕ ዝምዕብል ክኸውን ንኣምን፡፡ እዚ ማለት ንኣገልግሎት ብዙሓት ጥራይ ዘይኮነስ ውሑዳት’ውን መሰሎም ዝኽበረሉ ውሕስነት ዘጠቓለለ ክኸውን ብመትከል ንኣምነሉ ኣብ ግብሪ ክኣ እንቃለሰሉ እምንቶ እዩ።

ዴሞክራሲያዊ ግዴታ፦

  • ምእዙዝነት ውሑዳት ኣብ ትሕቲ ብዙሓት ምእማን
  • ውሳኔታት ብኣብዝሃ ድምጺ ህዝቢ ምኽባር
  • መርሆ ነጻን ሰላማውን ናይ ስልጣን ውድድርን ምቅብባልን ምዕቃብ
  • ብዓቢኡ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ህዝባዊ ቅዋም ኣገልጋልን ተገልጋልን ምዃን  ድሉውነት ምርኣይ

ዴሞክራሲያዊ መሰል፦

  • ዝዀነ ይኹን ተቓውሞ ህዝባዊ ቅዋም ብዘፍቅዶ መሰረት መሰል ሰላማዊ ሰልፊ ብምዝውታር ጠለባቱን ወጽዕኡን ንመንግስትን ህዝብን ምምልካት
  • ነጻነት ምእካብን ምጽሓፍን ምዝራብን
  • ነጻነት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስን ምስራሕን
  • መሰል ሃይማኖታዊ እምነታት
  • ናይ ምእካብ መሰል
  • መሰል ምምራጽን ተመራጽነትን (ፖሊቲካዊ ውድድር)
  • ተፍትሽ ይኹን ማእሰርቲ ካብ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ከይዝውተር ምርግጋጽ
  • ዝውተራን ውሕስነትን ጾታዊ ማዕርነት
  • ውሕስነትን መሰልን ጥብቅና ንዝኾነ ይኹን ክሱስ ወይ እሱር
  • መሰልን ውሕስነትን ዜጋ ብሕጋዊ መንገዲ ሰሪሑ ንብረት ከጥርን ከራብሕን
  • መሰልን ህላወን ምንቅስቓስን ነጻ-ፕረስ (ብሕታዊ ጋዜጣ፡ሬድዮ፡ቲቪ) ወዘተ… ክህሉን መድያ ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ ግበታ ከይኣቱን ምርግጋጽ

ፍትሓዊ ትካል፦ ግዴታን ግቡእን ከም ሚዛኑ ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ምእንቲ ክውዕል ካብ ሻራ መንግስቲ ሓራ ዝዀነ ኣብ ዲሞክራስያዊ ቅዋም ሃገር ዝጸደቐ ነጻነቱ ዝሓለወ ናይ ሕግን ፍትሕን (ቤት ፍርዲ) ትካል ክህሉ እምነትናን ቃልስናን ኢዩ።

መሰል ብሄራት ብዝምልከት፦ ኣሰራርሓ ሃገርና ብሄራውን ሕብረ-ብሃራውን ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ኩሉ መዳያዊ ምዕባሌታት ማለት ፖሊቲካዊ፡ ቍጠባዊ ማሕበራዊ ማዕርነታዊ ተሳትፎን ተገልጋልነትን ክህሉ ንኣምን። ፍሉይ ጠለባት ብሄራት ኣብ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ባይቶ ይቐርብን ፍታሕ ይናደየሉን። ማዕርነታዊ ዝርግሐ ሃብቲ ሃገር ብመጽናዕቲ ህዝባዊ ባይቶ ኣብ ግብሪ ይውዕል።

መሰል ሃይማኖታዊ እምነታት፦ መሰል ሃይማኖት ዝተኸብረን ካብ መንግስታዊ ምትእትታው ናጻ ኰይኑ ድማ ናይ ባዕሉ ሚስጢራዊ ትሕዝቶ ስለዘለዎ ንኣባላቱ ዝምልከት ጒዳይ ምዃኑ ንኣምን።

ቍጠባዊ መዳይ፦

  • ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ዝተገበተ ንብረት ሃገርን ህዝብን ከከም ዝምልከቶ ናብ ዲሞክራስያዊ መንግስትን ዋናታቱ ህዝብን ይምለስ
  • ቍጠባዊ ፖሊሲ ሃገር ነጻ ዕዳጋን ውድድርን ዘፍቅድ ኰይኑ ብመጽናዕቲ ዝጸደቐ ብሕጊ ድማ ገደብ (Regulation) ከም ኣድላይነቱ ይህልዎ። ብተወሳኺ መንግስቲ ብናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣቢሉ ኣብ መንጎ መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዝግበር ፍሰ-ማል (Foreign investment) ሕጋዊ ፍቓድ ይኽትምን  የውሕስን
  • ንሃገራውያን ወነንቲ ሃብቲ ዘበራትዕን ሰራሕተኛታት ደቂ ሃገር ዘፍርን ከባብያዊ ብከላ ዘይፍኑ ምስ ጥዕና ሸቃሎን ሰፊሕ ህዝብን ዘይጋጮ ፍሰ-ማል (Investment) ምትብባዕ
  • ንመጠነ እትዋት ኣፍረይቲ ኣብ ግምት ብምእታው ደያቢ ቀረጽ (Progressive tax) ከም ዝህሉ ምግባር

ማሕበራዊ ጒዳያት፦ ዲሞክራሲያዊ ግንቢ ምእንቲ ክንደቕ ብውሕዱ እዞም ዝስዕቡ ትካላት ክህልዉ ኢዮም፦

  • ትምህርታዊ ትካላት
  • ውሕስነት ሰእነተ ስራሕን ጥሮታን
  • ትካላት ውሕስነት ኣረጋውያን
  • ጉዳይ ሓርበኛታት
  • መንግስታውን ዘይመንግስታውን ናይ ረድኤት ትካላት
  • ጥዕናዊ ትካላት
  • ስፖርታውን ባህላውን ትካላት
  • መእለይ ጥቑዓት ደቀ-ኣንስትዮን መንእሰያትን
  • ክንክን ረድኤት ህጻውንቲ (ቆልዑ)
  • ምስረታ ናይ ሞያ ማሕበራት .

ጸጥታዊ ጒዳያት፦ ፖሊስን ናይ ምክልኻል ሓይልታትን ሓለዋ ህዝቦም’ምበር መፈራራህቲ ህዝቢ ከምዘይኰኑ ብመትከልን ተግባርን ምእንቲ ኣብ ኣእመሮ ህዝቢ ክሰፍር፡ ዕላምኦም ዝፈልጥሉ መበገሲ ትምህርታዊ ደረጃን ናይ ንቕሓት ስንቅን ክህልዎም ኢዩ። መለክዒታት (Standard) ክህሉ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

  • ጒዳይ ፖሊስን ኣተሃናንጽኦምን (ትምህርታዊ መበገሲኦም)
  • ጒዳይ ምክልኻል ሓይልታትን (ሃገራዊ ሰራዊት) ኣተሃናንጽኦምን
  • ጒዳይ ሃገራዊ ሓለዋን (National Guard) ምልመላን
  • ጒዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ወተሃደራዊ ዕዘት ጥራይ ከየትኴረ ብዓቢኡ ኩሉ ሜዳያት ሞያ ዘጠቓለለ ብዕግበታውን ኣፍራይን መጽናዕቲ ዝተሰነየ ይኽውን።

ናይ ወጻኢ ፖሊሲ፦ ብፍላይ ኣብ ዘለናሉ (contemporary) ኣህጉራዊ ቁጠባ ዓለም፡ ዝዀነት ትኹን ሃገር ተነጺላ ክትምዕብል ስለዘይክኣል፡ ኣብ ሓድሕድ ረብሓ ዝተመርኰሰ፡ ተቓዳዊ ዝዀነ ፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን ባህላውን ወዘተ…እስስራትን ዝምድናታትን ክትገብርን ከተማዕብልን የድሊ።

እዚ ስለ ዝዀነ ምንቅስቓስና ዝኣምነሉ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ፦

  • ካብ ኢድ ኣእታውነት ነጻ (Non Intervention) ዝዀነ ናብ ግስጋሰ ዘምርሕ ኣብ ሰላማውን ሓድሕድ ምክብባርን ዝተመርኰሰ ዝምድና ምፍጣር
  • ኣብ ዓለምና ሰላምን ብልጽግናን ምእንቲ ክዓስል፡ ኣብ ትሕቲ ዞናውን ኣህጉራውን ትካላትን ዝሐቝፎ ውዕላትን ምእዙዝነት ምርኣይ

መገንዘቢ፦ ምንቅስቓስና ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ምሕደራ (ኤ.ም.ዴ.ም.) ብጽሙቝ ዝበለ ኣቀራርባ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እምንቶታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተበጊሱ ኣሎ። ዕግበትና ህዝባዊ ተሳትፎ ምስ ዝስሕብ ጥራይ ኢዩ ዝዕወት። ከም መተዓየይ ግን ካብ ኩሉ ምኣዝናት ደንበ ተቓውሞ ሓገዝን ምትእስሳርን ክረክብ መጸዋዕታና ነቕርብ። ምስ ከማና ዝኣመሰለ እምነት ዘዕቆቡ ውዱባትን ዘይውዱባትን ናይ ለውጢ ሓይልታት ሓቢርና ኣብ መዓርፎ ዓወት ክንበጽሕ’ውን ተወሳኺ ዕግበትና ስለዝዀነ ድልውነትና ኣቐዲምና ንዝርግሕ። እዚ እምነት’ዚ ስለ ዘለና ድማ ሰነድና መሰረተ-ሓሳቡ ማለት ዕላምኡ ከይስሓተ፡ ብውሳኔ ኣባላቱ ንምዕብልናን ምምሕያሽን ክፉት ኢዩ። “ክለሳ-ሓሳብ ናብ ተግባር ምስ ተቐየረት ነገራዊ ሓይሊ ትኸውን”። ከምቲ ናይ ፖሊተካ ሊቃውንቲ ዝብልዎ ድማ ምእንቲ ኣብቲ ቅኑዕ ገጽ ናይ ታሪኽ ክንምዝገብ ንረብሓ ህዝቢ ደው ክንብል ይግብኣና። አብ ትሕቲ ንጹር ዕላማን ውዱብ ኣቀላልሳን ህግደፋዊ ጽቕጠት ናብ ህዝባዊ ዓወት ክልወጥ ኢዩ።

ዓወት ንጅግና ህዝቢ ኤርትራ!

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዴሞክራስያዊ ምሕደራ (ኤ.ም.ዴ.ም.)

ግንቦት 8-10, 2009

Short URL: https://english.farajat.net/?p=874

Posted by on Jul 2 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net