ዳያሎግ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?

ብፍስሓ ናይር

 

ዳያሎግ ዝብል ቃል ካብ ቋንቋ ላቲን ካብ ”ዳያሎጎስ” ዝብል ቃል ዝመጽኤ ፣ ትርጉሙ ሓሳባትካ ምፍሳስ ወይ ምግላጽ ማለት ኢዩ፣

ምዝውታር ዳያሎግ ንሓቀኛ ትርጉምን ዓሚቅ ኣረዳድኣን ናይ ሓደ ነገር ክንፈልጥ የኽእለና፣

 

ንኣብነት ጉዳይ ሃገራዊ ሓድነት፣ኣብ መቆምያታት ማዕርነትን፣ ፍትሕን፣ሓድሕድ እምነትን፣ ምኽብባርን፣ዝተመርኰሰ ኮይኑ ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ምዕሩግ ኣከፋፍላ ስልጣንን ፍትሓዊ ምዕዳል ሃገራዊ ምንጭታት ንኩሎም ዜጋታት ብዘይ ኣፈላላይ፡፤

 

ብዳያሎግ ባህርያዊ ኣተሓሳስባና ዝያዳ ክግለጽ ይከኣል፣ ብዳያሎግ ንሰብኣውነትና/ humanity ዓቅምታት ናይ ነፍሱ ከምዝፈልጥ ይገብሮ፣ ዳያሎግ ንዝተፈላላየ ጥቅምታትን፣ንተገራጨውቲ ጉዳያትን ብዘይ ተጻራርነት ክዋስኡ ዕድል ይህብ።

 

ዳያሎግ ካብ ክትዕ ይፈላለ፣ ክንዲ ንብዙሓዊ ኣተሓሳስባታት ዝጉዕጽጽ ንብዝሓውነት ናይ ኣተሓሳስባን ርእይቶታትን የተባብዕ፡፤ ዘተ ዳያሎግ ንናይ ሓድሕድ ርድኢት ብዛዕባ ዘሎ ጸገማት ንምፍላጥን፣ ምድላይ ናይ ሓባር ስምምዕ ንክትበጽሕ ይሕግዝ። ኣብ ልምምድ ናይ ዘተ ፣ናይ ሓደ ሰብ ርእዮተ-ሓሳብ ወይ እምንቶ ካብ ካልኦት ርእዮተ -ሓሳብ ወይ እምንቶ ቀዳምነት ክዋሃቦ ከምዘይብሉ ስምምዕ ኣሎ። በዚ መሰረት ናይ ሓባር ስምምዕ ብዋጋ ናይ ውልቀ-ሰብ መስል ምግሃስ ክድለ የብሉን።

 

ዘተ ከም መሳርሒ ናይ ጸገማት ምፍታሕ ናይ ሓንቲ ሃገር ወገን፣ ውድብ፣ ስርዓት ወይ ድማ ጉጅለ እንተ ድኣ ክኸውን ኮይኑ ብቀዳምነት ናይቲ ንሱ እውን ኣካሉ ዝኾነ ምሉእን ሓቀኛን ሓበረታ፣ ንኩሉ ክእክብን፣ብኪኢላዊ ኣተሓሳስባ ክጅምርን ባዕሉ ናብ ንቅድሚት ዘስጉም ለውጢ ክወድብ ዕድል ይህብ።

 

መስርሕ ዘተ ብዛዕባ ፍርዲ ምሃብ ኣይኮነን፣  እንታይ ድኣ ብዛዕባ እቲ ዝርከብን ዝርኤን ዘሎ ወድዓዊ ፍልልያትካ  ስፍሕ ዝበለ ኣፍልጦን ምርዳእን ክህልወካ ምስትውዓል ማለት ኢዩ፡፤ እዚ ምስተረኽበ ምንቅስቃስ ናብ ጸገማትካ ምፍታሕ ሓቀኛ ዕድል ይረክብ።

 

ኣብዚ ግዜዚ  ኣብ ደንበ ተቃውሞ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያዊ ምስግጋር ኤርትራ ብዙሓት ኤርትራውያን መድረኽ ንሃገራዊ ዘተን ካልኦት ንኡ ዝመሳሰል ኣብ ምምኽካር ይርከቡ ኣለዉ።

 

ኣብዚ ሓተታዚ መገድን መስርሕን ሃገራዊ ዘተ እንታይ ክመስል ኣለዎን ውጽኢቱን ኣብ ዝብል ከምቲ ተረድኦይ ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

 

  1. ቅጥዓዊ መገዲ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

 

መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ብተበግሶ መንግስቲ ፖሊትካዊ ሰልፍታት፣ በርገሳዊ ማሕበራት ወይ ድማ ብውልቃውያን ወይ ድማ ብኣህጉራውያን ደገፍቲ ትካላት ክኸውን ይከኣል። ናይ ኤርትራውያን ግን ብተበግሶ ኤርትራውያን ይመስል።

 

ኣብ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ክማላእ ዘለዎ ነገራት፣

 

  1. ዳያግኖሲስ- ኣፍልጦ- መስርሕ ናይ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ

 

–      ምልልላይ ጸገማት ሃገር

–      ዘሎ ትካላትን ውዳበን ምፍላጥ

–      ዘሎ ሃገራዊ ሓይልታት  ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምምዛን

 

  1. ተሳተፍቲ ሃገራዊ ዘተ መን ኢዮም

 

–      ፖሊቲካዊ ሰልፍታት

–      በርገሳዊ ማሕበራት

–      ግላዊ ማሕበራት

–      መሓዙት ናይ ደሞክራስያዊ ሕንጸት ከም ተዓዘብቲ

–      ሃገራውን፣ ዞባውን ኣህጉራውን ክኢላታት

 

 

  1. ዕላማታት ሃገራዊ ዘተ ከመይ ክመስል ኣለዎ

 

–      ምትንታን ዳይናሚካዊ ኣሰራርሓ ደሞክራስያ ኣብ ኤርትራ

–      ምድላይ ናይ ሓባር ርድኢት ኣብተን ቀዳምነት ክወሃበን ዘለዋ ሕዝባውን ሃገራውን ጉዳያት

–      ምድላይ ውህደት ኣብ ናይ ሓባር ኣሰራርሓ

 

  1. ትጽቢት ውጺኢት ሃገራዊ ዘተኸ

 

–      ምምዛን መስርሕ ደሞክራስያ ኣብ ደንበ ተቃውሞ

–      ሃገራዊ ናይ ሓባር  ስምም ዕ  ኣብ ዝገጥመና ብድሆታት

–      ሃገራዊ ውዕል ኣብቶም ቀዳምነት ክዋሃቡ ዘለዎም ጉዳያት

–      ናይ ስራሕ ዕቅድ ምውጻእ

–      ሃገራዊ ተሓድሶ- ጉዳይ ሃገራዊ ዕርቅን ፍትሕን

–      ምምዛን ናይ ደገ ደገፋት ንደሞክራስያዊ መስርሕ ኣብ ኤርትራ

 

 

  1. ናይ ዘተ ውጺት ምትርጓም  ወይ ኣብ ስራሕ ምዋዓሉ

 

–      ምምሕያሽ ትካላዊ ኣሰራርሓ ፣ናይስራሕመድባትምውጻእ፣ ምልላይ ጸገማትካ፣ ግዜን ዕቅድን ምንጻር፣ ምኽትታልስራሕ፣ ምምዛንስራሓት

–      ብውዕልታት ወይ በቲ ዝተሰማማዕካሉ ቅዋም ምቅያድ፣ ግዝኣተ ሕጊ ምኽባርን፣

–      ምሕያል ደንበ ተቃውም ብቦታውን ሃገራውን፣ዞባውን ኣህጉራውን ብምቋም መርበባት፣

–      ኣድላይነት ምንጭታት ሰብኣውን ፊናንሳውን ከምዝርከብ ምግንዛብ

 

 

 

መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ተበግሶ ኣዎንታዊ ኢዩ እንትኾነ” ብኣካደምያዊ መጽናዕቲ” ዝተሰነየ ምስ ዝኸውን ዝያዳ ኣዕጋብን ውጽኢታውን ክኽውን ይኽእል፣ እቶም ነዚ ተበግሶ እዚ ሒዞም ዘለዉ ፍሉይን ሰፊሕን መጽናዕቲ ብዛዕባ ኤርትራን  ውሽጣውን ግዳማውን ፍልልያት ብዕምቈት ኣጽኒዖም ምስዘቅርቡ ነዚ ተበግሶ ሓጋዚ ምኾነ እናበልኩ ንሎሚ ዘሰናዶኹዎ ሓተታ ኣብዚ እድምድም።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8749

Posted by on Aug 3 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net