ሓጺር ጸብጻብ ሰላማዊ ሰልፊ 1-2 Aug 2014 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም – ስዊድን ብኣዳላዊት ኮሚተ

እቲ ካብ ዓርቢ ዕለት 1 ነሓሰ 2014 ክሳብ ናብ ሰንበት ዘውግሕ ዕለት 3 ነሓሰ 2014 ኣብ ትሕቲ ቴማ፣ ”ከተማ ስቶክሆልም ናይ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ፈስቲቫላት ምእንጋድ ጠጠው ክተብል ኣለዋ” ን ”ንዓ/ንዒ ንዛተ” ዝተሰነየ ናይ ክልተ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ኣብናይ ሓጺር ግዜ ምድላዋት ብኩሉ መዔቀኒታት ብዓወት ተዛዘመ። ሰላማዊ ሰልፈኛታት፡ ሓቦን ንሒን ሞራልን ኣስኒቆምን ሰኒቆምን ብሰላም ናብ ቦቦትኦም ተመሊሶም። ህግደፍ ሞራሉ ከምዝወደቐን ውድቀቱ ከምዝቐረበን ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብቀረባ እዋን ብሓርነት ከምዝድበስን ኣስሚሮምሉ።

 

StockholemRally0ቀዳማይ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዓርቢ ዕለት 1 ካብ ሰዓት 12 ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት ሸውዓት ናይ ምሸት ተኻዪዱ። ኣብዚ ናይ 7 ሰዓታት ሰላማዊ ሰልፊ  ደለይቲ ፍትሒ ኩሉ መሳርሕታቶም ኣዋዲዶም ብክብ ዝበለ መጉልሕ ድምጽታት ጌሮም ጭርሖታቶምን ሙዚቃታቶምን ንህልዊ ኩነታት ሕዝብና ብቋንቋታ ትግርኛ፣ ዓረብኛ፡ ዓፋርኛ፡ ቢለን ትግረን ስዊደን.. ወዘተ ዝገልጽ ነቶም ናብ ፈስቲቫል ዝኸዱ ዝነበሩ ዓገብ ይብሉ ነበሩ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ብዙሕነትና ክብርናን መልክዕና’ዩ ብምባል ዝተረኽቡ ብሄራትና ብብቛንቁኦም ጨርሑ። ብፍላይ ድማ እቲ ብሓፍትናን ኣደናን ወይዘሮ ኣስገደትን ብሰነ-ጥበባዊ ሓውና ግርማይ- ጥዩስ ብግጥሚ መልክዕ ዝሓልፍ ዝነበረ መልኽቲ ነቶም ናብ ፈስቲቫል ዝሓልፉ ዝነበሩን ኣብ ውሽጢ ዳስ ፈስቲቫል ዝነበሩን ንኡ ጥራሕ ጽን ኢሎም ከምዝሰምዑ ጌርዎም ኢዩ።ብዙሕ ሓጺር ጽሑፋት ኣብቲ ሰልፊ ተነበ፣ እታ ናብ ሓለፍቲ ናይዚ ፈስቲቫል ዝግበርሉ ቦታ ዝቀረበት ምሕጽንታ ብቋንቋ ስዊደን ብ ሠመረ መሓሪ ተነበት፡፤

 

150 ዝኸውን ወረቓቅቲ ”ንዓ/ንዒ ንዛተ” ብዝብል ኣርእስቲ ናብቶም ንፈስቲቫል ዝሓልፉ ዝነበሩ ተዓዲሉ፣ ብዙሓት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ነቲ ጽሑፍ ኣንቢቦም ስልጡን ሰላማዊ ሰልፊ ተካይዱ ኣሎኹም ኢሎም እውን ንሰልፍና ሞጒሶም። ኣብዚ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ብርክት ዝበሉ ካብ ከተማ ስቶክሆልምን ክባብኣን ከምኡ እውን ኣቀዲሞም ዝኣተዉ ኣጋይሽ ካብ ሃገረ ጀርመን፣ ሆላንድ፣ ኖርወይን ኣይርላንድን ነበሩ። እቲ ዓርቢ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ሽቶኡ ወቂዑ ፡ ልክዕ ሰዓት ሸውዓት ድሕሪ ናይ ሓበረታ መግለጺ ናይ ምሽት መደብ ብዝኽሪ ስዉኣትና ተደምዲሙ። ድሕሪኡ ሰልፈኛታት ብመካይን ተዓጂቦም ናብቲ ቦታ መቀበል ኣጋይሽ ኣምርሑ። ሰላማዊ ሰልፈኛታት ኣብ መቀበል ኣጋይሽ ንሰለሰተ ሰዓት ዝኸውን ናይ ዓርቢ ኣፈናዊ ገምጋም ኣካየዱ ድሕሪኡ ናይ ቀዳም መደብ እንታይ ከምዝመስል ብመራሕ መደብ ተዋህበ።

 

ካልኣይ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ቀዳም ዕለት 2 ነሓሰ 2014 ካብ ሰዓት 11.00 ናይ ንግሆ ክሳብ 20:00 ናይ ምሽት ተኻዪዱ። ሰላማዊ ሰልፈኛታት ካብ ኩለን ከተማታት ስዊደን ገሊኦም ብባቡር ገሊኦም ድማ ብመካይን ናብ ስፍራ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቅድሚ ኣፍደገ ፈስቲቫል ክእከቡ ጀመሩ፣ እቶም ኣቀዲሞም ካብ ሃገራት ሓብረት ኤውሮጳ ማለት፣

 

  1. ጀርመን
  2. ዓዲ እንግሊዝ
  3. ኣይርላንድ
  4. ዓድጥልያን
  5. ሆላንድ
  6. ኖርወይ
  7. ስዊዘርላንድ
  8. ፈረንሳይ

 

StockholemRallyኣብዚ ሰልፊዚ ዝተሳተፉ ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ሰንደቅ/ዕላማ -ባንደራ ሒዞም ኣብታ ቦታ ምስ በጽሑ ባንደራታቶም ኣዋዲዶም ነታ ፈስቲቫል ከበብዋ፣ ናይሎምዓመት ሰላማዊ ሰልፊ ብ ዓይነቱ ይኹን ብብዝሑ ክብ ዝበለ ኢዩ ነሩ። ብብዝሒ መንእስያትን ደቀ- ኣንስትዮን ነበሩ፣ ግምት ብዝሒ ሰልፈኛታት ክሳብ 500 ይበጽሕ ነሩ፣ ብፍላይ ድማ ሓብትና ሰይቲ ስዉእ ኮሎነል ዓሊ ሓጃይ መራሕ ስርሒት ፎርቶ ጥሪ 2013 ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምስ ደቃ ብምስታፋ ነቲ ሰልፊ ዓቢ ፍናን ሂብዎ።

 

ሰልፈኛታት ሓውኻ ኣይ ኣሎ ዝብል ጻዕዳ ማልያታት ተኸዲኖም መእተዊ ፈስቲቫል ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ መልእዎ፣ ብጭርሖታትን ሙዚቃን ጌሮም ድማ ቦታ ፈቲቫልን ከባብኣን ከምዘንቀጥቅጥ ገበርዎ፣ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኣብ ቦታ ሰልፋኛታት መጺኦም ምሳኹም ኣሎና ከምዝብሉ ገበርዎም፣ ገለ ተዓዘብቲ መናእሰያት ሶምላውያን ኣብ ክልቲኡ ቦታ በጺሖም ምስ ረኣዩ ካብቲ ኣብ ኣደራሽ ፈስቲቫል ዘለዉ ንስኻትኩም ትበዝሑ፣ ቀጽሉ ቃልስኹም ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሶማል ደገፍትኹም ኢና በሉና። ናይ ቀዳም ሰልፊ ሓያልን ሰፊሕን ብትሕዝቶኡን መልእኽቱን ነበረ። 500 ዝኸውን ወረቃቅቲ ብቛንቋ ስዊድን ”ንዑ ንዛተ” ብዝብል ኣርእስቲ ንኹሉ ንመብዝሕትኡ ኣታዊ ፈስቲቫል ክዕደል ተኻኢሉ። ብዙሓት ድማ ተቐቢሎም ፡ ምስኦም ወሲዶም ከንብብዎ ክኢሎም።

 

እቲ ኣወዳድባ ድማ ክልተ መልክዕ ነበሮ። ቋዋምን ተንቀሳቓስን፣ እቲ ዝያዳ ንሰልፍና ድምቀት ዝሃቦ እቲ ካብ ሁስቢጎርድ ተንሲኡ ናብ ኣፍደገ ፈስቲቫል ህጁም ዝኣተወ ክፋል ሰላማዊ ሰልፍና ናይ ስካራ መንእሰያት፡ ናይ ሳንዲቪከን መንእሰያት፡ መንእሰያት ተወለዲ ዓፋርን ኣብኡ ዝጸንሑ ናይ ስቶክሆልም መንእሰያትን ካልኦትን ዘጠቓለለ ኔሩ። እዚ ክፋልዚ እናጨርሐ ባንዴራ ኣምንዳኣምበልበለ ናብቲ ቋዋሚ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ዝነበሩዎ ቦታ ተሰሪዑ ብምስላፉ ነቶም ተሳተፊቲ ፈስቲቫል ይኹን ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ዝተዋፈሩ ፖሊስ ኣሰንቢድዎም ኢዩ።

 

ሰላማዊ ሰልፍና ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ምቁራጽ ክምርሹን ክጭርሑን ክዝምሩን ንተሳተፊቲ ፈስቲቫል ብዛዕባ ሰላማዊ ሰልፍና ጥራሕ ከምዝዛረቡ ገሩዎም ውዒሉ፣ እቲ ዘሕፍር ድማ እቲ ብህግደፍ ዝምወል ፈስቲቫል ሎምዓመት ማንክን ክሻን ሳልሕ ዑስማንን ዘይተሳተፍዎ ጭልምልም ዝበለ ፈስቲቫል ፡ ናይ ኣንስትን ቆልዑን ከምዝነበረ እቶም ኣብ ውሽጢ ዝከታተሉ ዝነበሩ ሓቢሮም።ሰላማዊ ሰልፈኛታት ግን ብዛዕባ መራሕቲ ህግደፍ ከምዝተኸልከሉን ዘይምምጽኦምን ስለዝፈለጡ ነቶም ገርሂ ልቦም ክሕብርዎም ጸኒሖም ኢዮም።

 

ናይ ሎም ዓመት ሰልፍና ብኩሉ መራኸቢ ብዙሃሓን ፣ ማለት ሶሽያል መድያ ስመር ኢንተርነት ኦፕና ካናል(ሎካል ቲቪታት)፣ ድምጺ ሕዝቢ፣ ኤረ-ቲቪ ኣዳል፣ ናይ ስዊደን ጋዜጣታት ኤሽፕረሰን፣ ኣፍቶንብላደት ሽፋን ተገሩሉ ቀንዩ።

StockholemRally1

ኣብ ክልቲኡ ምሸት ድማ ተሳተፍቲ ሰልፊ ዝርከቡዎ ሓርፋፍ ህዝባዊ ገምጋም ተኻይዱ፣ ካብ ህዝቢ ድማ ሃነጽቲ ርእይቶታትን ለበዋን ቐሪቡ ነይሩ።

ብተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝቐረቡ ርእይቶን ሓርፋፍ ገምጋምን

  • ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ምንባሩ ዕግበቶም ሓበኖም ገሊጾም። ገለ ድማ ብጀካ ሰላማዊ ሰልፍን ናይ ምሸት ሓጺር ገምጋምን፣ ህዝባዊ ሰሚናር ክካየድ’ዩ ዝብል ግምትን ትጽቢትን ምንባሮም ገሊጾም።
  • ሎሚ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይድና ኣለና። ጽባሕ ከምዚ ናይ ሎሚ ስለዘይንራኸብ፣ መራኸቢ ኣገባብ Network ንምፍጣር ኢሜይል ኣድራሻታት ክንለዋወጥ ከምዝግብኣና ገሊጾም። ኣድራሻታት ድማ ክእከብ ተኻኢሉ ኣሎ።
  • ኣካይዳ ቓልስና ቐጻሊ ናህሪ ክህልዎ፣ ንመሰልን ናጽነትን ውድባት ከምዘለዎ ኮይኑ፣ ጥርናፌና ግና ኪንዮ ውድባት ዝኸይድ፣ ኣንጻር ጸላኢና ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓይልናን ቕልጽምናን ዘወሃህድ ሓድነትና ዝጠምር፣ ንህዝባዊ ምልዕዓል ዝፈጥር ኣማራጺ ኣገባብ ውዳቤን ኣመራርሓን የድልየና ኣሎ። ስለዚ ብሽወደን ይኹን ኤውሮጳ ደረጃ ዘውሃህድ ኮሚቴ ምቛም ኣገዳሲ’ዩ ዝብል ነጥቢ ናይ ብዙሓት ተመሳሳሊ ርእይቶ ቐሪቡ።
  • ኣብ ውዳቤ ሓይሊ ገንዘብ ወሳኒ ምዃኑ ብብዙሓት ተገሊጹ። ብገለ ድማ ካብ ጽቡቕ ድሌት ዝብገስ ወርሓዊ ውጽኢት ክስላዕ ካብ ሎሚ ንጀምሮ ዝብል ነይሩ። ኣታውን ወጻእን ገንዘብ ድማ ብፍሉይ ኣገባብ ተታሒዙ፣ ናይ ቑጽጽር ኣገባቡ ዘረጋግጽ ብወብሳይትን ረድዮታትን ብግሉጽነት ዝሕበር ኽኸውን ይግብኦ ዝብል ርእይቶ ነይሩ።

 

ዝኽርን ሞጎስን ንስውኣትና!

ህዝቢ ኤርትራ ኣብልዕሊ ረገጽቱ ክዕወት እዩ!

ሰላማዊ ሰልፊ 1-2 Aug 2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8753

Posted by on Aug 6 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net