ራእዪና ዲሞክራሲ ምስፋን’ዩ፦

• ናይ ሕሉፍ ገድላዊ ተሞኩሮ ቀንዲ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ፦

ኣብ መስርሕ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሃገራዊ ቃልሲ፡ ብዘይካ ሰልፊ ኣንድነት እቶም ካልኦት ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፊታት: ርእይቶታቶም ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ዜጋ ብሓይሊ እንከየስገደዱ ፖለቲካዊ መርገጺታቶምን ድላዮምን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ብምቕራብ፡ ሃዋሁ ፖለቲኮ ዲሞክራስያዊ ባይታ ኣብ ምፍጣር ሃገራዊ ረዚን ግደ ከም ዘበርከቱ ዘይካሓድ ታሪኻዊ ሓቂ’ዩ። ከምኡ’ውን ሓያያላት ሃገራት፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትሕቲ ዘውዲ እምብራጦር ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክተኣሳሰራ ምስ በየና፡ ቀዳሞት መራሕቲ ሰልፊታት ኤርትራ ኣብ ብይን ፈደረሽን ዝነበሮም በበይኑ መርገጺታቶም ዝሰግር ስምርቲ ኤርትራ ንምርግጋጽ፡ ናጽነታውያንን ኣንድነታውያንን ንፈደረሽን ከም ማእከላይ መተዓረቒ ፍታሕ ብምቕባል፡ ኣብ መስርሕ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንዝተፈጥረ ሕድሕድ ቅርሕንቲታት ብዕርቂ ንምድቃስ፡ ኣብ ሕድሕደን ዝቀናቀናን ዝወዳደራን ዝነበራ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጥራይ ዘይተሓጸረ፡ ኣብ ኣስመራ ሲነማ ኢምፐሮ ብዕለት 31 ታሕሳስ 1950 ህዝብን መራሕቲ ሃይማኖታትን ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ወከልቲ መንግስቲ ብሪጣንያን ካልኦት ወጻእተኛታትን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ ሃገራዊ ዕርቂ ኣካይዶም። ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ሞንጎ’ቶም ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ፖለቲካ ዚዋሰኡ ዝነበሩ መራሕትን መስረታቶምን ሃይማኖታትን ሃገራዊ ዕርቂ ኣስፍኖም። ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ክቃለስን መጻኢ ዕድሉ ብሓባር ክውስንን ዘኽእሎ ጥጡሕን ድልዱልን ሓድነታዊ ፖለቲካዊ ባይታ መድሚዶም’ውን። መደረኽ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብዝሐ ፖለቲካዊ ኩውንነት ዝተሰከመ ስለዝነበረ ዲሞክራስያዊ ነይሩ። ናይ’ቲ እዋን’ቲ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ንሕጅን መጻኢን ዘገልግል’ውን’ዩ።
መሰርሕ ብረታዊ ቃልሲ ቅድሚኡ ንዝነበረ ፖለቲካ ብዙሕነትን ዝተመስረተ ፖለቲኮ ዲሞክራስያዊ ሃዋሁን ኣብ ግምት ኣየእተወን። ሕቶ ሃገራዊ ናጽነት ንገዛእ ርእሱ ሕቶ ዲሞክራሲ ከም ምዃኑ መጠን ዘይፈላለዩን ንነባዕሎም ዘመጋገቡን ክንሱ፡ ሕቶ ሃገራዊ ናጽነት ከም ጸረ ባዕዲ ዝግበር መሰረታዊ ቃልሲ ጌርካ ብምውሳድ፡ ንሕቶ ዲሞክራሲ ድማ ከም ብድሕሪ ናጽነት እነርክቦ ውሽጣዊ ሕቶ ተወሲዱ ካልኣዊ መስርዕ ክሕዝ ኮይኑ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ካኣ ብቐንዱ ናይቲ እዋን’ቲ ኤርትራዊ ዘቤታውን ዓለም ለኻውን ኣሰላልፋ ኣይዲዮሎጅን ፖለቲካዊ ሓይልታትን’ዩ። መስርሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ንምንቃሕን ምውዳብን ምዕጣቕን ሃገራዊ ንቕሓት ብክብ ዝበለ ደረጃ ክብርኽን፡ ናይ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝቢና ተቐባልነትን ገድላዊ ህቡብነትን ተወፋይነትን ሃገራዊ ሓድነትን ዛጊት መዘና ዘይብሉ ሃገራዊ ትርኢት ክኸውን ደሪኹ’ዩ።
ኣብ ሰውራና ብኣረኣእያን ኣተገባብራን ደረጃ ዝተረኣየ ናይ ዲሞክራሲ ሕጽረታትን ጌጋትን ብዘየገድስ፡ መድረኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኩውንነት ብዝሐ ሰልፊታት ፈጢሩ’ይ። ሃገራዊ ሰውራ ኢርትራ ብውሽጣውን ኣህጉራውን ዝቀያየር ኩነታት፡ ኣብ በበይኑ እዋናት ሓይሊ ሚዛን ካብ ሓደ ወገን ናብ ካልእ ወገን እናተቐያየረ ዓብላልነት ዘረጋግጽ ኣግላልን ኣዋሳንን ኣተሓሳስባ ገዛኢ ፖለቲካዊ ኩውንነት ኣስረጸ። ኣብ ዝተናወሐ ህዝባዊ ሓርነታዊ ኩናት ዲሞክራሲ እንተ ዘይበረኸ’ኳ፡ ሓሓሊፉ ዝውሰዱ ዝነበሩ ዲሞክራስያዊ ጽገናታትን፡ እናዓበየ ክመጽእ ዝጸነሐ ሓባራዊ ሃገራዊ ንቕሓትን፡ ሰፊሕ ተሳትፎ ሓፋሽን፡ ዲሞክራስያ ዝብል ቃል ከም ኣበሃህላ ክልመድን ከይዱ ከይዱ ድማ ናይ ዲሞክራስያ ተደላይነት ኣብ ምእማን ሓጋዚ ግደ ተጻወተ።
ሰውራ ኤርትራ ናይ መላእ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ሰውራ’ዩ ነይሩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካልኦት ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን ምንባሮም ታሪኻዊ ኩውንነት’ዩ። በኣታቶም ዝጽዋዕ ሰውራ ግን ኣይነበረን። ስለ’ዚ ሰውራ ኤርትራ ዝተወሰኑ ፍርዙናት ፖለቲካዊ ውድባት ዝብሕትዎ ኣይኮነን። ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ኣረኣእያታትን ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ከከም ዓቕምታቶም ተቃልሶም’ዮም። ይዕበዩ ይንኣሱ ብዘየገድስ ኣብ ናይ ኩሎም ምእንቲ ሙሉእ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጽ ዝተቃለሱ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ውድባት ተሞኩሮ ቃልሲ፡ ብርግጽ ሓያልን ድኹምን ጎኒታት ኔርዎም። ከም’ቲ ካልኣዊ ፖለቲካዊ ፍልልያት ዝነበሮም።ውን ሓባራዊ ረቛሒታት ኔርዎም።
ካብ መድረኽ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክሳብ ምዝዛም ብረታዊ ቃልሲ፡ ምእንቲ ሙሉእ ሃገራዊ ናጽነት ንምርግጋጽ ዝተኸፍለ ናይ ሃገራዊ ሓይልታት ገድላዊ ሃገራዊ ተሞኩሮ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ገድላዊ ተሞኩሮ’ዩ። ዋናኡ በዓሉ ህዝቢና’ዩ። ፖለቲካዊ ውድባት መሳርሒታት ናይ’ዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ተሞኩሮ’የን ነይረን። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ነዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ተሞኩሩ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ጠቕላላ ሃገራዊ ተሞኩሮን ኣካል ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ምዃኑ ይኣምን። በዚ መሰረት ኣብ ገለ ምዕራፋት ቃልሲ ናይ ተቃለስቲ ቀጥታዊ ተሳትፎ ዝፈጥሮ ሰብኣዊ ስምዒታት ንጎኒ ገዲፍካ፡ ናይ ገሊኦም ውድባት ተሞኩሮ ቃልሲ እንከየቅረብካን፡ ናይ ገሊኦም’ውን እንከየርሓቕካን፡ ከም ናቱ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ተሞኩሮ’ዩ ዝወስዶምን ዝቆጽሮምን። ብንጹር ኣዘራርባ ናይ ተሓኤን ህግሓኤን ካልኦትን ገድላዊ ተሞኩሮታት ከም ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ስለዝርእዮ፡ ነቲ ናታቶም ሓያል ጎኒታት ክንኢድ እንከሎ ከም ናቱ ሓያል ጎኒታት ይወስድን፡ ንናታቶም ጌጋታት ድማ ከም ጌጋታቱ ብምውሳድ ብእሩም ኣቀራርባ ይነቅፍን ማለት’ዩ። ከምኡ’ውን ብድሕሪ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጽን ሃገራዊ ልዑላውነት ምውሓስን፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ናብ ሓዲሽ ፖለቲካዊ መድረኽ ስለዝሰገረ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተሞኩሮ ዕጥቃዊ ቃልሲን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን፡ ናይ ህልዊ ተቓወምቲ ፖለቲካውን በርጌሳውን ሓይልታት እዋናዊ ኣጀንዳ ከም ዘይምዃኑ ብዘየማትእ ይኣምን። ታሪኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስ’ቲ ኩሉ ዝሓለፎ ከቢድ ብድሆታትን ዝተኸፍሉ ኩቡር መስዋእትን ብሃገራዊ ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝተዛዘመ ምዕራፍ ምዃኑ የረጋግጽ። ኣብ ርእሲ’ዚ ካኣ ብናይ ታሪኽ ምሁራትን ተማራመርትን ድማ ሃገራዊ ሓድነት ዘዕቅብን፡ ምዕሩይ ሱታፌ ኩሉ ህዝቢና ዘአምንን፡ ካብ ወለዶ ንወለዶ ምውርራስ ቅቡል ዝገብርን ኣገባብ መጽናዕቲ ክመጻረ፡ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ጽኑዕ እምነት ኣሎዎ።
ኣብዚ ተሃዋሲ መድረኽ’ዚ፡ ንድሕሪት እናጠመትካ፡ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያታት ናይ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ማሕበራዊ ቁስልታት ምሕካኽን፡ ጥሉልን ንቑጽን ዘነድድ ጸለመታት ምንዛሕን፡ ኣብ ሞንጎ ክፍልታት ህዝብናን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ጽልኢታት ምጽሕታርን ባእታታት ሕንፍሽፍሽ ካብ ምውህላል ሓሊፉ ንህንጸት ዲሞክራስያዊት ስምርቲ ኤርትራ ዝጠቅም ከም ዘይምዃኑ ከነረጋግጽ ንፈቱ። ስለ’ዚ ኣብ ሕሉፍን ህልውን ተሞኩሮ ቃልሲ ህዝቢና ዝፈጥሮ ብዙሕነት ተቓለስቲ ሓይልታት ምቕባልን፡ ገድላዊ ብዝሓዊ ተሞኩሮታቶም ምኽባርን፡ ንፖለቲካዊ ዲሞክራሲ ምቹእ ሓቛፊ ሃዋኡ ዝፈጥር’ዩ።
• ሕቶ ሰላም እዋናዊ ተባራዒ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ፦
ስለምንታይ ዲሞክራስን ሰላምን ንምስፋን ንቃለስ? እዚ ሕቶ’ዚ ብዘረባ ክዝረብ እንከሎ፡ ቀሊልን ፍሉጥን ይመሰል። ኣብ ተግባር ግን ኣዝዩ ከቢድን ፈታኒን ምዃኑ ይረአ ኣሎ። ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ህዝብናን ፖለቲካዊ ሓይላቱን ንተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ከይተረፈ፡ ብዝሐ ፖለቲካ ስልፋዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ የቐርቦም ዝነበረ መብጸዓታት ጠሊሙ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምርኩስ ብምግባር ብዘይ ሕጊ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ኤርትራ ምስ ሓዅረ፡ እንኮ ሰልፋዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተኸለ። እቲ እንኮ ሰልፊ ድማ ከይዱ ከይዱ ናብ ናይ ሓደ ሰብኣይ ሰልፊ ተቕይሩ። ንሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ካብ ዲሞክራስያዊ ትሕዝቶኡን ፖለቲክዊ ሃገራዊ ሽርኽነትን ባዶሽ ጌርዎ። ስለዝኾነ ካኣ ባህርያዊ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኢርትራ ብዘይ ደረት ብቐጻሊ ይጋሃስ ኣሎ። መሰል ሓራ ርእይቶ ምግላጽ፣ መሰል ሓራ እምነት ምእማን፣ መሰል ምእካብ፣ መሰል ፖለቲካዊ ሰልፊታት ምምስራት፣ መሰል ናጻ በርጌሳውን ንቃባውን ማሕበራት ምምስራት፣ መሰል መረጻ፣ መሰል ናጻ ፕረስን መሰል ሓራ ቁጠባን ተኸልኪሉ። ከም ቐጥትዊ ውጽኢቱ ካኣ ናይ ፖለቲካዊ ዓፈናን ቁጠባዊ ምግባትን ኩውነንት ተፈጠረ። ናይ ህግደፍ ኣባልን ደጋፍን ዘይኮነ ካብኡ ዝተፈለየ ርእይቶ ዝህላዎ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሃገሩ መሰል ሂወት ዘይብሉ ኮይኑ ኣሎ።
ስርዓት ህግደፍ ብስንኪ ምግሃስ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝብና፡ ንኤርትራ ናብ ዓቢ ቤት ማእሰርትን ሰጓጕት ደቃን ቐይርዋ። ናይ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ቁጠባውን ሃይማኖታውን ሂወት ብስገዳድ ወትህድርና ክቅየድን ክጽለውን ይኸውን ኣሎ። ብስንኪ ፖለቲካዊ ዲሞክራሲ ምብኳር፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ስኢኑ ንሓደጋ ምብትታን ይሳጣሕ ኣሎ። ካብ’ዚ ጭቡጥ ተሞኩሮ ሃገርና ብምንቃል፡ ብዙሓት ተንተንትን ፖለቲካዊ ባእታታትን፡ ኣብ ኵናት ተወሊዱ ዝዓበየን፡ ብወተሃደራዊ ዓብላሊ ሓይሊ ሚዛን ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠን ፖለቲኮ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ጥጡሕ ባይታ ሓቀኛ ህዝባዊ ዲሞክራሲ ክምድምድ ዘሎዎ ተኽእሎታት ኣዝዩ ጸቢብ ምኽዝ`ኑ ዘመልክት ኣተሓሳስባን ፖለቲካዊ ትንታንን ከቕርቡ ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ድማ ግዱስ ትዅረት ክወሃቦ ዝሓሸ’ዩ።
ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘልዓልናዮ ሕቶ ንምምላሽ’ምበኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቱ ከዐቑብን፡ ደቂ ከሓቝፍን ክእክብን፡ ተሳኒዩ ብሰላመ-መንብሮ ብሓባር ክነብርን፡ ዲሞክራስያዊ ውሳኔ ህዝቢ ዝቕበልን ዘኽብርን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ንቃለስ ኣሎና።
ናይ ሰላምን ዲሞክራስን ሕቶ ዘልዕሉ ዘሎዉ ማሕበራዊ ሓይልታት እነመን’ዩም? እዚ ሕቶ’ዚ ምልዓሉ ኣገዳሲ’ዩ። ኣሰላልፋ ተቓለስቲ ሓይልታት ኤርትራ ንምንጻር ስለዘኽእለና። ሓረስቶትን ጓሶትን ሕቶ ሰላም የልዕሉ ኣሎዉ። ናይ መንግስትን ዝርካቡ ናይ ግልን ሰራሕተኛታ ሕቶ ሰላም የልዕሉ ኣሎዉ። ዝተፈላለዩ ቀጸላታት ነጋዶ ሕቶ ሰላም የልዕሉ ኣሎዉ። ተማሃሮ ሕቶ ሰላም የልዕሉ ኣሎዉ። ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ባህላዊ እምነትን ኣመንቲ ሕቶ ሰላም የልዕሉ ኣሎዉ። ታሕተዎትን ማእከሎትን ወተሃደራት ሕቶ ሰላም የልዕሉ ኣሎዉ። መንእሰያት ሕቶ ሰላም የልዕሉ ኣሎዉ። ደቂ ኣንስትዮ ሕቶ ሰላም የልዕላ ኣሎዋ። ወለዲ ሕቶ ሰላም የልዕሉ ኣሎው። ሓካይም ሕቶ ሰላም የልዕሉ ኣሎዉ። ስነ ጥበባውያን ሕቶ ሰላም የልዕሉ ኣሎዉ። ሃገራውያን ርእሰማላውያን ሕቶ ሰላም የልዕሉ ኣሎዉ። ሃገራውያን ሙሁራት ሕቶ ሰላም የልዕሉ ኣሎዉ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ሕቶ ሰላም ህዝባዊ እዋናዊ ጠለብ ህዝብና ኮይኑ ኣሎ። እዞም ሓይልታት’ዚኣቶም ሓይልታት ዲሞክራስን ሰላምን’ዮምም። ኣብ ዲሞክራስያው ለውጢ ሓቀኛ ረብሓታት ኣሎዎም።ነንባዕላቶም ዝምልከቶም ፍሉይ ጉዳያት’ኳ እንተሃሎዎም፡ ንኩሎም ዘራኸቦምን ብሓባር ዘቃልሶምን ሕቶ ሰላምን ዲሞክራስን’ዩ። ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን፡ ሕቶ ሰላምን ዲሞክራስን፡ ኣይፈላልዮምን’ዩ። ድልዱል ሓባራዊ ረቛሒኦም’ ድማ’ዩ። መሓዝቱት’ውን’ዮም።
ኣብ ኤርትራ ብዘይ ዲሞክራሲ ሰላም ምስፋን ብፍጹም ኣይከኣልን’ዩ። ናይ ሰላም ጥጡሕ ባይታ ዲሞክራሲ’ዩ። ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ንዲሞክራሲ ዝሽፍን፡ ወይ ኣብ ካልኣይ መስርዕ ዝስርዕ ውድዓዊ ኩነታት የሎን። ኣብ ኤርትራ ሕቶ ዲሞክራስን ሰላምን ውድዓዊ ተደላይነትን ታሪኻዊ ግድነትን’ዩ። ከምቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ቅድም ናጽነት ነረጋግጽ’ሞ፡ ዲሞክራሲስ ብድሕርኡ ነርክበሉ ዝባሃል ዝነበረ፡ ሎሚ ዲሞክራሲ ነረጋግጽ’ሞ፡ ሰላምሲ ብድሕርኡ ነርክበሉ ክበሃል ኣይከኣልን’ዩ። ዲሞክራሲ እንተነጊሱ ኣብ ህዝብናን፡ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሰላም ይሰፍን። እቲ ኣብ ዝሓለፈ መስርሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተኾልፈ ሕቶ ዲሞክራሲ’ኳ’ዩ፡ ኣብ’ዚ ህልው መድረኽ’ዚ፡ ብካልእ ክሽፈን ዘይከኣለ ርእሱ ዝገልጽ ፖለቲካዊ ሕቶ ኮይኑ መጺኡ ዘሎ። ፖለቲካዊ ዲሞክራሲ፡ ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝቢናን፡ ሃገራዊ ምዕሩይ ሽርክነትን ብሃገራዊ ቅዋም ዝሰርዕን ዘኸብርን ዝከላኸልን ሰፊሕ ሃገራዊ ክሊ’ዩ።
ንተደልይነት ዲሞክራሲ ምእማን፡ ታሪኻውን ህልው ወድዓውን ኩውንነት ብዙሕነት ህዝብና ከም ዘሎዎ ንምርኣይ የኽእለንና። ብዘይ ምዕሩይ ሽርከነት ኣብ ስልጣንን ሃብትን፡ ብዘይ ብዝሐ ኣረኣእያን ድምጺታትን፡ ብዘይ ብዝሐ ሰልፋውን ናብ ሓድነት ዝወሲድ መንገዲ ዲሞክራሲ የልቦን። ብዘይ ዝተሓተ ሓድነት ዝረጋገጽ ምዕባለን ግስጋስን’ውን የልቦን። ንዲሞክራሲ ዝጻረር ጸረ ሰላም’ዩ። ጸረ ሰላም ንገዛእ ርእሱ ጸረ ዲሞክራሲ’ዩ። ዲሞክራሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩለንትናኡ ክረጋግጾ ንዝደልዮ ገስጋስ ቀዳማይ ቅድሚ ኩነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ እኳ ዳኣስ ደረጃ ብደረጃ ስሉጥ ገስጋስ ብምርግጋጽ ስምርቲ ኤርትራ ዘውሕስ’ዩ። ዲሞክራሲያ ጉድለት ዘይብሉ ብጹእ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ዲሞክራሲያ ተጻረርቲ ረብሓታትን ካብኡ ዝቦቕሉ በበይኑ ኣረኣእያታትን ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ሓይልታትን ስለዝሓቝፍ፡ ጉድለታትን ጌጋታትን ክህልዎ ግድን’ዩ። ናይ ዲሞክራሲ ጉድለታትን ጌጋታትን ግን፡ ኣብ ቐጻሊ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ዝማላእን ዝእረምን’ዩ።
ኣብ ታሪኽና፡ ኣብ ስነ ሓሳብ ይኹን፡ ወይ ኣብ ፖለቲካ፡ ወይ’ውን ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን መዳያት፡ ዲሞክራስያዊ ኣሳታፍነትን ባህሊ ዲሞክራስን ስለዘይብልና፡ መስርሕ ዲሞክራስን ሰላምን ምእንቲ ምስላጥን ሞዕዋትን እንካይዶ ቃልሲ ነዊሕ ትንፋስ ተጻዋርነትን፡ ሓያል ትዕግስትን፡ ዉርዙይ ምቕሉልነትን የድልየና። ምእንቲኡ ድማ ይዕበ ይንኣስ ብዘየገድስ ኣብ ሞንጎና ንዝህልው ፖለቲካዊ ፍልልያትና ክንእመነሎም ይግባኣና። ካብዝ’ዮም ናይ ዲሞክራስን ሰላምን መሓዙት ሓይልታት ብዝኾነ ይኹን ምኽንያታት፡ ሓደ ወገን ንካልእ ወገን፡ ወይ ገለ ወገናት ንካልኦት ወገናት ክንፈግን ከምግለልን ኣይግባእን።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ተቓውሞ ሓይልታት ክህነጽ እንደልዮ እዋናዊ ፖለቲካዊ ሓድነት፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ደገኣዊ ትጽዕኖታትን ኢድ ኣእታውነትን ብምርሓቕ፡ ኣብ ናጻ ኤርትራዊ ተበግሶን፡ ኣብ ዝተሓተ ፖለቲካዊ ስምምዕን፡ ቅቡል ሕድገታትን፡ ሕድሕድ ምክብባርን፡ ፍትሓዊ ሽርክነትን፡ ኩሉ ዓይነት ብዙሕነትን መሰረት ዝገብር ክኸውን ኣሎዎ። እዚ ኣገባብ’ዚ ጥራሕ’ዩ ኣብ ሞንጎ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ዲሞክራስያውን ሰላማውን ሃዋሁ ዘስፍን።
”ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ
21 ነሓሰ 2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8823

Posted by on Aug 23 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net