ደምዳሚ መግለጺ ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

encdc executive office

ደምዳሚ መግለጺ

ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

 

ጅግና ህዝብና

ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቅልጡፍ ምቕይያራት ኣብ ዘሕልፈሉ ዘሎ ህሞት፡ ንኣህጉራዊ ማ/ሰብ ብሓፈሻ ንሃገራት ኤውሮጳ ድማ ብፍላይ ሻቕሎትን ተጽዕኖታት ዝፈጥርን፡ ኣብ መላእ ክፍልታት ሕ/ሰብና ዕድመ ዘይፈሊ ዋሕዚ ስደት ብብዝሒ ኣብ ዝረኣየሉን እዋን’ዩ ተሰላሲሉ። ኤርትራ ብቀጻሊ እናዓበየ ብዝመጽእ ዘሎ ንቅሓትን ተቓውሞን ህዝብና፡ ካብ ኩሉ ወጽዓታትን ውልቀ ዲክታቶርያዊ ምልክነትን ብምንጋፍ፡ ዝሓሸ ሂወት ንምውሓስ ዘለዎ ትጽቢት ንምርግጋጽ፡ ነጻነቱን ክብሩን ትሕሉ ብቅዋምን ልዕልነት ሕጊ ትግዛእን ሃገር ንምህናጽ፡ ኣብ ውሽጣዊ ምንቅስቓስ ይርከብ። ምስቲ ኩሉ ዘጋጥም ዘሎ ዋሕዚ ስደት ተቓውሞ ብብዝሑን ብዓይነቱን ለውጢ ኣምጺኡ፡ ሃገራዊ ባይቶን ፖሎቲካዊ ውድባቱን ከምኡ’ውን ካልኦት ሃገራዊ ሓይልታት ትጽቢት ዝግበረሉ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ፡ ኣድላይ መስዋእትነት እናኸፈሉ ንደንበ ተቓውሞ ይመርሑ ኣለው። ገለ ኣካላት ካብቲ ስርዓት እናተገምዑ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ክጽንበሩ ከለዉ፡ ገለ ካብኣቶም ገና እቲ ዝመሸመሸ ትካላት ናይቲ ስርዓት ክዕረን ኣካላቱ ከም ብሓድሽ ክስራዕን ትጽቢት ዝገብሩ ምህላዎም እውን ኣሚቱ።

 

ኣብ ክሊ’ዚ ምዕባሌታት’ዚ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሓምሻይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ 18-24 ነሓሰ 2014 ኣሰላሲሉ፡ ኣብዚ ኣኼብኡ’ዚ ሓፈሻዊ ፖሎቲካዊ ምዕባሌታት ኤርትራ ብውሽጥን ብደገን ዝሓልፎ ዘሎ ኩነታትን፡ ኩሉ’ቲ ኣብ ባይታ ብጭቡጥ ዘጋጥም ተረኽቦታትን፡ እቲ ስርዓት ዓይኒ ህዝብና ብምድፋን፡ ሓድነትና ንምብታን ቆርበቱ ብምቕያር፡ ነቲ መሽሚሹ ዝርከብ ዕድሚኡ ንምንዋሕ ዝኣትዎ ዘሎ ኣጉል መብጽዓታት ገምጊሙ። እዚ ስርዓት’ዚ ብቀንዱ ንረብሓታት ህዝቢ ኤርትራን፡ ናይ ከባቢና ሰላምን ርግኣትን እናተጻረረ፡ ብልሽው ዝኾነ ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታቱ፡ ናብ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታቱ ንምውዓል ብርቱዕ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ፡ ኮይኑ ግን እቲ ጥርጡር ዞባዊ ምሕዝነታቱ  ንትጽቢታትን ነጻነትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘየገልገለ ተገንዚቡ።

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ካብ ነፍሲ ወከፍ ውድባዊ ኣብያተ ጽሕፈቱን ትካላቱን ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ብድሕሪ ምስማዕ፡ ዓሚቕ ዝኾነ ክትዓት ኣካይዱ። ከምኡውን ሃገራዊ ባይቶ ምስቲ ኩሉ ዝሓለፎ ዘሎ ኩነታትን ብድሆታትን፡ ንዘመዝገቦም ኣውንታዊ ስርሓት መዝጊቡ። ኣብ መስርሕ ንዝተራእዩ ድኽመታት መሪር ነቐፌታዊ ገምጋም ድሕሪ ምክያድ ከኣ ኣብ መጻኢ መድረኽ ንምእራሙ ኣድላዪ ዘበለ ጻዕርታቱ ከሐይል ምዃኑ ርእዩ። ኣብ ክሊ’ዚ ጸብጻብ’ዚ ሓፈሻዊ ውድዕነት ሃገራዊ ባይቶን፡ ዝሓልፎ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታትን ናብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንከይበጽሕ ዘጋጥምዎ ዘለዉ ዕንቕፋታትን፡ ብሰንክዚ ድማ ኣብ ንጥፈታት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ዘንጸባርቕ ሕጽረታት ብድሕሪ ምምልካቱ ኣኼባ ናብ ዕወት መንገዲ ዝወስድ ኣውንታዊ ፍታሕ ዳህሲሱ። ከምኡ’ውን ኣድላዪ ዝኾነ ንመደባት ጉባኤ ንምቕልጣፍ ዝሕግዝ፡ ንስርሓት ሃገራዊ ባይቶ ንቅድሚት ዘስጉምን ኣንፈቱ ዘመዓራርን ኣገደስቲ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣመሓላሊፉ።

 

ብጉዳይ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ብዝምልከት፡ ካብቲ ሃሱስ ስርዓት ወጺኦም ውሕስነት ሂወቶም ንምርግጋጽ፡ ኣብ ዘካይድዎ ሓደገኛ ጉዕዞ ዘጓንፎም ስቓይ፡ ማእሰርቲ፡ ናይ ጸጥታ ሽግራት፡ ግፍዕታትን ሰብኣዊ ግህሰታትን ብተወሳኺ’ውን ብጉጅለ ደላሎ ሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ምዝመዛ ብዕምቆት ድሕሪ ምምዛኑ፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ነቲ ምንጪ ስደት ኤርትራውያን ቁጠባዊ ጸገም ጥራሕ ምዃኑ ከቐርብ ዝፍትን ዘሎ ናይ ገለ ሃገራት ግጉይ ፖሊስታት ነጺጉ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ጠንቂ ስደት ብቀንዱ ብሰንኪ እቲ ጨካን ስርዓት ንኣህጉራዊ ቻርተር ዘጽደቆ ሰብኣዊ መሰላት እናጠሓሰ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዜጋታት እናረገጸ ዝፍጽሞ ግህሰታት ዝወለዶ ፖሎቲካዊ ምክንያት ከም ዝኾነ ኣረጋጊጹ። እቲ ስርዓት ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበጽሕ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ንምኽዋልን፡ ኣብ ኤርትራ ጠንቂ ስደት ዝኸውን ዘሎ ምኽንያታት ንምሽፋንን፡ ብማዕከናት ዜናታቱ ኣቢሉ ዘካይዶ ዘሎ ዘመተ ነቲ ናይ ወጻኢ ሃገራት ዜናታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ግህሰታት ዕሽሽ ኢሉ ክሓልፎ የተባብዕ ምህላዉ ተመልኪቱ።  በዚ ኣጋጣሚ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባደ ዝተፈላለዩ ናይ ደገ ናይ ዜና ማዕከናት ንወጽዓታት ህዝቢ ኤርትራ ከቃልሑ ጸቂዑ።

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን

ኣብ መደምደምታ ኣኼባ፡ ተቓላሳይ ህዝብና ኣብ ኩሉ መዳይ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንዘካይዶ ዘሎ ቃልስታት ዝህቦ ዓቢ ክብሪ እናገለጸ፡ ብፍላይ’ውን መራሕቲ ሃይማኖት ኮቶልካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ህዝቦም ዝበጽሕ ዘሎ ግህሰታትን ትጽቢታቱን ኣመልኪቶም ንዘቕርብዎ ጽሑፋት ናእድኡ ኣረጋገጹ። ከምኡውን ካለኦት መራሕቲ ሃይማኖትን ኣቦታትን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ ኣተባቢዑ። ከምኡ’ውን ብምክንያት በዓል ነጻነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነቱን ደሞክራስን ክጓናጸፍ ብሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜርካ ጆን ኬሪ ኣቢሉ ዝተገልጸ መርገጽ ኣሜርካ ሞጎሱ ገሊጹ። ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ንኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ብሓፈሽኡ ነቶም ስርዓት ህግደፍ ክመዓራረ ይኽእል ኢሎም ትጽቢት ዝገብሩ ኣካላት ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ጎኒ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተሰሊፎም፡ ኩሉ ዓቕምታቶም ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብምውጋድ ሕብረ-ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ክረባረቡ ጸዊዑ። ኣኼባ ንኩሎም መሓዙት ተቓውሞ ኤርትራ ብፍላይ’ውን ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብቀጻሊ ንሃገራዊ ባይቶን ኣካላት ፖሎቲካዊ ውድባቱን ንኣካላት ደሞክራሲያዊ ለውጥን ዝገብርዎ ሓገዛት ኣሞጒሱ።

 

ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ንቃለስ

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

25 ነሓሰ 2014

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8843

Posted by on Aug 27 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net