መግለጺ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 2014

eudc

መግለጺ

ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 2014

ህዝቢ ኤርትራ ብተበራረይቲ ባዕዳዊ መግዛእታት ዝተገፈፈ ክብሩን ፖሎቲካዊ ልዕላውነቱን ንምምላስ ብሰላማዊ መንገዲ ዘቕረቦ ዝነበረ ሕቶ ዝኾነ ይኹን ተሰማዕነት ብድሕሪ ምስኣኑ፡ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ከልዕል ዝተገደደ፡ ምሉእ ዘይጉዱል ነጻነቱ፡ ሓርነቱ፡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ንምጉንጻፍ’ዩ ነይሩ። ብድሕሪ’ቲ ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደን ረዚን መስዋእትነት ዝሓተተን መሪር ብረታዊ ቃልሲ፡ ብ1991 ንባዕዳዊ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ካብ መላእ ኤርትራ ኣባሪሩ፡ ሃገራዊ ነጻነቱ ተጎናጺፉን ልዕላውነት ሃገሩ ኣረጋጊጹን’ዩ። ኮይኑ ግን ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት፡ እቲ ስልጣን ክጭብጥ ጽቡቕ ዕድል ዝረኸበ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብርቱዕ ትጽቢትን ሞሳን ህዝብና ንምምላእ ኣብ ኤርትራ ጥዑይ ደሞክራስያውን ልምዓታውን ፖሎቲካዊ ስርዓት ክሃነጽ ጸረ-ህዝቢ መንነቱን ባህርያቱን ኣይፈቐደሉን። ብስንኪ’ዚ ከኣ ኤርትራ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ንልዕሊ 23 ዓመታት ዝኣኽል ህዝቢ ዝመሓደረሉ መሰረታዊ  ቅዋምን ግዝኣተ-ሕግን ዘይብላ ሃገር ኮይና ትርከብ። ብውጽኢቱ’ውን ህዝብና ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ተገፊፉ ሰላም፡ ቅሳነት፡ ቁጠባዊ ግስጋሰን ሓርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ተነፊጉ፡ ኣብ ታሪኹ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ፡ ኩሉ መዳያዊ ከቢድ ቅልውላው፡ ተነጽሎን ውድቀትን ክበጽሕ ተገዲዱ ኣሎ።

 

ህግደፍ ብ1991 ብድሕሪ ምሕራር ኤርትራ፡ ንብዙሕነትን ትጽቢትን ህዝብና ይኹን ኣህጉራዊ ክውንነት ነጺጉ፡ እንኮ ሰልፋዊ ፖሎቲካዊ ስርዓትን ብምልክነት ሓደ ሰብኣይ ዝዝወር ስልጣንን ብምህናጽ፡ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታቱ ንምርግጋጽ ተጓየየ። ብ20 ሰነ 1991 ካብቲ ድሑር ዝኾነ ትምክሕታዊ ኣተሓሳስብኡ ተበጊሱ፡ ብግዝያዊ ወተሃደራዊ ዓወታት’ውን ሰኺሩ፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብስም ፖሎቲካዊ ውድባት ሓሽውየ ኣይፍቐድን’ዩ ብዝብል፡ ንሃገራዊ ዕርቕን ስኒትን፡ ተሳትፎ መላእ ፖሎቲካዊ ብዙሕነት ህዝብና ነጺጉ፡ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምምስራት ናብ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምስግጋር ተሓሰመ። ካብ 1991 ጀሚሩ ግዝያዊ መንግስቲ ተባሂሉ ምስ ተሰየመ፡ ክሳብ 2014 ዝኾነ ይኹን ለውጥን ነጻ ህዝባዊ ምርጫን ከይገበረ ከኣ፡ ንመበል 24 ዓመት ገጹ ይግስግስ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ዋላ’ኳ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ወጺኡ ሃገራዊ ነጻነቱ ጋህዲ እንተገበረ፡ ከም ቀንዲ ምንጭን ዋና ስልጣንን መጠን ኣብ ጉዳዩ ክሳተፍን ክዋሳእን ዘይኽእል ፖሎቲካዊ ልዕላውነቱን ወሳንነቱን ተመንጢሉ ጅሆ ተታሒዙ ይርከብ። ገባቲ ኢሳይያስ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኩሉ ፖሎቲካዊ ስልጣን ኣብ ኢዱ ገቢቱ፡ ዓበይቲ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ንበይኑ ዝሕንጽጽን ዝፍጽምን፡ ብባህሪኡ ንሰላም ተገዛኢ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ጉዳይ ሰላምን ኲናትን ዝውስን ንሱ ጥራይ ክኸውን በቕዐ። በዚ ምክንያት’ዚ ከኣ ገባቲ ኢሳይያስ ዕሱባት ጭፍርኡ ኣሰንዩ ንኤርትራን ህዝባን ንመንገዲ ዕንወትን ደልሃምትን ካብ ዝመርሕ ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዒዙ’ዩ።

 

ኣብዚ ህሞት’ዚ ድሕሪ 23 ናይ ነጻነት ዓመታት ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 2014 ኣብ ንዝኽረሉ ዘለና ዕለት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ መንእስያት ድማ ብፍላይ፡ ኣብታ ብደም ጀጋኑ ስውኣት ደቆምን ኣያታቶምን ዝተረጋገጸት ገዛእ ሃገሮም ውሕስነት ሂወቶም ክረጋገጽ ብዘይምኽኣሉ፡ ከም ብርቱዕ ውሕጅ ናብ ስደት ብብዝሒ ዝውሕዝሉ እዋን ንርከብ ኣለና። ኣብ ሰደት እቲ ንመላእ ኣህጉራዊ ማ/ሰብ ዘደንጹን ዘደንግጽን ብደላሎ ሰብ ዘጋጥሞም ምዝመዛ፡ መሸጣ ውሽጣዊ ኣካላት፡ ኣብ ፍቆዶ ምደረ-በዳታትን ባሕርታትን ንከቢድ ስቓይን ጃምላዊ ህልቂትን እናተጋለጹ ከለዉ፡ እቲ ከክፍኡ ገጽታ ናይ ዓለም እናኣረየ ዜና ክፍኑ ዘይሓፍር መራኸቢ ብዙሃን ገባቲ ህግደፍ፡ ንዜጋታቱ ግን ፍጹም ቆላሕታ ዝሕርመሉ፡ ንስድራ ቤቶም ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ምባል ዝነፍገሉ፡ መሪር ኩነታት ምህላውና የረድእ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና’ውን ዘዝባጽሑ ደቁ ንስደት ዘምርሕሉ ኩነታት ብምህላዉ፡ ብዓሚቕ ጓሂን ማሕበራዊ ጸገማትን ምውሓጡ ጥራይ ከይኣኽል፡ መሰረታዊ ቀረብ፡ ውሕስነት መግቢ፡ ኣገልግሎት መብራህቲ፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ሕክምና፡ ቴሌፎን፡ ኢንተርነት፡ ተሓሪሙ ካብቲ ዝነበሮ ምዕባሌታት ንድሕሪት ተመሊሱ፡ ኣብ ጸልማት ክነብር ተፈሪዱ ይርከብ። ብሓጺሩ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እናተበተነ ከሎ፡ ሃገር ብምልእታ ናብ ዕንወትን ብርሰትን እናምርሐት ከላ ገባቲ ኢሳይያስ ግን ቅንጣብ ስምዒትን ሓላፍነትን ስለ ዘይስምዖ፡ ደው ኢሉ ክሓስብ’ውን ድልውነት የብሉን።

 

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓቅታትን ኣብ ባይታ ዘሎ ዘይተገለጸ ጭቡጥ ክውንነትን ብምብጋስ ድማ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ሓደጋ ምብትታንን ዕንወትን ንምድሓን መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ግዜ ዘይህብ ከቢድ ታሪኻዊ ጾርን ሓላፍነትን ዝተሰከምናሉ ውድዕነት ምህላዉ ይእምት። በዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ ከኣ ብኣረኣእያ ይኹን ብተግባር ነቲ መበገሲ ቅዱስ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ሕድሪ እቶም ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ንምኽባር፡ ቃል ንኣትወሉን ነሐድሰሉን ዕለት ክኸውን ይግባእ። ከምቲ ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ንሓደ ስሙር ህዝብን ስምርቲ ሃገርን ክቡር ሂወቶም ዘበጀዉ፡ ኣብዚ መሪር ህሞት’ዚ መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብውሕዱ ካብቲ ንድሕሪት እንተዘይኮይኑ፡ ንቅድሚት ዘየሰጉም ከም ሕማቕ ባህሊ ዝተወረሰ ዘይመሰረታዊ ፍልልይ ብምንጋፍ፡ ሰሚርና ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ ዘላቒ ሰላም፡ ርግኣትን ራህዋን ዝሰፈና ብግዝኣተ-ሕጊ ትግዛእ ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ኩሉ መዳያዊ ድልውነትና ከነረጋግጽ ይህልውና። እቲ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ዘሎ ህዝብና’ውን ከምቲ ሓድነቱ ዓቒቡ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ንምብራርን ሃገራዊ ነጻነቱ ንምዕዋትን ብጅግንነት ዝተቓለሰ፡ ሕጂ’ውን ካብቲ ኣንጸላልይዎ ዝርከብ ከቢድ ሓደጋ ምብትታንን ዕንወትን ብምድሓን ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ቅልጽሙ ኣስሚሩ ብምሉእ ሓይሉ ክልዓል ይግባእ።

 

ታሪኻዊት ባሕቲ መስከረም ንዘለኣለም ተዘኺራ ትንበር!!

ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ስዕረትን ውድቀትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ!!

ዝኽርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ!!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

ባሕቲ መስከረም 2014

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8852

Posted by on Sep 1 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net