ቃል ፈጻም ኣካል ግ.ሃ.ድ.ኤ. ኣብ ሰምናር ካስል 2014

ensf baner

ዝኸበርኩም ኣሕዋት ወከልቲ ማሓዙት ውድባትን ማሕበራትን

ዝኸበርኩም ብጾት ኣባላት መሪሕነትን መሰረትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ዝኸበርኩም ኣጋይሽና፡

 

ብቐዳምነት ብስም መሪሕነት ግ.ሃ.ድ.ኤ. ዕዙዝ ሃገራዊ ሃገራዊ ሰላምታና ከነቕርበልኩም ደስ ይብለና። ብምቕጻል፡ ዕድሜና ኣኽቢርኩም፡ ኣብ’ዛ ታሪኻዊ መነሃርያ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና ዝኾነት ከተማ ካስል፡ ነካይዶ ዘለና ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ሰሚናር፡ ድኻምኩም ከይ ጸብጸብኩም ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጻኹም ኣሓትን ኣሕዋትን ክብ ዝበለ ምስጋናና ነቕርበልኩም። እዚ ሰሚናር’ዚ ድማ፡ ንህዝብናን ሃገርናን ዝጠቕም ውጽኢት ሒዙ ክወጽእ፡ ምንዮትና ዓቢ ኢዩ።

 

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡

 

እዚ ሰሚናር’ዚ እዚ ኣብ እንካይደሉ ዘሎ ግዜ፡ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ነቲ ብመሪሕነት ጅግና ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርተራ ኣብ ጐቦ ኣዳል፡ ብሓደ መስከረም 1961ዝተጀመረ ብረታዊ ተጋድሎ ብምዝካር ከብዕል ይርከብ። ስዉእ ዓዋተን ብጸቱን፡ ጽንኩር ኵነታት በዲሆምን ዕንቅፋታት ጠሓሒሶም ነታ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጸውዐት ናይ መጀመርታ ጥይት ተኰሱ።

 

ዕጡቓትጀጋኑተጋደልትና፡ብህዝብናኣብኩሉሸነኻትምሉእዘይጉዱልሓገዝእንዳረኸቡኣብዘካየድዎነዊሕንመሪርንጅግንነታዊቃልሲድማክቡርህይወቶምከፊሎምን፣ንጹህደሞምኣፍሲሶምንእዮም።እዚሓቅታትእምበኣር፡ኣብመዛግብታሪኽናንዘልዓለምነባሪክኸውንን፣ኤርትራውያንድማካብወለዶናብወለዶከመሓላልፍዎክነብሩንምዃኖምዘየጠራጥርኢዩ።

 

ዝኽሪምጅማርብረታዊተጋድሎና፡ኣብእነብዕለሉእዋን፡ብዛዕባሰውራናዘማዕድዎዝነበረልዑልዕላማታትተመሊስናክንሪኦን፡ካብኡትምህርቲብምቕሳም፡ክሳብዝተረፈዕላማታትሰውራናንምምላእእነካይዶዘሎናቃልሲ፡ዓቅሚኣብምድላብደራኺክዀነናይግባእ።ልክዕዩ፡እቲቀዳማይዕላማቃልስና፡መሬትናካብኢትዮጵያዊጐበጣነጻብምውጻእተረጋጊጹኢዩ።እንተዀነግናካብኡካብዘይንእስዕላማ፡ማለትኤርትራዊዜጋሓርነቱክጐናጸፍዝግብኦ፡ጌናከይተረጋገጸተሪፉኣሎ።ዜጋታታዛጊትመበእታዊኣድማሳዊመሰላቶምተሓሪሞምዝነብሩላሃገርድማዋጋዘይብላሃገርኢያትኸውን።

ድሕሪብሳላነዊሕንዘይሕለልንቃልሲብምክያድንክቡርመስዋእቲብምኽፋልን፡24 ግንቦት 1991 ዝተረጋገጸናጽነትሃገርና፡ህዝብናንፖለቲካዊሓይልታቱን፡ንያታውንንዋታውንዓቕምታቶምብሓባርብምጽማድ፡ኣሰራትተኸታታሊመግዛእቲኣብልዕሊሃገርናብምምሓው፡ሃገርናኣብምህናጽክዋፈሩይግባእነይሩ።እንተዀነግንብኢሳያስኣፍወርቂዝምራሕትምክታዊጉጀለኣብመሪሕነትግንባር፡ነቲኩሉተነቢሩዝነበረትጽቢታትንባህግታትንጻዊዕትናይኩሎምሃገራውያንንጸማምእዝኒብምሃብ፡ኣብባሓቲመርሆኡቀጸለን፡ንባህግታትህዝብናንፍትሓዊድልየታቱንረጊጹኣዕኑድጨቋኒምልካዊስርዓትኣብምትካልንምሕያልንተጓየየ።ካብሰዓትጀሚሩ፡ምልካውስርዓት.... መሰላትንሰብኣዊክብርን ህዝብናቀንጢጡንንሃገርናርግኣትንሰላምንከሊኡን፡ዝፍጽሞዘሎግህሰታትንኣብቀረባንርሑቕንዘሎሰብከምጸሓይቀትሪብሩህኢዩ።

 

ኤርትራ ሃገርና ካብ’ዚ ኩነታት ንክትላቐቅ፡ ንህልውንመጻእንህይወትሃገሩዝሓስብንንዕላማታትሰውራናንንለበዋስዉኣትናንዘኽብርንኤርትራዊዜጋ፡ካብጨቋኒምልካዊስርዓትንሓዋሩንምግልጋልንዲሞክራስያዊመተካእታንምምጻእ፡ከይተሓለለክቃለስይግባእ።በዚኣጋጣሚ፡ኣንጻርስርዓትኢሳያስጉጅልኡንዝካየድዘሎቃልሲናብዝለዓለብርኪንምስግጋር፡ሃገራውያንውድባትግዜኦምንዓቕመምምንብጽቡቕከግልገልሉን፡ኣብነንሕድሕዶምካብዘካይድዎከንቶውድድራትክርሕቁን፡ዝለዓለሓላፍነትከምዝስከሙከነዘኻኽር ንፈቱ።

ብወገንና ንምቛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እና ኣመጐስና፡ ኣብ ምሕያሉን ዕብየቱን ካባና ዝጥለብ ተራ ክንጻወት ቅሩባት ምዃንና ደጊምና ብምርግጋጽ፡ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ዝካየድ ሓባራዊ ስራሓት ቀዳምነት ክህብን፡ ኩሉ ዓቕምታቱ፡ ኣብ ምትግባር ናይ’ቲ ተሓንጺጹ ዘሎ መደባት ባይቶ ከውዕልን ንጽውዕ።

 

ክቡራትን ክቡራንን፡

 

ውድብና፡ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ካብ ዝሓለፈ ካልኣይ ጉባኤኡ ኣትሒዙ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ውሽጢ ተደኵኑ ዝጸንሐ ምስጢራዊ ኣዕናዊ ጉጀለ፡ ኣብ ዓሚቝ ቅልውላው ኣቲዩ ምንባሩ፡ ኩላትኩኩም ትከታተልዎ ዝነበርኩም ሓቂ’ዩ። እነትዀነ ግን ሳላ ጽንዓትን ተወፋይነት ኣባላቱን መብዛሕቲኦም ኣባላት መሪሕነትን፡ ድሕሪ ነዊሕ ምርብራብ፡ ውድብ ከነድሕነ በቒዕና። ነቲ ብሰንኪ’ዚ ጉጅለ’ዚ ተደዊኑ ዝጸንሐ ምስሊ ውድብና ቀየርና፡ እንሆ ሎሚ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ንጥፋታቱ ኣሓዲሱ ክንቀሳቐስ ይርከብ። እዚ ሎሚ ኣብ’ዛ መናሃርያ ቃልስና ዝዀነት ከተማ ካስል፡ እዚ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ሰሚናር ምክያድና፡ ናይ’ዚ ብሩህ ኣብነት ኢዩ።

 

ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን፡ ዕላማታት ሰውራ ባሕቲ መስከረም ብምሉኡ ንምርግጋጽ ቃልስታቶም ንከኻዕብቱ ንጽውዕ። ሰውርኡ መስሪቱ ነጽነቱ ክምንዝዕ ተኣምራታዊ ዕማም ዝፈጸመ ህዝብና፡ ሎሚ’ውን ንገባቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣሊዩ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንከረጋግጽ ከም ዘይሕርብቶ እምነትና ጽኑዕ ኢዩ።

 

ደጊማና፡ ንኩላትኩም ተሳተፍቲ ስሚናር ካስል፡ ክብ ዝበለ ሃገራዊ ሰላምታን ነቕርብ።

 

 

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና

ዕድመ ንዝኽሪ ሰውራ ባሕቲ መስከረም !

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና !

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8862

Posted by on Sep 5 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net