ኣንፈት ቃልስና፦ ጸረ ዲክታቶርያዊ መርሓን ዲክታቶርያዊ ሰርዓትን ህግደፍ ምቅላስ፦

ensf baner

ዲክታቶርያዊ መርሖ ኣብ ዝኾነ ታሪኻዊ መድረኽ ንዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውሽጣዊ ዝምባሌታት ኣብ ዕሸሎም፡ ወይ ብመስመር ደረጃ ኣብ ዝዓኾኸሉን ብናይ ሓይሊ ኣገባባት እናሃረመ፡ ኣብ በበይኑ ፖለቲካዊ መስርሕ ካብ ሓደ ጉጅለ ናብ ካልእ ጉጅለ ግዳማዊ መልከዓቱን፡ ውሽጣውን ደገኣውን ምሕዝነታቱን እናቀያየረ ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ በሪኽ ሓይሊ ሚዛን ዝሕዝ ኣግላልን ቀንጻልን ትምክሕታዊ ገዛኢ ውዱብ ኣተሓሳስባ‘ዩ።ንዝተፈላለዩ ውሽጣዊ ዝምባሌታትን ፍልልያትን ብጸረ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንምጭፍላቕ ሓይሊ ኣብ ዝስእነሉ ጊዜታት መታን ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን ኣድቢዩ ንምህራም ዘገልግል ኩውንነት ምፍጣር ዝዓለመ ጸለመታትን ጠቐነን ብቅሉዕን ስቱርን ኣገባባት ይነዝሕ። ሓይሊ ኣብ ዝረኸበሉ እዋናት ድማ ኣብ ሕብረተ ሰብ ዓሚቕ ቅርሕነትን ቂምን ዘሰርጽን፡ ናይ ማሕበራዊ ቁስልታት ገዘፍቲ ስንብራታት ዝገድፍን፡ ዘይሕጋዊ ሓይሊ ምጥቃም መሰረት ዝገበረ ፕሮፓጋንዳዊ ጸለመታትን ዓመጽን ብድርብ የዘውትር። ዲክታቶርያዊ መርሓ ዝተፈልየ ርእይቶ ዘይጻወርን ዘየኸብርን፡ ምስ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብሓባረ ሰላም ተኸባብርካ ምንባር ዘይክእልን፡ ሃገራዊ ሽርክነት ዝጻባእን፡ ኣናሻዕ ኣብ ናይ ከበባ ስግኣተ መንፈስ ብምንባር ብዋርዲያ ስለያ ደው ዝብልን‘ዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ነዊሕ ጊዜ እንተ ወሲዱ፡ በብእዋኑ ካብ ሓደ መልክዕ ጉጅለ ብካልእ መልክዕ ስለዝቀያየር ማሕበራዊ ሰረቱ ብምንሃልን ብምንቁልቋልን፡ ህዝብን ሃገርን ንሓደጋ ሕንፍሽፍሽን ምብትታንን ዘሳጥሕ‘ዩ። ዲክታቶርያዊ መርሓ ኣብ ዝተናወሐ ማሕበረ ፖለቲካዊ ስርሕት ዝውህለልን ዝቕረጽን ዝተማለአ ውዱብ ገዛኢ ኣተሓሳስባን ብውሽጡ ሓደጋ ሕንፍሽፍሽን ምብትታንን ዝሓቝፍን‘‘ዩ።

ንቀበሎ ኣይንቀበሎ ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝተወሰነ ታሪኻዊ ጉዕዞ ዝብርኽ ኣግላልን ኣዋሳኒን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፡ ብዓይኒ መስርሕ ፖለቲካዊ ጉዕዞኡ ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ማህጸኑ ባእታ ሕድሕድ ምቅትታልን ዘይምትእምማንን ዝሓቝፍ፡ ከይዱ ከይዱ ካኣ ዲክታቶርያዊ መርሓ ዘበኵዕ ማሕበረ ፖለቲካዊ ድዅዒዩ። ስለ‘ዚ ዲክታቶርያዊ መርሓ ኣብ ሓጺር ጊዜ፡ ወይ ብወዝቢ ዝነግስ ኣይኮነን። ጸረ ዲሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ናብ ዲክታቶርያዊ መርሓ ዓቢዩ ንምውጻእ ነዊሕ ማሕበረ ፖለቲካዊ መስርሕ ዝወሲድ‘ዩ። ስለዝኾነ ዝኾነ ኣግላልን ኣዋሳኒን ኢዲሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ በሪኹ ብምውጻእ ዓብላሊ ኮይኑ ገዛኢ ደረጃ እንከይበጸሐ እንከሎ ዲክታቶርያዊ መርሓ ክባሃል ኣይካኣልን። ብቀሊል ኣዘራርባ፡ ጸረ ዲሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ  ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብምቁጽጻር ማሕበረ ፖለቲካ ቁጠባዊ ስርዓት ተኺሉ ንሕብረተ ሰብ ብሙሉእ፡ ወይ ብከፊል ክገዝእ ዘኽእሎ ደረጃ ክበጽሕ እንከሎ ጥራይ‘ዩ ናብ ዲክታቶርያዊ መርሓ ተሰጋጊሮ ዝባሃል። እዚ ማለት ካኣ ዝኾነ ዲክታቶርያዊ መርሓ ጸረ ዲሞክራሲ‘ኳ እንተኾነ፡ ዝኾነ ጸረ ዲሞክራስያዊ ኣረኣእያ ግን ዲክታቶርያዊ መርሓ‘ዩ ማለት ኣይኮነን።

ፖለቲኮ ወተሃደራዊ ኣወዳድባ መሰረት ዝገበረ ፖለቲኮ ወተሃደራዊ ሰልፊ ኣብ ዝተወሰነ ታሪኻዊ መስርሕ ብዘመዝገቦም ፖለቲካውን ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ዓብላልነት ንካልኦት ሃገራዊ ሓልታት ኣርሒቑ፡ በይኑ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጭብጥ (ከም ህግደፍ)፡ ወይ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ወተሃደራዊ ጉጅለ (ከም ደርግ) ዲክታቶርያዊ መርሓ ከስርጽ ይኽእል‘ዩ። ዲክታቶርያዊ መርሓ ብግዳም ብመልክዕ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክሽፈን‘ኳ እንተፈተነ፡ ውሽጣዊ ቁምነገሩ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ በይናዊ ምልካዊ ኣተሓሳስባ መሰረት ብምግባር ናይ እንኮ ሰብ ስርዓት’ዩ ዝተክል።

ናይ ሃገርና ጭቡጥ ፖለቲካዊ ኩውንነት ኪንርእዮ እንከሎና፡ ህግደፍ ብፖለቲኮ ወተሃደራዊ ሰልፊ ዝተወደበን፡ ካብ ሓደ መልክዕ ጉጅለ ናብ ካልእ መልክዕ ጉጅለ እናተቀያየረ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ውሽጡን ደገኡን ካብኡ ዝተፈልየ ርእይቶታት ብሓይሊ ክጭፍልቕ ዝጸነሐን ዘሎን‘ዩ። ዲክታቶርያዊ ኣተሓሳስባኡ ብመስርሕ ዝዓበየ‘ዩ። ስለ‘ዚ‘ምባኣር ህግደፍ ዲክታቶርያዊ መርሓ ዝፍጽም ፖለቲካዊ መሳርሒ‘ዩ። ንገዛእ ርእሱ ፖለቲካዊ መርሓ ኣይኮነን። መንግስቲ ድማ ዓመጻዊ ውዱብ ናውቲ ህግደፍ‘ዩ። በዚ መሰረት ስርዓት ኢሳያስ ኩሉ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢና ዝፍጽሞም ማእለያን ገደብን ዘይብሎም በብዓይነቱ በደላት ብመንገዲ ህግደፍን መንግስትን ኣቢሉ‘ዩ ኣብ ባይታ ዝፍጸም።

ስርዓት ህግደፍ ብመሰረት ከፋፊልካ ግዛእ ፖሊሲ፡ ሎሚ ንሓደ ከቀርብን ንካልእ ከርሕቅን፡ ጽባሕ ድማ ነቲ ትማሊ ዘቕረቦ ምስ ከባቢኡ ኣጻሊኡ ኣባኢሱን ክድርብይን ነቲ ትማሊ ዝዋሰኖን ዝነፍጎን ዝነበረ ዘይድልየትን ብቕዓትን የብሉን። ብድሕርኡ ድማ ነቶም ኣብ በበይኑ ጊዜታት ክጥቀመሎም ዝጸነሐ ጉጅለታት ኣብ ሓድሕዶም ምስ ኣጻለኦም ንክልቴኦም በብደረጃ ብምድርባይ፡ ሓደስቲ ሰዓብቲ ብምምልማል፡ ክፍልታት ሕብረተሰብና ኣብ ሕድሕዱ ክቀያየምን ክጠራጠርን ክገብር ጸኒሑን ኣሎን። ኩሉ መትንታት ቁጠባዊ ሂወት ሃገርና በይኑ ብምግባትን፡ ንኣፍራዪ ሓይሊ ብወተሃደራዊ ኣስገዳድ ኣብ ጊላዊ ዕዮ ብምጽማድን፡ ዝሰፈሐ ሓፋሽ ህዝብና ንድኽነትን ስእነትን ክቃላዕ ኮይኑ‘ዩ። ንሃገርና ናብ ሰጓጕት ደቃን ዓቢ ቤት ማእሰርትን ስለዝለውጣ፡ ካብኡ ዝተፈለየ ርእይቶ ዘሎዎ ዜጋ ኣብ ሃገሩ ናይ ሂወት ውሕስነት ብምስኣን፡ ካብ ዓፈናን ማእሰርትን ኣስገዳድ ኣገልግሎትን ንምድሓን ዉሑስ ዑቅባ ሂወት ምርካብ ዝድርኽ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት ምፍራስ ስድራቤታት የኸትል ኣሎ። ወተሃደራውን ስለያውን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፡ ሎሚ ዘይሓለፈሉ ኣይሕለፈሉ ዝብል ስሱዕ ጭርሖ ብምሓዝ፡ ንስልጣንን ሓልፍነትን መንግስቲ ከም መሳርሒ ጉቦን፡ መበዕለጊ ደቂ ኣንስቲዮን፡ ሓወይ ሓውካን ኣድልዎታትን፡ንድፍኢታት ስደት መንእሰያት ድማ ከም መፍረዪ ነጋዶ ሰብን ብምውሳድ፡ ናብ ናውቲ ዘይሕጋዊ ቁልጡፍ መሀብተሚ ለዊጦምዎ‘ዮም። ወተሃደራውን ስለያውን ላዕለዎ ሓለፍቲ ናብ “መጻዪ ደርቢ” (ስራሕ ናይ ካልኦትን ጻዕርን ዝመጹ) ተሰጋጊሮም‘ዮም። 

 ስርዓት ህግደፍ ንስቕያት ህዝቢ ሕቝኡ ሂቡ ከም ብሓዲሽ ዓፈናን ብዕልግናን ንምስራጽ ንሃገር ኣብ ደልሃመት ካብ ዝደፍኣ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ብርቱዕ ፖለቲካዊ መሕንቖታት መዋጸኢ ንምርካብ ሃሰው ሰው ክብል ይርከብ። ዲክታቶርያዊ መርሓ ስርዓት ህግደፍ ከም ኣረኣእያ ጸረ ዲሞክራሲ፡ ጸረ ሰላም፡ ጸረ ማዕርነት፡ ጸረ ሃገራዊ ምዕሩ ሽርክነትን፡ ጸረ ፍትሓዊ ምምቕራሕ ስልጣንን ሃብትን ስለዝኾነ። ንህዝቢና ብሃይማኖትን ኣውራጃን ኣብ ሕድሕዱ ክጠራጠርን ዝገብር፡ ብከምኡ መልክዕ ክተኣኻኸብን ዝደፍእ ዘሎ ፖሊሲ ከፋፊልካ ግዛእ ስርዓት ህግደፍ‘ዩ። ህዝብና ብድኽነትን ጥምየትን ስእነትን ክግረፍን ኣብ ጸላም ከሓድርን ዝግብር ዘሎ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ‘ዩ። ሃገርና ኣሓቶም ዘባዕልጉን ነጋዶ ሰብን ንምፍልፋል ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር ዘሎ ፖሊሲ ህግደፍ ዝወልደ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ብርቱዕ ሓናቒ ቅልውላው‘ዩ። ዋሕዚ ስደት መንእሰያትን ግዳያቱን ደረት ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣስገዳድ ኣገልግሎ ስርዓት ህግደፍ‘ዩ። ናይ ሃገርና መሰረታዊ ጠንቅታትን ኣበሳታቱን ስርዓት ኢስያስ ዝውክሎን ዘስረጾን ውዱብ ዲክታትርያዊ ገዛኢ ኣተሓሳስባ‘ዩ።

ካብ‘ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጭቡጥ ኩውንነት ሃገርና ብምንቃል፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከም ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ውድብ መጠን ብሃገር ለኸ ደረጃ ጸረ ስርዓት ህግደፍ ምቅላስ‘ዩ። ብዘይካ ጸረ ገዛኢ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብምስላፍ ናጻ ፖለቲካዊ ውሳኔኡ ብምዕዛዝ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ምቅላስ ካልእ ዋኒን የብሉን። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብስንኪ ብናጻ ውሳነኡ ምምእዛዝ፡ ካብ ደምበ ተቓውሞ ንምግላሉን ንምድኻሙን ዝዓለመ ፈተነታት ክዕወት ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ። ውድብና ምንጪ ሓይሉ ሰፊሕ መሰረታቱን፡ ህዝባዊ ዕላማታቱን ስለ ዝዀነ፡ መሬት ዋላ ከም ዑንቂ ትጽበብ’ምበር ድምብርጽ ከይበሎ ቃልሱ ብዕቱብነት ክቕጽሎ ኢዩ። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ናጻ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ተበጉሶ ዝምስረቱ ኣካቢ ሃገራዊ ጽላል ንምህናጽ ከም ቀደሙ ከይሰልከየ ክቃለስ‘ዩ። ኣብ ቃልሲ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቀዳሞት ማሳርዕ ተሰሊፉ ቀላሲ ግደ ንክህልዎ፡ ድልየቱ ጥራሕ ዘይኰነ ድልየት ዝሰፍሐ ኣካላት ሕብረተሰብና’ውን ኢዩ። ካብ‘ዚ ቀንዲ መስርዕ ቃልሲ‘ዚ ከውጽኦ ዝደፍእ ጎናዊ ምቱኽታኻት ክእለትን ተጻዋርነትን ምክብባርን ብምዕባይ ንምስጋሩ እንተዘይኮይኑ ካልእ ምርጫ የብሉን። ኣብ ሞንጎ ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ ሓይልታት ዝህልው ፖለቲካዊ ፍልልይን ድኽመታትን መበገሲታቱ ብዘየገድስ፡ ሓደጋኡ ማዕረ‘ቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ስርዓት ህግደፍ ከምዘይኮነ ብምርዳእ፡ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ እዋናዊ ቀዳምነታት ኣብ ምስራዕ ዘሎ ምዝንባዕ ብተኻእለ መጠን ንምእራሙ ምቅላስ። ከምኡ‘ውን ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ እንደልዮ ኣሳታፊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ውሽጥን ደገን ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ስርዓት ህግደፍ ዝገልገሉ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብምጽንባር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ምድሓን እጃሞም ኪገብሩ ሓያል ጻዕሪታት ምክያድ። ካብኣቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ምስ ዝዋስኡ ዘሎዉ ድማ ብርእሰ ተኣማንነት ምስኣቶም ብሓባር ንምቅላስ ዕቱብን ናጻ ድልየትን ምውናን። ምኽንያቱ ኣባላት ህግደፍ ዝነበሮም ጽፍሒታቶም ብዘየገድስ ከም ኤርትራውያን ዜጋታት መጠን ንሳቶም ዘይተሓወሱዎን፡ ንዓኣቶም ዝግልልን ተቓውሞ ብሓደ ሸነኽ፡ ብወገኖም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ቀዲምዎም ክቃለስ ንዝጸነሐ ሓይልታት ተቓውሞ ጎሲኻ ምኻድ ድማ በቲ ካልእ ሸንኽ፡ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቍፍ ለውጢ ከምዘየምጽእ ንኣምን። ነዚ ናይ ሓባር ገድላዊ ዕማም ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ብኩሎም ወገናት ካብ ሕድሕድ ዘቀያይምን ዘረሓሕቕን ፊተ ፍርድታት ምቕራብ ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ከነስምረሉ ንፈቱ።

ካቲሊካውን ጳጳሳት ኤርትራ ኣቡነ ዘካርያስ ዮውሃንስ ጳጳስ ዘመንበሪ ኣስመራ፣ ኣቡነ ሉቃስ ሚዘዚ ጳጳስ ዘመንበሪ ባሩንቱ፣ ኣቡነ ተስፋ ማርያም ብድሀ ጳጳስ ዘመንበሪ ከረን ብዕለት 24 ግንቦት 2005 ናብ ህዝብን መንግስቲን ዘመሓላለፍዎ ሃዋሪያዊ መልእኽትን፡ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋ ማርያም ኤጳርቃ ዘኣስመራ፣ ኣቡነ ቶማስ ዖስማን ኤጳርቃ ዘባሩንቱ፣ ኣቡነ ኪዳነ የዕቢዮ ኤጳርቃ ዘከረን፣ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ኤጳርቃ ዘሰገነይቲ ብዕለት 24 ግንቦት 2014 ናብ ህዝብን መንግስትን ዘመሓላለፍዎ ሃዋሪያዊ መልእኽቲታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሙሉእ ደገፉ ይገልጽ። ቤት ጽሕፈት ሙፍቲ  ኤርትራ (ሙፍቲ ኣልዲያር ኣል ኢረትሪያ) ናብ ህዝብን መንግስትን ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ከመሓላልፍ የማሕጽን።

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ

07-09-2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8876

Posted by on Sep 9 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net