ዜናዊ ጸብጻብ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ሆላንድ

ensf baner

ተጋዳላይ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝጀመሮ  ሰንሰለታዊ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብሰንበት 14 መስከረም 2014 ኣብ ሮተርዳም ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣኼባ ካብ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ ዝተጀመረ ክሳብ ሰዓት ሻውዓተ ናይ ምሸት ቐጸለ። ብጻይ ኣሕመድ ዓሊ ኣሕመድ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ናይ  ዶር. ሃብተ ተስፋማርያምን ዶር.ዩሱፍ ብርሃኑ ኣሕመዲንን ገድላዊ ታሪኽን፡ ቐጻሊ ሃገራዊ ኣበርክቶኦምን፡ ጽኑዕ ሃገራዊ መትከላቶምን፡ ዘዋህለልዎ ሰውራዊ ክእለታትን ተሞኩሮታትን፡ ዘድንቕ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጨንፈር ሆላንድ ኣቕረበ። ብተወሳኺ ንባህሪ መራሕቲ ህግደፍ ብዘሎዎም ዓሚቕ ፍልጠት መሰረት፡ ብድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናብ ዝተጋደሉላ ሃገሮም እንከይተመለሱ ምስ ብጾቶም ኮይኖም፡ ኣብ ጎኒ ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ብምስላፍ ኣንጊሆም ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ጸረ ዲክታቶርያዊ ሰርዓት ህግደፍ ዛጊት ይቓለሱ ምህላዎም’ውን ኣረጋጊጹ። ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ተቓውሞ ፍልልያት ኣብ ዝኽስተሉ ጊዜ ዝነበሮም ኣላዪ ግደኦም ጠቒሱ። ብወሳኺ ምስ ብጾቶም ኮይኖ ውፉይ ሓፋሽ መሰረታት ውድብ ኣብ ምምራሕን ንውድብ ኣብ ምክልኻልን ግደኡ  ኣብ ምዕዛዝን ውሽጣዊ ሓድነቱ ንምዕቋብን ኣውራ ድማ ውድብ ካብ ሓደ እዋን ንላዕሊ ብውሽጣዊ ቅልውላውን ፍልልያትን ኣብ ተሳጣሓሉ እዋን: ምስ ድልየት ሓፋሽ ዝቃዶ ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ከም ዝምርሹ’ውን ኣረጋጊጹ። ሎሚ’ውን ምስ ኩሎም ውፉያትን መትከላውያን ኣባላት ውድብ ኣብ ሓደ መስርዕ ደው ብምባል፡ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ካብ’ቲ ተሳጢሕዎ ዝነበረ ቅልውላው ንምድሓን፡ ኣብ ዘኹርዕ መርገጽ ጸኒዖም ይርከቡ። ብጻይ ኣሕመድ ዓሊ ኣሕመድ ኣብ መወድእታ መግለጺኡ፡ ኤርትራዊ ተጋድሎ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብጽንኩር ኩነታት ኣብ ዝሓልፈሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ስዉእ ኢዮብ ብስራትን፡ ስዉእ ዶክቶር በየነ ኪዳነን፡ ስዉእ ኣሕመድ መሓመድ ናስርን፡ ካልኦቶን፡ ፍቱዋትን ዉፉያትን ብጾት ሓደ ብድሕሪ’ቲ ካልእ ብመስዋእቲ’ኳ እንተሓለፉ፡ ጽንዓቶምን ጽንዓት ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ከም ዘየልሕልሕን፡ እኳ ዳኣ ንዓሚቕ ሓዘኖም ሰዒሮም፡ እቶም ጀጋኑ መራሕቲ ዝሓደግዎ  ሓላፍነት ብምስካም እንከይሰልከዩ ይቃለሱ ምህላዎም ገሊጹ። ኣንጻር ውድብና ዘቕነዐ ውዲት ክንዲ ዝኾነ ይኹን ብዘየግድስ፡ ኣብ ናይ  ጎደና  ቃልሲ ብጽንዓት ንምርሽ ምህላውና ንምርግጋጽ’ምበኣር፡ እነሆ ሎሚ ኣብ ሞጎንና ይርከቡ ምህላዎም ብምግላጽ፡ ኣብ መደበር ጽንዓት ግንባር ሃገራዊ ጨንፈር ሆላንድ ዝኾነ ቦታ፡ እንቋዕ ብሰላም መጻእኩም ብምባል ዘረባኡ ዛዘመ።

ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ መጀምርታ መግለጺኡ ነዚ ኣኼባ’ዚ ዝወደቡን ድኻሞም እንከይጸብጸቡ ካብ ቀረባን ርሑቕን ንዝመጹ ሃገራውያን ክብ ዝበለ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ብምቕጻል፡ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ኣዕናዊ ፖለቲካኡ ንምፍጻም ኣብ ኣዕኑድ 6 ጀነራላት ዘተሞርኵሰን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኩሉ ዓይነት ስቕያትን መከራን ንከውርድ ቃሕ ብዘበሎ ዘንቀሳቕሶምን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ህልው ሃገራዊ ኩነታት ብኩሉ መዳያቱ ኣብሪሁ። ህዝቢ ኤርትራ ብድሕሪ’ዚ ኩሉ ጅግንነታዊ ተጋድሎኡ ዘረጋግጾ ዓወቱ፡ ኣብ ትሕቲ ባዕሉ ብዝመረጾ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ብሰላም ክነብር’ዩ ትጽቢቱ ዝነበረ’ምበር፡ ብጨካንነቱ ካብ’ቶም ዝሓለፉ ተኸታታሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝሓሰመ ርህራሄ፡ ብዘይብሉ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክመሓደር ሓሲብዎ’ኳ ኣይፈልጥን ነይሩ። ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቲ ኣዝዩ ንመጻኢ ዕድል ሃገርና ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ሓደጋ፡ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት ምዃኑ ኣብሪሁ። ንሱ ድማ ቀጥታዊ ውጽኢት ግጉይ ፖሊሲ ገዛኢ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ሃብታም ተሞኩሮ ህዝብና ከምዝሕብሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነፍሱ ባዕሉ ንባዓሉ ዘመሓድረሉ ጥጡሕ ዕድል እንተረኺቡ፡ ዜጋታትን ሃገርን ዘማዕብል ገስጋስ ንምርግጋጽ ዓቢ ክእለት ከም ዘሎዎ’ውን ኣረጋግጹ።

ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ምቅላስ፡ ናይ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ወይ በርጌሳዊ ማሕበር ሓላፍነት ዘይኮነስ፡  ናይ ኩሉ ሃገራዊ ዜጋ ጉቡእ ምዃኑ ኣብሪሁ። በዚ መሰረት ከኣ፡ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ እዋናዊ ቃልሲ፡ ኩሉ ከከም ዓቕሙ እጃሙ ከበርክት ጸዊዑ። ከምኡ’ውን ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብመንገዲ ፖለቲካዊ ውድቡ፡ ወይ በርጌሳዊ ማሕበሩ፡ ወይ’ውን ብዝኾነ ዓይነት ውዳቤ ዝዀነ ይኹን ኣበርክቶ ዘይገብር፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ብማዕዶ ተዓዛባይ ዝኸውን ብፍላጥ ይኹን ኣየኹን ብዘየገድስ፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንመደባት ስርዓት ህግደፍ ከም ዘገልግል ኢዩ ዝቑጸር ከብል ገሊጹ።

ዶር. ሃብተ፡ ደምበ ተቓውሞ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመታት ጉዕዝኡ ካብ ሃገራዊ ምሕዝነት ጀሚርካ፡ ኤርትራዊ ዲሞራስያዊ ኪዳን፡ ድሒሩ ድማ ዝበዘሑ ሓይልታት ተቓውሞ ዝጠርነፈን ከም ዝለዓለ ጽላል ዝቁጸርን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ዝኣመሰሉ ፖለቲካዊ ጽላላት ንምቋም ዘካየዶም ቃልሲታት ኣሞጕሱ።

ከምኡ’ውን ብጻይ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተረኣየ ቅልውላው መንቀሊታትን ድርኺታትን፡ ሰክሪታርያ ማእከላይ ባይቶ ነቲ ዝተኸስተ ቅልውላው ወድዓዊ ፍታሕ ንምንዳይ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንምግባር ዘካየዶም ጻዕርታትን፡ ብሳላ’ቶም ንዕላማታትን መትከላትን ውድብ ኡሙናት ዝኾኑ ዝበዝሑ ኣባላት መርሒነትን ንቑሓትን ውፉያትን ሰፊሕ መሰረታትን፡ እቲ ንውድብ ዓብሊልካ ካብ ጠርናፊ ሃገራዊ መርሓ ምእላዩ ዘንቀደ ውዲታት ከም ዝፈሸለን፡ ብድሕሪ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ድማ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ መሳርዕ ሃገራዊ ሓይልታት ተቓውሞ ባህርያዊ ቦትኡ ክመልስን ግደኡ ክጻወትን ክኢሉ ምህላዉን ሓጺር መግለጺ ኣቕሪቡ።

ቐጺሉ፡ ኣኼበኛታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ ዘቐላጥፍን፡ ኣገባባት ቃልሲ ንምምዕባልን፡ ጻዕሪታት ሃገራዊ ሓይልታት ተቓውሞ ንምስማርን ዝዓለመ  ሃናጺ ርእይቶታቶም ኣቕሪቦም። ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም፡ ኣዕጋብን ወድዓውን መልስታት ኣብ ርእሲ ምቕራቡ፡ ብጻይ እስማዒል ዓሊ’ውን ብወገኑ፡ ንውድብና ኣንጸላሊይዎ ዝነበረ ኩነታት፡ መበጊስኡን ዕላማታቱን፡ ከምኡ’ውን ዝገደፉ ኣሰራትን ብዓሚቝ ኣቕሪቡ።

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ፡ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃዋሳ ካብ ዝቆመሉ ጊዜ ኣትሒዙ ኣብ ጉዕዞኡ ዘጋጠምዎ ዕንቅፋታት ሓቢሩ። ሃገራዊ ባይቶ  ምስ’ቲ ዝውንኖ ትሕዝቶ ዘይሳነ ዓቢ ተስፋታት ተነቢርሉ ምንባሩ’ውን ኣብሪሁ። ሃገራዊ ባይቶ ማዕረ ህልዊ ብድሆታት ተጋድሎ ህዝብና ንክኸውን ቃልሱ ንሞዕዛዝ ነፍሲ ወከፍ ሃገራዊ ግደኡ ከበርክት ድማ ተማሕጺኑ።

ኣብ’ዚ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ’ዚ፡ ካብ ዝተፈላልዩ ቦታት ሆላንድ ህዝብን፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያት፡ ወከልቲ መሓዙት ውድባትን፡ ከም ተጋዳላይ ዑመር መሓመድን ተጋዳላይ እስማዒል ዓሊን ተጋዳላይ ድራር ማንታይን ዚኣመሰሉ ገዳይም ተጋደልቲ’ውን ከም ዝተሳተፍዎ ተፈሊጡ።

ዝህብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

14 መሰከረም 2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8915

Posted by on Sep 23 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net