ዓቕምታትን ስነ-ምግባርን ምሁር ኤርትራ ንሕጂ ዘይኮነ ንመዓስ ክኸውን’ዩ?

eudc

ምሁር ኤርትራ ካብ ግዜ ብረታዊ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣካዳሚያዊ፡ ተክኒካውን ሕክምናውን መዳያት ተዋፊሩ ብዙሕ መስተንክራዊ ዝኾነ ስራሓት ምስርሑ ታሪኽ ይምስክር። ኣብ ጸምጸም በረኻታት ኤርትራ በቲ ውሱን ዝነበረ ቀረባት ሕክምና ተሓኪሞም ዝደሓኑ ሕሙማትን ውጉኣትን ሰውራና ቁጽሪ የብሎምን። ብክንደይ ምብልሓት ተዓርዩ ኣብ ቀጻሊ ኣገልግሎት ሰውራ ዝወዓለ ናውቲ መጎዓዝያን ኲናትን ተኣምራታዊ ቅያታት ሰሪሑ’ዩ። ነዚ ኩሉ ተኣምራታዊ  ቅያታት ዝሰርሕ ዝነበረ ምሁር ግን ኣብ ፖሎቲካዊ ኣመራርሓ ክበጽሕ ከሎ መሃዝነቱ ይኹን ምርምሩ ዝድረተሉን ዝድቆሰሉን ኩነታት’ዩ ነይሩ። ምሁር ኤርትራ ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ፍልጠቱ ብዘይደረት ክጥቀምሉ እንተኾይኑ ክብሪ ፖሎቲካዊ ስልጣን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዘይተንከፈ ጥራሕ’ዩ። እዚ ስለዝኾነ እምበኣር ንምሁር ኤርትራ ፖሎቲካዊ ስልጣን ናይ ግዛዝ ሰንቀ (glass ceiling)’ዩ ኮይኑ ጸኒሑን ዘሎን።

 

ኣብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ብሓፈሻ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብፍላይ ምሁር ኤርትራ ንዓመታት ደኺሙን ርሂጹን ብዘጥረዮ ትምህርታዊ ፍልጠት ሓበንን ኩርዓትን ተሰሚዕዎ ምሉእ ዓቕምታቱ ንረብሓታት ሰውራ የውዕሎ ዘይምንባሩ ታሪኽ ይሕብር። ብኣንጻሩ “ምሁር ሓደገኛ ተበላጺ-ንኡስ ብርጅዋ’’ዩ………….ወዘተ እናተባህለ በቶም ካብ ትምህርቱ ብዙሕ ክመሃሩን ክጥቀሙን ዝግበኦም ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ዘይኸኣሉ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ርእሱ ከድንን ብኡ ኣቢሉ’ውን ፍልጠቱ ደጒሉ ተራ ሰብ ተመሲሉ ክኸይድ ኮነ ኢልካ ዝተማህዘ ጸረ ሰውራዊ ኣረኣእያን ተግባርን ዝገነነሉ ኩነታት ምንባሩ ይፍለጥ።

 

ምሁር ኤርትራ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብነጻ ኣተሓሳስብኡ ኣድማሱ እናኣስፈሐ ዝኸደሉ ምቹእ ውድዕነት ኣይተፈጠረሉን። ኣብቲ ገባርን ሓዳግን ዝኾነ ጸረ-ሰውራ ፖሎቲካዊ ራእይ ጥራሕ ተሓጺሩ ንጸረ ደሞክራሲ ኣረኣእያታት ከቋናጁ ተዘሪዑ ምጽንሑ ዝኸሓድ ኣይኮነን። ተማራሚሩ ንሰውርኡን ሃገሩን ክጠቅም ስለ ዘይደሊ ወይ’ውን ስለ ዘይኽእል ግን ኣይነበረን። እንተኾነ ግን ካብቶም ወዳእቲ ዝኾኑ ወይ ወሰንቲ ኣካላት ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ምስ ዝሕዝን ዘማዕብልን ክቕንጸል ካብኡ ተሪፉ ድማ ዘሰክፍ ቅጽል ስም እናተዋህቦ ርእሱ ኣድኒኑን ተነጺሉን ክኸይድ ብዙሕ ዝተሰሪሕሉ ሓደገኛ መዳይ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ምሁር ኤርትራ ዝነበረ ክሳብ ነብሱ ዘጽልእ ወፍታት ጸለመን ተነጽሎን ኣመና ሓያል ብምንባሩ ካብ ከምኡ እናበለ ርእሱ ኣድኒኑን ተነጺሉን ዝነብር ኣብ ኲናት ብጠገለ ዘይብሉ መንገዲ መስዋእቲ ዝመርጸሉ ወይ ሂወቱ ባዕሉ ዘጥፍኣሉ ኩነታት’ዩ ነይሩ። ብከምዚ ምስ ትምህርቱን ፍልጠቱን ሂወቱ ከጥፍእ ዝመረጸ ምሁር ውሑድ ኣይኮነን።

 

ከምዚ ዓይነት ሰባብ ተርእዮ ብርግጽ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተረፈ ክውንነት ኣይነበረን። ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ምርግጋጽ’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ርሑቕ ስደትን ዝርከብ ምሁር (ንኩሉ ዘጠቓልል’ኳ እንተዘይኮነ)  ምሉእ ፍልጠቱ ንህዝቡን ሃገሩን ከየበርክት ናይ ሕልና እሱር ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ተዋዳዳሪ ዓቕምን ክእለትን ዝውንን ምሁር ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ክበጽሕ ከሎ፡ ብቅኒት ገዛኢ ጉጅለ ህግደፍ ጥራሕ ክግራሕ ወይ’ውን እናረኣየ ከም ዘይረኣየ እናሰምዐ ከም ዘይሰምዐ ኣፉ ለጒሙ ክኸድ ኮይኑ’ዩ። እቲ ዝርካቡ ናይ ሕልና ማዕቀብ ሰንጢቑ ሕልንኡን ኣእምሮኡን ዝፈቕደሉ ርእይቶ ክህብ ዝጀመረ ድማ በቶም፡ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝምወሉን ዘዋፍሩን ዕሱባት ዝወርዶ ብርቱዕ ብድሆታትን ምፍርራሕን ክንድ’ቲ ክኸዶ ዝግባእ ርሕቀት ክኸይድ ኣይኸኣለን። እቲ ብገባቲ ኣረኣእያ ኢሳይያስ ዝዓበየ ምሁር፡ ዲክታቶርያዊ ኣተሓሳስባ ጥዒምዎ ብልቡ ከተኣናግድ ዝጸንሐ፡ ድሒሩ ምስኡ ብውልቀ ዝተባእስሉን ዝተባተኽሉን ኩነታት’ኳ እንተሎ፡ ብቐንዱ ንኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩሉ-መዳያዊ ዕንወት ዘውደቑ ኣረኣእያታት፡ ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት ይሃልዉ ብዘየገድስ፡ ቃላት’ኳ እንተቐያየሩ፡ ካብቲ ገባቲ ዝኾነ ራእይ ስርዓት ህግደፍ ዝፍለ ከቓልሑ ኣይተሰምዑን። ድሕሪ’ዚ ኩሉ ርኡይን ጭቡጥን ሓደጋ ምብትታንን ዕንወትን ምሁር ኤርትራ ናብዚ ኩሉ ውድቀት’ዚ ዘብጸሐ ሓደገኛ ጠንቅታት ብዝግባእ መርሚሩ ኣሳታፍን ልምዓታውን ስርዓት ክምስረተሉ ዝኽእል መንገዲ ምድህሳስን ምጽራግን እዋኑ’ዩ ንብል። ምሁር ኤርትራ ሎሚ ንዝሓለፈ ኩሉ ግጉይ ኣተሓስሳባን ተመኩሮን ብትብዓት ነቒፉ፡ ንህዝቡ ኣንፈት ብሩህ መጻኢ ዕድል ከመላኽት ምስ ዘይኽእል፡ ፍጹም ምሁር ከብሎ ዝኽእል ረቋሒታትን ስነ-ምግባርን ኣይህልዎን’ዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ መስርሕ ብሰንኪ ዝተራእየ ታሪኻዊ ጉድለታት ወይ’ውን ጌጋታት፡ ውልቓዊ ክብርና ይኹን ቆርበትና ከይንጽይቕ ክንብል ኣዕጽምቲ ህዝብና ምስባር ዓቢ ሃየንታ’ዩ። ጽባሕ ታሪኽ’ውን ዝምሕር ኣይኮነን። ነዚ ሕጂ ዘለናዮ ዝተሓላለኸ ታሪኽ ሓሊፍና ኣብቲ ዝሓለፈ ተራ ዘይነበሮ ሓድሽ ወለዶ ምስ ተተከኤ ነቲ ሕሉፍ ታሪኽ ብመቕርብ-መቓርብ ዘይኮነስ ብወድዓውነቱ ክግምግምን ክጽሕፍን ከም ዝኽእል ኣይንጠራጠርን። ምሁር ኤርትራ ኣብቲ ጽባሕ ዝስነድ ታሪኽ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናብ ምብትታንን ዕንወትን እናኣምርሐ ከሎ፡ ምሁር ተርኡ እንታይ ነይሩ? ምባል ዘይተርፍ’ዩ’። ኣብ ኣተሃላልዋን ጉዕዞን ፖሎቲካዊ ውድባት ወይ ድኽመታቱ ጥራይ ነቓፊ ካብ ምዃን፡ ምሁር ከም ምሁር ኣውንታዊ እጃሙን ሓጋዚ ዝኾነ ተርኡን ክጻወት ይግባእ። ቃልሲ ብዘይተሳትፎ ምሁር ምሉእ ዓወት ከውሕስ፡ ፖሎቲካዊ ውድባት ድማ ካብ ስንክልና ኣመራርሓ ነጻ ክኾኑ ኣይኽእሉን’ዮም። ካብኡ ተረፈ ግን፡-

 

  • መንእሰያት ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ክእሰሩ፡ ብመወዳእታ ዘይብሉ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ሃገራዊ ዕንወት መልክዖም ተደዊኑ ኣይንቡር ሂወት፡ ኣይንቡር ሓዳር፡ ኮይኖም ክነብሩ እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ፡ ስቕታ-ካን-ስቕታ?
  • ኤርትራዊ ዜጋ እታ ርሂጹ ዝረኽባ እንጀራ ተደሪሩ ብሰላም ክድቅስ ዝግበኦ ክነሱ ዓሳታት ባሕሪ፡ ኣዛብእ በረኻ ክድረርዎ፡ ደላሎ ውሽጣዊ ኣካላቱ ክሸጡ ከለዉ፡ ካን-ስቕታ?
  • ኣብ ወርሒ ብገምጋም ክሳብ ኣርባዕተ ሽሕ ዝኣኽሉ ዜጋታት ብምብራቕ ብምዕራብ ብሰሜን ብደቡብ ሃጽ ኢሎም እናጠፍኡ፡ ሃገር ብሃገራ እናባደመት ከላ፡ ካን-ስቕታ?
  • ገባቲ ስርዓት ህግደፍ መሓውራት ጭቆናን ዓፈናን ተኺሉ፡ ንዝኾነ ዜጋ ከም መሸጣ ኣቕሓ ሓፍ ኣቢሎም ኣብ ድላዮም ከቀምጥዎ፡ ኢሳይያስ ምስ ዘልግስ ከኣ ካልእ ከምቲ ዘለዎ ሰላም ክኸውን ይኽእል’ዩ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ፡ ካን-ስቕታ?
  • ስርዓት ህግደፍ ብሃይማኖታውን ወገናውን ብካልእ ዝተፈላለየ ድሑር ዝምባሌታትን ክመቓቕለና ለይትን መዓልትን እናሰርሐ፡ ኣብ ክንዲ ነቶም ኣብ ከምዚ ዝተጨማለቑ ኣካላት ያዕ ኣብ ክንዲ ምባልን መንገዲ ስኒትን ሓድነትን ኣብ ክንዲ ምሕባር፡ ካን-ስቕታ?
  • ህግደፍ በብእዋኑ ንህዝብና ዘታልል ወይ ዝበታትን ካርታታት እናደርበየ ርኢኻ ከም ዘይረኣኻ፡ ሰሚዕካ ከም ዘይሰማዕካ ምዃን ብተግባር ነቲ እከይ መደባት ስርዓት ህግደፍ ትንፋስ ክሰኩዕ ምግባር ምዃኑ በቲ ደረጃ ትምህርትኹም ኣይትርድእዎን ኣይንብልን። እሞ ካን ስቕታ?
  • ዲክታቶር ኢሳይያስን ንሱ ዝሃነጾ ገባቲ ዝኾነ ስርዓትን ጸረ ትምህርትን ምሁሩን ምዃኑ ብጭቡጥ መርትዖ ተረጋጊጹ’ዩ። ኣደንቁሩ ዝገዝእ እከይ ስርዓት ምዃኑ ሓደን ክልተን ዝበሃሎ’ ኣይኮነን። ብውጽኢቱ እታ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ሃገር እናተዓጽወት ከላ፡ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ኩሉ ኤርትራዊ ተመሃራይ ኣብ ቁራዕ ሳዋ ተጠጢቑ ጸብሒ ህግደፍ ኮይኑ እናወጸ ከሎ፡ ካን-ስቕታ?
  • ሃይለ ስላሴን ደርግን “ሓይል ኣያለ ስርዓት ምን ኣባቱ’’ እናበሉ ንነጻ ኤርትራዊ ምርጫ ምስ ረገጹ ንዕኡ ዓገብ ኢልና ብኣሽሓት ዝቁጸር ሂወት መንእሰያት ክንከፍል ከለና መሬትና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ንምውጻእ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰብኣዊ መሰልናን ነጻ ኣተሓሳስባናን ንክዕቀበልና’ውን ነይሩ እቲ ዕላማ። ኢሳይያስ “ሓይሊ ኣብ ቅልጽም ኢደይ ደሞክራሲ ኣብ ትሕቲ እግረይ’’ እናበለ ሃገር ፋሕ ፋሕ እናበላ፡ ካን-ስቕታ?

ምሁር ኤርትራ ክሳብ መዓስ’ሞ? ስቕታ ክትመርጽ፡ ሕጂ ይኣክል ክትብል እዋኑ’ዩ። ሃገር ተመሊሳ ታተ ኣብ ዘይትብለሉ ደረጃ ከይበጽሐት ከላ ታሪኻዊ ሓላፍነት ክትስኸም ይግባእ። ንዓኻ ዝመስል ምሁር ሃሰስ በል። ንኩሉ ጋሪዱካን ሓሊኹካን ዝጸንሐ ጠንቅታት ብዘይዝኾነ ተጽዕኖ ብነፍሰ-ምትእምማን ብምግምጋም፡ ማዕረ’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ምሁራዊ ዓቕምን ስነ-ምግባርን ብቑዕ ኮንካ ክትርከብ  ኣውያት ጻዕረ ሞት ህዝብና ይጽውዕ ኣሎ። ኣእዛንካን ሕልናካን ከፊትካ ኣዳምጽ። ጽባሕ እቲ ድምጺ ጻዕረ-ሞት ጨሪሱ ሃጢሙ መርድእ ሞት ከይትሰምዕ ተቓላጠፍ።

 

ይቕጽል

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ-ኤስደለ

21 መስከረም 2014

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8917

Posted by on Sep 23 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net