መረዳድኢ መዘክር

ናይ ህዝቢ ኤርትራ ልዕላዉነት፡ ሓርነት፡ ግዝኣተ ሕጊ ንምርግጋጻ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ንህዝቢ ኤርትራ ንምሕያልን ሕቶ ዋንነት፡ ተሳታፍነትን ወሳንነት ህዝቢ ንምርግጋጽ፡ ካብቶም ነዚ ቀንዲ ዕላምታት ንምዕዋት ዝቃለሱ ዘለዉ ዜጋታት፡ ተባታቲኑ ዝርከብ ሰብኣዊ፡ ነገራዊን መንፈሳዊ ጸጋታቶም ንምእካብን ንዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ንምቅርራብን ፡ ዝያዳ አድማዒ ኮይኑ ንኽወጽእ አብ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪታት መሰረት ብምግባር፣ ተወከልቲ ህዝባዊን ሲቪክ ፖለቲካውያን ምንቅስቓሳት ተራኺብና፡ ንህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዕቱብ ድሕሪ ምድህሳስን ምዝታይ ፡ ዓቕምታትና ኣወሃሂድና ንኽንቃለስ ኣብ ናይ ሓባር ማእከላይ መረዳእታ በጺሕና ኣሎና።

አብ ዝተፋላለዩ ጉዳያት ብሓባር ተዋሃሂድና ንክንሰርሕ ዘኽእለና እምነ-ኩርናዕን መሰረት ሃገራዊን ህዝባዊ ኣዕኑዳት ብምዝታይ፡ አብዚኤን ዝስዕቡ መሰረታዊ ዝኾኑ መቖምያታት ብምርዓም ተሰማሚዕና።

  1. ሓድነት ህዝብን መሬት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ መንነትን ሃገርነት ምዕቃብን ምክልኻልን ::
  2. ቀዳማይ መድረኻዊ ዕላማ ናይ መላእ ተቓዋማይ ህዝቢ ኤርትራ፣ ምቅያር ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ህ.ግ.ደ.ፍ ኰይኑ፣መተካእትኡ ብልዑላውነት ሕጊ ዝግዛእ፣ ቅዋማዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ምዃኑ ምቕባል::
  3. ካልአዊ ፍልልያት( ግርጭታት) ብምክብባርን ምጽውዋርን ብልዙብ ሃገራዊ ዘተ ክፍታሕ ከምዝከኣል ምቕባልን አብኡ ምምርኳስን ምሕያሉን::
  4. ሓደ ሕብረተሰብ ገለ ክፋላቱ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ኣብ ምህናጽ ሃገር፡ ኣብ ምህናጽ ዲሞክራሲን ኣብ ምህናጽ ማሕበራዊ ፍትሒ ግደ ስለዝህልዎ፡ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራን ዲያስፖራን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ቃልስታቶም ከም መርፍእን ፈትሊን ከላፉኑ ከምዘለዎም ንኣምን።
  5. ካብ ዝኾነ ብቀጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ፡ ግዳማዊ ተጽዕኖታት ሓራ ዝኾነ፣ ነጻ ኤርትራዊ ፓለቲካዊ ዉሳኔታት ምውናንን::
  6. አብ ህዝብና ዝተሰረተ ኩለንተናዊ ርእሰ ሙርኮሳ ንነጻ ሃገራዊ ፓለቲካዊ ውሳኔና ቀንዲ ዝዕቅብ ዋሕስ ምዃኑ ምእማን::
  7. አብ ንጹር ህዝባዊ አፍልጦን ተቐባልነትን መሰረት ዝገበረ፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብና ሃገራዊ ማዕርነት ዘረጋግጽ፣ ናይ ውልቀ ዜጋ ነጻነት ዘውሕስ፣ ናይ ብናጻ ዝቆሙ ማሕበራዊ ጉጂለታት ዘሳሲ (accommodate)፡ ንአህጉራዊ ውዕላትን ሰብአዊ መሰላትን እተኽብር ናይ ኩሎም ዜጋታት ሃገር (a civic nation-state) ምህናጽ።
  8. ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲን መሰረትን ምንጪ ስልጣን ምዃኑ ብሓሳብን ተግባር ምቕባልን ምእማንን፣ እቲ ብወከልቱ ጌሩ ዘጽደቖ ሃገራዊ ቅዋም ዝለዓለ ናቱ መወከሲ ምዃኑ ምርግጋጽ::
  9. ምስ ጎሮባብትናን ዓለምናን ኣብ ሓድሕድ ምክብባር፡ ኣብ ማዕርነታዊ ሽርክነት ፡ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ…ወዘተ ዝተሞርኰሰ ጥዕና ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ክምዝፍጠር ምግባር።
  • ክላቶም ሸነኻት ነዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳይ ምርኩስ ብምግባር፣ ንዕኡ ዘዑሙቕ አብ ዜናዊ መዳይ ፓለቲካዊን ዲፕሎማስያውን ህዝባውን ንጥፈታት ብሓባር ከካይዱ ተራዳዲኦም። እዚ ተበግሶ’ዚ ብዝተኻእለ መጠን አብ ሓጺር ግዜ አብ ተግባር ንምውዓሉ እቲ ርኽክባት ቀጻሊ ክኸውን ሐባራዊ መረዳእታ ዝሐዘ ውሳኔ አጽዲቖም።
  • እዚ መረዳድኢ መዘከር እዚ ንኹሎም እቶም ኣካል ናይዚ ተበግሶ’ዚ ኰይኖም ክሳተፉ ንዝደልዩ ኤርትራውያን ክፉት እዩ። እዚ ከኣ ነዚ ተበግሲ’ዚ ዘስፍሕን ፡ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ዝግበር ቃልሲ ዘሐይልን ፡ ንምውዳቑ ዘቀላጥፍን፡ ዲሞክራስያውን ፖለቲካውን ብዙሕነት ስርዓት ኣብ ምፍጣር ግደ ክጻውት ዘኽእል እዩ።
  • በዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት መሰረት ናይ ሓባር ስራሕን ሃገራዊ መቖምያታትን ናይ ኩሎም ነዚ መዘክር’ዚ ዝፈረሙሉ ምቕያድ ምዃኑ ተነጺሩ ኣሎ።

ኣብዚ መዘክር’ዚ ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ዝበጽሑ ወገናት ፣

  1. ኤርትራዊ መድረኽ ንለውጢ:
  2. ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንፍትሒ:
  3. ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ዓፋር ኤርትራ
  4. ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፡

 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ዘላኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንስዉኣት ኤርትራ!

02-10-2014

eri civic group

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8936

Posted by on Oct 3 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net