ሰሳዱን ኣከያይዳ ኢሰያስን ብምውድዳር ዝቐረበ ጸለመ።

sesaduመልሲ ነቲ ብስም ኣቶ መስፍን በርሀ ዝተዘርግሐ ናይ ጸለመ ጽሑፍ ንሰሳዱ

(እዚ ናይ ጸለመ ጽሑፍ ኣብ ተጎሩባ ኣብ ዕለት 12 መስከረምን 27 መስከረምን ሓደ ትሕዝቶ ዘሎዎ ተደጋጊሙ ዝወጸን ኣብ ፈይስቡክ ዝተዘርገሐን እዩ። ንምርግጋጹ ኣብቲ መርበብ ኢንተርነት ተጎርባ ረአ፡)

 

ኣብዚ ኤለክትሮኒካዊ ምዕባለ ዝዓብለሎ እዋን ፡ ዝኾነ ጽሑፍ መን ብዲሕሪ እቲ ጽሑፍ ከምዘሎን፡ ዕላማ ጸሓፊኡን፡ ዘርጋሕቱን ዘይሓላፍነታውን ጽሑፋትን ናይ ጽርግያ ዕላልን ከምዝዝርጋሕ ኣብ ግምት ብምእታው ፡ ነቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ናይ ጸለመ ጽሑፍ ንምብራህ እዩ። ምስ ጸሓፉኡ ንምምልላስ’ውን ዕላማ የብልና። እዚ መልሲ’ዚ ነቶም ጽላል ሰሳዱ ዝንቀሳቐሰሉ ሃገር ዝርከቡ ንምብራህ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ነቶም ርሒቆም ዝርከቡ ብመርበብ ኢንተርነት ዝረኣይዎን ዘንበብዎን ንምብራህን ምሕባርን እዩ። ምኽንያቱ እቶም ከም ጸሓፍትን ዘርጋሕትን ዝፍለጡ ምስ ጽላል ሰሳዱ ኣብ ሓደ ሃገርን ከተማን ስለእንርከብ ፍልልያት እንተ ሃልዩ ኣብ መኣዲ ዘተ ኮፍኢልኻ ክፍታሕ ዝክኣል ክነሱ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ምዝርጋሕ ስለዝመረጹ እዩ። እቲ ዕላማ ግና ካልኦት ኣብ ርሑቕ ዘሎዉ ብመርበር ኢንተርነት ፡ ሓቂ ዘሎካን ዘይምህላውካን ኣብ ዘየረጋግጽሉ መድረኽ ዝርከቡ ፡ ምድንጋጻት ንምርካብ ፡ ምድንጋር ንምፍጣርን ወይ ድማ ክሳብ ሕጂ ዘይበርሀ ዕላማ ንምዕዋት ዝዓለመ እዩ ዝመስል። ከምቲ ጸሓፊ ዝበልካዮ ፡ እዚ ናይ ጸለመ ጽሑፍ ንኣባላት ማሕበራት ሰሳዱ ንምሕባር እንተዝኸውን ኔሩ እቲ ዕላማ ፡ ልዕሊ ሰማንያ ዝከውን ዝርዝር ኣስማት ዘሎዎ ኢመይል ሊስት ንዓኻ ከይተረፈ ይለኣኸካ እዩ። እዚ መራኸቢ መስመር ምተጠቀምካ። ኣብ እትደልየሉ እዋን’ውን ናይ ሓበሬታ መዘርግሒ መስኖ ትጥቀመሉ ምዃንካ ይፍለጥ ፡ ካልኦት ደለይቲ ፍትሒ’ውን ይጥቀምሉ እዮም።

ጸሓፊ ሓውና መስፍን በርሀ፡ ኣብ መእተዊኻ ዕላም ሰሳዱ ኣሕጽር ኣቢልካ ገሊጽካዮ ኢኻ። ሰሳዱ ብ2009 ነቲ ዝገለጽካዮ ዕላማታት ንምዕዋት ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዘተ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ዝቆመ ጽላል እዩ። ነቲ ማሕበር መንእሰይ ንምቛም ንስኻ’ውን ኣቦ መንበር ኢ.ሽ.መ.ማ.ፍ. ኣብ ዝተመረጽካሉን ሰሳዱ ዝመኸረን ዝተሓባበረን ኮይኑ፡ መንእሰይ እንቛዕ ሎሚ ተጠርነፍኩም ደኣንበር ሓላፍነት ክንገድፈልኩምን ክትመርሑናን ቅሩባት ኢና ዝበሎ ወኪል ሰሳዱ ኣብ ጉባኤኹም ዝረሳዕካዮ ትመስል። ተለቭጂናት ብኣባላት ማሕበራት ሰሳዱ ዝመሓደራ ኣብ ስቶክሆልም ንመንእሰያት ክፉት ምዃኑ’ውን ቃል ተኣትውልኩም ኔሩ እዩ። ኣብቲ ምምስራት ማሕበር መንእሰይ ኣብ ስቶክሆልም ፡ ሰሳዱ ብኹሉ ዓቕሙ ማለት ሎጂስቲካዊን ምኽርን ከምዘበርከተ ንስኻ ብጽሑፍካ ንሰሳዱ ክትክሕዶን ከተጸልሞን እንተመረጽካ እቶም ምሳኻ ዝነበሩ መንእሰያት ዝፈልጥዎ ሓቂን ኣባላት ማሕበራት ሰሳዱ ዝፈልጥዎን እዩ።

ሎሚ’ውን መንእሰያት ተጠርኒፍኩም ካብ ጸለመን ምጥቕቓዕን ወጺኹም ኣብ ምድሓን ሃገርን ህዝብን ጊደኹም በቲ ዝመስለኩም ኣገባብ ክጥርነፉን ክትውደቡን ሕጂ’ውን ሰሳዱ ደጋፍን ኣተባባዕ እዩ። ገዳይም ተቓለስቲ ዓንቂፎምና ምሕላፍ ከሊኦምና ይበሃል ከምዘይነበረ ፡ መንእሰይ ወለዶ ከምቲ ዝድለ ተጠርኒፉ ጊድኡ ይጻወት ከምዘየለ ግና ከይጠቕስናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን። ብኣንጻሩ እኳድኣ ኣብ ነንሕድሕዱ ንስሙ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዘይኮነ ፡ ካብ ስነምግባር ወጻኢ ፡ ዘይሓላፍነታዊ ሓሸውየ ሕብረተሰብ ዝገማምዕ ጸለመ ኣትዩ ከምዘሎ ትዕዝብትና ክንገልጽ ብፈቱ።

ብዛዕባ ዝተፈላለይ ምንቅስቓሳት ሰሳዱ ኣፍራሲ ተራ ኔሩዎ ኢልካ። ከምጭብጢ ዘቐመጥካዮም ሓሳባት ባብሓደ ክንርእዮም ኢና። እዚ ማለት ግን ነቲ ዘልዓልካዩ ኣርእስቲ ምርኩስ ብምግባር ብዙሓት ገጻት ክጸሓፍን ክትንተንን ከምዝከኣል እንዳገለጽና ፡ ንሎሚ ሓጺር መልሲ በብነጥብታትካ ክንህብ መሪጽና ኣሎና።

  1. ሰሳዱ ከም ጽላል ማሕበር ኣብ ማሕበራት ኢዱ ኣእቲዉ ኣይፈልጥን ከምኡ ዕላማን ማንደይትን የብሉን። ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ጠቒስካ፡ እዚ ማሕበር ርእሱ ዝኸኣለ ናቱ መሪሕነት ዘሎዎ ስለዝኾነ ሰሳዱ ኢዱ ኣእቲዉ ኣይፈልጥን። ተቓውሞ ደንበ ዋዕላ ክገብር ኣብ 2008 መብዛሕትኡ ዝተሰማምዓሉ ስለዝነበረ ፡ ነዚ ዋዕላ’ዚ ንምዕዋት ዎርክሾፓት ክግበር ይትሓባበር ኔሩ እዩ። ንኣቃቂ ይኹን ንኣዋሳ ንምስታፍን ዘይምስታፍን ግን ንሰሳዱ ዝምልከት ኮይኑ ኣይፈልጥን ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣካየድቲ ኣካላት ጽላል ሰሳዱ ዝነበሩ ካብቶም ናብ ዋዕላ ዘይከዱ ውድባት እዮም ኔሮም። ሰሳዱ ኣብ ኣዋሳን ኣብ ባይቶን ዘይተሳተፋ ውድባትን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ሓቑፉ ዝኸይድ ጽላል ምዃኑ ንስኻ ኣዳዕዲዕካ ትፈልጥ ኢኻ። ማሕበር ደቂኣንስትዮ ባዕለን ከለዋ ፡ ንስኻ ተጣባቒ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ እትኾነሉ ምኽንያት ብዙሕ ርዱእ ኣይኮነን ኣባለን ድማ ኣይመስለናን። ገምጋምካ ድማ ጌጋ እዩ።

 

  1. ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት ዝብሃል ምስላ ኣቦታት የዘኻኽረና። እቶም መንእሰያት እትብሃሉን ውልቃውያን ኣባላትኩምን ብዘይምርድዳእ ዘምጻእኩሞ ጸገም ከምይ ጌሩ እዩ ጽላል ሰሳዱ ሓላፍነት ዝስከም ዘሎ። ሰሳዱ ከምጽላል ኣጆኹም ደኣበለ እምበር ንምብትታንኩም ኣይሰርሐን። መንእሰያት ኣብ ስቶክሆልም ኮንፈረንስ ክግበር ኣብ ዝመደብኩምሉ እዋን ፡ ሰሳዱ ንኣባልት ማሕበራቱ ኣኺቡ ብንዋት ብገንዘብ ብጉልበት ክትሓባበሩ ፡ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝግበር ኮንፈረንስ ተዓዊቱ ክወጽእ ፡ ንኩሉ ተቐማጣይ ስቶክሆልም ደላይ ፍትሒ የገድሶ እዩ ተባሂሉ፡ ንሱ’ውን ብናትኩም ማሕበር መንእሰይ ስቶክሆልም ጠለብን ኣፍልጦን ዝተገብረ ምዃኑ ዝረሳዕካዮ ትመስል። ደብረዘይቲዶ ወላ ስቶክሆልም ኮንፈረንስ ነቶም ኣባላቱን ተሳተፍቱን ዝምልከት ድኣምበር ንጽላል ሰሳዱ ዝምልከት ኣይኮነን። ነገራት ፈላሊኻ ክረአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ ፡ ነገራት እንተ ሓዋዊስካዮ እትህቦ ሚዛን ጉጉይ እዩ ዝኸውን።

 

  1. ብያንግ ወይቭ ዝጽዋዕ ምትእኽኻብ ሰሳዱ ከፍርሶ ተበጊሱ ኣይፈልጥን። ብኣንጻሩ ኣብ 2013 ዝተገብረ በዓል፡ ሃገራዊ በዓል ናጽነት ንያንግ ወይቭ መማዕበሊ ክኸውን ሰሳዱ ተቐቢሉ ያንግ ወይቭ ከዳልውዎ፡ ክሳራ እንተ ኣጋጢሙ ድማ ሰሳዱ ክሕግዝ ዝተሰማምዔ ጽላል እዩ። እዚ ምትእኽኻብ’ዚ እንተፈሪሱ ብጣዕሚ የሕዝን ከም ሰሳዱ ኣፍልጦን ሓበሬታን የብልናን። ሰሳዱ እንታይ ሓይሊ ሃልዩዎ ድኣሉ ንምቅስቓስ ዘፍርስ፡ እሞኽኣ ኣብ ኣገላልጻኻ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ እንተኔሩ ኣብ ስቶክሆልም ኮይኑ ሰሳዱ ምንቅስቓስ ከፍርስ ውድዓውነት የብሉን ኣቶ መስፍን በርሀ። ንሰሳዱ ምጽላም ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ፍትሓዊ ኣይኮነን መተዓዛዘቢ እዩ።

 

  1. ብዛዕባ ማሕበር መንእሰያትን መንእሰያት ደብረዘይትን ንሰሳዱ ከም ጽላል ኣይምልከቶን እዩ። ንስካ ዘሎኻዮ ብድምጽኻ ነቲ እትመርሖ ማሕበር ከምዝጽንበር ዝገበርካ ንስኻ ሓደ ኢካ። ብድሕሪኡ ኣይተረዳዳእናን ክትብል ግን መሰልካ እዩ ፡ እቲ ጉዳይ ግን ናይ ሰሳዱ ጉዳይ ኣይኮነን።

 

  1. ብዛዕባ ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱሳ ዝምልከት ፡ ሓቂ እዩ እቲ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ህልዊት ንምቅላሕ ሰሳዱ ዘዳለዎ ማኒፈስተሽን ክልተ ግዜ ተኻይዱ። ኣብዚ ማኒፈስተሽን ንኣፍልጦኻን ንምእራምካን ሰሳዱ ከም ጽላል ገንዘብ ኣወጽኡ ኣይበለን ፡ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው በቲ ካብ ላምፐዱሳ ብቐጥታ ብተለፎን ብግዱሳት ኤርትራውያን ዝተገብረ ዝርርብ ኣብቲ ማኒፈስተሽን ግዜ ዝተበገሰ ድኣምበር ሰሳዱ ብመደብ ገንዘብ ኣዋጽኡ ኣይበለን። ንምብጽሑን ዘይምብጽሑን ንጸብጻቡን ዝምልከት ድማ ጠቒስካ ኣሎካ። እቲ ገንዘብ ኣብቲ ዝተመደበሉ ክበጽሕ ድሕሪ ማኒፈስተሽን ካብቲ ዝተኣከበ ሰብ ኣብ ሃለምበርየን ኮሚቴ ኣውጺኡ ሓላፍነት ሂቡ እዩ ፡ ብቐጥታ ንሰሳዱ ዝምልከት ኣይነበረን። እታ ኮሚቴ ከኣ ነቶም ጠቒስካዮም ዘሎካ ሰባት ይኹኑ ካልኦት ረኺባ እቲ ገንዘብ ናብቶም ውጻእ መዓት ክበጽሕ ብዙሕ ጻዕሪ ኣካይዳ እቲ ዝገበረቶ ጻዕርታትን ክንደይ ከምዝተኣከበን ክንደይ ከምዝበጽሐን ብሻርነት ዘይብሎም ተቖጻጸርቲ ዝተደገፈ ጸብጻባታ ኣረኪባ እያ። እታ ኮሚቴ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ከምቲ ንስካ ዝገለጽካዮ ከምዘይኮን ብጽሑፍ ጸብጻባታ ኣቕሪባ እያ ኣብ ፋይል ድማ ተታሒዙ ኣሎ። ካበይ ኣምጺእካዮ እቲ እትብሎ ዘሎኻ ንዓካ ዝምልከት እዩ። እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ድማ ንሓደ ጥርኑፍ ኣካል/ማሕበር ተሓታትነት ዘሎዎ ሰሳዱ ተረኩቡ ኣሎ። ንምምሕዳሩ ድማ ሰሳዱ ሓላፍነት ተሰኪሙ ኣላ።

 

  1. ኣብ ስቶክሆልም ዲያሎ ግሩፕ ዝብሃል ናይ ዘተ ምትእኽካብ ከምዝግበር ሰሳዱ ይፈልጥ እዩ። ምስዚ ጉጅለ’ዚ ሰሳዱ ንኽራኸብ ብዙሕ ጻዕሪ ኣካይዱ እዩ። እንተኾነ ገለ ኣባላት እዚ ጉጅለ ንሰሳዱ ከም መወዳድርቲ ስለዝርእይዎ ብስሩዕ ብፕረቶኮል ክራኸብ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ መራሕን ተመራሕን ዘይብሉ ፍኑው ምትእኽኻብ ዝድግፍ ጉጅለ ስለዝኾነ። ነዚ ጉጅለ’ዚ ንምምፍራሱ ወይ ንምብርዓኑ ሰሳዱ ብዙሕ ሓርኮት ኢሉ ንዝበልካዮ ጸለመ ግን ውጹእ ሓሶት እዩ። ናትካን ከምቲ ናትካ ኣተሓሳስባ ዘሎኩም ዝምልከት ትልምን ሓሳብን እዩ። ኣብ ምውዳእ ጽሑፍካ ድማ ንሰሳዱ ክትቃለሶ ምዃንካ ብቕሉዕ ባዕልኻ ኣዊጅኻ ኣሎኻ ኣብ ባይታ ድማ ብሓንሳብ ኣሎና። ኣብቲ ጉጅለ ብዙሓት ጀንዊን ኣረኣእያ ዘለዎም ውልቀሰባት ከም ዘሎዉ ንፈልጥ ኢና ፡ ኣብ ዝደለኩሞ ምትእኽኻብን ናይ ዘተ መኣድን ክትሳተፉ ድማ ዩኒቨርሳል መሰልኩ እዩ። ብኣንጻሩ ገለ ካብቲ ጉጅለ ስም ሰሳዱ ንምብልሻው ንምጥፋእን ብጽልኢ ብምርኣይ ዘይተገብረ ዘይተዘርበን ነገር የለን። ገለ ካብኡ ድማ ብጽሑፍካ እዚ ንስኻ መስፍን በርሀ ዝጸሓፍካዮ ሓደ ምስክር እዩ። ሰሳዱን መሪሕነቱን ምሳኻ ኣብ ስቶክሆልም እዩ ዝርከብ ፡ ፍልልያት ናይ ኣረኣእያን ኣረዳድኣን እንተ ሃልዩ ከምቲ ብጉዳይ ሃገርን ስርዓት ህግደፍን ዘተ እትገብሩ ምስ ሰሳዱ ኣብ ዘተ ክእቶ ይከኣል ኔሩ እዩ። ንዘተ ግን ኣይመረጽካን ኣብ ሳይበር ክትዛረብ መሪጽካ። መልስና’ውን ምእንቲ ሰብ ከይደናገር ድኣምበር ምሳካ ኣብ ምምልላስ ንምእታው ዕላማ ከምዘይብልና ክትርድኦ ንጽበ። መንፈስ ምርድዳእ እንተ ወኒንካ ግን ኣብ ዘተ ክንኣቱ ቅሩባት ኢና። ብሓንሳብ ድማ ኣሎና።

 

  1. ብዛዕባ ጉዳይ ወዲ ቫካሮ ኣልዒልካ፡ ወዲ ቫካሮ ኣብ ስቶክሆልም ህዝብዊ ኣኼባ ንኽገብር መአከቢ ኣዳራሽ ንምርካብ እቶም ከምጽእዎ ዝሓሰቡን ዝመደቡን ጉጅለ ሰሳዱ ንኽትሓባበሮም ተወኪሶማ። ሰሳዱ ድማ ብሓንቲ ኣባል ማሕበር ጌራ ኣዳራሽ ከምዝተሓዝ ጌራ ኣብቲ ብኣባል ማሕበርን ሰሳዱ ዝሓዞ ኣዳራሽ ድማ እቲ ቀዳማይ ህዝባዊ ኣኼባ ወዲ ቫካሮ ተኻይዱ። ድሕሪ ህዝባዊ ኣኼባ ወዲ ቫካሮ ፡ መሪሕነት ሰሳዱ ምስ ወዲቫካሮ ክረኽቦም ዝዓደሞም ካልኦት ግዱሳት ኤርትራውያንን ንወዲ ምምጻእ ዝሓገዙ ጉጅለን ኩነታት ሽወደንን ተቓውሞ ደንበን፡ ኣተሃላልውኡን ከምዝሕበር ተጌሩ። ሓድነት ዝብል ጭርሖ ከም መለዓዓሊ ኣርእስቲ ስለዝነበሮ ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ተጠርኒፉ ዝጸንሐ ሓቢርካ ክስራሕ ከምዘሎዎን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ተገሩ። ኮሚቴ ናይ ወዲ ቫካሮ ከምቲ ዝድለን ከምቲ ”ሓድነት ዝብል ጭርሖኦም” ስለዘይሰርሑ ሰሳዱ ብግብሪ ናይ ሓድነት ኣገባብ ትሰርሑ የለኹምን ዝብል መልእኽቲ ተሰዲዱሎም እዩ። እዚ መልእኽቲ’ዚ ብቛንቋ ሽወደን ስለዝነበረ ናይ ቋንቋ ምርዳእ ጸገም ስለዘጋጠመ ዘይተባህለ ትርጉም ስለዝሓዘ ምስ መሪሕነት ሰሳዱ ወዲ ቫካሮ ከይተረፈ ኣብ ዘይምርድዳእ ተበጺሑ። ኣብቲ ወዲ ቫካሮ ዝገበሮ ካልኣይ ህዝባዊ ኣኼባ መሪሕነት ሰሳዱ ዓው ኢሉ ፡ ከምቲ ሰብ ርእይዎ ዝበልካዮ ንጉዳይ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ዘሎዎ ርእይቶ ክከላኸል ክምጉትን ክኢሉ። ወዲ ቫካሮ እንተኾነ ብርግኣትን ብምስትውዓልን እንታይ እዩ እቲ ጉዳይ ከይበለ በቲ ዝተተርጎመሉ ተበጊሱ ኣበይዘሎ ሰሳዱ እዩ ኢሉ ብብድዔ እዩ ፈኪሩሉ። ሰሳዱ ጉዳይ ሓድነት ከም ሕመረት ቃልሲ ስለዝርእዮ ደለይቲ ፍትሒ ውድባትን ማሕበረራትን ውልቀሰባትን ጠርኒፉ ብውሑዱ ኣብ ስቶክሆልም ይቃለስ ስለዘሎ ንስኻውን ብሕልናኻ እትምስክሮ ሓቂ እዩ። መሪሕነት ሰሳዱ ፡ ነቲ ጥርኑፍ ሓይልን ትካልን፡ ክከላኸል ዕላምኡን መሰሉን ጉቡኡን እዩ ጌሩ። ሰሳዱ ብደረጃ ኤውሮጳ ኣብነታዊ ጽላል ምዃኑ እተን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ መሓዙት ጽላላት ይፈልጣ እየን። ሓባራዊ ዕላማን ኣገባብ ቃልስን ብዓቕምና ንለዋወጥ ኢና።

 

  1. ብዛዕባ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቅድሚ ፈስቲቫል ስቶክሆልም ስርዓት ህግደፍ ብስም ማሕበረሰባት ዝዳሎ ሓሙሳይ ግዜና ከምዝገበርና ኣይትስሕቶን ትኸውን። ከምቲ ኣብ ዕላማታት ሰሳዱ ዝገለጽካዮ ድማ ሓደ ካብ ዕላማታቱ ደለይቲ ፍትሒ ጠርኒፍካ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ምቅላስን ፍትሕን ስርዓተ ሕግን ኣብ ሃገርና ክነግስ ድምጺ ህዝቢ ምዃንን ምክያድን፡ ምዃኑ ኣየዛርብን እዩ። ሰሳዱ ብቑጠባዊ ዓቕሙ ሓያል ከምዘይኮነ ተሓቢሩካ ይኸውን። ብመሰረቱ ግን ሓደ ካብ ዕላማታቱ ስለዝኾነ ምስ ካልኦት ማሕበራትን ከምኡ’ውን ናይ ቁጠባ ሓገዝ ተወኪሱን ሰላማዊ ሰልፊ ፡ ሃገራዊ በዓላትን ዲፕሎማስያዊ ዘመተን ከካይድ ንድሕሪት ዘይብል ጽላል ምዃኑ ንጹር ክንገብሮ ንደሊ። ካብዚ ብምብጋስ ከምቲ ልሙድ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ጎስጓስ ተኻይዱ ካብ ምሉእ ዓለም ናይ ቁጠባ ሓገዝ ረኺቡ መደባቱ ሰሪዑ ዕዉት ስራሕ ዝምዝሰርሐ እቶም ዝወዓሉ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። እቲ ናይ ዲያሎግ ጉጅለ ንስኻ ዘሎካዮን ብግንባር ቀድምትነት እትዋሳኣሉን ድማ ኣብ ጎድኒ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ስጋ ጥብሳ መደብን ካልእን ኣዳልዩ ካብ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ኣብ ሓደ መዓልቲ ተዋዲዱ ከምዝነበረ ብኣዋጅ ከምዘቃላሕኩሞ ምስክር ዝሕተሮ ጉዳይ ኣይኾነን። ናይ ኣገባብን ሓሳብን ፍልልይ ከምዝነበረና ድማ ትፈልጥ ኢኻ። ብዛዕባ’ዚ እንታይ ክትብል ከምዝደለኻ ሓሳባትካ ንጹር ኣይኮነን። ሰሳዱ ጠርናፊ ኮይኑ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከማእክሎ ኣይነበሮን ማለትካ ድኻ ወይስ እንታይ እዩ እቲ ኣርእስቲ?

 

  1. ናይ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ጉዳይ ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ላምፕዱሳ’ውን ኣልዒልካ ኣሎኻ። ነታ ጠቒስካያ ዘሎኻ ሓፍትና ሜሮን እስቲፋኖስ ፡ መሪሕነት ሰሳዱ ብስልክን ብጽሑፍን እንታይ ከምዝተጸሓሓፈ እንተ ትፈልጥ ጽቡቕ ምበልኩ። ብቐንዱ ግን ሰሳዱ ንዝኾነ ዝኽሪ ወይ ሰላማዊ ሰልፊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከም ሕዛእቲ ኣይውንኖን ፡ ክሕዞ ድማ ኣይክእልን ወላ እንተደለዮ። መሰል ካልኦት ሕሉው እዩ ፡ ሓቢርና ክንሰርሕን ክንከይድን ኣብ ጉዳይ ሃገርና ከም ዕላማ ግን ድልየት ኣሎና ጻዕርን ነካይድ ኢና። ንሱ ስለዝኾነ እዩ ድማ ጽላል ኣቚምና ብሓባር ክንጉዓዝ ንፍትን ዘሎና። ተጠርኒፍካ ምስራሕ መባእታዊ ቤትምህርቲ ደሞክራሲ እዩ። ምስ ብዙሓት ሰባት ሓሳባትካ ኣጋጭካ ዝሓሸ ኣገባብ ምኽታል ምጽውዋር ትምሃር ፡ ኣድማዒ ትኸውን ናይ ካልኦት ሓሳባትን ርእይቶን ክሳብ ክንደ ተጸዋዋርነት ከምዘሎካ ብሓዊ ትፍተን።

 

ኣብ መወዳእታ ሓውና መስፍን በርሀ ፡ ኣብ ጽሑፍካ ”ኣነ እንተዘይኣወድኩኹም ኣነ እንተዘየመሓደርኩኹም እንዳበለ ዝድብል ትካል ካብ ኢሰያስ ፈልየ ኣይርእዮን እየ ስለዚ ቕድም ምስኡ እዩ ቓልሰይ” እትብሎ ዘሎኻ፡ ጽላል ሰሳዱ ኣወሃሃዲ እምበር ኣማሓዳሪ ወይ ኣዋዲ ኣይኮነን። ደለይቲ ፍትሒ ውድባት ማሕበራት ከምኡውን ውልቀሰባት ዘማእከለ ፡ ምስቶም ዝመስረቱዎን ዕላምኡ ዝኣምኑን ምስኡ ዝጎዓዙን እዩ ዝሰርሕን ዝውክልን። ንስኻ ካብ ኢሰያስ ፈሊኻ ኣይርእዮን ምባልካ መርግጽካ ኢኻ ተነጽር ዘሎኻ። መብዛሕትኡ ኣባሉ ብጥርኑፍ ይኹን ብውልቂ ንነዊሕ ዓመታት (ንስኻ መዓስ ናብ ደለይቲ ፍትሒ ከምዝተጸንበርካ ኣይንፈልጥን) ኣንጻር ረጋጺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣንጻር ስርዓት ኣልቦ መንግስቲ ኤርትራ፡ ፍትሒ ተረጊጹ ፡ ሃገር በሪሱ ህዝቢ ተሰዲዱ ኢሉ ብስነሓሳብን ብግብርን ዝመጎተን ዝቃልስን ዝነበረን ዘሎን ማዕረ ኢሰያስ ምስራዕካ ሕጂ’ውን መርገጽካ ብንጹር ምቕማጥካ ዝምጎስ እዩ ፡ ወላኳ ዓዳሊ ባጀላ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ምዃንካ እንተዘይኣመንናልካ።

 

ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ድማ ምርኻብና ኣይተርፍን እዩ ፡ በብመርገጽናን ዕላማናን።

 

 

ሃገራውን ሕውነታውን ሰላምታ!

 

 

መሪሕነት ሰሳዱ

ጽላል ሽወደናዊ-ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ – ስቶክሆልም

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8950

Posted by on Oct 7 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net