መግለጺ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ [ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ.] ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ሓደጋ ደሴት ላምፔዱሳ

encdc executive office

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ልክዕ ከም ሎሚ ዕለት 3 ጥቅምቲ ንኹሉ ኤርትራዊ ንምጽዋሩ ኣዝዩ ዘጸግም ከቢድ ሓዘን ዘስዓበ ፍጻመ ተኸሲቱ። ኣብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013፣ ሓንቲ ጃልባ ካብ ሊብያ ናይ ዓዲ ጥልያን ልዕሊ 500፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ሒዛ ብባሕሪ እንዳተጕዓዘት እንከላ ተገምጢላ ኣብ ባሕሪ ጥሒላ። ድሒሩ ከምዝተገልጸ ጠንቂ ናይቲ ኣስካሕካሒ ሓደጋ ኣብታ ጃልባ ሓዊ ስለዝተባርዐ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብቲ ፈለማ ዝተኻየደ ናይ ህጹጽ ረድኤት ጻዕሪ ኸኣ 155 ዝኾኑ ስደተኛታት ብሂወቶም ክድሕኑ ክኢሎም፡ ብድሕሪኡ ዝተኻየዱ ጻዕርታት ግን ብሂወቱ ዝድሕን ሰብ ኣይተረኽበን። ድሕሪ ሰሙን ናይቲ ሓደጋ ዘጓነፈሉ እዋን ዝያዳ 360 ዝኾኑ ሬሳታት ከኣ ተረኺቦም። በዚ ፍጻመ ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም ሓዘኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ብፍለይ ግን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ብዝያዳ ኸኣ ጥልያናውያንን ፉሉይ ንዝኽሪ እቶም ሂወቶም ዝሓለፈ ስደተኛታት መደብ ሓዘን ኣካይዶም።

እዚ ተረኽቦ እዚ ንኹልና ኣብ ብርቱዕ ናይ ሓዘን መንፈስ ዘእተወና ኮይኑ ብፍላይ ግን ቤተሰብን ፈተውቲን መወቲ ስደተኛታት ክርሳዕ ዘይክእል ቃንዛ ኣስዒቡሎም እዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህይወት ኣዝዮም በዳህቲ ዝኾኑዎ ኣጋጣሚታት ብመስተንክራዊ ትብዓት ይሰግር ምህላዉ ዘረጋግጽ ኣጋጣሚውን እዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ ሓዘንና ከይንርስዕን ከይንድበስን ዝገብር ዘሎ ኩነታት ግን፡ መንእሰያት ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂውን እንተኾነ ኣብ ሂወቶም፡ ኣጻምእ ምድረ በዳታት ኣቋሪጾምን ሰፊሕን ሓደገኛን ጽፍሒ ባሕሪ ሰንጢቖምን ንዝሓሸ ተስፋ ናይ ሂወት ናብ ኣውሮጳ ካብ ምጉዓዝ ዝበልጽ ኣማራጺ ዘይምርካቦም እዩ። እዚ ክቕጽል ከሎ ኸኣ ኣብዚ መስርሕ ሂወቶም ዝቑጸ ዘሎ ሓያሎ ከም ዘለዉውን ርዱእ እዩ።

ኣብ ኣውሮጳ ብሰንኪ ፍጻመ ሓደጋ ደሴት ላምፔዱሳ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ክትዓት ተላዒሉ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ብዝያዳ ዕምቆት ዋላ እኳ እንተተዘራረቡሉ፡ ብሓፈሽኡ ኣብቲ ምፍታሕ ናይቲ ሽግር ግን እዚ እዩ ዝበሃል ዝጥቀስ ለውጢ ኣየምጽአን። ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ከኣ ብፍላይ ስደተኛታት ኣብ ምቕባልን ምሕጋዝን ኣዝዩ ብዙሕን ዝምስገንን ጻዕርታት ይካየድ እዩ። እንተኾነ ግን እዚ ሓገዛት ነቲ ናይ ስደተኛታት ጸገም ነባሪ ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ፣ ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ምስ ወጹ ዘጓንፎም ሽግር፡ ሳዕብየን ናይ ሓደ ኻልእ ቅድሚኡ ዘጓንፍ ዘሎ ጠንቂ ስለዝኾነ። ስለዚ እንተይ እዩ እዚ ጠንቂ ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ንሂወቶም ኣብ ሓደጋ ብዘእቱ መገዲ ከይተረፈ ብብዝሒ ንኽስደዱ ዝገብር ዘሎ፡ ዝብል ሕቶ ምምላስ ኣገዳሲ እዩ።

ነቶም ካብ ኤርትራ ዝስደዱ ዘለዉ ብዝምልከት፡ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ካብ ሃገሮም ብብዝሒ ክወጹ ዝደፋፍኦም ዘሎ ጨካን ኣተሓህዛ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ኣብ ኤርትራ ሕጂ ዘሎ ኹነታት ንኽትርድኦ ዝኸብድ ኣይኮነን። ህዝቢ ሰብኣዊ መሰላቱን ሓርነታቱን በቲ ስርዓት ተኸልኪሉ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ኣዝዮም መሰረታውያን ዝበሃሉ መሰላት ኩሉ ጊዜ ምስተጋህሱ እዮም። ናይ ምስራሕን ናብራኻ ምስራዕን መሰል፣ ኣብ ውልቀ ሂወትካ ብዘይ ዝኾነ ጸቕጢ ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰል፣ ናይ ምንቅስቓስ መሰል፣ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል፣ ፍትሕን ግቡእ መስርሕ ቤት ፍርድን ናይ ምርካብ መሰል፣ ብወለንታኻ ናይ ምእካብ መሰልን ካልኦት መሰላትን ኣብ ኤርትራ ኩልኩላት እዮም። እዚ ንብዙሓት ኣብ ዓዲ ፍትሕን ዲሞክራሲን ንዝነብሩን፡ መሰላቶም ናይ ምርካብ ጉዳይ ከኣ ከም ትሑዝ ንዝወስድዎን ሰባት ክሰምዕዎ እንከለዉ፡ ሓደ እዋን ቅድሚ ብዙሕ ዘመናት ዝነበረ ናይ ባርባራዊ ማሕበረሰብ ዛንታ ይመስሎም ይኸውን። እዚ ግን ክሳብ ሕጂ መዓልታዊ ናብራ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ሃገሮም ገዲፎም ብብዝሒ ዝወጹ ዘለዉን፡ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብ ኮይኖም ተቖጽዮም ናይ ዝተርፉ ዘለዉን፡ ስደተኛታት ኮይኖም ፍቐድኡ ፋሕ ኢሎም ናይ ዝነብሩ ዘለዉን ኤርትራውያን ጉዳይ ነባሪ ፍታሕ ዝረክብ፡ ኤርትራውያን፡ እንተተኻኢሉ ብሓገዝ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም፤ ኣንጻር ባርባራዊ ስርዓት ህግደፍን ፖለቲካዊን ማሕበረሰባዊን ጭቆናታቱን ተቓሊስና ንምዕዋት ዓቕምና ክዓቢ እንተኽኢሉ ጥራይ እዩ። በዚ መንገድዚ ጥራይ ከኣ እዩ ሽግር ናይ ካብ ሃገሮም ዝወጹ ስደተኛታት ዘይኮነስ እቲ ቀንዲን ዝዓበየን ሽግር ማለት እቲ ጠንቂ ስደት ንሓዋሩ ክፍወስ ዝኽእል።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ንኹሉ ማህበረሰብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ንሃገራት ሕብራት ኣውሮጳ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፣ ካናዳን ኣውስትራሊያን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ኣብ ግምት ኣእትየን፡ ሓዲሽ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ዝውለደሉ ኩነታት ንኽፍጠርን፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ጸቕታት ኣበርቲዐን ብምክያድ ናጻን ዲሞክራሲያዊን ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንኽትከል ብምስምማዕ ኢዱ ዝህበሉ ኩነታት ንኽፍጥረን ክሕግዛ ጻውዒቱ የቕርብ።

ንኹሉ ኤርትራዊ ኸኣ፡ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን፡ ብዛዕባ መጻኢ ሃገርናን ወለዶታትናን ብዕቱብ እንሓስበሉ እዋን ስለዝኾነ፡ ካብ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ንዝበሃለናን ዝወሃበናን ትእዛዝ ተማእዚዝና ኣብ ክንዲ ንኸይድ፡ “ስለምንታይ እዚ ይኸውን” ዝብል ንመንግስቲ እውን እንተኾነ ተሓታቲ ዝገብር ሃዲሽ ባህሊ ክነተኣታቱ እዩ ዝግበኣና። ሕጂ ከም ሃገር ኣጓኒፉና ዘሎ ጸገም፡ እቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልስና ዘመስከርናዮ ጅግንነት፡ ደጊምና ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ካብ ሃገርና ንሓዋሩ ንምእላይ ክነርእዮን ክነሐድሶን ዝሓትት እዋን እዩ። ስለዚ ብሽም ፍትሕን ዲሞክራሲን፡ ህዝብናን ሃገርናን ካብ ብርሰት ክነድሕን፡ ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ምልኪ ሓቢርና ንቃለስ!!

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ.

3 ጥቅምቲ 2014።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8956

Posted by on Oct 9 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net