ዜናታት ደንበ ህግደፍ

ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

  1. ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2014 ኣብ ገዛ ሜጀር ጀነራል ተኽለ ማንጆስ፡ ብዝተገብረ ሃንደበታዊ ፍተሻ፡ ብርክት ዝበለ ዶላርን ዩሮን ከምኡ’ውን ባጤራ ናቕፋን ዝተፈላለየ ዝዓይነቱ መንቀሳቐሲ ወረቃቕቲ ምርካቡ ተገሊጹ። ኣብ ተኾንብያ ድማ 370 ኣባጊዕ ተረኺበን ኣለዋ። ብስንኪ’ዚ ኣብ ተሰነይ፡ ከረን፡ ኣስመራ ዝርከባ ሸላታት ተዓጽየን ከም ዘለዋ ተሓቢሩ። ተኽለ ማንጆስ፡ ምስ ገለ ደላሎ ኤርትራውያንን ረሻይዳን ብምሽራኽ፡ ኣብ መስግጋር መንእሰያት ኤርትራ ዓቢ ተራ ዝጻወት፡ ብውጽኢቱ’ውን ዘይተኣደነ ዶላራት ዝምዝምዝ ምዃኑ ክኽሰስ ከም ዝጸንሔ ይፍለጥ። ብድሕሪ ተኽለ ማንጆስ ንዕኡ ተኪኡ ኣዛዚ ኮይኑ ተመዚዙ ዝነበረ በዓል ስልጣን፡ ብ01 ጥቕምቲ 2014 ምስ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ንኢትዮጵያ ክሰግር ኣብ ከባቢ እምሓጀር ምትሓዙ’ውን ተገሊጹ።

 

  1. ኣብ ክፍለ ሰራዊት 62 ኣዛዚ 3ይ ብርጌድ ዝነበረ፡ ብ30 መስከረም 2014 ምስኡ ዝነበረት መኪና ኣብ ኣዲበራ ራሕሪሑ፡ ንሱዳን ፖሎቲካዊ ዕቁባ ምሕታቱ ተሓቢሩ። በዚ ኩነታት’ዚ ዝተሰናበደ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምዕራባዊ ዶብ ኤርትራ ሓድሽ ስራዊት ኣስፊሩ፡ ን3ተ መዓልቲ ዶባት ምዕጻዉ ተገሊጹ። ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝሰፈረ ሓድሽ ሰራዊት 170 ናብ ሱዳን ብድሕሪ ምእታው፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ በቲ ኩነታት ተሰናቢዱ ካብ ምዕራባዊ ዶብ ኤርትራ ክስሕቦም ምግዳዱ ተፈሊጡ።

 

  1. ኣብ መጨረሻ ወርሒ መስከረም 2014 ብሰለያ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከተማ ተሰነይ ሓደ ተወላዲ ብሄረ ናራ መንእሰይ ምቕታሉ ምንጭታትና ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀትሪ ምድሪ ብጥይት ተሃሪሙ ዝተቐትለ መንእሰይ፡ ንስድራ ቤቱ ከይተዋህበ ብስለያ ምቕባሩ ዓቢ ቁጥዐ ፈጢሩ፡ ስድራ ቤቱ ሬሳ ወዶምን ቀታሊኡን ክወሃቦም ይሓቱ ምህላዎም ተገሊጹ። ብካልእ መዳይ’ውን ብወልደጋብር ዝተባህለ መራሕ መኪና ስለያ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንሓደ ወዲ 8ተ ዓመት ብድሕሪ ምርጋጹ፡ ንሱ ይኹን እታ ዝረገጸት መኪና ኣብ ቁጽጽር ብዘይምውዓሎም ንስድራ ቤት ናይቲ ህጻን ዓቢ ቁጥዐ ኣስዒቡ ምህላዉ ተሓቢሩ። እዚ ክልቲኡ ተረኽቦታት ተደሚሩ ኣብ መንጎ ነበርቲ ናይቲ ከባብን ኣመሓደርትን ከተማ ተሰነይ ዘይርጉእ ኩነታት ፈጢሩ፡ ኣብ ወጥሪ ኣትዮም ምህላዎም ተገሊጹ።

 

  1. 02 ጥቕምቲ 2014 ጸጥታ ኣውራጃ ከሰላ 14 ኣዘዝቲ ዕጡቕ ሰራዊትን መሓውራት ስለያን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ ኣብ ሱዳን ብዝተፈላለየ እዋናት ፖሎቲካዊ ዕቁባ ሓቲቶም ዝጸንሑ፡ ነቲ ስርዓት ኣሕሊፉ ምሃቡ ተሓቢሩ። እቶም ብጸጥታ ሱዳን ኣሕሊፎም ዝተዋህቡ ኣካላት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብጉልባብ ጸልማት ሰዓት 10 ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ብመንገዲ ዓዋድ ኣዲበራ ኣቢሉ፡ ንኤርትራ ከም ዘእተዎም ተገሊጹ። ጸጥታ ኣውራጃ ከሰላ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ይውሓድ ይብዛሕ ካብ መደበር ስደተኛታት ዕቁባ ንዝሓተቱ ዜጋታት ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣሕሊፉ ዝህብ ምዃኑ ይፍለጥ።

 

  1. መብዛሕቶም ኣባላት 27 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ውጽኢት ማትሪክ ክንገሩ ንሳዋ ክወረዱ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ብምንጻግ ከም ዘይወረዱ ዝፍለጥ’ዩ። ካብቶም ዝወረዱ መንእሰያት 1700 ብቀጥታ ንሱዳን ከም ዝሰገሩ ተገሊጹ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ስለ ዘይተጸበዮ፡ ነቶም ዝተረፉ ኣብ ሰራዊትን ገለ ኣብያተ ጽሕፈትን ከም ዝመደቦም፡ ንወለዲ ድማ ደቕኩም መፍቶ ደላሎ፡ ረሻይዳን ግዳይ ዓሳን ይኾኑ ኣለው ብዝብል ኣብ ህዝቢ ጽዑቕ ጎስጓስ ይገብር ምህላዉ ተሓቢሩ። ብወገን ህዝቢ መንግስቲ ፍታሕ እንተዘይገይሩ፡ ንሕና’ሞ እንታይ ክንገብር? ገደብ ዘይብሉ ውትህድርና ይትረፍ፡ ንቡር ዕረፍቲ ይወሃብ፡ ኣገልግሎት ዝወድአ ይፋኖ፡ ……..ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ምስ ተላዕሉ ካድራት ናይቲ ስርዓት ኣብ ስንባደ ከም ዝወደቑ ተፈሊጡ።

 

  1. ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዘርጊሕዎም ዝነበሩ ሃሱሳት ነቲ ዝተዋህቦም ስለላዊ ስርሓት ገዲፎም፡ ገለ ካብኣቶም ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ስለ ተሰጋገሩ፡ ገሊኦም’ውን ኣብ ግላዊ ስራሓቶም ብምውፍሮም፡ ንዘጋጠሞ ሃጓፋት ንምምላእ ብሓደስቲ ይትክኦም ከምዘሎ ተሓቢሩ። ብፍላይ ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብን እንጉርጉርን ብማሕሙድ ኣደም ዝምራሕ 3ተ ጉጅለ ተመስሪቱ ምህላው ተፈሊጡ። ማሕሙድ ኣደም ከም መራሕ ጉጅለ ካብ ላዕለዎት ኣካላት ስለያ መምርሒ ንምውሳድ ብሕቡእ ንተሰነይ በጺሑ 3ተ መዓልቲ ጌይሩ ብድሕሪ ምምላሱ፡ ነቶም ኣባላት ኣብ ከሰላ፡ ሸገራብን እንጎጉርጉርን ምዝርግሑ ተገሊጹ።

 

  1. ብ02 ጥቕምቲ 2014 ሰለስተ ግብጻውያን ዝርከብዎም 5ተ ላንድ-ኩሮዘር ዝመልኡ ሓለፍቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ላዕለዎት ሓለፍቲ ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ንጉሉጅ ምብጽሖም ተሓቢሩ። ኣብ ሓሬና ንዝርከቡ ማእከሎት ሓለፍትን ካድራትን ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣኼባ ምክያዶም ድማ ተገሊጹ። ካብ ጉጅለ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝለዓለ በዓል ስልጣን ኮሎነል ፍጹም ምንባሩ፡ ሰዓት 5.00 ድ/ቀትሪ ድማ ኣብ ጀበል ሓምድ ምድያቦም፡ ሰዓት 8.00 ኣጋ ምሸት ንኣስመራ ከም ዝተመለሱ ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ምብራቓዊ እምሓጀር ኣብ መንጎ እምዓሎባን ኢይተርፍን ንተቓውምቲ ኢትዮጵያ ባስካታት ማይን ድፋዓትን ተሰሪሑ ምህላዉ፡ ኣብቲ ከባቢ 3ተ ጋንታታት ደምህት ከም ዘለዋ ምንጭታትና የረጋግጹ።

 

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

 10 ጥቕምቲ 2014

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8967

Posted by on Oct 11 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net