ዓቕምታትን ስነ-ምግባርን ምሁር ኤርትራ ንሕጂ ዘይኮነስ ንመዓስ ክኸውን’ዩ?

ካልኣይ ክፋል

ኣብ ዝሓለፈ ትሕዝቶ ጽሑፍና ዓቕምታትን ስነ-ምግባርን ምሁር ኤርትራ ንሕጂ ዘይኮነስ ንመዓስ ክኸውን’ዩ? ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኩሉ-መዳያዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝብና ንምርግጋጽ ኣብ ዘካይድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ እቲ ዕዙዝን መሪሕን ተራ ምሁራት ኤርትራ ቦኺሩ ኮይኑ፡ ስለ ዝተራእየና ንዕኡ ብዝምልከት ጽሑፍ ኣቕሪብና ምንባርና ዝዝኸር’ዩ። ነቶም ነዚ ጽሑፍ’ዚ ብዓቢ ሃገራዊ ተገዳስነትን ሓላፍነትን ኣንቢቦም ሃናጺ ዝኾነ ርእይቶኦም ዝሃቡና ዝለዓለ ምስጋናና እናቕረብና ተሳትፎኦም ወትሩ ከይፈለየና ንምሕጸን።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነቲ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ቪየና ሰሜን ኣመሪካ ሃገራዊ ዘተ ኤርትራውያን ንምጥጣዕ (EFND) ብዝብል ቴማ ክሰላሰል ተጸዊዑ ዘሎ መጋባእያ፡ ኣብቶም በብእዋኑ ክለዓሉ ዝጸንሑ ኣገደስቲ ህዝባውን ሃገራውን ጉዳያት ኣመልኪቱ ብምሉእ ትብዓትን ዓቢ ሓላፍነትን ክዛተየሎም ነተባብዕ። ነቲ ዝወሰድዎ ኣውንታዊ ተበግሶ ድማ ብልቢ ንድግፎን ነሞግሶን ምዃና እናገለጽና ብዓወት ክዛዘም ዘለና ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።

 

ዕላማ ናይቲ ዝሓለፈን ዝቕጽልን ትሕዝቶ ጽሑፍና ድማ ንምሁራት ኣሕዋትን ኣሓትን እቲ ዝግበኦም ታሪኻዊ መሪሕ ተራ ንክጻወቱ ንምብርታዕ ዝዓለመ’ዩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ መጻኢ ዕድል ኤርትር ኣብ ኢድ ውሑዳት ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ገለ ውልቀ-ሰባትን ጥራሕ ክሕዛእ የብሉን ንብል። ምሁራት ኤርትራ ኣብቲ ዝተማህሩሉን ዝተማራመሩሉን መዳይ ንህዝቢ ዝጠቅም ሓሳባት ከምንጭዉ ይግባእ። ኤርትራ ትመሓደረሉ ኣካዳሚያዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ መጽናዕትታት እናኣቕረቡ ሃገርና ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ከመይ ከም ትወጽእ? ክሓስቡን ክመራመሩን ይህልዎም ኢልና ንኣምን። መጻኢ ዕድል ኤርትራ ድሌትን ረብሓን ሓፋሽ ህዝብና መሰረት ዝገብረ ኣንፈት ኣብ ምትሓዝ ግንባር ቀደም ኮይኖም ክቃለሱ’ውን ነተባብዕ።

 

ኣብ ዓለም ፍጹም ዘለ-ኣለማዊ ስርዓት ክህሉ ስለ ዘይኽእል፡ ገባቲ መንግስቲ ህግደፍ’ውን ንመዋእል ነባሪ ኣይኮነን። ብርግጽ ቅልጽም ኩሎም’ቶም ውጹዓት ምስ ዝሓብር፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ነበረያ ነበረ ከይኸውን ዘይገብሮ ብቁዕ ምክንያት ኣይህሉን’ዩ። ካብኡ ተረፈ ግን ኩሉ እቲ ናይ ምትላል ዓቕምታቱ ምስ ጸንቀቐ ውዒሉ ሓዲሩ ባህርያዊ ሞት ከርክቦ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኸውንን’ዩ። ስለዚ ህግደፍ ውዒሉ ሓዲሩ ሞቱ ዘይተርፍ ክሳብ ዝኾነ ብቅልጡፍ ብምእላይ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ሓደጋ ምብትታንን ብርሰትን ንምድሓን ምሁራት ነብሶም ንቅድሚት ንምምጻእ ልሉይ ታሪኻዊ ሓላፍነት ክስኸሙ ይግባእ። ብዝተፈላለየ ምክንያት ሓድነትን ምውህሃድን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ከምቲ ዝድለ ንቕድሚት ከይስጉም መራሕቲ ፖሎቲካዊ ውድባት ሓርቢትዎም ክሽገሩ ከለዉ ምሁራት ኣማዕድዮም ክርእዩ ኣይግባእን። መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ’ውን ብዘይተሳትፎ ምሁራት ሱር ነቐል ዝኾነ ዓይነታዊ ለውጢ ክረጋገጽ ከም ዘይኽእል ክኣምኑን ክቕበሉን ይህልዎም። ንምሁራት ኤርትራ ብምትእኽኻብ’ውን ኣገዳሲ ሃገራውን ምሁራውን ተርኦም ክጻወቱ ብግብሪ ከተባብዑን ጥጡሕ ባይታ ክምድምዱን ግድነት ይኸውን።

 

ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ብክንድ’ቲ ህዝብና ትጽቢት ዘንብረሉ ኮይኑ ብዘይምርካቡ፡ ኣብ ጥቓ ፖሎቲካዊ ውድባት ምቕራብ ንነብሶም ምስ ፍሽለት ዘዛምዱ ገለ ካብ ምሁራት ምህላዎም ይፍለጥ’ዩ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ጉጉይ’ዩ ክንብል’ውን ንደፍር። ኣብ ገዛእ ጉዳይካ፡ ብዓቢኡ’ውን ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ተራ-ኣልቦ ወይ ተዓዛቢ ጥራሕ ምዃን ዝያዳ ኣብ ታሪኻዊ ተሓታትነት ከቐምጥ ከም ዝኽእል ምግንዛብ ዘድሊ ይመስለና። ብሰንኪ ናይ በለጽ፡ ሽሕጣንን ኣጉል መብጽዓታትን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ህዝብና ካብ ተመራሚሩ ዝሕዞ መርገጽ ብተራ ስምዒት ወይ ብድሕረት ዝጽለወሉ ኩነታት ይበዝሕ። ስለዝኾነ ድማ ካብ መሪር ሓቂ ጎሲምካ ንሓዋሩ ሰላምን ርግኣትን ክፈጥር ዝኽእል ቅኑዕን ብሉጽን ኣረኣእያ ኣብ ክንዲ ምሓዝ ጽባሕ ውጽኢታቱን ሳዕቤናቱን እንታይ ይኸውን ብዘየገድስ ጣቕዒት፡ ዕልልታን ሳዕስዒትን ሰኒቕካ ምዃድ መዳርግቲ ዘይብሉ ክሳራታትን ዕንወታትን ኣስዒቡ’ዩ። ቅድሚ ነጻነት ይኹን ብድሕሪኡ ህዝብና ካብ ህግደፍ ዝሓፈሶ ውጽኢት ምስ ዝህሉ ንሱ ጥራሕ’ዩ።

 

መላእ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸመ ማእለያ ዘይብሉ፡  በደላትን ግፍዕታትን መታን ከይደግም ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖሎቲካዊ ኣተሓሳስባን ዝንባሌታትን ነጻ ክኸውን ይህልዎ። ምክንያቱ ዝኾነ ኣብ ስልጣን ክድይብ ዝደሊ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ኣነ ንህዝቢ ከጥፍእ እመጽእ ኣለኹ እናበለ ዝመጽእ ኣይህሉን’ዩ። ካብ ዕላምኡ ይኹን ኣካይድኡ ግን መንገዲ ልምዓት ወይ መንገዲ ጥፍኣት ምልከት ምርኣዩን ምሃቡን ኣይተርፍን’ዩ። ነዚ ብኣግኡ ንምፍላጥ ወይ ንምዕዛብ ድማ ንቕሓት ይሓትት። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ድማ ብዋጋ ህዝቢ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኮነ ኢሉ ንቕሓት ህዝቢ ክደቁስ ምጽንሑ ብዘይዝኾነ ምኽንያት ኣይነበረን። ኩሉ ደላይ ለውጢ ምዃኑ ዝኣምን እምበኣር ነቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝበከሎ ጸረ ንቕሓትን ምርምርን ሃውሁ ሰቢሩ፡ ብሓድሽን ጽሩይን ንፋስ ከዓንብቦ ይግባእ። በቲ ዝተበረዘ ንፋስ ህግደፍ እናኣስተንፈሰ ክቕጽል ዝመርጽ ኣካል ምስ ዝህሉ ግን ንባዕሉ’ውን ጥዑይ ዝኾነ ሂወት ኣይክህቦን’ዩ።

 

ስርዓት ህግደፍ ውዒሉ ሓዲሩ ውድቀቱ ዘይተርፍ’ዩ ካብ በልና፡ እቲ ቁም-ነገር ድሕሪኡ’ኸ እንታይ ይገበር? ዝብል ሕቶ ምምላስ ግድን’ዩ። ህግደፍ ኣብ ዓለም እቲ ዝወጸሉ ገባቲ ስርዓት ክሳብ ዝኾነ፡ መለለዪኡ ጸረ ደሞክራሲ፡ ጸረ ህዝቢ፡ በሓትን ነፋግን ምዃኑ ብግብሪ ኣረጋጊጹ’ዩ። ኣብ ደገ’ውን ኣብ ክንዲ ሕድሕድ ምክብባር፡ ምምልላእን ምትሕግጋዝን ዝተሰረተ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ዝኽተል፡ ደው በለለይ ክብለጸልካ ዝዓይነቱ ጉዕዞ እናተኸተለ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ጎንጺ ክነብር ጸኒሑን ኣሎን። ብርግጽ ደላይ ለውጢ ህዝብና ክድበስ እንተኮይኑ፡ ዕላማና ይኹን ራእይና ነዚ ስርዓት’ዚ ንምውዳቕ ጥራሕ ክሕጸር የብሉን። ብድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጠር መሰጋገሪ መንግስትን ህዝባዊ መንግስትን ነቲ ዝጸንሐ ጉጉይ ፖሊስታት ብምእራም ብቅኑዕ ንምትክኡ ምሁራት ኤርትራ ዓቢ ግደ ኣለዎም። ነቲ ንልዕሊ 23 ዓመታት ተጓንዩ ዝጸንሐ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ይኹን ውጹዕ ህዝብና ሕጂ’ውን ገለ ሓይልታት ስልጣን ንምሓዝ ምቹእ ዕድል ምስ ዝረኽቡ፡ ንምንጻሉ ዝሕሰብ እንተልዩ፡ ዳግማይ ታሪኻዊ ጌጋ ከስዕብ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። እዚ ኩነታት’ዚ ንተቓውሞ ህዝብና ኣብ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ነድሪ ክሰጋገር ከም ዝኽእል ዘይምዝንጋዕ። ምሁራት ኤርትራ ነዚ ድጉል ረመጽ ኣብ ምጥፋእ ዓቢ ሓላፍነትን ክእለትን ኣለዎም ኢልና ንኣምን።

 

እዚ ስርዓት’ዚ ካብቲ ጸረ-ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠሉ ዕለት ኣትሒዙ፡ ጉዳይ ልዕላውነትን ዶብን ከምዓቢ ምኽንያት እናመዝመዘ ኩሉ-መዳያዊ መጻኢ ዕድል መንእሰያት ኣጸልሚቱ፡ ኣብ ኲናትን ወራርን ክበልዩ ገይሩ’ዩ። ንሱ ጥራሕ ከይኣክል ምሁራት ወይ ኣብ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ንርኸብ ደድሕሪ ኣዓናዊ ኣጀንዳታት ናይዚ ስርዓት’ዚ እናሰዓብና፡ ንህዝብና ካብቲ ህግደፍ ዝዘረጎ ማይ እናጨንጓዕና ከነስትዮ ምስንፍትን ብጣዕሚ ከቢድ በደል’ዩ። ድሕሪ ሕጂ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ይኹን ምስ ኢትዮጵያ ጽልኢ፡ ኲናትን ዕንወትን ፍጹም ምርጫ ህዝብና ዘይምዃኑ ብድፍረት ክንገልጽ ይግባእ። ልኡላውነት ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝተረጋገጸ ክሳብ ዝኾነ፡ ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣተወ ብምምሳል፡ ወግሐ ጸብሐ ጸረ ኢትዮጵያ መዝሙር ምዝማር ኣየድሕንን’ዩ። ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ’ውን ኣይኮነን። ሎሚ ኲኖ ዶብ ሰጊርና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምክብባርን ምምልላእን ንሓባራዊ ሰላምን ብልጽግናን ዝምርሸሉ ኣተሓሳስባ ከነሰጉም ምስ ንኽእል ጥራይ’ዩ ቅኑዕ ዝኸውን።  ምሁራት ኤርትራ ድማ ነዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ንህዝቢ ወይ ንሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምስራጽን ቅኑዕ ኣንፈት ንምትሓዝን ዝለዓለ ታሪኻዊ እጃም ኣለዎም።

ይቕጽል

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

13 ጥቅምቲ 2014

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8972

Posted by on Oct 14 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net