ሃገራዊ ዕርቂ ኣበይን ምስ መንን!!

ንሕና ኤርትራውያን እንተ ብዕድልና እንተ ብሕመቕና ኣብ ሕሱም ባርነት ተጸሚድና ንርከብ፡ ፤ኣርዑት ባርነት ክንዮ እቲ ዝግብኦ ጊዜ ሓሊፉ ህዝብን ሃገርን ኣብ ሕሱም ባርነት ክንነብር በቶም ናይ ትማሊ ጀጋኑ ዝበልናዮም ጠላማት ሕድሪ ክርገጽ ዕጭኡ ኮይኑ’ሎ፡ ፤ዓንዲ ሕቖ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ብሰንኪ እቲ ጽዩን ምሕደራ ህግደፍ ዓዲ ገዲፉ ግዳይ ስደትን ሞትን ኮይኑ ዝተረፈ ውጻእ መዓት ከኣ ኣብ ፈቖዶ ሃገር ከርተት ክብል ተፈሪዱ፡ ፤ዝሓለፈ 23 ዓመታት ባርነት፡  ህዝቢ ኤርትራ ብሓድነት ተጠሚሩ ይኣክል ባርነት ክብል ብዘይምኽኣሉ ጉጅለ ህግደፍን መራሒኡን ጎብሊሎም ንህዝቢ ብሓለንጊ መግዛእቲ ዓፊኖም ትንፋስ ከምዘይረክብ ብምግባር ናብ ልሙስ ሕብረተሰብ ከም ዝቕየር ጌሮሞ ኢዮም፡ ፤ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ህሞት ከለና ተራ ሙሁራት ኤርትራውን ጎዲሉ መንእሰይ ወለዶ ዝመርሖ ስኢኑ ጸኒሑ ኢዩ፡ ፤ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ግን መንእሰይ ወለዶ ዘጎሃሃሮ ማዕበል ለውጢ ኣቓልቦ ሕብረተሰብና ስሒቡ ተስፋ ዘስንቕ ምንቅስቓስ ይርአ’ሎ፡ ፡ እዚ ማዕበል ለውጢ መንእሰያት ንጉጅለ ህግደፍ ኣሻቓሊ ብምዃኑ ሓያል ጸለመ ኣንጻር ስምረት መንእሰይ ወለዶ ክካየድ ንርእዮ ኣለና፡ ፤ትማሊ ዝተቐልቀለ ጽገናዊ ስነ ሓሳብ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ዓንቀፍቲ ቃልሲ መንእሰይ ወለዶ ምዃኑ ዘይክሓድ ሓቂ ኢዩ፡ ፤ናይ ጽገናውያን  ፖለቲካዊ ኣጀንድኦም ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዝዓለመ ጽገናዊ መስርሕን ሃገራዊ ዕርቅን ዝተሰረተ ኮይኑ ብምቕራቡ ብግስ ከይበለ ብህዝቢ ተቛውሞ ስለ ዘጋጠሞ ከምቲ ዝደለይዎን ዝሓለምዎን ክኾነሎም ከቶ ኣይከኣለን፡ ፤ሕጂ’ውን ሓደ ሓደ ሙሁራት ኤርትራውያን ዝዝምርዎ ዘለዉ ጉዳይ ሃገራዊ ዕርቂ ንሽግር ህዝብና ፍታሕ አብ ምምጻእ ዝተሰረተ ዘይኮነ ሕመቕና ተቐቢልና ምስ ዓማጺ ብሽም ሃገራዊ ዕርቂ ዘተ ምክያድ ዝጠልብ ይመስል፡ ፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንኣሽሓት ግዳያት ቤተሰብ ደበስ ዘይድብስ ጎዶሎ እማመ ኢዩ አንተ በልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ አይመስለንን፡ ፤እዞም ሙሁራት ኤርትራውያን ነዚ ተበጊሱ ዘሎ ማዕበል ለውጢ መንእሰይ ወለዶ ብክልተ ዓይኖም ጠሚቶም ኣብ ምዕዋቱ ክሰርሑ ምርጫ ከይወሰዱ ኣብ ትርጉም ኣልቦ ስነ ሞጎት ሃገራዊ ዕርቂ አተኲሮም ክሰርሑ ምፍታኖም ስዕረት ቃልስና ዝእምት ብምዃኑ መንእሰይ ወለዶ ነዚ ናይ ሙሁራት እማመ ክቕበሎ ከቶ ኣይክእልን፡ ፡

ሃገራዊ ዓመጽ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን ብሽም ሃገራዊ ዕርቂ ዘይተደለ ጽጉን ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ሸበድበድ ተቐባልነት የብሉን፡ ፤መንእሰይ ወለዶ ኣልዒልዎ ዘሎ ወጽዓ ዘንቀሎ ቃልሲ ብሽም ሃገራዊ ዕርቂ ክዕንቀፍ ከቶ ኣይንፈቅድን፡ ፡ ማዕበል ለውጢ መንእሰይ ወለዶ ብክልተ እግሩ ጠጠው ኢሉ ድሎ ብድሎ ንስርዓት ህግደፍ ክገጥም ኣብ መሬትና ዘይረገጻ ኣእጋር ሃገር ከድሕና ከቶ ኣይክእላን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ብሽም ሃገራዊ ዕርቂ ብሑጋ ዝመጽእ ጽጉን ለውጢ ክንቅበል ከቶ ኣይንኽእልን፡ ፡ ምኽንያቱ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ዝዕረቕ ዘይኮነ ዝፍታሕ ስለ ዝኾነ፡ ፤ኣብ ሞንጎ ህዝብን ስርዓት ህግደፍን ዝነበረ ግዱድ ቃልኪዳን ክፍታሕ ጥራሕ’ዩ ዘለዎ፡ ፤ስርዓት ህግደፍ ኣብቂዑ ኢዩ፡ ፤ስነሓሳብ ጽገናዊ ለውጢ ከኣ ማዕረ ማዕረ ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ተነጺጉ በረኻዊ ምሕደራ ከብቅዕ ህዝቢ ይጠልብ አሎ፡ ፡ ጠልብ ህዝቢ ዓፊንና ብፖለቲካዊ ተዋስኦ ህዝቢ ዘይደልዮ ለውጢ ከይመጽእ መንእሰይ ወለዶ ኣትሪሩ ክቃወሞ እጽውዕ፡ ፡ እዋኑ ጸሓይ ዕራርቦ ኮይኑ’ሎ፡ ፡ ህግደፍን ስነሓሳቡን ብሽም ሃገራዊ ዕርቂ ዳግማይ ሂወት ከይረክብ መንእሰይ ወለዶ ክጥንቀቕ ይግባእ፡ ፤

ህዝብታት ኤርትራ ቂምን ጽልእን የብሉን፡ ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓመጽ ብሃገራዊ ዕርቂ ዘይኮነ ብሃገራዊ ፍትሒ’ዩ ዝድምደም፡ ፡ ገበን ዝፈጸመ ብሕጊ ክሕተት ናይ ግድን ይኸውን፡ ፤ሂወት ሓሊፉ’ሎ፡ ፤ኣሽሓት ግዳያት ኣለዉና፡ ፤ገድላዊ ምሕደራ ዘኸተሎ ኣረሜናዊ ገበን ብሃገራዊ ዕርቂ ክድምደም ንዝደልዩ ሓደ ሓደ ሙሁራት ኤርትራውያን ዓገብ ክብሎም እደሊ፡ ፤መንእሰይ ወለዶ ምኽርኹምን ሓገዝኩምን ኣብ ዝደልየሉ ዘሎ እዋን ሃገራዊ ዕርቂ ዝብል ስነሓሳብ ሒዝኩም ምቕልቃልኩም ዘሕዝን ኢዩ፡ ፤ተስፋ ቁርጸት ዘኸተሎ ስነሓሳብ ጽጉን ለውጢ ኣብቲ ገንፊሉ ዘሎ ማዕበል ለውጢ ክንሕውሶ ኣይንፈቅድን፡ ፤ስርዓት ህግደፍን መራሒኡን በደል ፈጺሞም ኢዮም፡ ፤ብበደሎም ክሕተቱ ከኣ ናትና ሓላፍነት ይኸውን፡ ፤ብይቕረ ይቕረ ክስገር ዝድለ ዘሎ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ኣይኮነን፡ ፤ኣውራጃውን ቀቢላውን ሃይማኖታውን ሽግር ዘይብሉ ህዝቢ ብሽም ምልሕላሕ ሃገራዊ ሓድነት ሃገራዊ ዕርቂ ምጥላብ መድትሒ ሽግርና ኣይኮነን፡ ፤ሽግር ህዝቢ ዝፍታሕ ሃገራዊ ፍትሒ ምስ ዝርከብ ጥራሕ ይኸውን፡ ፤ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትርብዒት መሬትና ዝተፈጸመ ገበንን በደልን ፍትሒ ክረኽቡ ክንቃለስ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለና፡ ፤ተራ ሙሁራት ኤርትራውያን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዓቢ ይኸውን፡ ፤ኣብ ምእካብ መርትዖታት ዓቢ ተራ ክትጻወቱ ህዝቢ ይጽበየኩም ኣሎ፡ ፤መንእሰይ ወለዶ ኣያታት ክትኮንዎ ኣብ ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን ብሽም ሃገራዊ ዕርቂ ዕንቅፋት ቃልሲ ክትኮኑ ኣይግባእን፡ ፤

ሃገር ከይሓዝካ ዝኾነ ጉዳይ ክፍታሕ ኣይክእልን፡ ፤ሃገር ኣብ ኣፍ ደገ ጥፍኣት ትርከብ፡ ፤ንምድሓን ሃገር ኣብ ዝግበር ርብርብ ተራ ሙሁራት ኤርትራውያን ዓቢ ኢዩ፡ ፡ መሪሕ ተራ ንመሰረታዊ ለውጢ ክትንቀሳቐሱ ትብዓት የድልየኩም፡ ፡ሃገራዊ ፍትሒ ንምምጻእ ቃልስኹም ኣብ ጎድኒ መንእሰያት ክትገብሩን ክጋገዩ ከለዉ ኣባታዊ ምኽሪ ክትህቡን ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለኩም፡ ፤እዚ ወለዶ’ዚ ዝተበደለ ወለዶ ከም ምኹያኑ መጠን ሙሁራት ኤርትራውያን ነዚ አብ መንእሰያት ዘሎ ቁስሊ አብ ምሕዋይ ዓቢ ተራ ክትጻወቱ ሃገራዊ ሓላፍነትኩም ኢዩ፡ ፡ ዘይሓዊ ቁስሊ የለን፡ ፡ እቲ ሓቀኛ ፈውሲ ምስ ዝርከብ ተሸኪምናዮ ዘለና ቁስሊ ክሓዊ ናይ ግድን’ዩ፡ ፡ እቲ ሓቀኛ ፈውሲ መሰረታዊ ለውጢ ጥራሕ ይኸውን፡ ፤ንሕና ባህልን ጽቡቕ ልምድታትን ዘለና ኣህዛብ ኣብ ሞንጎና ጽልእን ቅርሕንትን ከምዘሎ ኣምሲልካ ብሽም ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ ዘይተደለ ዘመናዊ ባርነት ከይንወድቕ ምጥንቃቕ ከድሊ ኢዩ፡ ፤

ፈውስና ኣብ ኢድና’ዩ ዘሎ፡ ፤ነዚ ኢና ከኣ ስምረት ኢልና ኣብ ባይታ ንብል ዘለና፡ ፤ስምረት መንቅስቓስ ኤርትራ ንድሕነት ሃገር እቲ ሕማም ኣለልያ እቲ ሓቀኛ ፈውሲ ክርከብ ኣእጋርና ኣብ መሬትና ትብል ኣላ፡ ፤ነዚ ቅዱስ ህዝባዊ ጉዕዞ ክንድግፎ ይግባእ፡ ፤ሓደ ሓደ ምስሉያት ዝህብዎ ዝንብዑን ሓቅነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ተዋስኦ ካብ ዳስ ህግደፍ ዝነቐለን ጸለመን’ዩ፡ ፡ ህግደፍ ካብ አውራጃን ሃይማኖትን ሓሊፉ አብ ዓድን ሩባን ዝብል ስነሓሳብ ወሪዱ ንጉዕዞ መንእሰይ ወለዶ ክቖጺ ይንቀሳቐስ አሎ፡ ፤ንሕና ከኣ ማዕረ ማዕረኡ ነዚ እከይ ዕላማ ንምምካት መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ኣብ ንቃለሰሉ ዘለና እዋን ብሑጋ ዝመጽእ ሓድሽ ዝመስል ግን ትማሊ ዝረኣናዮ እማመ ንሰምዕ ኣለና፡ ፤በዚ እማመ’ዚ ከይንዕንቀፍ ክንጥንቀቕ ኢና፡ ፡ ቃልስና ብሃገራዊ ፍትሒ ንኽድምድም ክነረጋግጽ ኢና፡ ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ ዘድልየን ሃገራት ክስርሓሉ ይኽእል ይኸውን፡ ፤ናትና ሽግር ህግደፍ ጥራሕ’ዩ፡ ፤ነዚ ዘይኣምን ዝኾነ ይኹን ሰብ ሽግር ህዝብና ዘይርድኦ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ፤

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ፍትሒ ብዘይ ዋጋ ክትመጽእ ኣይትኽእልን፡ ፡ ሓርነት ዋጋ ክኽፈላ’ዩ፡ ፤ሓርነት ብጽዕቲ ኢያ፡ ፤እቲ ምእንቲ ሓርነት ዋጋ ዝኸፍል ከኣ ብጹዕ ኢዩ፡ ፤ኣብዚ ወለዶ’ዚ እምነት ዘጉደለ ሰብ ስዑር ኢዩ፡ ፤ኣነ ኣብዚ ወለዶ’ዚ ዓቢ እምነት ኣለኒ፡ ፤ጎደና ቃልሱ ንኸለሊ ጊዜ ወሲዱሉ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ፤እንተኾነ ግን ብሕመቕ ከይግለጽ ምጥንቃቕ የድሊ፡ ፤ትማሊ ሃገር ኣብ ምውሓስ በሃር ዝተባህለ ሎሚ ብሕመቕ ክግለጽ የብሉን፡ ፤እዚ ወለዶ’ዚ ታሪኽ ኣለዎ፡ ፤ታሪኽ ምውሓስ ሃገር፡ ፤ነዚ ታሪኽ’ዚ ሓኺኽና፡ ቁስልና ብዘይተደለ ፈውሲ ከይንሕክም ንጠንቀቕ፡ ፤ዝኸበርኩም ሙሁራትና ምስትውዓል ከድልየና ኢዩ፡ ፤ብዘይ ተሳትፎ መንእሰይ ወለዶ ንበይንኹም ክትጉዓዙ ምስ ትፍትኑ ጉዕዞኹም ሓጺር ክኸውን’ዩ፡ ፤ነዚ ቃልሲ’ዚ ዝመርሖ መንእሰይ ወለዶ ምዃኑ ኣሚንኩም ንመሰረታዊ ለውጢ አጃምኩም ክተብርክቱ ትሕተቱ አለኹም፡ ፤ እዚ ቃልሲ’ዚ ክንዮ ትምህርትኹምን መዓርግኩምን ክትርእይዎን እቲ ህዝቢ ዝደልዮ ዘሎ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ተራኹም ክትጻወቱ እጽውዕ፡ ፡ እዚ ዘመን’ዚ ብመንእሰርይ ወለዶ ክምራሕ ናይ ግድን ይኸውን፡ ፤መንሰይ ወለዶ አብ ዘኺዶ ዓውዲ ሰፍእን ክሻን ክነቐብል ክንዳሎ ኣሎና፡ ፤እዚ መኼዳ’ዚ ኣብ መሬትና’ዩ ዝካየድ፡ ፤ስመርርርርርርር!!

ፍትሒ ይንገስ!!

ወልዱ ተኽለ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8998

Posted by on Nov 3 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ሃገራዊ ዕርቂ ኣበይን ምስ መንን!!”

  1. ህዝቢ ኤርተራ፡ኣብ ሕሱም ባርነት ዝነብር ዘሎ፡ ካብ፡ኢሕመቑን ተማእዛዝነቱን ዝተላዕለ ኢዩ። ካብቲ ንሱ ዘሕልፎ ዘሎ ሕሰመ፡መከራ ዝሓሸ መነባብሮ ዘለዎ ህዝቢ ፡ ንመሰሉን ንምምሕያሽ ማሕበረ፡ቁጠባዊ መናባብሩኡን፡እምቢ ንምልኪ እወ ንፍትሒ ኢሉ ክለዓል ንርእዮ ኣለና።

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net