ጋዜጣዊ መግለጺ ብጉዳይ ጻውዒት ህጹጽ ኣኼባ ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ.

encdc executive office

ጋዜጣዊ መግለጺ ብጉዳይ ጻውዒት ህጹጽ ኣኼባ ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ.

ካብ ዕለት18 ሓምለ ክሳብ 24 ሓምለ 2014 ዝተኻየደ ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ኤሃባደለ ክንድቲ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዝተጸበይዎ ኮይኑ ከምዘይጸንሔ ገምጊሙ። ምኽንያት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ድማ እኩብ ድምር ናይ ብዙሓት ረቛሒታት ምዃኑ ኣውን ኣረጋጊጹ። ገለ ካብዞም ዝጸንሑ ጸገማትና እዞም ዝስዕቡ እዮም።
• ካብ ጉባኤ ኣዋሳን ቅድሚኡን ዝነበረ ኩነታት እቶም ባይቶ ዝመስረቱ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን፡ ባይቶ ንክምስረት ዝነበረ ጽቡቕ ድሌት እምበር ነቲ ድሕሪ ምምስራቱ ከጋጥም ዝኽእል ብደሆታት ክንድቲ ዝድለ ምድላው ዝተገብረሉ ኣይነበረን።
• ሓደ ካብቲ ሳዕቤን ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ነጥቢ ድማ ሰነዳትና ሙሉእ ብሙሉእ ነቲ ዘለናዮ ናይ ቃልሲ መድረኽ ንከየንጸባርቕ ጌርዎ።
• ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ ናብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ናይ ኣመራርሓ ንኽመጹ ዘድሊ መዓቀኒ ብቕዓትን ተወፋይነትን ኣይተገብረሉን። ስለዚ ከኣ ክንዲ ባይቶ ዝኣክል ዓቢ ትካልን ዓቢ ጾርን ኣብ ትሕቲ ውሑዳት ውፉያት ኣካላት ጥራሕ ክምርኮስ ኮይኑ ጸኒሑ።
• ኣብ መንጎ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን መሪሕነት ባይቶን ዘሎ ዝምድና ብሓደ ሸነኽ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ክልቲኦም መሪሕነታት ዝህልዎም ናይ ስራሕ ምምቕቓል ብዝግባእ ንከይንጸርን ኮይኑ። ናይ ስራሕ ምትእትታው ከኣ ፈጢሩ።
• ሓደ ካብቲ ናይ ስራሕ ምትእትታው ዝፈጠሮ ጸገም እነሆ። በቲ መምርሒና መሰረት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ብመሪሕነት ባይቶን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ድሕሪ ምቛማ ክሳብ ዕለተ ጉባኤ ሓውሲ ነጻ ኮይና ንፈጻሚ ቤት ጥራሕ ክትጽብጽብ ኣብ ክንዲ ዝግባእ መሪሕነት ባይቶ ኣብ ደቂቕን ፍሩይን እናተኣታተወ ከምቲ ዝድለ ንቕድሚት ከምዘይትስጉም ጌሩ ጸንሑ።
• ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ኩሉ ንሓልፎ ዘለና ጸገማት ዝተረድኡ 44 ኣባላት ባይቶ፡ ከምቲ ግቡእ መሪሕነት ባይቶ ኣብ ዕለቱ ባዕሎም ሓሲቦም ስሩዕ ኣኼባ ካብዘይጸውዑ እቲ ሕገ-ህንጻና ዘፍቅዶ ህጹጽ ኣኼባ ናይ ምጽዋዕ መሰል ተጠቒሞም ህጹጽ ኣኼባ ጠሊቦም ኔሮም እዮም። እቲ ህጹጽ ኣኼባ ናይ መጸውዒ ፖለቲካዊ ምኽንያት ግን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብ ሰነዳትና ዝጸንሔ ድኽመታት ከም ምኽንያት ተጠቂሞም መሪሕነት ባይቶ ንፖለቲካዊ ሕቶ ብህገ-ህንጻ ደው ከብልዎ መሪጾም። ሽግር ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ. መሊሱ ገዲዱ። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ግን ሽግር ሃገራዊ ባይቶ ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ኮይኑ ኣናኸደ ኣማዕድዩ ክርኢ ኣይመረጸን። ስለዚ ከኣ ብመንገዲ ኣቦ መንበሩ ጌሩ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ።
• ብትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ብሓደ ዝተወሰነ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ክፍታሕ ዘይተኻእለ ሽግር በቲ ልዕሊኡ ዘሎ ሕጋዊ መድረኽ ጥራሕ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል። ምስ ጉዳይና ኣዛሚድና ድማ ብመሪሕነት ባይቶ ይኹን ብፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ክፍታሕ ዘይተኻእለ ጉዳይ ብኣኼባ ባይቶ ኣቢልካ እዩ ዝፍታሕ። ኣብ ኣኼባ ባይቶ ክንፈትሖ ዘይከኣልና ድማ ኣብ ካላኣይ ጉባኤ ንኽፍታሕ ምቹእ ባይታ ኣንጺፍና ንጸንሕ። እቲ ጸገም ኣብ መንጎ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣብ መንጎ መሪሕነት ባይቶን ጥራሕ ጌርካ ምርኣይን ከም ኣብ ዝተፈለላየ ትካል ዘለና ዘምስል፡ ብመንጎኛታት ተዓረቑ ዝብል ዝቐርብ ዘሎ ርእይቶታት ናይ ደለይቲ ጽቡቕ ተበግሶታት እኳ እንተኾነ፡ ከም ሕጋዊ ትካል መጠን ባይቶና ክኽተሎ ዘለዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ምኽታል ኣማራጺ ዘይብሉ ምዃኑ ክንገልጽ ንደሊ።
• እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱን ካለኦት ብዙሓት ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ጥራሕ ክበሃሉ ዝግበኦም ነጥብታትን ወሲኽኻ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ህጹጽ ኣኼባ ምጽውዑ ሕጋውን ስርዒታውን እዩ። ንሕጋውን ስርዒታውን ጉዳይ ድማ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ እምበር ኣብ ፓልቶክ ወጺእካ ዝፍታሕ ኣይከውንን።
• ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትምርጫ፡ መሪሕነት ባይቶ ነዚ ጻውዒት ናቶም ክገብርዎን ባዕሎም ክመርሕዎን እዩ። መሪሕነት ባይቶ ይኹኑ ኩሎም ኣባላት ባይቶ ዝተሰከምዎ ሓላፍነት ብዝግባእ ክዋጽኡ እንተኾይኖም እታ ዝወሓደት ክኸፍልዋ ዝኽእሉ መስዋእትነት ኣብዚ ዝመጽእ ኣኼባ ባይቶ ተሳቲፍካ መፍትሒ ምንዳይ ጥራሕ እዩ። ኣብዚ ኣኼባ ክሳተፍ ዘይደሊ ናይ ገዛእ ርእሱ እምበር ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምርጫ ኣይኮነን።
ኣብ መደምደምታ፡ ኩሎም እቶም ዘለዉና ጸገማት ኣብዚ እንጽበዮ ዘለና ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጥራሕ ክፍትሑ እዮም ኢልና ኣይንጽበይን ኢና። እንተወሓደ ግን እዚ ኩሉ ጻዕርታትን ወጻኢታትን ከፊልና እቲ ብድሕሪኡ ንገብሮ ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝሓሸን ዝጸፈፈን ኮይኑ ክወጽእን ናይ ምውሳን መድረኽ እምበር ናይ መባኣሲ መድረኽ ከይከውን ክንገብሮ ንኽእል ኢና ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለና። ስለዚ ከኣ ኩሎም ደላይቲ ለውጢ ብሓፈሻ፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ከኣ ብፍላይ ነዚ ተረዲኦም ኣብ ጎድኒ ጻውዒት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ደው ክብሉን ኩሉ መዳያዊ ደገፋቶም ክልግሱን ንጽውዕ። ክሳብ ሕጂ ደገፎም ንዝገለጹ ዞባታት ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ. ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውሮጳ፡ ማኣከላይ ምብራቕ፡ ኣውስትራልያ፡ ሱዳን ከምኡውን ዞባ ኢትዮጵያ ምስጋናና ነቕርብ።
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት
ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9039

Posted by on Nov 14 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net