ኣብ እንዳ ህግደፍ’ስ ዘይተነግረ’በር ዘይተገብረ የሎን !!!

November 24, 2014

ትማሊ ምስ ሓደ ዓርከይ ቡን ኪንሰቲ ተቛጺርና ፡ ቡን’ና እንዳሰተናን ፡ እንዳዕለልናን ከለና እዩ ኣዚዩ ዘስደምም ዕላል ኣዕሊሉኒ።

ከምትፈልጥዎ ብዘበልካ ኣቢልካ ፡ ዘየደቅስ ሕዱር ሕማም ናይ ሃገርና ከይተንከፍና ወይ ከይልዓልና ዳርጋ ዝሓለፍናሉ መዓልቲ የሎን እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን።

መቸም ኣብ ዕላልና ከሎና ብገል ኣቢልና ካብ ሓደ ኣርእስቲ ናብ ሓደ ኣርእስቲ ዕላል ማለት ናብቲ ዘየደቅስ ጉዳይ ህዝብናን ሃገርናን ሓዲሽ ኣርእስቲ ከፈትና።   ተመክሮኡ ኣብ ግንባር ዓሰብን ኣብ ዝተፈላለየ ግንባራትን  ኣብዝነበረሉ ምስ ክፍለሰራዊት 29 ብርእሲ ምራኽ ብዝፍለጥ መራሕ ክፍለሰራዊት ትመሓደር ኣሃዱ  ኮይና ኣብ 3ይ ብርጌድ 2ይ ቦጦሎኒ 3ይ ሓይሊ  እንከሎ ድሕሪ ወራራት ወያኔ ኣስሒቡ ኩሉ ምስተረጋግኤ፡ ማለት ዝስዋእ ተሰዊኡ ዝውጋእ ምስተወግኤ ፡ ኩሉ ቦቦቱኡ ምስ ሓዘ፡ ናይ ፋይናንስ (finance)  ናይ ታ ኣሃዱ ደሞዝ ወይ ብናይ ጁባ ዝፍለጥ ክኽፈሉ ምስ ተኣከቡ መርድእ ዝኾነ ነገር ኣስሚዖሞም። ሕጂ እቶም ካብ መስዋእቲ ዝተረፍኩም  ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት፡ ኩሉኹም ዕዳ ናይ ስውኣት ተጋደልቲ ቅድሚ ምስውኦም ካብ መንግስቲ ዝተለቅሕዎ ገንዘብ ዘይተኸፍለ ዕዳ ናይ መንግስቲ ገዲፎም ስለ ዝተሰዉኡ ፡ እዚ ዕዳ ‘ዚ ባኣኻትኩም ብሓይልታት ምክልኻል ንክጥወር ትእዛዝ ካብ ላዕሎዎት ሓለፍቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ።  ስለ’ዚ ኣብ ወርሒ  ካብ ደሞዝኩም ብምቁራጽ ፡ እዚ ዕዳ፡ ንመንግስቲ ከነሕውዮ ኢና ምስ በለ ብዙሓት ዒምም ከም ዝበሉ ካብ ዒምም ናብ እምቢ ዘይምስጋራ ግን ብጣዕሚ ሓዘን ተሰሚዑኒ ይብል። ብድሕሪኡ በብታራ እንዳ ፈረሙ ነቲ ዝተፈረድዎ ጎዶሎ ደሞዝ ወይ ናይ ጁባ ገንዘቦም ተተቀቢሎም ክወጹ ተራኢዮም ይብል።

ብታህዋኽ ፡ ናይ ስዉኣት ዕዳ እኮ ኢኻ ትብል ዘሎኻ ፡ ማለት መንግስቲ ዕዳ መስዋእቶም ክኸፍል ወይስ ፡ ስውኣት ዕዳመንግስቲ ክኸፍሉ? ክብል ሓተትክዎ ፡ ብዝኾነ ይኹን መትሓዚን መጨበጢን ስለ ዝሰእንኩሉ!!! ። ካብዚ ብምቅጻል ኣብ ባሕሪ ሓሳብ ጢሕለ ስቅ ኢለ ንክሰምዕ ጥራሕ መረጽኩ፡ ነገሩ ግን ኣዚዩ ተሓዋወሰኒ ። እሞከኣ ዕዳ ናይ ስዉኣት !! እንደገና ኣብ ኣዚዩ መትሓዚ ዘይብሉ ባሕሪ ሓሳብ፠፠፠።

ዓርከይ እንዳተዛረበ ኣብ ሓሳበይ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ትመላለሰኒ ኔራ፡ ንሳ ከኣ እዞም መሳኪን ስዉኣት እኮ ብገንዘብ ዘይትትመን ሊዕሊ ኩሉ ነታ ሓንቲ  ዝውንንዋ ሂወቶም ንህዝቦምን ንሃገሮምን ኢዮም ከፊሎም ። ማለት ሃገሮም ክንብል ከሎና’ኳ ን’መንግስቶምን ን’ህዝቦምን ማለትና ዶ’ኣይኮነን? ክብል ባዕለይ ንባዕለይ ሓተትኩዋ።

ዓርከይ ዘረቡኡ ብምቅጻል፡ ብረት ሒዝና ንሞት ዝተቀረብና ካብ መንግስቲ እንዳ ፈራሕና ኢና ንነብር ኔርና ፡እሞ ደኣ መስኪን ህዝብና እንታይ ክገብር። ካብተን ቅሩብ ቅራቦ ዝህቡና ደሞዝ ኣብ ወርሒ መጸ እንዳ ወሰዱ ተዓዲዮሞ ዝተሰዉኡ፡ ዕዳ ስውኣት ከፊልና፡ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ገንዘቡ ተቀቢሉ ቡኡ ተፋነወና  ይብለኒ’ሞ ኣዚዩ ኣግረመንን እቲ ኩሉ ረሳሕ ተግባራት ጃንዳ ህግደፍ እንደገና ተሓደሰኒ። እንደገና ንቁሩብ ግዜ ዝን ብምባል ነቲ ኩነታት

ክድህስሶ ፈተንኩ ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት’ስ ከምዚ ምስትንክር ናይዚስርዓት’ዚስ ይግበር ዶኾን ይኸውን እንተ ዝርከብ’ከ እንታይ ካብ’ዚ ኩነታት ሃገርና ዝተፈለ ክግበር ምረኤና ፡ ክብል ንነብሰይ ብተደጋጋሚ ሓተትኩዋ።

እንደገና እቲ ናይ ደገ ወጃዕጃዕ ዝገብሮ ንረኣዩለ ስምዕለይ  ናይ 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት እንዳበለ ንልቢ የዋሃን ክሰልብ ኣብ ፈቆዶ ጎቦታትን ጎላጉልን ኣእዕጽምቲ ሰማእታት ክኣሪ ዘርኢ ናይ ፈንጠዚያ ኣብ ቲቪ ኤሪ (TV ERI) ዝገብሮ ተዋስኦ ቅጂል ኢሉ ተራኣኒ፡ ሰማይ ዝዓረገ ንዕቀቱ ኣብለጭሊጩ’ውን ኣብ ገጸይ ተደቀነ።  ብጣዕሚ ከኣ ሓዘንኩ ፡ ናይ ኩሎም ቤተሰብናን ኣሕዋትናን ኮንቱ መስዋእቲ’ውን ንልበይ ኣነደሮን ንስምዒተይ ናህሪ ወሰኸሉ።

ስዉእ ክሳብ ክንዲዚ ክጥለም ፡ ስዉኣት ንዘለኣለ መኒኖም ንድሕነት ህዝቦም እታ ክብርቲ ሂወቶ እንዳ ከፈሉስ እንደገና ኣብ ቲሕቲ ጉድጓድ ኮንኩም ለቓሕ መንግስቲ ኪፈሉ? እሞ ለቓሕ መንግስቲ !!  ኣብ ዝብል ኣብ ናይ ሓሳብ ዕንደራ ኣተኹ።  ግን እንቋዕ ቅዱም ኣይትኹን ኣብ ምድረ ኤርትራ ኣብ ዝብል ገምጋም ኢየ ኪድምድሞ ዝፈተንኩ።

ገለ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ፡ መጺኡ ኣይፋልካን እዚ ስርዓት ኣይኮነን እኮ  “ስ” ጥራሕ እዩ ናይ ሰርዓት ምልክት ዘይብሉ ጎዶሎ። የግዳስ ኣበርቲዕካ ተቃለስ፡ እቲ ህዝባዊ መንግስቲን ህዝባዊ ማሕደራን ንስኻትኩ ምስተሳተፍኩሞ ኢዩ ኩውን ዝከውን። ንሕና ንሓቂን ንመትከልን ተሰዊእና ከዳዓት ጠሊሞምና ግን ሰፊሕ ህዝቢ ኣሎ ኩልሳዕ ሂወት ዝዘርኣልና፡ እቲ ንዝኣመንናሉ ራኢን ሕገ ስርዓትን ከተግብር ዝኽእል መንእሰይ ዎሎዶ ዝልዓል ዘሎ ትርእዮ’ዶ የለኻን ኢኻ? ሰለዚ ባና ሓርነት ዝኾነት ሽግ ናይ ህዝባዊ ማዕበል ተልዕል ዘላ ስምረታዊት ሓይሊ ሓፋሽ ኢስከ ኣስተውዕለላ ፡ ዝብሉኒ ዘሎዉ ኮኑ ይስምዓኒ፡ ሽዑ ካብ ሕልሚ ዝበራበር ዘለኹ ኪመስል ንህዋ ሰማይ ኣንቃዕሪረ ረኤኽዎ።  ተወፋይነቶምን ቅዮኦም ከም ጸሓይ ብርሃን ዘብለጭሊጭ ደሚቁ ተራኣየኒ። መወዳድርቲ ውን ሰኣንኩሉ። ብኡ መልክዕ ነቶም ዝመርሕዎም ዝነበሩ ሰብ መስል ተዃሉ በላዕቲ ሰብ ከም በዓል ርእሲ ምራኽ ፡ ከኣ ብደም ስውኣት ይጣልዑ ጥራሕ ዘይኮነ መሃብተሚኦም ይገብርዎ ኣለው ክብል ኣብ ዓቢ ናይ መርገም ፍርዲ ኣቀሚጠ ኣብ ናይ ጽባሕ መዓልቲ ሓርነት የራኽበና በልኩዎም።

ብፍላይ ከኣ ን’ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሰዓብቲ ህግደፋውያን ብዝገደደ መልክዕ ንዓቕኩዎም ። እዚኦምስ ሓቆም ኢዮም ከም ዘመናዊ ሮቦት ሂወት ዘሎዎም ኪመስሉ ንሕና ንሱ ንሱ ናሕና እንዳበል ንዝነብሩ ኣዛዊሮም ክሪእዩ ዘይተዓደሉ ብምዃኖም ውን ሓዘንኩሎም። ብሓቂ ከኣ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ሰብ ብዛዕባ ከባቢኡን ፍትሒን ወይ ውን ብዛዕባ መሰል ኣዚሩ ክሓስብ ወይ ክሪኢ ትዕድሎቱ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ኢዩ ከኣ ብዓል ንዓይ ይጥዓመኒ ዘጸውዖም።

በቲ ሓደ ወገን’ውን ተቃወምቲ ኢና እንዳበልና ኣብ ማንታ መገዲ ንጉዓዝ።  ምናልባት እዚ ኩሉ ኮለል’ዚስ ጥልመት ናይ ስውኣትናን መርገሞምን  ከይከውን’ውን ይሰግእ።

ስለዚ ብሓቂ ከኣ ስዉእ ተጠሊሙ !!!!።

ተጠሊሙ ብመንግስቲ።

ተጠሊሙ ብሰራዊት፡

ተጠሉሙ ብህዝቢ!!!!!!።

ካብቲ ዝገርም ቲ’ሰራዊት ኩሉ ነገር ኣብ ኢዲ ከሎ ፡ ካብ ነብሰ ምፍታው ስዉኣቱ ባዕሉ ዝቀበሮም ከኣ ጠሊሙዎም።  ኣብ ግዜኡ ስለ ዘይሞጎተ እታ ሽግር ንዕኡ’ውን ኣይ ነሓፈቶን ፣

ብህዝቢ ወገን እንተተራኢዩ ውን ፡ እቲ ዘጣቅዕ ትዕድልቱ ንሳ ስለዝኾነት ካብ ምጥቓዕ ኣይ ክሓልፍን ኢዩ ፡ እንተ ናይ ተቓወምቲ ግን ናብቲ ጠላም ህግደፍ ኣትኲሩ ናይነዊሕ ፍታሕ ክንዲ ዝሕልንን ዘተኩርን ወይ’ውን ዘናዲን፡ ናብ ከምኡ ተቃለስቲ መኣዝኑ ኣቕኒዑ ብምሉእ ዓቕሙ ንኸምኡ ተቓለስቲ የጎናድብ ንምዕናዎም ይጋየን።  እምበኣር እዚ ምስ ኮነ ኢየ ስዉኣት ብኹሉ ተጠሊሞም ዘበለኒ።

 

ስለዚ ፡ ብሓቂ ካብ ንግሆኡ ስዉኣት ተጠሊሞም   !!!!!!

 

በራኺ ዮሃንነስ

 

barakhi yohanis article

ሓደራኹም ከይትርሱዑኒ !!!  ኣለስ ሓሊፈ ኢየ ከምቲ ለቦዋ ዝተዋህበኒ።  ኣነስ ፈጺመዮ ኢየ ጥራሕ ብተራኹም ነንሕድሕድኩም ብምትሕልላይ ንዓይ ኣቅሱኑኒ!!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9068

Posted by on Nov 25 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net