ኣብ ህጹጽ መስመሪ ጉባእ ግ.ሃ.ድ.ኤን፡ ም.ድ.ፍ.ኤ ጎደናታት ዓዲ ግራት እንታይ ተዓዚቦም !!

ፍትሓዊ  ካብ  ከተማ ዓዲ ግራት።

ክቡራትን  ክቡራንን  ኤርትራውያን ከመይ ኣሎኹም፡ እዛ  ኢንተርነት ዝብልዋ ዋላ’ኳ ገጽ ንገጽ ከተራእየና ኣይትኽኣል እምበር ፡ ኩነታት ሃገርናን ህዝብና ከካብ ዘሎናዮ ዞናታት ዓለም ክንተሓባበር ምኽኣልና ዓቢ ጸጋ ኢዩ በሃላይ ኢየ። ስለዝኾነ  ነዚ ዘመና ዘፍረዮ ተክኖሎጂ ተጠቒመ ካብ ከተማ ዓዲ ግራት ናብ ደቂ ሃገረይ ዝረኣኽዎ ክሕብር ምኽኣለይ ዓቢ ሓበን እናተሰማዓኒ ኢዩ።

ዳርጋ 5_6 ኣዋርሕ ይገብር ኣብ መንጎ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ም.ድ.ፍ.ኤን  ናይ ሰራዊት ምትህንፋጽ ተገይሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ካብ ዕለት 11 11 2014 ጀሚሩ ህጹጽ መስመሪ ጉባኤ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ ክጽወ ከም ዝቐነየ ንኹሉ ብሩህ ይመስለኒ።  በዚ መስረት ድማ መዓልቲ ኣኺሉ ናብቲ ህጹጽ  መስመሪ ጉባኤ  ንምስታፍ ናብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝመጹ ኣጋይሽ በብሓደ በብክልተ ጠርቦሽ ክብሉ ቀኒዮም ኢዮም። ነታ ከተማ ሓደስቲ ምዃኖም በቲ ኣካያይዳኦምን ቀልባሕባሕ ምባሎምን ኢዮም ዝለለዩ።

ኩሎም ድማ ዕድመ ዝደፍኡ ሰባት  ኣብ ርእሲ ምዃኖም ፡ ገለ ካብኣቶም ድማ ነባራት ተጋደልቲ ዝነበሩ ኢዮም። ምስቶም ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝጸንሑ ተቓለስቲ ሙዉቕ ናይ ብጽይነት ሰላምታ ክለዋወጡ ተመልኪተ። ነዚ ምስ ረኣኹ ድማ ይበል ብጻይነት በልኩ። ገለ ካብቶም ኣጋይሽ ግና ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ተጋደልቲ በትሪ ዘወጣውጡን ርእሶም እናነቕነቑ ክናፍሮም ዝረማጡጡን ነይሮም ኢዮም። ነዚ ምስ ረኣኹ ድማ እዚኦምከ አንታይ ዝኾኑ ኢዮም፡ እንታይ ዝጸንሔ ቂም ኮን ነሩዎም ኢዩ ኢለ ንነብሰይ ሓተትኩ መልሲ ግና ኣይረኸብኩሉን። እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ተጋደልቲ ግና ናይ ቂም በቐል ምልክት ኣይረኣኹሎምን። ብኣንጻሩ ብፍሱሕ ገጽ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብጾት ብማለት ኢዮም ነቶም ኣጋይሽ ዝስዕሙዎም ዝነበሩ። ካብቶም ኣብዚ ከተማ ዝጸንሑ ተጋደልቲ ንስራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ መሪሖም ኣንጻር ስለያዊ መሓዉር ህግደፍ ብውሕሉል ወተሃደራዊ ክእለት ብብቕዓት መሪሖም ዓበይቲ ዓውታት ዘመዝገቡ ሓርበኛታት ይርከብዎም።

እቲ ጉባኤ ምስ ተጀመረ ግና ምኽኒያቱ ብዘይፈልጦ ዝተባእሱ ግዲ ነይሮም ኮይኖም ካብቶም ኣጋይሽ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኣ ጸጉረን ሓጺር ጎፈሬ ዝተቐምቀማ ሰበይትን፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ  ሓጺር ሰብኣይን ኮይኖም ንዘተባኣሱ ክሽምግሉ ከለዉ ተመልኪተ። እቶም ተገራጨውቲ ሰባት ድማ ገሊኦም ኣብዚ ከተማ ዓዲ ግራት ንብዙህ ዓመታት ዝርእዮም ዝነበርኩ ኢዮም። ድሕሪ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ሽምግልና ግና እቶም ተገራጨውቲ ተዓሪቖም ግዲ ኮይኖም ዕለት 2 ጥቅምቲ 2007 ናብቲ ህጹጽ መስመሪ ጉባኤ እንተባህለ ክጽዋዕ ዝጸንሔ ኣኸባ ኢዮም ኣትዮም።

ካብቲ ኣኸባ፡ ኣከበኛታት ናብ ምሳሕ ኮነ ናብ ቁርሲ ካብቲ መእከቢ ኣድራሽ ክወጹ ከለዉ ዳርጋ ኩሎም ሕጉሳት ኣይነበሩን። ብጉጅለ ጉጅለ ኮይኖም እቲ ሓደ ጉጅለ ነቲ ካሊእ ጉጅለ እናሓመዩ ኢዮም ዝኸዱ። ናብቲ ኣኸባ ክኣትዉ ከለዉ እውን  ሕጉስ ሰብ ኣይነበረን። ኩሎም ኣእዳዎም እናደርበዩን እናኣንጸርጾሩን ኢዮም ዝኣትዉ። እቲ ጉዳይ  ገሪሙኒ ኮነ ኢለ ልቢ ገይረ ተዓዚበዮም ኢየ። ካብቲ መአከቢ ኣድራሽ እውን ነቲ ኣኸባ ረጊጾም እናኣንጸርጸሩ ዝወጹ ሰባትን፡ በጃኹም ተመለሱ ዝብሉ ሽማግለታት ዓረቕትን ክኣትዉን ክወጹን ከለዉ ተዓዚበ ኢየ። እቲ ጉዳይ ግን ኣብዚ ጥራሕ ክገድፎ ኣይደለኹን ክሳብ መጨረሻ እቲ ጉዳይ ውሽጠ ምስጢሩ ንምፍላጥ ክከታተሎ ከም ዘሎኒ ወሲነ ኢየ።

ኣብቲ ኣኸባ ካብ ዝተኻፈሉ ሰባት ገለ ምሳይ ጽቡቕ ፍልተጠት ዝነበሮም ሰባት እውን ነይሮም ኢዮም። ስለዝኾነ ኣብ ጊዜ ዕረፍቲ ነቶም ዝፈልጦም ሰባት  እናተጸበኩ ናይቲ ኣኸባ ጉዳይ ንምፍላጥ ጽዕረ ኢየ። እቶም መንእሰያትናይ ም.ድ.ፍ.ኤ ነቶም ነባራት ተቓለስቲ ከማርሩ ሰሚዐ፡ እንታይ ኢዩ እቲ ጉዳይ ኢለ እንተሓተትኩ ኩሎም ምስጢር ናይቲ ኣኸባ ከውጽኡ ኣይደለዩን። ኣኸባ ካብ ዝጅመር ዳርጋ 6 መዓልታት ኮይኑ፡ ድሕሪ 6 መዓልቲ እቲ ዘይምቅድዳው መሊሱ በርቲዑ ኩሎም ኣባላት ውድብ ም.ደ.ፍ.ኤ  ነቲ ኣኸባ ረጊጾም ብምውጽእ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ክኸዱ ከለዉ ተዓዘብኩ።

ብወገነይ እንታይ ተረኺቡ ኢለ ናብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ም.ድ.ፍ.ኤ ተንቀሳቂሰ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ጸዓርኩ። ጻዕረይ ድማ ጻዕሪ ጥራሕ ኮይኑ ኣይተረፈን፡ ነቶም ኣብቲ ኣኸባ ዝተሳተፉ ተጋደልቲ ኣባላት ም.ድ.ፍ.ኤ ተወኪሰ እቲ ሓቂ ክፈልጥ ኪእለ ኢየ። እንታይ ኢዮም እዚኦም፡ ነቲ ውሽጣዊ ቅዋምን መደብ ዕዮን ናይ ውድቦም ተቐቢልናስ ድሕሪ ሕጂ ም.ድ.ፍ.ኤ ዝበሃል የለን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኢና ክንበሃል ይብሉና፡  ክልተ ውድብ እናሰመርና ንኽልቲኡ ውድብ ዘንጸባርቕ ስም ከነውጽኤሉ ይግበእና እምበር ውድብኩም ገዲፍኩም ኣብ ውድብና

ተጸንበሩ እኮ ኢዮም ዝብሉና ዘሎዉ፡ እዚኦም ክቃለሱ ዘይኮነስ ውድብ ከፍርሱ ዝመጹ ተበልጽቲ ኢዮም’’፡ ዝብል ሕርቃን ዝተሓወሶ ኣንጸረጽሮት ሰማዕኩ።

ኣነ ድማ ናብቶም መንእሰያት ጽግዕ ኢለ እንታይ ደኣ ናይ ክልተ ውድባት ስምረት ክበሃልዶ ኣይቀነየን፡ ከመይ ገይሮም ስም ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ማለት ናይ ሓደ ውድብ ስም  ጥራሕ ይኸውን፡ ከምዚ እትብልዎ ዘሎኹም እንተደኣ ኢሎም ብሓቂ እዚኦም ጸረ ስምረትን ጸረ ሓድነት ኢዮም በልኩ። ትማሊ ትማሊ ስምረት ናይ ምድፍኤን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ህጹጽ መስመሪ ጉባኤ ይብሉ ነይሮም ሎሚ ንናይ ክልቲኡ ውድባት ዘየንጸባርቕ ስም ምምራጾም ብሓቂ ዘሕዝን ኢዩ።እዚ ክገብሩ ኢዮም ካብ ኣመሪካዶ ካብ ኤውሮጳ መጺና እናበሉ ጎደናታት ዓዲ ግራት ከሐምድዎ ዝቐነዩ፡ ነዚ ኢዩ እዚ ኹሉ ሸነን ዝብል ርእይቶ ወስ ኣበልኩ። ድሕሪ እዚ ሓደ ካብቶም መንእሰያት እዚ ጥራሕ መዓስ ኮይኑ ዘጉህየና ዘሎ፡ ሓቂ መሲሉና ምስ ተቓለስቲ ኣሕዋትና ኣባኢሶሙና፡ ብፍላይ እቲ ዑቑባዝጊ ዝበሃል ኣቦ መንበሮም ስልጣን ንመንእሰያት ከነረክብ ኢና ክብል ጸኒሑ ሎሚ እቲ ስልጣን ምርካብስ ይትረፍ ስም ናይ ም.ድ.ፍ.ኤ ከህስስ ምፍታኑ ዝገርም ኢዩ። እድሪስ ማሕሙድ ዝበሃል ፋብሪካ ናይ ሓሶት ኸኣ ኣሎዎም። እዚ ሰብ እዚ ኮነ ኢሉ ውድባት ንምብታን ናይ ሓሶት ወረ እናውረየ ዘባእስ ጉሒላ ኢዩ። ሎሚ ግና ኩሉ ፈሊጥዎ ኣሎ። ውድባት ንምብታን ዝገብሮ ዘሎ በታኒ መደብ ግን ክጽናዕ ዘሎዎ ኢዩ። ምኽኒያቱ ኣብ ምብታን ውድባት ዝረብሕ እቲ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ጥራሕ ኢዩ። እድሪስ ማሕሙድ ድማ ኣብዚ መሐጎስ ህግደፍ ዝኾነ ተግባር ተዋፊሩ ዘሎ ጸረ ሰላም ናይ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣህዛብ ጎረባባቲ ሃገራትን ምዃኑ ኣብ ቃልዕ እናተጋለጸ ዝኸደ ሰብ ኢዩ። ሎሚ ድማ በዓል ዑቕባዝጊ ደቡስ ሰብ ምስ ተስእነ ንእድሪስ ማሕሙድ ወተሃደራዊ ሓላፊ ክኸውን ምእንቲ ኣንጻር እቲ ተንኮል ናይ በዓል እድርስን፡ ናይ ዑቑባዝጊ ደቡስን ከይተረደኦ ብግርህነት ኣብቲ ዕንኪልል ናቶም ዝኣተወ ፍስሃየ ሃይሉ ኣብቲ ኣመራርሓ ናይ ሰራዊት ከይኣቱ ተንኮል ጻዊዶም ኣብቲ ኣኸባ ብድምጺ ከም ዝወድቕ ገይሮሞ ኣሎዉ ውጽኢቱ ድማ ቅንይ ኢልና ክንርእዮ ኢና በለ።

ኣነ ድማ ገሪሙኒ ንእድሪስ ማሕሙድ ኣጸቢቐ ስለ ዝፈለጦ፡ ዋእ እድሪስ ናይ ሰራዊት ሓላፊ እንተገይሮሞ’ሞ ኩሎም ጥዑያት ኣይኮኑን። እድሪስ ሰራዊት ክመርሕ ዓቕሚ የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ፈራሕ ኢዩ፡ ሓሳዊ እውን ኢዩ። ምኽኒያቱ ኣነን እድሪስ ማሕሙድን ነዊሕ እዋናት ብሓንሳብ ነይርና ኢና ኣጸቢቐ ይፈልጦ ኢየ፡ ብሓሶት ንሰባት ምጽላምን ምክፋእን እንተዘይኮይኑ ኣብ ቃልሲ ዝኾነ ይኹን ዓቕሚ ዘይብሉ ሰብ ኢዩ። ምስ ዑቑብዝጊ ደቡስ እውን ኣብ ሓደ እዋን ዘይምቅድዳው ከም ዝነበሮም ይፍለጥ ኢየ ። ግና ሎሚ ኣብ ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝዓይነቱ ተበላጺ መርገጽ ሒዞም ንፍስሃየ ሃይሉ ንምስጓግ ሓደ ኮይኖም ኣሎዉ። እዚ ናይ ተበለጽትን ሓሰውትን ዝምድና ድማ ጊዝያዊ ኢዩ፡ ጽባሕ መዓልታት ከይወስደ ክፈራኸሽ ክንርእዮ ኢና። ም.ደ.ፍ.ኤ ግና ዝወስድኩሞ መርገጽ ብሓቂ ዘሕጉስ ኢዩ። እንቋዕ ገዲፍኩሞም ወጻእኩም፡እንቋዕ ውድብኩም ኣየጥፋእኩም። ብዝሓለፈ ጌጋ ተማሂርኩም ድማ ሃገራዊ ቃልስኹም ክትቅጽሉ ኣሎኩም ኣጆኹም ኢለዮም ኣነ እውን ሕርቃን እናተሰመዓኒ ናብ ገዛይ ከድኩ።

ድሕሪ’ዚ በጃኩም ተመለሰሱ ዝብሉ ሽማግለታት ናብ ም.ድ.ፍ.ኤ መጺኦም ዝብል ወረ ብተለፎን ተሓበረኒ፡ ኣብ ገዛይ ከይበጻሕኩ ድማ ናብቲ ቦታ ተመለስኩ። እቶም ክሽምግሉ ዝመጽኡ ዓበይቲ ኢዮም፡ በጃኹም መስሓቕ ኣይትግበሩና! በጃኹም መፍቶት ጸላእትና ኣይትግበሩና፡ ዝብል ዘረባ ኢዮም ዝደጋግሙ፡ ብፍላይ እተን ጎፈሬ ሰበይቲ ዓይነን ግዲ ቅጽርጽር እናበለን ኮይኑ እኩያለኤን ኣውጽኤን ንዓይነን ብኢደን እናደረዛ ኢየን ዝዛረባ። ብሓቂ ዕድመ ዝደፍኣ ዓባይ ሰበይቲ  ኢየን፡ ኣነ ድማ ብውሽጠይ  ኣንታ እዚአንከ እንታይ ዝኾና ኢየን፡ መንኲሰን ናብ ገዳመን ግዳ ዘይኸዳ በልኩ፡ ብልቢ ድማ ሓዘንኩለን። ኣቦ መንበር ናይ ም.ድ.ፍ.ኤ ጥዑሙዝጊ ሃይሉ ኮነ፡ እቶም ካልኦት ኣባላት መሪሕነት ም.ድ.ፍ.ኤ እቲ ንብዓት ሓርገጽ ናይቶም ሽማግለታት ኣይዓጀቦምን። እዚ ናይ ክልተ ውድባት መስመሪ ጉባኤ ኢዩ፡ ስም ናይ’ዚ ከነስምሮ እንደልዮ ዘሎና ውድብ ድማ ንናይ ክልቲኡ ውድባት ዘንጸባርቕ ስም ኢና ከነውጽኤሉ ዘሎና ብምባል ፍትሓዊ ዝኾነ ርእይቶ ኣቕረቡ። እቲ ንውድብ ም.ድ.ፍ.ኤ ንምጥፋእ ዝተበገሰ ተንኮል ናይ በዓል ዑቑባዝጊ ደቡስ ግና እቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝብል ስም እንተገዲፍናዮ እቶም ምሳና ዝነበሩ እቲ ስም ክጥቀሙሉ ስለዝኽእሉ ኣይንገድፎን ዝብል ዕባራ ምኽኒያት ኣምጽኡ፡ ነዚ ምኽኒያት እዚ ድማ ኣባላት ም.ድ.ፍ.ኤ ኣይተቐበልዎን ጥራሕ ዘይኮነስ ሓቂ እንተሊዩኩም  ነቶም ስም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣሒዞም ዘሎዉ ነብሰ ምትእምማን እንተልዩኩም ኣብ ከይዲ ናይ ቃልሲ ክትስዕርዎም ትኽእሉ ኢኹም፡ እንተኾነ ብሓሶት ናይ እድሪስ ማሕሙድን ብሓሶት ናይ ዕቑባዝጊ ደቡስን ዝሰዓር ውድብ የለን እምበር፡ ንዓና ድማ ሓቂ መሲሉና ከይፈለጥናኩም ኣታሊልኩምና ኢኹም፡ ድሕሪ ሕጂ ግና ኩሉ እንታይነትኩም ስለ ዝፈለጥናኩም ከተታሉሉና  ይትኽእሉን ፡ ብገርህና ብንጹህ ሃገራዊ ሕልና ተላዒልና ክንቃልስ ወሲና፡ ግርህነትና ግና መውቅዒ ንኑጹሃት ተቃለስቲ ተጠቒምኩሙሉ፡ ስለ ዝኾነ ስም ውድብና ደምሲስና ምሳኹም እንጓዓዘሉ ምኽኒያት የለን። ኢሎም ንጹርን ቆራጽን መርገጽ ኢዮም ሒዞም ኣባላት ም.ድ.ፍ.ኤ፡ በዚ ድማ ዝያዳ ክብሪ ንዓይ እውን ተሰመዓኒ።

ም.ድ.ፍ.ኤ ካብቲ መስመሪ ጉባኤ እናተባህለ ክዝመረሉ ዝወርሔ ኣኸባ ምስ ወጽኡኸ ጎደናታት ዓዲ ግራት እንታይ ተዓዚቦም!!

ኣባላት ም.ድ.ፍ.ኤ ካብቲ ኣኸባ  ብዘይካ ብዝምድና ወይ’ውን ብውልቃዊ ጠቕሚ ተታሊሉ ኣብቲ ኣኸባ ዝተረፈ ዮናስ ዝተባህለ ሰብ ብሙሉኦም ምስ ወጹ እቲ ኣኸባ ናይ’ቲ ብዑቑባዝጊ ደቡስ ዝምራሕ ጉጅለ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጥራሕ ኮይኑ ኢዩ ተሪፉ።  እንተቶም ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፎም ዝነበሩ ልዕሊ 19 ዝኾኑ ኣባላት ም.ድ.ፍ.ኤ ብዘይካ ዮናስ ዝተባለ ብዝምድና ዲዩ ብውልቃዊ ጥቕሙ ንውድቡ ከዲዑ ዝተረፈ ኩሎም ኢዮም ነቲ ኣኸባ ጠንጢነሞ ወጺኦም። እዚ ምስ ረኣኹ ኢየ ድማ ይበል ሕብረት፡ ይበል ቆራጽነት ዝበልኩ።

ድሕሪ እዚ እቲ ጉባኤ፡ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጥራሕ ኮይኑ’ዩ ቀጸለ። ኣብዚ እውን ብዙሕ ወጠጥ ኢዩ ነይሩዎ፡ እድሪስ ማሕሙድ፡ ጀምዕ ሸሪፎ፡ እንታይ ከም ዝተባህሉ እንዲዒ ነቲ ኣኸባ ረጊጾም ወጺኦም ኢዮም ። መሳኪን እቶም ሽማግለታት ኣብቲ ጎደና ደድሕሪኦም ስዓኢቦም በጃኹም ኣይተኽፍኡና በጃኹም ተመለሱ እናበሉ ምስ እድሪስን ምስ ሸሪፎን ክዋጠጡ ተመልከትኩ።

ብወገነይ እንታይ ዝበለ ጸገም ኢዩ  ደቀይ! ከተማ ዓዲ ግራት ዓበይቲ ቆልዑ መሊኦማ!! በልኩ ብልበይ። ደሓር ግን ብክንደይ መከራ እድሪስን ሸሪፎን ናብቲ ኣኸባ ተመሊሶም እቲ ኣኸባ ቀጸለ። እቲ ኣኸባ ልዕሊ 10 መዓልታት ኢዩ ወሲዱ፡ ገለ ሰባት እውን ኣንጸርጺሮም እቲ ኣኸባ ከይተወደኤ ናብ ኣዲስ ኣበባኦም ተዓዚሮም ኢዮም። መቸም ድሕሪ ነዊሕ መዓልታት እቲ ኣኸባ መሪሕነቱ መሪጹ ተደምዲሙ ተባሂሉ። ውጽኢት ናይ’ቲ ምርጫኸ እንተተባህለ ወዮም ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢ ኮሚቴ ተባሂሎም ዝጽወየሎም ዝነበሩ ኣይተ ፍስሃጽዮን ገብረ ጭራ ወጺኦም ተጠባባቒ ኮይኖም ሰሚዕና፡ ኣይተ እድሪስ ማሕሙድ ድማ ካብቲ ኣኸባ እናሰሓቑ ወጺኦም ንደቂ ባሻይ ጉሒፍናዮም ክብሉ ተሰምዑ። ኣብ ደገ ድማ ኣይተ ኢብራሂም ዑመር ዝተባህሉ ናይ ተጋዳላይ መልክዕ ዘይብሎም  ናይ ብጽሕቲ ወርሒ ዝመስል ከብዲ ዘሎዎ ሰብ ኸኣ ንሽመጃና ሰጒግናዮም ዝብል ወረ ኣብቲ ጎደናታት ዓዲ ግራት ኣናፈሱ።

ኣብዚ እቶም ባዕሎም ጋዜጠኛ ኮይኖም ህጹጽ መስመሪ ጉባኤ ም.ድ.ፍ.ኤን ግ.ሃ.ድ.ኤን ጀሚሩዶ ጨሪሹ እናበሉ ኣብ ወብ ሳይት ንህዝቢ ከደናግሩ ዝተራእዩ ኣይተ ኣራንቺ’ውን እቲ ፋሕፋሕ ምስ ረኣዩ  መዓስን ናበይን ከም ዝኽዱ ኣይተራእዩን። ኣብ ዘየለን ዘይነበረን ዝዛረቡ ናይ ዘመንና ጋዜጠኛ!!

ድሕሪ እዚ እቶም ኣብ ኣኸባ ዝተሳተፉ ሰባት ብሙሉኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኢዮም ኣምሪሖም። ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽእ ዝነበረ ሓበሬታ ድማ እቲ ኣኸባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቀጺሉ ይበሃል፡ ኣብዚ ብዘይካ ኣብ ዓዲ ግራት ዝነበሩ ኣኸበኛታት ካሊእ ኣብቲ  ኣኸባ  ኣዲስ ኣበባ መን ተሓዊስዎ ዝብል ሕቶ ግን ፡ከም ኣመሉ ነቲ ወረ ንፋስ ከምጽኦ ኢዩ’ሞ ሽዑ ንዛረበሉ።

                                             ሃገር ብሃገራውነት እምበር ብወገንነት ኣይህነጽን።

                                                         ዓዲ ግራት ሕዳር 19 2007 ዓ.ም

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9084

Posted by on Dec 4 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net