ጕራማይለ ሃገራዊ ዋዕላ

ኣንቶንዮ ተስፋይ

5 ሓምለ 2010

ናይ ዕለት 3 ሓምለ 2010 ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ኣኼባ፡ በቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብዕለት 24 ሰነ 2010 ተዘርጊሑ ዝነበረ መግለጺ ሽማግለ ዋዕላ ሽወደን ኩሉ ዝተዓዘቦ’ዩ። እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝተዘርግሐ መግለጺ ከም’ዚ ኣብ ታሕቲ ዝስዕብ ይብል፡ (መስመር ናተይ’ዩ)

ኣገዳሲ ሕዝባዊ ሓበረታ

ኤርትራዊ -ሶሽያል ደምክራስያ ማሕበር ብምትሕብባር ምስ ንኡስ ኮሚተ ሃገራዊ ዋዕላ

ንደምክራስያዊ ለውጢ ብዛዕባ ኣገዳሲ ጉዳያት መሰል ምርጫ ኣብ ስዊደንን ከምኡ ድማ ብዛዕባ

ምምራጽ ወከልቲ ዋዕላ ንደምክራስያዊ ለውጢ ኣኼባ ኣዳልዩልኩም ሰለ ዘሎ ኩሉኻትኩም ኣብዚ

ኣገዳሲ ሰሚናር ክትካፈሉ ብኽብሪ ይድዕም።

መደብ ሰሚናር

1. መሰል ምርጫን፣ተሳታፍነቱን

2. ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ምምራጽ ተሳተፍቲ ካብ ስዊደን፣ ለበዋታትን፣

መልእኽትን ካብ ሕዝቢ፣

3. ግሪል ኣብ ሽመልባ ዝቅመጡ ስደተኛታ ኤርትራ

ዝገርም’ዩ እኮ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ናይ ባዕሉ ጸገማት እንዳሃለዎ፡ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ጻዕሪ ኣብ ክንዲ ምክያድ፡ ካልእ ስርሓት ደሪዕኻ ደራሪዕኻ፡ መንፈስን ኣቓልቦን ተሳተፍቲ ናብ ካልእ መዳይ ክሰሓብ ኣብ መወድእታ ከኣ ብሕጽረት ግዜ ክዝረበሉ ዝግባእ ከይተዘርበሉ ህዝቢ ምፍናው’ዩ።

ብጉዳይ ሽመልባ ንዝምልከት፡ ኣብ ሽመልባ ዘሎ ጸገማት ናይ ኩሉና ጸገም’ዩ። ናይ ባዕሉ ኣኼባ ዘድልዮ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ ካብ ዘይተዓወተ ጉዳይ’ዩ። ኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ብ 31 ሓምለ 2008 ኣብ ዝተኻይደ ምብጻሕ ብጸይቲ ገርግስ ነጋሽን፡ ፍረእዝጊን፡ ንህዝቢ መልእክቶም ኣመሓላሊፎም። ብጸይቲ ገርግስ ንስደተኛታት ሽመልባ ክትሕግዝ ጻዕርታት ኣካይዳ፡ ከምኡ ብጸይቲ ሳባ ቀላቲ ካብ ካናዳ ዳግማይ ምብጻሕ መቀጸልታ ናይ 2008 ኣካይዳ ነበረት። ብጸይቲ ገርግሽ ነጋሽ ብተበግሶኣ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሽመልባ ናይ ድራር ምስዮት ኣዳልያ ከም’ቲ ዝግባእ ዘይኮነስ ኣዝዩ ውሑድ ዝመጸ ሰብ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል፡ እንተዀነ ንሕና ከም ሰልፊ ንሽመልባ ልኡኽ ምስዳድ፡ ኣባላት ክንሰርዕ ከም ዝደአለና ካብ ሕመይታን ወቐሳን ሓሊፉ ሓደ’ኳ ዝመጽእ ሰብ ኣይተረኽበን።

ከምኡ ናይ ኣካለ ስንኩላት ሓገዝ ተባሂሉ ዓብይ ናይ ድራር ምሸት ተኻይዱ፡ ካብ 10 ዘይበዝሑ ኣጋይሽ መጺኦም፡ እቲ ናይ ድራር ምሸት ብኽሳራ ተወዲኡ፡ ሎሚ ደኣ እንታይ ተረኺቡ ድራር ሽመልባ ከም ሓድሽ ተርኽቦ ክዋዓዋዕን፡ ኣብ ውሽጢ ጓይላ ዕግርግር ኣኼባ ሃገራዊ ዋዕላ ክዝከር ተደልዩ። ብዝዀነ ሰብ ካብ’ዚ ዝተባህለ ብዙሕ ክሓሰብ ክባሃልን ስለ ዝኽእል ኩሉ ሰብ ነናቱ ሓሳብ ክህብ ይኽእል። ኩሉ ዝሰማማዓሉ ጉዳይ ግን መንገዱ ዘይሓዘ ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ጥራሕ’ዩ ዝግምግም። ዓብይ ጉዳይ ስደተኛታት ብሓባር ኮይንካ ክትምክት’ዩ ዝግባእ፡ ሓገዝ ወትሩ ክፍለዮም ዘይብሉ ወገናትና፡ ኣብ ጸገም ዘለዉ እዮም። ግን ሎሚ ሽመልባ ብኣተሓሳስባ ገሊኦም ቅድሚ ሕጂ ከም ዘይነብሩ ኣምሲሎምን ንካልእ ረብሓታት ክጥቀምሉም ምፍታን መሊሱ ምርኣዩ የሕዝን። ጉዳይ ሽመልባ ንግዜኡ ኣብ’ዚ ኣወንዚፈ ኣብ’ቲ ካልእ ክሓልፍ።

ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኮሚቴ ሽወደን ብዝምልከት ኣቐዲመ ናይ ክልተ ኣኼባታት ጽሒፈ ነይረ።፡ ንሱ ከም መወከሲ ተጠቐምሉ። ክሳብ ሕጂ ኮሚቴ ዋዕላ ሽወደን ረቡዕ ረቡዕ ሰሙናዊ ኣኼባ ብድምር 5 ኣኼባታት ኣካይዶም ኣለዉ። እቲ ኣኼባታትን ግን ቀሊል ኣይነበረን። ካብ’ዚ ቀጺሉ ናይ ክልተ ኣኼባታት ጽማቕ ዝቐርብ ጸብጻብ’ዩ። እዚ ከኣ ናይ ረቡዕ ዕለት 30 ሰነ 2010, ኣኼባ 11 ኣባላት ኮሚቴ ሽወደን፡ ናይ ቀዳም 03/07/2010 ናይ ህዝቢ ኣኼባ ዝነበረ ትሕዝቶ ኢዩ።

ረቡዕ 30/ ሰነ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝቐረቡ ኣገዳሲ ተቓውሞ፡ –

–    ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ ንሃገራዊ ዋዕላ ዝሳተፉ ናይ 15 ሰባት ኣስማት ዝርዝር ቐሪቡ ተቓውሞ ከም ዘጋጠመ ሓቢረ ነይረ። ሕጂ ድማ መልክዑ ቐይሩ ናይ 4 ሰባት ኣስማት ዝርዝር ሕጹያት ዋዕላ ተባሂሉ ቐሪቡ። ህዝቢ ድምጺ ክህበሎም ዝብል ምኽንያት ተዋሂብዎ። እቶም ኣቐዲሞም ንሕጸ ዝቐረቡ 15 ሰባት የለዉን። ምኽንያቱ ገገለ ካብ’ቶም 15 ብካልእ ምኽንያት ክኸዱ መደብ ስራሕ ኣለዎም ተባሂሉ።ምዃዶም ስለ ዘይተርፎም ከኣ ካብ’ቲ ምርጫ ዘጽእዎም ይመስል። እዚ ሓቒ ዘለዎ ግምታት ከኣ’ዩ። እዚ ዘብል ምኽንያት ከኣ ሃንደበት ካብ 15 ቁጽሪ ሕጹያት ናብ 4 ምውራዱ ዘተሓሳስብ’ዩ።እቲ ይኹን እዚ ዘይሕጋዊ መስርሕ ንዋዕላ እዩ። ዳግማይ’ውን ከም’ቲ ዝርዝር ኣስማት 15 ኣብ ጁባኦም ሒዞሞ ዝመጹ፡ ናይ’ዞም 4 ሕጹያት’ውን ከምኡ ኣብ ጁባኦም ሒዞሞ’ዮም መጺኦም።  እዚ ምህዞ ካልእይ ዙርያ ዋዕላ ክበሃል ይከኣል። ሓዲሽ ፖለቲካዊ ጸወታ ተማሂዙ። እቶም ኣርባዕተ ኣብ ሕጸ ዝቀረቡ 1 ምክትል ኣቦ/መ ሽማግለ ዋዕላ ቀንዲ ንኣገባብ ካብ ዝቃወሙ፡ 2 ገብርሂወት፡ 3 መሓመድ ብርሃን ብላታ ራብዓይ’ውን ኣሎ። ምክትል ኣቦ መንበር ንዝቐረበሉ ሕጸ ተቓዊሙ። ኣነ ኣብ’ዚ  ዋዕላ ክሳተፍ ኣይደልን ኢየ ኢሉ መርገጺኡ ብንጹር ገሊጹ። ሳልሳይ መሓመድ ብርሃን ብላታ ኣብ ዘይነበረሉ ተመሪጹ፡ ብተለፎን ተሓቲቱ ሓሲበ ክምልሽ ከም ዝበለ ተገሊጹ። ከምኡ ራብዓይ ህጹይ ኣሎ። ገገለ ካብ’ቶም ኣኼበኛታት ህዝቢ ተዓዲሙ፡ ብወግዒ ኣጀንድኡ ቀሪቡ ንህዝቢ ኣካቲዑ፡ ህዝቢ ባዕሉ ወከልቱ ሓጽዩ ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ክመርጽ ይግብኦ ንዝብል ዘቕረብዎ ሓሳብ ተቓውሞ ቀሪቡ ብድምጺ ብልጫ ወዲቑ።

–    ክንደይ ኣባላት ካብ ሽወደን ክምረጹ ከም ዝግብኦም ተሓቲቱ ቕኑዕ መልሲ ኣይተዋህበን። ኣብ ሽወደን ዝርከባ ማሕበራት፡ ቕድሚ ናይ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ዋዕላ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ወከልተን መሪጸን ናብ ኪዳን ዝርዝር ኣስማት ከም ዝሰደዳ ተሓቢሩ፡  ቕድሚ ኣኼባ እምሃ ዶመኒኮ ማለት`ዩ። ስለዚ በቲ ናይ ቀደም መስርሕ ክቅጽል እንተደኣ ኮይኑ ሽማግለ ሽወደን ዘይትፈልጦ ምርጫ እንተተኻይዱ ንምታይ ዕላማ፡ ሽማግለ ቖይማ መብርሂ ኣይቀረበን። ካብ ማሕበራት፡ ካብ ተራ ህዝቢ ካብ ሽወደን ክንደይ ወከልቲ ከም ዝሳተፉ ተነጺሩ ሓበረታ ኣይተዋህበን፡ ደቒ ኣንስትዮ ወከልተን ዘይመረጻን ክነሰን ከም ኢላ ንደቂ ኣንስትዮ ትውክል ተመሪጻ፡ ዝብል ሕቶታት ወዘተ ዘይተመለሱ ኣለዉ። ኣብ’ቲ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ናይ ምውህሃድ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ እንተዀነ ብውክልና ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጠን ዝዝረበሉ ዘሎ ጉዳይ ስለ ዝዀነ ዝተነጸረ የልቦን። እታ ወኪለን\የ ትብል’ውን ባዕላ ዝመስከረቶን ዝተኣመነትሉን’ዩ።ኣብ’ዚ ህሞት ንኩሉ ሕቶታት ኣዕጋቢ ቕኑዕ መልሲ ስለዘይተዋህቦ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ናብ ፖለቲካዊ ጸወታ ተቐይሩ ዝብሉ ናይ ምድፍፋር ቓላት ኣምሪሑ።

–    እቲ ዘገርም ናይ ህዝቢ ኣኼባ ቐዳም 03/ 07/2007 ክካየድ ስለዝኾነ፡ ናይ ሶሺያል ዲሞክራሲ ምሕዝነት ንምድልዳል፡ ፕሮጀክት ስደተኛታት ሽመልባ ሓገዝ ንምርካብ ናይ ድራር ዕድመ ወፈያ ስለዘሎ፡ ህዝቢ ወከልቱ ክመርጽ ኢዩ ምስ ተባህለ፡ እቶም ንኹሉ ዝተቓወሙ ሰባት፡ ናይዛ ኮሚቴ ትሕዝቶ ኣኼባታት፡ ዘቕረብናዮ ተቓውሞ ንህዝቢ ብንጹር ይገለጽ፡ ምኽንያቱ ጽባሕ ዝመጽእ ናይ ታሪኽ ተሓታትነት ሓላፍነት ስለዘይንስከም ኢሎም። ገገለ ካብ ሽማግለ ዋዕላ ነዚ ኣኼባ ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ መደባት ሰሪዖም፡ ናይ ምሕዝነት ኣኼባ፡ ናይ ዋዕላ ምርጫ፡ ናይ ሓገዝ ድራር ምሸት ተባሂሉ ኩሉ ብሓንሳብ ተደብዲቡ ዝብል ርእይቶ ሂቦም።

–    እቲ ጸገም ብመስርዑን፡ ኩሉ ዝተረዳዳኣሉን ጉዳይ ኮይኑ እንተዝጸንሕ ነይሩ ጸገም ኣይምስተፈጠረን፡ ይትረፍ’ዚ ሰለስተ ጉዳይ ካልእ’ውን እንተዀነ ክዝረበሉን ክስራሕን ዘይከኣል ኣይምዀነን፡ ግን እቲ ጉዳይ ካብ መጀመሪያ ቐኒኑን ተሓላሊኹ ስለ ዝጸንሐ፡ ነቲ ቀዳማይ ከይፈታሕኻ፡ ኣብ ርእሲኡ ካልእ ወሳሲኽ ብሃቦ ተረከቦ ንህዝቢ ክውስን፡ ክድግፍ ንምግባር ዝዓለመ ይመስል።

ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቲ ዓብይ ስም ፓርቲ ሽወደን ከም ሬክላም ክጥቀምሉ ምፍታኖም ዘሕዝን’ዩ። ንኣብነት ሰክረታሪያ ናይ’ቲ ብምትሕብባር ኤርትራውያን ዝቆመ ማሕበር ሶሺያል ዲሞክራት’ውን እቲ ዝኸይድ ኣኼባ ንምንታይ ምዃኑ ከም ዘይተሓበሮን ዘይበርሃሉን፡ ስለምንታይ እቲ ጉዳይ ተሓዋዊሱ ይዝረበሉ ምህላው ኣብ’ቲ ኣኼባ ባዕሉ ሓቲቱ። ሽማግለ ዋዕላ ኣዳላዊ ኣኼባ ዕለት 3 ሓምለ ኣኼባ ንጉዳይ ሽወደን ምስ ናይ ዋዕላ ምትሕውዋሱ ግጉይ ምዃኑ ተኣሚኑ። ነቲ ዝተኣመነሉ ጌጋ ከኣ ብጽሑፍ ክቀርብ ጠለብ ሓቲቱ። ካልእ ንዓይ ዝምልከት ኣኼባ ኣይኮነን’ሉ ካብ’ቲ ኣኼባ ወጺኡ ኸይዱ።

ብዛዕባ’ዚ ካብ ኣኼባ ዝወጸ ባእታ ካልእ ተወሳኺ ጉድ ነገር ከዘንትወልኩም። እዚ ባእታ ኣባል ወይ ተደጋጋፊ ማሕበር ምትሕግጋዝ ተቃወምቲ ወድባትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ኣብ ሽወደን’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2009 ምስ ገገለ ውልቀ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ተበግሶ ንሬድዮ ደምበ ተቃውሞ ንምሕያል ገንዘብ ከዋጽኡ ኣኼባታት ካብ ዝወደቡ ሓደ’ዩ። ቀጺሉ ኣብ’ቲ ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ናይ ኤርትራውያን ንኡስ ማሕበር ሶሺያል ዲሞክራሲ ኣባልን፡ ዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ንኡስ ምትሕባር ሰልፍን’ዩ።

ህዝቢ ሽወደን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መስከረም ኣብ ባይቶ ምርጫ ክሳተፍ’ዩ። ብኡ መሰረት ነዚ ንኡስ ተሓባባሪ ሰልፊ ሶሺያል ዲሞክራሲ ኣብ’ዚ ምርጫ ክህልዎ ዝኽል ናይ ስራሕ ብጽሒት፡ ብፍላይ ንስደተኛታት ወከልቲ ስለ ዝደለዩ ተሓቲቶም፡ ካብ’ቶም ተመሪጹ ዝኸደ ከኣ ነበረ። እንተዀነ እቲ ማሕበር መሪጽዎ ክነሱ፡ ገገለ ኣባላት ብድሕሪ ደዊሎም፡ ካብ’ቲ ዝተላእኸ ኣስማት ክወጽእ ሓቲቶም። እቲ ዝቐረበ ምኽንያት ከኣ ኣብ ወረዳ ስቶክሆልም ስለ ዘይኮነ ተባሂሉ። ዋና ጸሓፊ ንኡስ ምትሕብባር ማሕበር ሶሺያል ዲሞክራሲ ኤርትራውያን፡ ነቲ ቤት ጽሕፈት ደዊሉ ብዛዕባ ናይ ምስታፍ ሕግታት ሓቲቱ፡ ብዝዀነ ይኹን ማሕበር ዝወከሎ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ብሓፈሻን፡ ብፍላይ ከኣ ከም ሕጹይ ቤት ጽሕፈት ተቃውሞ ከም ዘይብሉ፡ ግን ኣባላት ናይ’ቲ ማሕበር ኤርትራውያን ነቲ ስም ክስሕቡ ከም ዝደለዩ ገለጸሉ። ኣብ ክፉት ኣኼባ’ውን፡ ኣብ ማእከል ኣኼባ እቲ ስሙ ክስሓብ ከም ዘለዎ ደዊላ ዝሓበረት ተጋሊጻ።

እዚ ዝኣክል ናይ ስልጣን ሓላፍነትን ምድላይ፡ እሞ ብዘይኣገባቡን መልክዑን ሃነፍነፍ ዝብሉ፡ ዘሕዝን ጉዳይ፡ ገና ተቃለስቲ፡ ፍትሕን ሰላምን ተባሂሎም ዝዝረበሎም’ዮም። በዚ ተርኽቦ’ዚ ትሕጎሱ ዶ ትጉህዩ። ኣብ ነፍስኹም እንተዝወርድ ከ እንታይ ትብሉ ? በሉ ንሱ’ዩ።

ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብጥርጣረ ኣይሰማማዕን ንዝብልዎ ሰባት ተጠውዮም ክጠልፉ፡ ኣብ ሽወደን ከም’ዚ ዝገበሩ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ዓዲ እንታይ ይግበሩ ዝብል ሕቶ ዶ ኣብ ሓሳብኩም ክሰፍር ግድነት’ዩ።

ካልኦት’ውን እንተን ንዲሞክራሲያ ንጣበቕ ዝብላ፡ ኣብ ሽወደን ዘለዎ ንነዊሕ ዝተሓበናለን፡ መራኺቢ ቲቪና፡ ገጸን ጠውየን ሕቆአን ሂበናና ኣለዋ። ሎሚ ነቲ ነቐፈታ ሃገራዊ ዋዕላ ከዝሕላን፡ ነቲ ኣገባቡ ዘይሓዘ ሃገራዊ ዋዕላ ከዳምቓን ክውድሳን፡ ንሃገራዊ ዋዕላ ብሕግን ስርዓትን ዝቃወሙ ዓዲመን ከዛርባ ስይትረፍ፡ መዓልካ’ውን ኣሰኪፍወን ዘሎ ግዜ’ዩ፡ ካብኡ ዝኸፍእ ከይመጽእ የድሕነናን’ዩ ዝበሃል።

መዓስ እዘን ኣብ ሽወደን ዘለዋ ተባዓት፡ ሓያላት፡ ኣንጻር ምልኺ ጠጠው ዝበላን፡ ኣባላተን ካብ ግዜኦም ከይበቐቝ፡ ካብ ገንዘቦም ከይበቐቝ ከካይድዎ ዝጸንሑ ዘይከሓድ ተባዕ ስራሕ ኣብ ሎሚ በጺሖም፡ ነቲ ክጓስይዎ ዝጸንሑ መሰል፡ ነቲ ንህዝቢ ክዝርግሕዎ ዝጸንሑ ኣስተምህሮ፡ ንግዜኡ ድዩስ ንወትሩ ቀቢሮማ ይኸዱ ኣለዉ። ብዙሓት መርበብ ሓበሬታ ጽሑፋትና ዝተፍኣን’ውን ኣተሳእናን። ነዚ’ውን ግዜ የጸብቖ’ዩ ዘብል።

ናይ ቐዳም 03/ 07/2010 ናይ ህዝቢ ኣኼባ፡ – ብዝሒ ተሳተፍቲ ካብ 50-60 ይግመት። ደቒ ኣንስትዮ ሚዲያ ሲቪክ ማሕበራት ክሳተፋ ድልየት ከምዘለወን ዘቕረባ፡ ተገዳስነት ዘርኣያ ብመንገዲ ኪዳን መሰለን ከም ዝኸበረ ከረድኡ ፈቲኖም ኩሎም። ገለ ማሕበራት ካብ ኪዳን መልሲ ረኺቦም ገለ ድማ ከም ስድሪ ካልኦት ኪዳን መልሲ ከም ዘይተዋህቦም ብተሳተፍቲ በሪሁ። ናይ ደቒ-ኣንስትዮ ምርጫ ከምዘይተገብረ ተሓቲታ ኣባለን ባዕላ ኣብሪሃ። ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ። ነገሩ ንኺድ ጥራ”ዩ።

እወ፡ እዚ መልሲ ዘይምሃብን፡ ዘይተገብረ ተገቢሩ ምባል ክዝውተር ጀሚሩ ኣሎ። ጸብጻባት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጸኒሑ ንድፊ ሓሳብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኡ ከም ዝተረፈን ዝተሐተተ ከም ዘይተመለሰ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን።

ኣምሃ ዶመኒኮ ምስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ዝመደበሩ ሲቭላዊ ማሕበር ተራኺበ ተዘራሪበ ዝበሎ፡ እቲ ሓበሬታ ንህሉ ኩነታት ሃገራዊ ዋዕላ ዝምልከት ዝርርብ ከም ዘይነበረን ከም ዘይኮነን፡ እቲ ዝርርብ ብናይ ግዜ መዓቐኒ’ውን ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ዝበለየ ዘረባ ምንባሩ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ጉዳይ ዋዕላ ዝምልከት ዘይምዃኑ ባዕሉን እቶም ዝተዛረቦም ኣጸቢውቆም ይፈልጡ። ህዝቢ ከኣ ይፍለጥ።

ኣብዚ ኣኼባ ም/ኣ/መ ሽማግለ ዋዕላ፡ ሽማግለ ሽወደን፡ ዝነበረ ኣካይዳን ኣገባብን፡ ዝቐረቡ ተቓውሞ ብንጹር ዘርዚሩ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝኾኑ ናጻ ኣባላት ብከመይ ይስተፉ፡ ካብ ሽወደን ክንደይ ክምረጹ ኢዮም ዝብሉ መሰረታውያን ሕቶታት ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባ ሽማግለ ብተደጋገሚ ተሓቲቱ ስለምንታይ እምሃ መልሲ ዘይሃበ ወይ ዘይተሓበረና ተባሂሉ። ፍስሓጽዮን ናይር ሓቢረዮም መልሲ ኣይሃቡን ኢሉ። ካልእ ሓበሬታ ተሓቢሮም ጥራይ ዘይኮኑ ብተለፎን ደጋጊመ ሓቲተ ክምልሹ ኣይደለዩን።እንተኾነ ትማሊ ምሸት እምሃ ረኺበዮ ነይረ ከም ዝጥዕመኩም ገርኩም ጥራይ ወድእዎ ዝዓይነቱ መልሲ ሂቡኒ ሓዚነ ኢሉ።

ካብ ውድባት ወጻኢ ዝበሃሉ ተሓቲቶም 11 ሰባት ከም ዝነበሩ ኢዶም ኣልዒሎም ነብሶም ኣላልዮም። ሓው ሕሩይ ተላ ብወገኑ ካብ ኣኼባ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ክምረጹ ከም ዘይግብኦም፡ ተቓውሞ ሰባት ተመዝጊቡ ናብ ኪዳን ክቐርብ መሰል ምኻኑ ገሊጹ። እንተዀነ ገገለ ሽማግለ ነቲ ርእይቶ ኣይተቐበልዎን ጥራሕ ዘይኮነስ ብቁጠዐ’ውን ክምልስሉ ፈቲኖም።

ኣብ መወዳእታ ምክትል ኣቦ ወንበር ኣኼባ ክጸዋወር ብዘይምኽኣሉ፡ ነቶ ዝርዝር ኣስማት ሰለስተ ሰባት ቐሪቦም ዘለዉ ንድግፍ ኣይንድግፍን ድምጺ ገርና ኣኼባና ንዛዝሞ ግና ጉጉይ ኣገባብ መስርሕ ምኻኑ ኩላትና ንፍለጦ ኢሉ ነቲ ኣኼባ ካብ ፋሕፋሕ ምባል ኣድሒንዎ። ምኽንያቱ ካልኣይ ግዜ ህዝቢ ክእከብ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ስምዒት ነይሩ። ምክትል ኣቦ/መ ንባዕሉ ሽዑ ነቲ ኣኼባ ገዲፍዎ ከይዱ። ዘይሕጋዊ ዘይደሞክራሲያዊ ኣገባብ ምንባሩ ብዙሓት ተዛሪቦሙሉ። ኣኼባ ብዘይ ፍረ ብታዕታዕ ተውዲኡ ይብሉ ተሳተፍቲ።

ኣባል ሽማግለ ኣዳሰናዳኢት ሃገራዊ ዋዕላ ዝዀነ ኣምሃ ደሞኒኮ ብናይ ገዛእ ርእሱ ይኹን ናይ’ቶም ዝበሉኒ’የ ዝገብር ዝብሎም ጠለባት ይኹን ካልእ፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ንዋዕላ ተወኪሎም ክኸዱ ዝደለዮም ዝርዝር ኣስማት ነተን ሽማለታት ሊኡኹ ከም ዘሎ ሓበሬታ ጥራሕ ዘይኮነስ’ቲ ዝርዝር ኣስማት’ውን ተረኺቡ ኣሎ። ንግዜኡ ኣብ ኢደይ ስለ ዘይብጽሐ እዚን እትን ክብል ኣይደልን። ግን ብርጉጽ ኣሎ።

ካልእ ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝካየድ ዘሎ ኣኼባታት ሃገራዊ ዋዕላ እንተዀነ፡ ናይ ይምሰል ኣኼባ ዋዕላ፡ ህዝባዊ ኣኼባታት ምዃኑ ካብ’ዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ፡ ኣጀንዳ ኣኼባታት ሃገራዊ ዋዕላ ክረአ ይከኣል። ህዝቢ ንድፊ ከይተካታዓሉን ከይተዛረበሉን፡ ንወከልቲ ዋዕላ መርቕ ተባሂሉ ክጽዋዕ፡ ለበዋ ንዋዕላ ሃበልና እንዳበሉ’ዮም ክሓልፉ ጸኒሖም።

ለንደን

…\|ª„ïq aL´D A²Vgñ g—E }ªïN‹V[ï¥gñ D‘é·ï »}ÊX –l§ mkU¸}¥

mk—Dq 23/05/2010 …mk D}©} (–ªï †}´Dï›):

• }š—lpq A²Vgñ g—E }MM§¥¹} :

• Šmk B›kï HÊ`gñ Dkgpq }MelF:

‹Ëq} [ÌI} …‰òl |§ B›kï q²mkX ]DsE ‰êDê ´ªê] mkªïN‹V[ï¥gñ D‘é·ï

›…M} „íXqVgñ sò³ …mksï …‰òl’sï }‹\oÏ mk‹mkU }—©öM::

ኣሳናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲ ለውጢ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣኒያ ብዕለት 23/05/2010 ኣብ ለንደን( ዓዲ እንግሊዝ)

ንዛዕባታት ሃገራዊ ዋዕላ ንምምይጥን

ካብ ህዝቢ ሓፈሻዊ ለበዋታት ንምቕባል

ክፉትን ሰፊሕን ኣኼባ ናይ ህዝቢ ትገርብ ስለ ዘላ ንኩሉ ግዱስ ብዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝኣምን ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ንኽሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

ንዕለት 17 ሓምሌ 2010 ተመዲቡ ዘሎ ህዝባዊ ኣኸባ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ኣገዳሲ ምድላዋት ንኽትሳተፍዎ ብክብሪ ነተሓሳስብ።

ኣኸባና ብዛዕባ ወኪልናዮም ዘሎና ሽማግሌ ምፍናውን ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ

ዝግበር ፍትሓዊ ክትዓት ንጡፍን ኣዎንታውን ኣበርክቶ ብኣድማዕነት ምእንቲ ሰላምን ዲሞክርስን

እጃሞም ከወፍዩ ኣገዳሲ ምብርታዕን ሓቦን ፍናንን ከነስንቖም ዕጡቓት ንኹን።

ጨንፈር ሪያድ ኣዋጅ ( እዚ ናይ ምንታይ ኣዋጅ’ዩ ምዃኑ ዘይርድኣካ) ዓንቐጽ ዘይብሉ ኣዋጅ ብመን ዝጸደቐ ኣዋጅ፡ እዚ’ዩ እቲ ሽማግለ ዋዕላ።

ተኻፈልቲ ዜጋታት ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ከማሉኡ ይግባእ፡

1- ኣብ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝብል መርገጽ ዝኣምን

2- ነቲ ዘሎ ስርዓት ተቓዋሚ ኣካል

3- ጠለባትኩም ብሽም ኣቦ መንበር ሽማግለ ዋዕላ ጨንፈር ርያድ

ናብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢመይል ላኣኹልና ።

መደምደምታ

ሓደ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ሃገራዊ ዋዕላ ተገይሩ እንዳበልካ፡ ትሕዝትኡ ብዝየገድስ ንህዝቢ ጌጋ ሓበሬታን ስእልን ክህልዎ ንምግባር’ዩ። ካልእ ምስ’ቲ ኣኼባ ደማሚርካ ንዓኡ ዘይምልከት መስርዕን ስርሕን እንዳእተኻ ምትሕውዋስ’ዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ዝገርም ነገር እንተሃለወ፡ ሓደ ቀጥ ዝበለ መስርሕ ስለ ዘይክተል፡ ሽማግለታት ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ገገለ ሃገራት መርቁልና ይብሉ፡ ኣብ ገገለ ቁጽሪ ብዘይብሉ ኣዋጅን፡ ብመን ዝጸደቐ ኣዋጅ ዘይፍለጥ ዕለት ዘይብሉ ይእውጁ፡ ኣብ ገገለ ሃገራት ኩሉ ሓዋዊሶም፡ ናይ ሃገራዊ፡ ናይ ምትሕግጋዝ ማሕበር ዘቕርብዎን ክሳብ ሕጂ’ውን ዘይበጻሕናዮ ካልእ ክህሉ ዝኽእል፡ ካብ’ቲ ላዕሊ ዘይጠዓየ ኣብ ታሕቲ’ውን ክጥዕን ክዕረን ዘይክእል ምዃኑ ዝሕብር’ዩ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=910

Posted by on Jul 6 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net