ሓበሬታን ስእላዊ መግለጽን ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ውዕሎ 3ይ መዓልቲ

ሓበሬታን ስእላዊ መግለጽን

ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብዚ ዝተጸምደሉ ዓቢ ገድላዊ ሓላፍነት ዝጠልብ ዕዮታቱ’ዚ፡ ብ17 ታሕሳስ 2014፡ ኣብቲ ካብ ሰለስቲኡ ኣካላት /መሪሕነት ባይቶ፣ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ኣሰናዳኢ ሽማግለን/ ዝቐረበሉ ሓበሬታዊ ጸብጻባት ተሞርኲሱ፡ ብዘቕረቦም ሕቶታት ተወሳኺ መብርሂታት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ብምርካብ፡ ሓባራዊ መረዳእታታት ድሕሪ ምውህላሉ ናብ ገምጋም ኣቲዩ፡፡

በዚ መሰረት ድማ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ምዕዋት ዝዓንቐፉ ዓበይቲ ግድላት ሓደ ብሓደ እናመመየ፡ ብፖለቲካዊ፣ ሕገ-ህንጻውን ስርዒታውን መልክዓት መግለጺታቶምን ዕምቆቱን ብዘይ-ናሕፍነት ፈቲሹ፡፡ እዚ ብሓላፍነታዊ ብኣዝዩ ህዱእ መንፈሳት ክዝትዩ ዝወዓለ ተጋብኣይ፡ ካብ ነብሱ ጀሚሩ ኣብ መስርሕ ንዝነበሩ ሕጽረታትን ኣሰራቶምን ብግቡእ ብምምርማር፤ መሃርን ሃናጽን ብዝኾነ መንገዲ፡ ርእሰ-ነቐፌታን ነቐፌታን ብምግባር፤ ኣብ መስርሕ እዚ ዕንቕፋታት’ዚ እቲ ዝበልሐ ብኩራት ስጡም ኣመራርሓ ምንባሩ ኣነጺሩ፡፡

እዚ ሓላፍነታዊ ገምጋም’ዚ ብኹሎም ተጋብእቲ፡ ንጡፍ ተሳትፎ እናዓሞቐ ብህዱእ መንፈስ ናብ መደምደምታ ከሰጋግሮ ዝኽእል ሓባራዊ ግንዛበ ክፈጥር ክኢሉ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ  ህሞት፡ መሪሕነት ባይቶ፤ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢ ሽማግለን፡ “ነቲ ኣቲናዮ ዘሎና ጽንኩር ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናብ ዕዉት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምእታውን ሓድነትና ንምዕቓብን፡ ንጉዕዞና ከኣ ብኣወንታ ዝጸሉ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ክንብል፡ ካብ ሓላፍነትና ብገዛእ ፍቓድና ብምውራድ፡ ባይቶ ተሰኲምናዮ ዝጸናሕና ሓላፍነት ክቅበለና ንሓትት” ብምባል፡ በብስርዒታቶም ጠለብ ምስሓብ ካብ ሓላፍነቶም ብምእኹል መንገዲ ኣቕሪቦም፡፡`

ብመሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቀረበ ጠለብ፡ “ካብ ሓላፍነት መሪሕነት ባይቶ ብሓባር ክንስሕብ እንከሎና፡ ኤሃባደለ ነዚ ውሳኔና ክቅበለና ብኽብሪ ንሓትት” ድሕሪ ምባል “ምኽንያትና ሰፊሕ መብርሂ ዘድልዮ’ኳ እንተኾነ ብሓጺሩ ኣብ ዝምድና ቤ/ጽሕፈታት ዝተሞርኮሰ ሕጽረታት፡ ከም ግቡእ ከሰጉመና ስለዘይከኣለ፡ ካብ ሓላፍነትና ክንስሕብ ብሙሉእ ዕግበት ወሲንና፡፡ ኣብ ዕዉት ሃገራዊ ጉባኤ ንኽንኣቱ ብዘሎና ዓቕሚ ክንተሓባበር ድልዋት ምህላውና እናገለጽና፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ 3 ዓመታት ኣብ ሓላፍነት ዝጸናሕናሉ እዋን ኣመልኪትና፡ ጸብጻብና ይኹን ዝሓላፍናዮ ኣወንታውን ኣሉታውን ተሞኩሮና ኣብ ጉባኤ ክነቅርብ ኢና” ዝብል’ዩ፡፡

 

ብተመሳሳሊ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ንህጹጽ ኣኼባ ባይቶ፡ ብዛዕባ ምስሓብ ካብ ሓላፍነቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጠለብ፡ “ክሳብ ሕጂ ንዕላማታት ሃገራዊ ባይቶ ንምዕዋት ዝከኣለና ጻዕርታት ከነወፊ ጸኒሕና ኢና። ንኣብነት ነቲ ኩሉ ከጓንፈና ዝጸንሐ ጸገማት ሰጊርና፡ ነዚ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ጸዊዕና ንክጋብእ፡ ዝገበርናዮ ዘይሕለል ጻዕሪ፡ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ብምብጽሑ ሓበን ይስመዓና” ድሕሪ ምባል “በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነዚ ኣቲናዮ ዘለና ጽንኩር ኩነታት ሰጊርና ናብ ሓጋዚ ፍትሓት ምእንቲ ክንበጽሕ፡ ካብ ዘለና እምነትን ድሌትን ተበጊስና…..ኣቦ መንበር ምስ ሙሉእ ኣባላት ፈ/ቤ/ጽ ብሙሉእ ድምጺ ካብ ሓላፍነትና ነንሳሕብ ምህላውና ነዚ ክቡር ባይቶ ክንሕብር ንፈቱ” ዝብል’ዩ፡፡

ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ጠለብ መሰረት ብምግባር፡ ዓሚቕ ዘተ ኣካይዱ፡፡ ካብ መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ፤ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢ ሽማግለን ዝቐረበ  ብድሌቶም ካብ ሓላፍነቶም ምስሓብ ዝጠለብ ሕቶ፡ ብምሉእ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ተቐባልነት ረኺቡ፡፡

እዚ ኣብነታዊ ተበግሶ’ዚ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ንጉዕዞ ስርሓት ህጹጽ ኣኼባ ንምስላጥ ጡጡሕ ባይታ ዝፈጥረ’ዩ ኔይሩ፡፡ ሃገራዊ ባይቶ፡ ነቶም ካብ ሓላፍነቶም ብፍቓዶም ዝሰሓቡ ኣካላት ንተበግስኦምን ሓላፍነታዊ ውሳኔኦምን ብኣወንታ መዚኑ ግቡእ ክብሪ ብምሃብ፤ እዞም ሕጂ ካብ ሓላፍነቶም ዝሰሓቡ ኣካላት ንዝተለሙዎ ኣወንታዊ መደባት፡ ንዝሓንጸጽዎም ኣገደስቲ ሰነዳትን ኣብ ክሊ’ቲ ሰነዳት ተበጺሑ ዘሎ ምዕባሌታትን ክዕቐብ፤ ከም ሓባራዊ መኽሰብ ሃ/ባይቶ ክውሰድን ርእዩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ፡ መተካእታ ዝኾኑ መሪሕነታት ቅድሚ ምምራጹ፡ ዝዓምዎ መድረኻዊ ዕዮ፡ ዝስከምዎ ሓላፍነትን ኣብ መንጎኦም ክህሉ ዝግባእ ዝምድናታትን ብምንጻር፤ ስርዒታዊ ቅርጻታት ሃ/ባይቶ ብመሰረት ሕገ-ህንጻ ክምላእ ወሲኑ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ዛጊት ነቲ ክሳብ ሕጂ ዓቂብዎ ዝጸነሐ ኣወንታዊ መንፈሳት ዘተን ምክብባርን ብዝበለጸ ዘጎልብትን ምትእምማን ብዝሃንጽን መልክዑ ኣብ ዝተረፍዎ ዕዮታቱ’ውን ክቅጽል’ዩ።

 

ንኩሉ ዕንቅፋት ወጊድና፡ 2ይ ሃገራዊ ከነዕውት ኢና!!

 

ክፍሊ ዜና

ሰክረታርያ ህጹጽ ኣኼባ ኤሃባደለ

17 ታሕሳስ 2014

 encdc dedrazet 17-12- 2014 (1) encdc dedrazet 17-12- 2014 (2) encdc dedrazet 17-12- 2014 (3) encdc dedrazet 17-12- 2014 (4) encdc dedrazet 17-12- 2014 (5) encdc dedrazet 17-12- 2014 (6)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9135

Posted by on Dec 18 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net