ደምዳሚ መግለጺ ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

encdc

ኦ! ህዝብን ሃገራዊ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራን!

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊስታት፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ እናበኣሰ፡ ጸጥታውን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ህዝብና እናዛየደ፡ ኣብ ዝስጉመሉ ዘሎ እዋን፡ ህዝብና ኣብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ዘረጋገጾ ዓበይቲ ሃገራዊ መክስባት ብምብሕጓጉ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ውድቀት ከምርሑ ከም ዝገበረ፡ ህጹጽ ኣኼባ ኤሃባደለ ኣጽንዖት ሂቡ ተመልከተ።

 

ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ  “ንኩሉ ዕንቕፋታት ሰጊርና ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከነዓውት ኢና!!” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ፡ ካብ ልዑል ሃገራውን ገድላውን መንፈስ ብምብጋስ፡ ሓድነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንምዕቓብ፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ታሕሳስ 2014 ብኣቦ-መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ዝተጸውዐ ህጹጽ ኣኼባ ኣሰላሲሉ። ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን መሪሕነቱን ነዚ ህጹጽ ጻውዒት’ዚ ብምኽባር ክውን ምግባሮም፡ ንዝሰፈሐ ጽላልና ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ኣቲዪዎ ዘሎ ደውታ ወጺኡ ክምዕብልን ንቅድሚት ክስጉምን ዘለዎም ሓልዮት ብሓደ ሸነኽ፡ መሰረታዊ ባሕጊ ህዝብና ንዝኾነ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክውን ንምግባር ድማ ብካልእ ሸነኽ፡ ዝነቅል  ዓሚቕ ድሌትን ረዚን ሓላፍነትን ምዃኑ ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ድሕሪ  ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነትና፡ ኣብ ታሪኽ ሓባራዊ ገድላዊ ዕዮና  ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ፡ ኣብ 1ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝተመስረተ ንፖሎቲካዊ ሓይልታት፣ በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣገዳስቲ ባእታታትን ዝጥርንፍ ሰፊሕ ጽላል ምዃኑ ብምስውዓል፡ ኣኼባ ኣብ መስርሕ ደንበ ተቓውሞ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝላ ንምርግጋጽን ገድላዊ ተርኡ ንምዕዛዝን፡ ኩሎም ኣካላቱን መሪሕነቱን ብክብ ዝበለ ሓላፍነት ክዓዩ ደጊሙ ኣስሚሩሉ።

 

ኣብ ክሊ’ዚ ህጹጽ ኣኼባ፡ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ግዜኡ ከይሰላሰል ዝዕንቕፉ ብድሆታት ብዝምልከት፡ ሓላፍነትን ግልጽነትን ዝመልኦ ክትዓት ብምክያድ ወድዓዊ ገምጋም ብድሕሪ ምግባር፡ ነቲ ዛጊት ኣብ ክሊ ዱሩትነቱ ዝተረኽበ መኽሰባት ብምዕቓብ፡ ካብቲ ኣብ መስርሕ ዘጋጠመ ሕጽረታት ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ንጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንቅድሚት ንምስጓም ዘክእልዎ፡ እስትራቴጂያዊ መደባት ሓንጺጹ፡፡ በዚ መሰረት ድማ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት፡ መድረኻዊ ዕማም ሲኢሉ፡ ነዚ ሓላፍነት ዝስከም ሓድሽ መሪሕነታዊ ኣካላት ንምምዛዝ፡ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፤ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ኣቦ-መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለን ካብ ሓላፍነቶም ብገዛእ ድሌቶም ንምስሓብ ዘቅረብዎ ጠለብ ብሙሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ። ህጹጽ ኣኼባ ሃ/ባይቶ፡ ነዚ ኣብ ታሪኽ ተቓውሞ ዝተራእየ ዓቢ ኣብነታዊ ዝላ’ዚ ኣተባቢዑ ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ ንኣውንታዊ ተራ መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ናእድኡ ገሊጹ።

 

ኦ! ሓፋሽ ህዝብና፡ ሃገራዊ ሓይልታቱን ፈተውቱን

ህጹጽ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ፡ ብፍላይ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብኩሉ መሳለጥያታት እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ጭቡጥ ዝኾነ ተቓውሞታት ህዝብና ብዓቢይ ተገዳስነት ተመልኪቱ፡፡ መርገጺ 4 ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንግፍዓዊ ተግባራት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምንጻጎም፤ 6 ኣድባራት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን ዝገብርዎ እዲ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ዘርኣይዎ ውግዘት፤ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘርእይዎ ዘለዉ ተቓውሞታት ኣመልኪቱ፡ ህጹጽ ኣኼባ ኤሃባደለ ሞጎሱን ደገፉን ገሊጹ፡፡ እዚ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራትን ግፍዕታትን፡ ብኩሎም ሃይማኖታውን ማሕበራውን ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ ይንጸግ ምህላዉ ዘረጋግጽ ተርእዮ ኮይኑ፡ ውድቐት’ቲ ስርዓት ከም ዝተቓረበ ዘርእይ ምልክታት’ዩ፡፡

 

ኩሉም ደለይቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝኾኑ ክፍልታት ሕብረተሰብና ብሓፈሻ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣብ ጎኒ ደሞራሲያዊ ቃልስና ተሰሊፎም፡ ጸረ’ቲ ገባቲ ስርዓት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ብዝተወደበ መልክዕ እጃሞም ከበርክቱ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ስደትን መደበራትን ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕለል ቃልስታት ናእድኡ ብድሕሪ ምቕራብ፡ ብዝበለጸ ተጋድልኡ ክብ ብምባል፡ ኣብ ጉኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተሰሊፉ፡ ንምቕልጣፍ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዕዙዝ ተርኡ ከበርክት ጸዊዑ።

 

ህጹጽ ኣኼባ፡ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ዓለማት ዝርከቡ ኣመልኪቱ፡ ዓቢ ቆላሕታ ጌሩ ገምጊሙ። ኩሎም ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከቶ ኣህጉራዊ ኣካላትን ትካላትን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ሕብረት ኣውሮጳ ምሉእ ሕጋውን ሰብኣውን መሰላት ስደተኛታት ብምሕላው፡ ጉቡእ ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻወቱ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ። ኩሎም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ውልቀ-ሰባት፡ ጉጅለታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ሂወት ሓደስቲ ስደተኛታት ሕጋዊ ውሕሰነት ክረኽብ ሓገዛቶም ከበርክትሎም ተማህጸኑ። ብሰንኪ ፖሊስታት ስርዓት ኢሳይያስን ስዓብቱን መላእ ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዜጋታታ ተቐይራ፡ ብውጽኢቱ’ውን ኩሉ ሰብኣዊ ትጽቢታቶም ምስ መኸነ፡ ውሕሰነት ሂወቶም ንምርግጋጽ ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ መንእሰያት ዘጋጥሞም ዘሎ ዕለታዊ ሕሰም ሕልና ዘድሚ ሰብኣዊ ገበን ምዃኑ መዚኑ፡፡ ህጹጽ ኣኼባ ንኩሎም ኣብ መሸጣ ኣካላት ደቂ-ሰባት ዝተዋፈሩ ደላሎን ብሳዕቤኑ መንእሰያት ኤርትራ ዘጋጥሞም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ግህሰታትን ብትሪ ኮኒኑ።

 

ብካልእ መዳይ ድማ ህጹጽ ኣኼባ ኣብ ኤርትራ ንዝፍጸም ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ግህሰታት ተጻሪ ሽማግለ /Inquire Commission/ ክምስረት ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰነ 2014 ንዝተመሓላለፈ ውሳኔ ናእድኡ ገሊጹ። ኩሎም ፖሎቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ኤርትራ፡ ንፖሊስታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምቕላዕ፡ ምስዚ ሽማግለ’ዚ ምሉእ ምትሕብባር ክገብሩ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ። ከምኡ’ውን ኣብዛ ሎሚ ንዲክታቶያውን ሽበራውን ተግባራት፡ ግህሰታት-ሰብኣዊ መሰላት ብምጽያፍ፡ ኣብ ነጻነት፡ ደሞክራሲ፡ ሰላምን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ትግስግስ ዘላ ዓለም፡ ኤርትራን ህዝባን ተወሳኺ ኣውንታዊ ተራ ዝጻወቱ ክሳብ ዝኾኑ፡ መላእ ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን መጋብኣታት ዝርከቡ መንግስታትን ሰልፍታትን ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክድግፉ ጽዊዑ። ብተወሳኺ’ውን ኩሎም ሰብኣዊ ሕልና ዘለዎም ንምልክን ግብረ-ሽባራዊ ተግባራትን ሰብኣዊ ግህሰታትን ብምንፋግ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ዝርከቡ ኣሱራት ዘሕልፍዎ ዘለው ብርቱዕ ሕሰም ክግደሱ ተላብዩ።

 

ኣብ መወዳእታ፡ ህጹጽ ኣኼባ ሓላፍነት መድረኻዊ ዕማማት ምድላው 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝስከም ሓድሽ መሪሕነት መዚዙ፡፡ ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣማሓላሊፉ፡፡ ብተመሳሳሊ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ብሓድሽ መልክዕ ክትውደብ ወሲኑ። ኩሎም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ስርሓቶም ኣብ ዝተፈላለየ ገድላዊ መዳያት ከጽፍፉን ብሓላፍነታዊ መንፈስ ክዋስኡን ድማ ኣዘካኺሩ። ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝገብርዎ ዘለዉ ምድግጋፍን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቢሎም ብምእንጋዶምን  ምስጋንኡ ኣመሓላለሊፉ።              

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀትን ሞትን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና

 

ህጹጽ ኣኼባ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

20 ታሕሳስ 2014

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9146

Posted by on Dec 21 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net