ኣኼባ ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ 3 ሓምለ 2010 ስቶክሆም

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

8 ሓምለ 2010

ብሎሚ መዓልቲ ኣኼባ ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም ዳርጋ ሓደ ሰሙን ሓሊፉ፡ ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም ብዛዕባ ዝተኻየደ ኣኼባ ንህዝቢ ዘሕለፎ መልእኽት የብሉን። እቲ ምስጢር ከኣ ከቢድ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ኣኼባ ስምምዕ ስለ ዘይነበረ ጥራሕ’ዩ ኢልካ ክሕለፍ ይከኣል።

ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም ካብ ዕለት 22 ግንቦት 2010 ስርሑ ጀሚሩ። እዚ ሽማግለ ኣብ’ቲ ብሃንደበት( መደብ ዘይተተሓዘሉ) ዝተኻየደ ሕጹጽ ኣኼባ ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ስቶክሆልም’ዩ። ቃልስና ብዙሓት ሓንደበታዊ ኩነታት ተርኽቦታት ከጋጥሙ ስለ ዝኽእሉ እዚ ሓድሽ ኣይነበረን። ይኹን’ምበር እቲ ግዜ ሃንደበት እንተነበረ፡ እቲ ህዝቢ ዝዛረበሎም፡ ኣገባባት፡ ቅጥዕን፡ መደባቶም ሃንደበት ክዀኑ ኣይግባእን። እቲ ኣገባብን ቅጥዕን’ውን ምስ’ቲ ናይ ግዜ ሃንደበት ጉያጉያ ተደማሚሩ ኩሉ ናይ ታህዋኽ ኩይኑ ሓሊፉ። ብዘይካ’ቲ ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ፡ ውሽጣዊ ኣኼባ ናይ ወርሒ ሚያዝያ ከኣ ካልእ ህዝባዊ ኣኼባ ተጸዊዑ ዝተካየደ ቅድመ ምድላዋት ዘይንባሩ እዩ።

ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ጨንፈር ሽወደን፡ ብስም መላእ ሽወደን ደኣ ተጸዊዑ’ምበር፡ ንጥፈታቱን ይኹን ስርሓቱስ ካብ ካብ ከተማ ስቶክሆልም ወጻኢ ኣይተኻየደን። ስለ’ዚ እቲ ሽምግለና ብደረጃ ሽወደን’ውን ክጽዋዕ ኣይግብእን።ኩሉ ሕጽረት ግዜ ዘምጽኦ ምኽንያት ከኣ ብሓላፍነት ኣብ ኢድ’ታ ብዕለት 22 ግንቦት ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተመርጸት 11 ዝኣባላታ ሽማግለ ወደቐ።

ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም ድሕሪ 22 ግንቦት ካብ 4 ክሳብ 5 ዝኸውን ኣኼባታት ኣካይዳ እያ። በቲ ዝነበሮም ዕግበት ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ከኣ ኣብ ውሽጦም ብዙሕ ቃልሲ ተኻይዱ’ዩ። ገገለ ናይ’ቲ ኣብ ርእይቶታቶም ዝነበረ ፍልልይ ቅድሚ ሕጂ ዝተጻሕፈ ጽሑፋት ስለ ዝዀነ ምድጋሙ ኣድላይነት የብሉን። ኣብ’ዚ ግን ብፍላይ ንምንጻር ዝኣክል ኣብ ናይ ዕለት 3 ሓምለ ኣኼባ ዝተፈጸም ኣገባብ ምግላጽ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ሓፈሻዊ ገምጋም ኣኼባ ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም

ኣብ ስቶክሆልም ድሕሪ ናይ 5 ኣኼባታት፡ ምስ ህዝቢ ኣኼባ ንዕለት 3 ሓምለ ክጽውዕ እንከሎ፡ እቲ ኣኼባ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ምስ ተደራቢ ኣኼባታት ከም ናይ ሶሺያል ደሞክራሲ ኤርትራዊ ማሕበርን፡ ጉዳይ ስደተኛታት ሽመልባ ሓገዝ ናይ ድራር መደባት ተሰሪዑዩ ነይሩ። ናብ’ቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ኣኼባ ክምለስ፡ እቲ ኣኼባ ብሓፈሽኡ ሰለስተ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ዝሓዘ’ዩ ነይሩ። ሓደ ንህዝቢ ዝምልከት ካልኣይ ነቲ ሽማግለ፡ ሳልሳይ ፖለቲካዊ’ዩ።

ሀ ኣብ ውሽጢ ሽማግለ ዋዕላ ዝነበረ ሓሳባትን ርእይቶን

ለ ህዝባዊ ሕቶ

ሐ ፖለቲካዊ ሕቶ

ሀ ኣብ ውሽጢ ሽማግለ ዋዕላ ዝነበረ ሓሳባትን ርእይቶን

እታ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተመርጸት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ክልተ ኣተሓሳስባ ዝነበራ ሽማግለ’ያ። እቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ርእይቶን ኣተሓሳስብና ከኣ ብኽመ’ዚ ቀጺሉ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል።

1 ቀዳማይ ርእይቶን ሓሳብን ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም። ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም ነቲ ኩሉ ዕማማት ምርጫን ስርሓትን ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ስቶክሆልም፡ ብሓላፍነትን፡ ብመርመራን መጽናዕንት እታ ሽማግለ፡ ዋላ’ውን ኣብ’ቲ ሕጹያት ምምራጽ እንተዀነ’ውን እታ ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም ንሕጹያት ተቕርቦም ውልቀ ሰባት፡ ንሕጹይነቶም ክጸድቐላ ብኣኬባ ደረጃ ክትጉስጉሰሉን፡ ኮይኑ ክስራሕን ነዚ ተርድኦ ደገፍ ንምርካም ምጽዓር ነበረ። ነዚ ከም መወከሲ ክኸወን ዝኽእል ነቲ 15 ዝርዝር ኣስማት ሕጹያት ዝሓዘ ሰነድ ሽማግለ ክሰማማዕሉ ዘይከኣለ ሓደ’ዩ። ቀጺሉ’ውን ኣብ’ቲ ናይ ዕለት 3 ሓምለ ዝተኻየደ ኣኼባ ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ካብ 15 ሕጹይት ናብ 4 ቁጽሪ ሕጹያት ቀይሩ ዝቐረበ ሓሳብ’ውን ዳግማይ ክሰማማዕ ዘይምኻኣሉ’ዩ።

2 ካልኣይ ርእይቶ ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም፡ ንሕና ናይ ህዝቢ ወከልቲ’ና፡ ነቲ ስርሓት ከኣ ኣገባብ ክሕዝን፡ ብኣገባብ ክስርዓን ክንጽዕር፡ ነቲ ኩሉ ንስርሖ ስርሓት ከኣ ብኣገባቡ፡ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ዘለዎ መልእክቲ ብግሉጽ ብመልክዕ ኣኼባታት ንህዝቢ ምሕባር’ዩ። እቲ ኩሉ ዘካየድናዮ ስርሓት ምስ ገምገምና ከኣ፡ ደግፍን ነቐፈታን፡ ብኣገባቡን መስርዑን መልክዑን ንህዝቢ ነቕርብ። እቲ ናይ ሕጹያትን ውክልና ኣባላት ዋዕላ ከኣ ህዝቢ ባዕሉ ወከልቱ ሓጽዩ ክመርጽ፡ ውክልንኦም ከጽድቐሎም ይኽእል’ዩ ዝብሉ ሓሳባት ነበሩ።

ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ይትረፍ፡ ካብ’ቲ ሃገራዊ ዋዕላ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ርእይቶ ከሳስን ክመዝንን ፍልልያት ከዕቁብስ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝተጋህደ ርኡይ ሓሳብ’ውን ክፍውስ ኣይከኣለን። እዚ ፍልልያት እንዳሀለወ ከኣ ኣኼባ ናይ ዕለት 3 ሓምለ ተጸዊዑ።

ምስ’ቲ ናይ ሽማግለ ናይ ኣረዳድኣ ዘለዎ ፍልልያትን፡ ካብ ህዝቢ ክመጽእ ዝኽእል ርእይቶታቶን ሓሳብን ኣብ ግምት ከይእተወ ዝተጸወዐ ኣኼባ፡ ኣብ ዕግርግርን ዘይምርድዳእን በጺሑ፡ ሰብ ገዛ ክሳብ ግዜኹም ኣኺሉ ውጹእልና ምባል ተበጺሖም ማለት’ዩ።

ለ ህዝባዊ ሕቶ

እዚ ሓደ ካብ’ቲ እቲ ኣውራ ኣገዳስነት ዘለዎ ዘለዎ ሕቶ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ህዝቢ ተጸዊዑ ሰሚዑን ተቐቢሉን ጥራሕ ክኸይድ ከም ዘይብሉ ክልና ንሰማማዓሉ ጉዳይ ተራ ዋዕላ’ዩ። ኣብ’ዚ ዋዕላ ሓደ ሓደ ሕቶታት ተላዒሉ።

1 ሽማግለ ዋዕላ ዘለዎም ናይ ኣሰታትፋ መምርሒ ከመይ ይመስል

2 ገገለ ሲቪል ማሕበራትን ሲቪል ማሕበራት ዘይተወከላ ኣለዋ ነዚ ሕቶ ብኽመይ ክፍታሕ እዩ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ።

ሽማግለ ዋዕላ ካብ’ቲ ዝሓለፎ መስርሕ ወጻኢ ኽከይድን ናይ ህዝቢ ርእይቶ ከእንግድ ሓሳብን ግዜን ኣይነበሮን ብዓብይ ነቲ ቀዲሙ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ሕቶታት ፈቲሑ ተዳልዩ ስለ ዘይቐረበ ነቲ ሃንድበት ሕቶ ክምልስ ኣይበቕዔን። በዚ መሰረት ከኣ ሰባት ባዕሎም ስሞም ክረቍሑን ንዋዕላ ብድሌቶም ክኸዱ ፍቃደኛታት ምዃኖም ክገልጹ። እንተዀነ ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም ካብ መጀመሪያ መምርሒ ስለ ዘይነበሮ ነዚ ዓይነት ሕቶን ኣገባብን ከእንግድ ኣገባብ ካብ መራሕቱ ዝተዋህቦ ኣይነበረን። ካብ’ዚ ዝነቐለ ሽማግለ ዋዕላ ይደግፍ ኣይደግ፡ ኣኼብኛ ይደግፍ ኣይደግፍ በቲ ናይ መወዳእታ ዝነበረ ናይ’ቶም 4 ሕጹያት ስም ኣኼባ ክዛዝም ሓሳብ ቀሪቡ። እዚ ጥራሕ መዓስ ኮይኑ፡ ሽማግለ ዋዕላ ስርሑ ስለ ዝወደአ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ጉዳይ ህዝቢ ይቀበሎ፡ ናቱ መራሕቲ መሪጹ ከኣ ነዚ ዝተረፈ ጉዳይ ይቀጽሎ ዝብል’ውን ተላዒሉ፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ውን ስምምዕ ኣይተረኽበን። ነቲ ዝቀረበ ሕቶ ኣዕጋቢ መልሲ ከይተዋህበሉ ጉዳይ ተዓጽዩ።

ሐ ፖለቲካዊ ሕቶ

ኣብ’ቲ ኣኼባ ካብ ዝተሳተፉን፡ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብተሳትፎ ኩሉ ፖለቲካዊ ወድባትን ሰልፍታትን፡ ሲቪል ማሕበራትን’ዩ ዝዕወት ካብ ዝብል ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ነበረ። ገገለ ካብ’ቶም ዝቐረቡ ርእይቶ፡ ገገለ ሰልፍታት ኣባላት ኪዳን ስለ ዘይኮኑ፡ እቲ ቀጥታዊ ተሳትፎ ውሕስነት ኣይተገብረሉን ዘሎ። ከም’ቲ ዝተሓበረ እተን ፖለቲካውያን ውድባት ንሃገራዊ ዋዕላ ዘለዎን ናይ ምስታፍ ቅሩብነት ኣመልኪተን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይተዋህበን። እዚ ስለ ዝዀነ ናይ’ተ ፖለቲካውያን ውድባት ተሳታፍነት ውሕስነት ክህልዎ ብደረጃ ስቶክሆም’ውን ኣባላት ውድባት ክምረጹ ክኽእሉ ይግባእ ተባሂሉ።

ሽማግለ ዋዕላ ብዛዕባ ካብ ኪዳን ወጻኢ ናይ ዘለዋ ፖለቲካውያን ውድባት ኣብ ዋዕላ ምስታፈን ከም ሕጹያት መሪጹ ክሰድድ ሓላፍነት ከም ዘይተዋህቦ ዝዓይነቱ መልሲ ክህብ ፈቲኑ።

እቲ ኩሉ ኣብ ኣኼባ ዝወረደ ሓሳባትን ርእይቶታትን ፍታሕ ምስ ሰኣነ ከኣ እቶም ናይ ሕቶታት ፍልልይ ከም ዝነበረ ዝተረድኡ ጉዳዮም ተመዝጊቡ ክተሓዘሎምን፡ ነቲ ዝምልከቶ ኣካል ከብጽሓሎም ሓቲቶም።

መደምደምታ

ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ ዳርጋ ውሑድ መዓልቲ’ዩ ተሪፍዎ ዘሎ፡ ሽማግለ ዋዕላ’ውን ንባዕሉ ተረቢጹ፡ ነቶም ኣበየ ሃገራት ዝወከሎም ሽማግለ ሃየ ከም ዝጠዓመኩም ገይርኩም ወከልትኹም ኣፍልጡና እንዳበለ፡ ይርብጽን ይህውኽን’ዩ ዘሎ። ስለ’ዚ ናይዞም ዞባታት ሽማግለ ተርባጽን ታሕዋኽን’ውን ካብ ባዶ ዝነቐለ ኣይኮነን። ነቲ ኣገባቡን ንዝምልከት እንተዀነ ካብ ቀደሙ ንሱ’ዩ ዝተለወጠ የብሉን። ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም ወከልቲ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ፡ ህዝቢ ወከልቱ ባዕሉ ኽሓጽን ክመርጽን እቲ ዝሓሸ ኣገባብ ክትመርጽ ኣይከኣለትን። እቲ ሓሳብ ከም ሓሳብ ግን ኣብ ውሽጣ ነይሩ’ዩ።

እቲ ሕጂ ዘገድስ ነገር ከም ዘየገድስ ኮይኑ ኣሎ። ጽባሕ ከ ከመይ ክኽወን’ዩ ዝብል ሓሳብ ክመጽእ’ዩ። እቲ ጉዳይ ብዙሕ ጉዳያት ሕቶታት ከልዕል ስለ ዝኽእል ንግዜኡ ኣብ’ዚ ክድምድክም መሪጸ ኣለኹ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=921

Posted by on Jul 9 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net