ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ 6ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግ.ሃ.ድ.ኤ.

 ensf baner

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ዕለት 23/12 ክሳብ ዕለት 25/12/2014 6ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሰላሲሉ። ኣብ ገለ ክፋላት ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል፡ ኣቦ መንበር ስክረታርያ ማእከላይ ባይቶ’ውን ተሳቲፉ። ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግ.ሃ.ድ.ኤ. ብኩለን ቤት ጽሕፈታቱ ዝቐረቡ ናይ ስራሕ ጸብጻባት ብምርኣይን ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ስርሑ ብዓሚቝ ገምጊሙ። ካብኡ ብምብጋስ ድማ፡ ናይ ዝመጽእ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መደብ ዕዩ ሓንጺጹ።

 

ኤርትራ ሃገርና ትሓልፎ ዘላ ፖለቲካዊ ሃለዋትን፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ምሕደራ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘሕልፎ ዘሎ ኣስካሕካሒ ኩነታትን፡ ከምኡ’ውን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ውድብና ድማ ብፍላይ፡ ዝርከበሉ ኩነታት፡ 6ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል መዚኑ። ኤርትራ፡ ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ኣብ ዓሚቝ ቅልውላው ኣብ እትርከበሉን፡ ከም ፍሽልቲ ሃገር፡ ናብ ምብትታን ገጻ ኣብ እተምረሓሉ ዘላ እዋን፡ ኣፍራዪ ሓይሊ ሕብረተሰብና ዝዀነ መንእሰይ፡ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ስደት ክውሕዝ ተገዲድሉ ኣብ ዘሎ ወቕቲ፡ ንርከብ ምህላውና ርእዩ። ካብ ውሽጢ ሃገር ዝበጽሐ ጸብጻባት ምርኩስ ብምግባር፡ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል፡ እዚ ኩነታት’ዚ ናበይ ገጹ ክምዕብል ይኽእል ዝብል ምናልባታት ኣቐሚጡን ንኣጋጣጥምኡ ዝምልከት ሓያሎይ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ።

 

ተቓውሞ ደምበ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ኣብ ግምት ብምውሳድ፡ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ርእይቶ ወኒኑን፡ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ተሪር መራኸቢ ድልድል ፈጢሩን፡ ዓቕምታቱ ብሓባር ጠርኒፉ ቃልሱ ከደንፍዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኣዘኻኺሩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከም ሰፊሕ ጽላል ተቓውሞ ሓይልታት ዕዙዝ ተራ ክጻወት  ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ጸዊዑ። ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ብዓወት ምዝዛሙ ሓጎሱ ብምግላጽ፡ ናብ ዕዉት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምብጻሕ ኣብ ዝካየድ ዕማማት፡ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ከም ወትሩ፡ ካብኡ ዝጥለብ ንምምላእ ድሉው ምዃኑ፡ ፈጻሚ ኣካል ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ካብኡ ወጻኢ ዝርከቡ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት፡ ዓቕምታት ደምበ ተቓውሞ ብሓባር ንምጽማድ፡ ናይ ምርድዳእን ምልዛብን ሃዋሁ ንምፍጣር፡ ውድብና ግቡእ ጻዕርታት ከካይድ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ድማ፡ ቅሩቡነቶም ከርእዩ ፈጻሚ ኣካል ጻውዒት ኣቕሪቡ።  

 

ንውሽጣዊ ኩነታት ውድብና ብዝምልከት፡ ካብ ምክያድ 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ፡ ብመሰረት’ቲ ተወጢኑ ዝነበረ ናይ ስራሕ ቅዲ ዝተኻየዱ ዕማማት ብምምዛን፡ ትካላት ውድብ፡ ግቡእ ስርሖም ንምስልሳል ዘኽእል  ሃዋሁ ኣብ ምፍጣር ኩሉ ኣባል ውድብ ዘርኣዮ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኣመጕሱ። ዕላማታት ውድብናን ሃገራዊ መርገጻቱን ንምብራህ፡ ኣብ ዝተፈለለየ ሃገራት ዝተኻየደ ጽዑቕ ኣኼባታትን ሰሚናራትን፡ ዕዉት ምንባሩ ብምርኣይ፡ ሕጅ’ውን ብተመሳሳሊ ጻዕቂ ክቕጽል ርእዩ። ቃልስና ናብ ውሽጢ ሃገር ብዝያዳ ንምቕናዕ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባና ተሊምናዮ ዝነበርና ናይ ስራሕ መደባት ብጽቡቕ ከም ዝተሰላሰለ ብምርኣይ፡ ሕጂ’ውን ናይ ምቕጻሉ ኣገዳስነት ብምርኣይ ኣብ ዝመጽእ ብዕቱቡነት ንምዕማሙ፡ 6ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል መደባት ሓንጺጹ።

 

ኤርትራውያን ስደተኛታ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጭንቅን መከራን ብዑምቀት ተራእዩ። ዝምልከቶ ኣህጉራዊ ትካላት ሓላፍነቱ ተሰኪሙ፡ ንጉዳይ ሰደተኛታት ኤርትራውያን መፍትሒ ክርከቦ፡ ግቡእ ኣቓልቦ ንክገብር ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ምሕጽንታ ኣቕሪቡ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ መሪሕነት ውድብ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣህጉራውን ዞናውን ትካላት ከካይዶ ዝጸንሐ ርኽክባት ንምቕጻሉን ህጹጽ መዝክራት ንምድላውን መዳባት ስሪዑ።

 

መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብናን ንኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝገብርዎ ዘለዉ ኩሉ መደያዊ ሓገዝን ምትሕብባርን ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ሞጎሱ ገሊጹ። ከምኡ’ውን መንግስትን ህዝብን ሱዳን ንስደተኛታትና ንዓሰርተታት ዓመታት ምዕቋቡ ምስጋናና ልዑል ምዃኑ ብምግላጽ፣ ብዝተፈላለዩ ናይ ሰብ ደላሎ ብምትሕብባር ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትና ዝግበር ዘሎ ጭውያን ኢ.ሰብኣዊ ተግባራትን፡ ዝምልከቱ ኣካላት ሱዳን ብግቡእ ክከታተሎ ፈጻሚ ኣካል ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።

 

ፈጻሚ ኣካል፡ ን3ይ ውድባዊ ጉባኤ እተሰናድእ ሽማግለ ብምቛም  6ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ።

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ”

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና !!

 

6ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ  ኣካል ግ.ሃ.ድ.ኤ

25/12/2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9238

Posted by on Jan 5 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net