ቃልሲ ወለዶታት ካበይ ናበይ?

ቃልሲ ወለዶታት ክንብል ከለና እቲ ኣቦታትና ኣብ ኣርብዓታት ዘንቀድዎ ፍትሓዊ ቃልሲ ኤርትራን ኤርትራውነትን’ዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ዝሓተቶ ናይ ርእሰ ውሳኔ መሰል ስለ ዘይሰለጠ ኣንጻር ገዛእቲ ሓይልታት በትሪ ከልዕል ተገዲዱ፡ ታሪኽ ተጋድሎናን ብድሆታቱን እንታይ ነበረ ክግልጽ ኣይኮንኩን ደልየ እንታይ ደኣ እዚ ወለዶ’ዚ ዝተረከቦ ዘይተፈጸመ ዕዮ ገዛ ስለ ዘሎ ሓላፍነት ወሲዱ መን’ዩ ኣብ ምዕራፉ ከብጽሖ ዘለዎ ንምግላጽ’የ፡ ቅድሚ መን’ዩ ሓላፍነት ዝወስድ ምግላጸይ ግን ቃልሲ ወለዶታት ዕላምኡ እንታይ’ዩ?ካበይ ናበይ’ዩ ዝኸይድ?እንታይ ምዕራፍ ኣለዎ ክድህስስ ክፍትን’የ፡

ዕላማ ቃልሲ ወለዶታት ህላዌ ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣረጋጊጹ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ተፈጥሮኣዊ ሓርነቱ ወኒኑ ብልዕልና ሕጊ ዝግዛእ ህዝባዊ መንግስቲ ተኺሉ ሰብኣዊ ክብሩ ተሓልይሉ ኣብ ንሕድሕዱን ምስ ጎረባብቱን ከምኡ’ውን ምስ ህዝብታት ዓለናምና ብሰላም ዝነብረሉ ባይታ ምፍጣር’ዩ ኔሩ፡ ፡ ጀመርቲ’ዚ ቃልሲ’ዚ ራእይን ባህግን ኔርዎም፡ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውነት ዝተሰረተ ሰብኣዊ ክብሪ ምውናን፡ ብሕግን ድግን ዝቕየድ መንግስቲ ምትካል፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ቁጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸጋታቱ ክውንንን ሰላማዊ ናብራ ከስተማቕርን ዝብል ቅዱስ ቃልሲ ከካይዱ ምርጫ ወሲዶም፡ ፡ እስከ እዞም ንብሎም ዘለና ዓንድታት ቃልሲ ወለዶታት በብሓደ ንርኣዮም፡ እንታይ’ዩ’ከ ዕላምኦም ንዳህስሶም፡

1.ናጽነት፡ (ተተግቢሩ)…ንሕና ከም ህዝቢ እቲ ንደልዮ መሬታዊ ናጽነት ኣረጋጊጽና ኢና፡ ከቢድ መስዋእትን ስንክልናን ዝኸፈልናሉ ናጽነት ኣብ 1991 ሓንጎፋይ ኢልና ሳዕሲዕናሉን ዘሊልናሉን፡ መሪር ተመክሮ ገድልና ኣብቂዑ ተጋዳላይን ህዝብን ኣብ ንቡር ሂወቱ ክምለስ ክቱር ባህጊ ሒዙ’ዩ መጽዩ፡ ፡ እዚ ባህጊ’ዚ ግን ስጉምቲ ከይከደ ተቖጽዩ፡ እወ ተጠሊሙ ክብሎ ይሓይሽ፡ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ጉጉይ ጎደና መሪጹ እቲ ኣቦታትና ዘንቀድዎ ቅዱስ ዕላማ ተቖጽዩ፡ መተካእታ ዘይብሉ መስዋእትን ስንክልናን ብውሑዳት ውልቀሰባት ቁማር ተባሂሉ፡ ጉዕዞ ቃልሲ ወለዶታት ኣብዚ ኣብቂዑ፡ ገድልና ዕላምኡ ከይፈጸመ ጎዶሎ ስራሕ ሰሪሑ ሃገር ንውሑዳት ጠላማት ኣረኪብዎ፡

2.ሓርነት፡ (ኣይተተግበረን) እዚ ሓደ ካብቲ ዓንድታት ቃልሲ ወለዶታት’ዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመሬታዊ ናጽነት ጥራሕ አይኮነን ተቓሊሱ፡ ገድሊ ኤርትራ ጎዶሎ’ዩ ክብሎ ዝደረኸኒ ምኽንያት እምበኣር እዚ ሕጂ ንጠልቦ ዘለና ሓርነት ስለ ዘይረኸብና ኢየ፡ ሓርነት ዘይብሉ ህዝቢ ክብረት ክህልዎ ከቶ ኣይክእልን፡ ፡ ንሕና ከም ህዝቢ ሓርነት ዝተነፍገና ባራዩ ኢና፡ ሬሳ ኤርትራዊ ናብ ዓዱ ክኣቱ ዘይፍቀደሉ ህዝቢ፡ ዜጋታት ብዘይ ሕጊ ዝእሰርሉን ዝጭወይሉን ሃገር፡ እምነትናን ባህልናን ክንነብረሎም ዘይፍቀደና ኣህዛብ ኢና፡ ፡ ንሕና ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ሓርነት ዘይንውንን ውጹዓት ህዝብታት ኢና፡ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ሕሱም ባርነት እንነብር ህዝቢ ከንስና ቁስልናን ሽግርናን ዓቢጥና ኣሜን ኢልና ኣብ ባርነት እንነብር ዘለና ዝለመስና ኣህዛብ እንተበሉ ዝተጋገኹ ኣይመስለንን፡ ሓርነት እንተ ዝህልወና ኔሩ እዚ ወለዶ’ዚ ዕድሉ ኣብ  ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ጎቦታት ሲናይን ኣይምተቖጽየን፡ ንሕና ህላዌና ኣብ ሓደጋ ዘለና ዘመናውያን ባራዩ ኢና ክብል እደፍር፡

3.ልዕልና ሕጊ፡ (ኣይተተግበረን) ኤርትራን ኤርትራውነትን ሕግን ድግን የብሎምን፡ ንዝሓለፈ 23 ዓመታት ብግበር ኣይትግበር በረኻዊ ምሕደራ ንመሓደር ኣለና፡ ቅድሚ ዓለም ሕግን ድግን እንውንን ህዝቢ ሎሚ ድሕሪ ዓለም ተሰሪዕና ብሓለንጊ በትሪ ክንግዛእ ተቐሲብና፡ “በትረ ያጸንዕ ሃይለ መንግስት” ዝብል ስነ ሓሳብ ሃይለ ስላሴ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውነትን ይትግበር ኣሎ፡ ሓድሽ ንጉስ ኣብ ሕቖና ሸይሸይ ክብል ብስቕታ ንዕዘብ ኣለና፡ ባይቶና ፈሪሱ፡ ባህልና ሃሲሱ፡ ክብርና ኣብ ዕዳጋ ውዒሉ፡ ማይ ቤትና ጽም ጽም ኢሉ፡ ጉርሁና ቃዲሩ፡ መኣዲ ማይ ቤትና ጸምይዎ እቶም ክልተ ወለዲ ጥራሕ ንበይኖም ተሪፎም፡ ሃገር ብሃገራ ብቀይዲ በተኽ ጫካዊ ምሕደራ ክትመሓደር ስቕታና ሰማይ ዓሪጉ፡ እዚ ኩሉ ኣደራዕ ብሰንኪ’ቲ ንብሎ ዘለና ጉድለት ልዕልና ሕጊ’ዩ፡ ፡

ቃልሲ ወለዶታት እምበኣር እዞም ንብሎም ዘለና ዓበይቲ ዓንድታት ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ዝዓለመ’ዩ ኔሩ፡ ቃልሲ ወለዶታት ካበይ ናበይ ዝብል ሕቶ ክንምልስ ተግባራውነት እዞም ክጠቕሶም ዝጸናሕኩ ዓንድታት ኤርትራውነት ኣብ ምዕራፉ ምስ ዝበጽሑ ይኸውን፡ ገድሊ ኤርትራ ዘይተፈጸመ ዕዮ ገዛ ሒዙ ንዓዲ ህሩግ ስለ ዝበለ ንሕና ከም ህዝቢ ነቶም ዝተረፉ ዓንድታት ቃልሲ ወለዶታት ክንፍጽም ኣይተዳለናሉን፡ ብመሬታዊ ናጽነት ሰኺርና ነቲ ብግበር ኣይትግበር ዝኣምን ስርዓት ከም ጣዖት ኣምሊኽናዮ፡ ምስ ኣምላኽ ብምውድዳር “ይክኣሎ ኩሉ ዝክኣሎ”ክንብል ብድፍረት ዓንዲርና፡ መን ከማኻ! ኢልና ኣብ ቅድሚ ዓለም ጨዲርና፡ ስኽራንና ንዓመታት ካብ ርእስና ኣይወጻልናን፡ ሰብ ክእሰርን ክሕየርን ከም ንቡር ወሲድና ውራይ ስኽራንና ጌርና፡ ተቐባሊ ሕድሪ መንእሰይ ወለዶ ንበረኻታት ኤርትራ ባርያ ኮይኑ ክሰርሕ ብዓሰርተ ኣጻብዕትና ፈሪምና ሂብናዮ፡ ኣይ ትምህርቲ ኣይ ስራሕ አይ ሓዳር ኣይ መርዓ ኮይኑ ከም ዝመክን ተጌሩ፡ ልሙስ ሕብረተሰብ ኮይንና እንሆ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ንርከብ፡ ፡

ገድሊ ኤርትራ ዘይደምደሞ ምዕራፍ መን’ዩ ክድምድሞ ዝብል ሕቶ ምምላስ ከድልየና ኢዩ፡ መን’ዩ ክድምድሞ? መንእሰይ ድዩ ለኣኺ ኣቦታቱ ኮይኑ ተዓዛቢ ኮይኑ ስቕ ክብል ወይስ እዞም ዓበይቲ ንብሃል ንዑ ተመረቑ ኣቱም ንኣሽቱ ሃገርኩም ኣድሕኑ፡ ህዝብኹም ርድኡ ክንብል ዘለና?ወይስ ብሓይሊ ኣምላኽ ለውጢ ክንርኢ ስቕ ኢልና ንጸበ? መን’ዩ ነዛ ሃገር ከድሕና? መን’ዩ ክጎየላ ነዛ ሃገር? እዚ ብካቶሊካዊት ጳጳሳት ዝተላዕለ ሕቶ መን’ዩ ክምልሶ? “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ኢሎም ሓቲቶም ኣለዉ፡ ነዛ ሕቶ’ዚኣ መን’ዩ ክምልሳ?

ኣታ መንእሰይ፡ እቲ ሓቂ ክትሰምዕ ተዳሎ፡ ሽሕ’ኳ እቲ ናይ ትማሊ መንእሰይ ነዚ ቃልሲ ወለዶታት ኣብ ምዕራፉ ኣየብጽሓዮ ክፋሉ ፈጺሙ ዓዲ ኣትዩ ኢዩ፡ናይ ትማሊ መንእሰይ ነቦታቱ ኣይለኣኸን!ኣብ ግንባር ንነብሱ ሂቡ፡ መሪሕ ተራ ዝጻወት ኣነ’የ ኢሉ ንበረኻታት ኤርትራ ወፊሩ፡ ኣይፋሉን ኣቦይ አደይ እዚ ብድሆ’ዚ ብግንባር ቀደም ኣነ’የ ክገጥሞ ብምባል ኣንጊሁ ንበረኻ ወጽዩ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣይትኽሓዶ፡ ከምዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ንስደት ኣየምረሐን፡ ኣብ በረኻታት ኤርትራ’ዩ ዓሪዱ፡ እምብለይ ንመግዛእቲ ኢሉ ደምዩን ተሰዊኡን፡ ንሱ ዝተጋገዮ ዓቢ ጌጋ ግን ኣሎ፡ ንመሰሉ ኣይተቓለስን፡ ኣቦታትና ዘንቀድዎ ዕላማ ክፍጽም ትብዓት ኣይገበረን፡ ተጋዳላይ ጅግና ተዋጋኣይ ግን ከኣ ፈራህ ንመሰሉ’ዩ ኔሩ፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ጠላሚ ሕድሪ ኣብ እንግድዑ ተሸኪሙ ዓዲ ኣትዩ፡ ፤ዝኾነ ኮይኑ’ዩ፡ ሕጂ እንታይ ይገበር’ዩ፡ ንስኻ መንእሰይ ፈቲኻ ጸሊእካ ነዚ ምዕራፍ’ዚ ክትድምድሞ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለካ፡ እዚ ስራሕ’ዚ ስራሕካ’ዩ፡ ንሎሚ ይኹን ንጽባሕ፡ ንዓመታ ይኹን ድሕሪ ዕስራ ዓመት እዚ ዕዮ ገዛ ንኣኻ’ዩ ዝጽበ ዘሎ፡ ነፍስኻ ኣይተታልል፡ ጎደበ(ኢሳያስ) “ሃይል ያጸንዕ ሃይለ መንግስት”ኢሉ ኣብ ደምበኻ ኣሳፊሑ’ሎ፡ ንስኻ’ኸ ሓይሊ የብልካን? ሓይልኻ ክተርኢ ትብዓት የብልካን? ደጊም ለውጢ ብሰላም፡ ለውጢ ብልዝብ፡ ለውጢ ካብ ውሽጢ ጥራሕ፡ ለውጢ ብኣኼባታትን ፓልቶክን፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ክመጽእ ከቶ ኣይትጸበ፡ ከምቲ ጸሓፋይ በረኸት እስጢፋኖስ ኣባል ስምረት ዝበሎ ለውጢ “ብሓድሽ ዓዲ” ኣይትጸበ ዝበለካ ኣነ’ውን ምእዙዝ ኣይትኹን፡ ኣይትትዓገስ፡ ነድር፡ ንመሰልካ በትርኻ ጽረብ፡ ዓድኻ ክብርኻ’ምበር መጋየጺ ውልቀሰባት ኣይኮነትን፡ ዓድኻ መሰረት ህላዌኻ’ምበር ኤርትራዊ’የ ኢልካ ብሽም ጥራሕ እትሕበናላ ኣይኮነትን፡ ኤርትራዊ’የ ክትብል እንተ ኮንካ ኤርትራዊ ክብሪ ክህልወካ ኣለዎ፡ መሰልካ ዝተሓለወ ክኸውን ኣለዎ፡ ፤ሬሳ ኣሕዋትካ ዓዲ ክኣቱ ዘይትፈቅድ ሃገር ኤርትራዊ’የ ኢልካ ክትሕበነላ እንተኮንካ ምስ ጥዕናኻ ኣለኻ ክብል ከቶ ኣይክእልን

ኣቱም ዓበይቲ፡ እዚ ወለዶ’ዚ ሕድሩ ተቐቢሉ ኤርትራን ኤርትራውነትን ክብርታት ንምምላስ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ሓርነታዊ ጉዕዞ ብሙሉእ ሓይልናን ጉልበትናን ንዋትናን ገንዘብናን ክንድግፎ ማሕላ ክንፍጽም ይግብኣና፡ እዚ ወለዶ’ዚ ውጹዕ ወለዶ’ዩ፡ ስምብራትን በሰላን ተሸኪሙ’ዩ ንስደት ኣምሪሑ፡ ትማሊ ሃገር ዘውሓሰ ወለዶ ሕጂ ሃገሩን ህዝቡን ንምድሓን ሓይሊ ከም ዘለዎ ኣሚንና እጃምና ክነበርክት ይግባእ፡ ዓመተ 98 ኣይንረስዕ!ነቲ ብቀይዲ በተኽ ኣካይዳ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ዝወልዖ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ዘይተኣደነ ገንዘብ ኣዋጺና ነዚ ወለዶ’ዚ ኣብ ሓዊ ክጥበስ ተራና ዝተጻወትና ህዝቢ ኢና፡ ሎሚ ህዝብን ሃገርን ኣብ ዝጸንተሉ ዘሎ እዋን ኣእዳውና ኣኪብና ብስቕታ ክንዕዘብ ይግብኣና ድዩ? ንኹናትን ወዲ ኩናትን ገንዘብና ክንድርቢ ዘይሓፈርና ንምድሓን ህዝብና ዘይንጓየየሉ ምኽንያት ከቶ ክህሉ ኣይክእልን፡ እዚ ወለዶ’ዚ በትሪ ኣያታቱ ኣልዒሉ ንመሰሉን መሰል ህዝቡን ክጓየ ድጋፍ ክንገብረሉ ዘለና እዋን ጽባሕ ዘይኮነ ሕጅ’ዩ፡ እዚ ወለዶ’ዚ ፈራህ ኣይኮነን፡ እዚ ወለዶ’ዚ ኣይጎደበን እንታይ ደኣ ተስፋ ኣያታቱን ኣቦታቱን ይስእን ኣሎ፡ ኣጆኻ ዝብል ሓይሊ ስኢኑ ተደናጊሩ’ሎ፡ ንምድጋፉ ሃየ ንጉየ!!

ፍትሒ ይንገስ!!

ወልዱ ተኽለ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9286

Posted by on Jan 16 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net