ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ናብ ወድቀት ገጹ የንቍልቊል ምህላዉ ዘርእዩ ምልክታታት

ensf baner

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ሓባራዊ እንኮ እዋናዊ ጸላኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ከም ምዃኑ መጠን፥ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ተግባራቱን ኣካይድኡን ብምክትታል ኣብ ቅድሚ ሓፈሻዊ ርእይቶ ኤርትራውያንን ዓለምን ብምቅላዕ፡ ናይ ምምኻቱ ዓቕምታትና ንምብራኽ፡ ከብ’ቶም ቀንዲ ገድላዊ ስራሓቱ ገይሩ ዝወስዶም ጉዳያት ኢዮም። ብዕግበትና፡ ተቓውሞ ደምበ፡ ዓቕሚታቱን ክእለቱን ጸረ ሓባራዊ ጸላኢ ንምቕናዕ፡ ዕቱብ ቃልሲ ከካይድ ከም ዝግባኦ  ናይ’ዚ መድረኽ’ዚ ቀንዲ ዕማም ምዃኑ ኢዩ። መስርሕ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ተቓላሳይ ህዝብና ብግቡእን ንቕሓትን ንኽከታተሎ፡ ብቀሊል ኣገባብ ናብ ክቡር ኣንባቢ እዚ ሓተታ’ዚ ነቕርብ ኣሎና። ናይ ሎሚ ሓተታና፡ ካብ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እንዝርገሖ ዝነበርና ጽሑፋት ብትሕዝቶኡ ዘይፍለ’ኳ እንተኾነ፡ ብኣቀራርባኡ ግን ዝተፈልየ ኣገባብ ዝሓዘ’ዩ።

 ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ቃለ መሕትት ዝኽተሉ ስልቲ፡ ኮነ ኢሉ ንሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ንምትላልን፡ ካልኦት ተኸታተልቲ‘ውን ምስማዑ ሰልችይዎም ኣድህቦኦም ከሃስስን፡ ሓፈሻዊ ዘረባ ብምንዋሕ፡ ኩነታት ኤርትራ ደሚቑ ንከይረአ ኣብ ውሽጢ’ቲ ነዊሕ ሓፈሻዊ ዘረባ ከም ዝድብዝዝ ምግባር’ዩ። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ነዚ ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ መደናገሪ ስልቲ ኣንጊሁ ብምርዳእ፡ እናሻዕ ከቃልዖ ጸኒሑ’ዩ። ካብ ውሽጢ ብዙሕን ዓሚቊን መደናገሪ ዘረባታቱ፡ ነተን ምልክት ውድቀቱ ዝገልጻ ክሓብአን ንዝደልየ ነጥቢታት መዝሑቅካ ምቅራብ ቀሊል ጻዕሪ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ኣብ በበይኑ እዋናት ካብ ዘካይዶም ቃለ መሕትታቱ ንምንቊልቋል ስርዓቱ ዘመላኽቱ ነጥብታት ኣውጺእና ብምቕራብ ኣብ ሕድሕዶም ከንመሳኽሮም ክንፍትን ኢና።

ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ሚያዝያ 2011 ብዛዕባ ልምዓታዊ መደባት ካብ ዝተዛረቦ ’’…..ሃገር ናይ ኩሉ ዜጋ’ዩ። ዕድል ትምህርቲ፣ ስልጠና ናይ ኩሉ ክትገብሮ ከቢድ ስራሕ’ዩ። ሃገር ናይ ዉሑዳት ክትገብሮ ቀሊል’ዩ’’። ’’…. ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ካብ’ቲ ንደልዮ ልምዓት 10% ኣይሰጒምናን’’። ’’….ናብ ወጻኢ ሰደድ እንገብሮ የለን። ኣብ’ዚ ሃገር’ዚ ንግዲ ኣሎ ክባሃል ኣይከኣልን። ’’….ማይ፣ ሕርሻ፣ ኤለትሪክ ዝተማለአ ኣይኮነን’’። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሰራዊትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣብ ዝተዘራበሉ ‘’……ኣብዚ ሃገር’ዚ ናይ ሰራዊትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዶሞዝ ኣሎ ክባሃል ኣይከኣልን። ብ400 ወይ 500 ናቅፋ ናብራኡ ከመሓድር ኣይክእልን’ዩ። ከነባብሮ ኣይክእልን’ዩ። ተጸጊሙ’ዩ ዝሓልፎ ዘሎ። ዋጋታት በብጊዜኡ ናብ ሰማይ እናነሃረ በቲ መንግስቲ ዝህቦ ገንዘብ ዝኣኽሎ ኣይኮነን። ከም ጊዘያዊ መፍትሒ፡ ኣብቲ ደሞዝ ዘይሕሰብ ዓይነታዊ ደገፍ ምግባር’ዩ። እዚ ካኣ ድጎማ ማለት’ዩ’’። 

ኣብ ታሕሳስ 2012 ብዛዕባ ቁጠባዊ ዕብየት ክዛረብ እንከሎ ካኣ ከምዚ ዝስዕብ ይብል ‘’…..ቁጠባዊ ዕብየት ብኣሃዛት ክንዲ’ዚ ደዪቡ፡ ወይ ክንዲ’ዚ ወሪዱ ምባል ትርጉም የብሉን። ኣሃዛት ካብ’ዝን ካብ’ትን እናኣከቡ፡ እገለ ሃገር ነፊዑ እገለ ሃገር ሓሚቑ ኢሎም ምስክር ወረቐት ዝህቡ ኣህጉራዊ ትካላት ናታቶም ፖለቲካዊ ድልየት ዝሓወሰ ግምታዊ‘ዩ።  ‘’……ካብ ውሽጢ መሬት ወርቂ ስለ ዘውጻእካ ቁጠባዊ ዕብየት ይመጽእ’ዩ ማለት ኣይኮነን’’። ‘’…….ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ብሕታዊ ቁጠባዊ ጽላት ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን። ኣብዛ ሃገር’ዚኣ ኣብ ሓጽር ጊዜ ብሕታዊ ጽላት ቁጠባ ክፍቀድ’ዩ ክባሃል ኣይከኣልን። ደርጊ ዝሃገሮም ኣባይትን ፋብሪካታትን፡ ናብ ብሕታዊ ጽላት ዘሰጋገርናዮ ፈሺሉ’ዩ። ከምኡ’ውን ናቅፋ ኮርፖሬሽን ፈሺሉ’ዩ። ኣብ ውሽጢ 20 ዓምታት ዝተማሃርናዮ፡ ብፖሊሲ መንግስቲ ዝላገጹ ኣይተሳእኑን። ኣሽካዕላልን ምድንጋርን መንደልሓቕትን ምብዛሕ። ዓይነታት ኣሽካዕላል ይቀያየር’ዩ’ውን’’። ብዛዕባ ወፍሪ ርእሰማል ድማ ከም’ዚ ይብል ‘’……ብስንኪ ጉጉይ ግምታት መንግስትን እገዳን ተጻብኦታትን፡ ዘቤታዊ ወፍሪ ርእሰማል ምስሓብ ኣይተኻእለን ጸኒሑ። እቲ ደጋዊ ወፍሪ ርእሰማል ኣዝዩ ዝተሓላለኸ’ዩ። ኣብ ምምጻይ ዘቤታዊ ርኣሰማል ዝተመስረተ’ውን’ዩ’’። ‘’…..ማእቶት ብዓይነትን ብዝሕን ይፈሪ የለን። ልዕሊ ክልተ ሲሶ ዓቕሚ መንእሰያት ከም’ቲ ዝድለ ኣብ ፍሪያት ይውዕል የለን። ናይ ሕርጊጎ ፋብሪካ ሲምንቶ ብስንኪ ሕጽረት ጸዓት የፍሪ የለን። ሕጽረት ኤለትሪክ ኣብ ኩሉ ዞባታት ኣሎ’’። ከምኡ’ውን ብዛዕባ  ምህናጽ ኣባይቲ ‘’…….ኣብ ኣስመራን ባጽዕን  ብኮርያ ኣብ ዝተሰርሐ ፕሮጀክቲ ኣባይቲ ጥራይ ተዓዊትና። ንሱ’ውን ብዙሕ ጉድለታት ኔርዎ። ካልእ ኩሉ’ቲ ዝተወጠነ ፖሊሲ ህንጻ ኣባይቲ ፈሺሉ’ዩ’’። ብዛዕባ ናብራ ሰራዊት ድማ  ኢሳያስ ከም’ዚ ይብል፡ “…..ናይ ሰራዊት መንባብሮ ንምምሕያሽ ዓሚ ዝወጸ ኣይተተግበረን። እቲ ናይ ዓደስን ሽኲረን ድጎማ ይቕጽል ኣሎ’’።

ኣብ ታሕሳስ 2013 ድማ ብዛዕባ ቁጠባዊ ዕብየት ክዛረብ እንከሎ  ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብል፡ “….. ቅድሚ 1991 ኣበይ ኢና ኔርና? ሽዑ ቁጠባ ዝባሃል ኣብ’ዚ ሃገር ኣይነበረን። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናይ መግዛእቲ ቁጠባ ኔሩ። ግን ብናይ ሰላሳ ዓመታት ኲናት ዓንዩ። ከም’ቲ ብተደጋጋሚ እንገልጾ’ውን ቁጠባ ኣሎና ኢልና ኪንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና’’። “…..20 ዓመታት ኣንታይ ጌርና? ትሕተ ቅርጻ ኣይነበረን። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣይነበረን። ደረጃ መነባብሩ ኣዝዩ ትሑት ኔሩ። ጥምየት ኔሩ። ዓጸቦ ኔሩ። እቲ ተዋጸአ ናይ ቁጠባዊ ዕብየት ፕሮግራም ሓደ ሓደ እዋን መዐቀኒታት ኣብ ዘይብሉ ከከም ኩነታቱ ዝኸይድ፡ ኣሃዛዊ መዝገበታት ዘይግበረሉ፡ ብኣሃዝ ክትገልጾ ዘይትኽእል ዕብየት ክምዝገብ ጸኒሑ። ስለ’ዚ ኣብ ትሕቲ ዜሮ ጸንሕና። ኣብ’ዚ ኣሎና’’። ‘’…..ብሕታዊ ክፋል ዝባሃል ኣበይ ኣሎ። ንዕብየት ብሕታዊ ክፋል ዘተባብዕ ሃዋሁ፡ ወይ ኩነታት ኣሎ ድዮ? ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብኩውንነታውን ስነፍልጠታውን ኣገላልጻ፡ ኣብ ቁጠባዊ፣ ሕርሻ፣ እንዱስትሪ፣ ኣገልግሎታትን ካልኦት ቁጠባዊ ጽላታትን  ዝሳተፍ ብሕታዊ ክፋል ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ዝካኣል ኣይኮነን’’። ሎሚ ኣብ ኣስመራ ይኹን ካብኡ ወጻኢ ዘሎ ፋብሪካታት ተጠላብነት ዘሎዎ ብሉጽ ፍርያት የፍሪ የሎን። ይትረፍ ንደገ፡ ንጠለባት ናይ ውሽጢ ዕዳጋታት‘ውን ዘርዊ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ኣብ 20 ዓምታት ዝተኸተልናዮ ኣገባብ ኣዐዊቱንና’ዩ ክባሃል ኣይከኣልን። ኣብ ፖሊሲታትና ሓዲሽ ዝባሃል የለን። ንብዙሓት ዜጋታት ዝተዋህቦም ናይ ወፍሪ ዕድል ኣበርክቶኡ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባ እንተዳኣ ተገምጊሙ ዕዉት ኔሩ ክባሃል ኣይከኣልን’’። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎል ክዛረብ እንከሎ፡ ‘’….ሃገራዊ ኣገልግሎት ንገዛእ ርእሱ የለን። ትዕለም፣ ናይ 12 ክፍሊ ናይ መወዳእታ መሕለፊ ፈተና ትፍተን። እንተሓልፍካ ኣብ ኮለጅ ኣቲኻ ናይ ድግሪ ናይ ዲፕሎማ ፕሮግራማት ትማሃር። ከምኡ እንተኾነ ካኣ ኣብ ካልኦት ማእከላት ትኸይድ። እቲ ካልእ ድማ ኣብ’ቲ ጉቡእ ኣገልግሎት ከኣቱ ኣይጸነሐን’’።

ኣብ ታሕሳስ 2014 ብዛዕባ ልምዓት ክዛረብ እንከሎ፡ ‘’……ኣብ’ዚ ሃገር’ዚ ጻዓት ዝባሃል የለን’’። ቐጺሉ ብዛዕባ ቅዋም  ክዛረብ እንከሎ ከኣ፡”……ቅዋም ከም ዘየሎ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ’ዩ። ‘’……እቲ ሰነድ ከይተኣወጀ ሞይቱ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሕብረተ ሰባት፡ወይ ሃገር፡ ንዘሎ ዓይነት ሂወት ናይ ነፍስ ወከፍ ዜጋ ንምቕያር ዝሕግግን፡ ንዝኾነ ይኹን ጋግ ዘጸብብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዝኾነ ጋግ ከፍጠር’ውን ዘረጋግጽ ስርዓተ መንግስቲ ክህሉ ኣሎዎ። በዚ መሰረት ንዕኡ ክዓምም ዝቖመ ሓደ ኣካል ኣሎ’’።

ኣብ’ዚ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ መስመራት ኩሉ ናትና ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ። 

እዚ ናይ ኣርባዕተ ጊዜ በበይኑ ቃለ መሕትት ዲክታቶር ኢሳያስ፡ ኣብ ሕድሕዱ ከነነጻጽሮ እንከሎና፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ዓሚቕ ጥፈሻ ዝወደቐ ምዃኑ የረጋግጸልና። ኣብ ናይ ህግደፍን መንግስትን ኩለ መዳያዊ ሂወት ኩሉ ዓይነት ኣድልዎን ብልሽውናን ስልቲ ከፋፍልካ ግዛእን ሱር ይሰድድ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ናይ 22 ዓመታት ግዝኣቱ ኣብ ኤርትራ ኣመዝጊበዮም ዝብሎም ዝተቀየሱ ልምዓታዊ መደባት ከም ዘይብሉን፡ ኣብ ሚንስትሪ ምክልኻልን ናይ መንግስቲ ሲቭል ኣገልግሎትን በስገዳድ ጊላዊ ዕዩ ክሰፍን ይገብር ኣሎ። ብስንኪ ፖለቲካዊ ዓፈናን ቁጠባዊ ውድቀትን ዲፖሎማስያዊ ተነጽሎን ድማ ዝስፊሕ ህዝቢ ንዓሚቕ ድኽነትን በብዓይነቱ ሕብረተ ሰብእዊ ቅርሕንትታን ፍልልያትን ይቃላዕ ኣሎ። ስለ’ዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ብተግባር፡ ንኤርትራ፡ ዉሑዳት መጋበርያታቱ ዝጥቐሙላ ሃገር ስለዝገበራን፡ ንኩሉ ክፍልታት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ እትሓቚፍ ሃገር ከሃንጽ ስለ ዘይበቕዐን ናብ ህልም ዝበለ ጸድፊ ገጹ የንቆልቍል ምህላዉ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ንከይወድቕ ዓቢ ስግኣት ስለ ዘሎ፡  ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ስሩ ቦንቂስካ ብምእላይ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ናይ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ሓልፍነት ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ።

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

17 ጥሪ 2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9291

Posted by on Jan 18 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net