ቃልሲ ስምረት ካበይ ናበይ!!

ስምረት ክትውለድ ከላ ብወዝቢ ኣይነበረን፡ ናይ መንእሰያት ዓርኪ ሕልፎት ንዙረት ደብረዘይቲ’ውን ኣይነበረን፡ ስምረት ህዝብን ሃገርን ኣደራዕ ወሪድዎ ብዝብል መንእሰይ ወለዶ ተሰሪታ ዝተነድቀት ናይ ሓርነት ገዛ ኢያ፡ ፡ እዚ ወለዶ’ዚ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ናይ ስደት ጉዕዞ ናይ እንዳማቱ ዲሞክራሲ ኣተንፊሱ ብመጠኑ መሰሉን ሰብኣዊ ሓርነቱን ኣብ ዓዲ እንዳማቱ ተኸቢርሉ ጣዕሚ ዲሞክራሲ ክሳብ ክንደይ ምቅርቲ ምዃና ተረዲኡ ነታ ኣብ ዝፈትዋ ሃገሩ ዝሰኣና ቅጫ ዲሞክራሲ ክመልስ ኣብ ሓደ ዳስ ክተኣኻኸብ ግድነት ኮይንዎ፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ቀሊል ኣይነበረን፡ ናይ እንዳማቱ ዲሞክራሲ ጊዝያዊ ምዃኑ ፈሊጡ ኣብታ ሃገረይ ዝብላ መዳሕንቱ ዝተቐብረትላ ዓዱ ሕግን ድግን ተኺሉ፡ ክብረቱ መሊሱ ንፋስ ዲሞክራሲ ከተንፍስ ስለ ዘለዎ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዓለም ስመርርር ክብል ጀመረ፡ ፡ ስነ ሓሳብን ራእይን ስምረት ዓብሊሉ ነቲ ኣብ ምዕራፉ ዘይበጽሐ ቃልሲ ወለዶታት ክድምድም ብምውሳን ነዚ ቃልሲ’ዚ ከም መሪሕ ኮይኑ ከሰጉሞ መብጽዓ ኣትዩ፡ ፡

እዚ ወለዶ ነቲ ኣብ ባርነት ዝተሞኮሮ ሂወቱ ብቕልጽሙ ናብ ዘላቒ ሓርነት ክቕይሮ ምእንቲ ነቲ ኣብ እንግድዕኡ ዝተሸከሞ ቁስልን በሰላን ክሓኮን ፈውሲ ክደልየሉን ተበገሰ፡ ዋላ’ኳ ጠቕሊሉ ናብ ዓዲ ስደት የምርሕ እቲ ዝተሸከሞ ቁስልን በሰላን በቲ ኣብ ስደት ዝረኸቦ ምጽዉት ሓርነት ክፍወስ ስለ ዘይከኣለ ዘለዎ ምርጫ ንጉጅለ ህግደፍ ምግጣም ጥራሕ ምዃኑ ስለ ዝተረድአ ስመርርር ብዝብል መጸውዒ ሽም ሒዙ ኣብ ባይታ ተቛውሞ ደምበ ደበኽ በለ፡ እዚ ወለዶ’ዚ ዝተረድኦ ሓቂ እንተሎ ክሳብ ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ተመሊሱ ንፋስ ሓርነት ዘተንፍስ ኩልንትንኡ ባርያ ምዃኑ’ዩ፡ ፡እቲ ናይ ባርነት በሰላ በቲ ኣብ ዓዱ ዝረኽቦ ክብርን መሰልን፡ ሕግን ድግን፡ ሙሉእ ሓርነትን ጥራሕ ከም ዝፍወስ ኣሚኑ’ዩ ነዚ ቃልሲ ኣብ ምዕራፉ ከብጽሖ ዝቃለስ ዘሎ፡ ፡ እዚ ስመርርር ዝብል ዘሎ ወለዶ’ዚ ሎሚ ባርያ ኣይኮንኩን ዝብል እንተሎ እቲ ብምርጭኡ ዝምእዘዝን ክምእዘዝ ብወለንተንኡ ምርጫ ዝወሰደን ልሙስ ኣእምሮ ጥራሕ’ዩ ይብል ኣሎ፡ ስምረትን ኣባላቱን እንታይ ይጠልቡ ኣለዉ? ሕቶኦም እንታይ’ዩ?ሃገራዊ ፕሮግራም ኣለዎም’ዶ? ወዘተ ዝብል ሕቶታት ብተደጋጋሚ ክምልሱ’ኳ እንተ ጸንሑ እምነ ኩርናዕ እዚ ቃልሲ ብጉቡእ ዘይተመለሰ ክኸውን ስለ ዝኽእል ኣነ ከም ተቓላሲ መጠን ጉዕዞኦም እንታይ ይመስልን ዘለዎም ራእይ ናበይ ዝጠመተ ምዃኑ ከብርህ ክፍትን’የ፡ እዚ ክብል ከለኹ ዝህቦ መግለጺ ውልቃዊ’ምበር ንስምረት ወኪለ ከምዘይኮንኩ ንኣንበብቲ ክገልጽ እፈቱ፡

ብመሰረቱ ስምረትን ኣባላቱን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕሱም ባርነት ተቖሪኑ ከምዘሎ ይኣምን ዝብል ርድኢት ኣለኒ፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኤርትራ በትሪ ባርነት ነጊሳ ህዝቢ ኣብ ሕሱም ኣደራዕ ወዲቑ ከምዘሎ እምነት ስምረት’ዩ፡ ቀይሕን ጸሊምን ዘይፈሊ፡ ዶብን ደረትን ዘይብሉ ባርነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ እንግድዓ ተጻዒኑ ከም ዘሎ መሰረታዊ እምነትን ስምረት’ዩ፡ ፤ስምረት ሃገርን ህዝብን ናይ ጻንታ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ ብቐረባ ትርእዮ ዘላ ሓቂ ኢዩ፡ ፡ እዚ ስመርርር ዝብል ዘሎ ወለዶ ይሕመቕ ይንፋዕ ካብ ህዝቢ ዝወጸ’ምበር ካብ ካላእ ፕላኔት ዱብ ኢሉ ዝመጸ ጓና ኣይኮነን፡ ፡ ሽሕ’ኳ ብዙሕ ይብሃል፡ ብዙሕ ይጽሓፍ እዚ ስመርርር ዝብል ዘሎ ወለዶ ደም ኤርትራዊ ዝውንን፡ ኣቦታቱን ኣያታቱን ኣብ ምውሓስ ርእሰ ውሳኔ ሃገሮም ደሞምን ኣዕጽምቶምን ዝኸፈሉ በሃራት ደቂ ሃገር’ዮም፡ ፡ እዚ ሰሚሩ ዘሎ ወለዶ ካብ ቆፎ ጀጋኑ ተወሊዱ መብጽዓ ኣቦታቱን ኣያታቱን ዝተጠልሞ ውጹዕ ኤርትራዊ’ምበር ካልእ ሕብሪ ክነልብሶ ከቶ ኣይንኽእልን፡ እምነት እዚ ወለዶ’ዚ እታ ኣቦታተይን ኣያታተይን ዝወደቑላ ሃገር ኣብ ናይ ባርነት ጸልማት ወዲቓ ኢሉ ስመርርር ብዝብል መጸውዒ ንዓማጺ ክኣሊ ዝቃለስ ዘሎ ዓርሞሽሞሻዊ ሓይሊ ኢዩ፡ ፡

ሕቶ ስምረት እንታይ’ዩ? ጠለቦም እንታይ ይመስል ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ሓፋሽ ህዝቢ ክሓተሉን ክካትዓሉን ኣለዎ፡፡ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ካብ ዝተዓዘብክዎን ዝተማሃርክዎን እንተሎ ስምረት ነቲ ኣብ ምዕራፉ ዘይበጽሓ ቃልሲ ወለዶታት ኣብ ምዕራፉ ክተብጽሕ ዝተወልደት’ያ ክብል ደፊረ ክዛረብ ኣኽኢሉኒ ኢዩ ምኽንያቱ ዓንድታት ሕጊ ስምረት ነዚ ዕላማ’ዚ ክወቕዑ ዝተሓንጸጹ ምዃኖም ብግልጺ ተቐሚጦም ስለ ዘለዉ፡ ፡ ውሽጣዊ ሕጊ ስምረት ነቲ ጽባሕ እንተኽሎ ህዝባዊ መንግስቲ ኣብ ቅኑዕ መንግስታዊ ቅርጺ ዝተሰረተ ክኸውን ዝመርሕ’ዩ ኢለ ክዛረብ ይግደድ፡ ፡ ኣየኖት’ዮም እዞም ኣብ ምዕራፎም ዘይበጽሑ ቃልሲ ወለዶታት ዝብሉ ሕቶታት ክልዓሉ ይኽእሉ ኢዮም ምኽንያቱ ጉጅለ ህግደፍ ቃልሲ ወለዶታት ተዓጽዩ ኢዩ ኢሉ ስለ ዝኣወጀ ህዝቢ ዓሙቕ ርድኢት ክህልዎ ምእንቲ ብንጹር ክበርሁ ኣለዎም ዝብል ርእይቶ ኣለኒ፡ ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዝገለጽክዎ ዝተፈጸሙን ዘይተፈጸሙን ቃልሲ ወለዶታት ህዝቢ ከላልዮምን ነቶም ዘይተፈጸሙ እንብሎም ዘለና ዕላማታት ቃልሲ ኣቦታትና ኣብ ምዕራፉ ከብጽሖምን ምእንቲ ስምረት መሰረት ቃልሳ ኣበይ ዝተሰረተ ምዃኑ ንህዝቢ ኣቕሪባ’ላ፡ ፡ ቃልሲ ወለዶታት እዞም ዝስዕቡ ዓበይቲ ዓንድታት ኤርትራን ኤርትራውነትን’ዮም፡  1.ናጽነት(ተፈጺሙ) 2.ልዕልና ሕጊ(ኣይተፈጸመን) 3.ሓርነት(ኣይተፈጸመን)

ሃገራዊ ፕሮግራም ስምረት እንታይ ይመስል ዝብል ሕቶ ክልዓል’ውን ናይ ግድን ይመስለኒ፡ ስምረት ንጹር ዝኾነ ሃገራዊ ዕላማ ዝውንን ናይ ጽባሕ ኤርትራ ኣብ ዲሞክራሲ ዝተሰረተት ሃገር ኮይና ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብማዕረ ዝነብረሉ ባይታ ንምፍጣር ሓድነታዊ ጉዕዞ ቃልሲ ተካይድ ኣላ፡ ፡ ስለዚ ሃገራዊ ዕላማታት ስምረት ኣየኖት’ዮም ክገልጽ ክፍትን’የ፡ ፡

1.ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካል፡ ኣብ ዓድና ዘሎ ዓማጺ ጉጅለ ኣሊኻ ንኹሉ ኤርትራዊ ቀይሕ ይኹን ጸሊም ነዊሕ ይኹን ሓጺር ዘሳትፍ መሰጋገሪ ባይታ ፈጢርካ ንኹሉ ህዝቢ ዘሳትፍ ሕጊ መንግስቲ ኣጽዲቕኻ ቁዋማዊት ሃገር ምትካል’ዩ፡ ፡ አብዚ ጉዕዞ’ዚ ማዕርነት ኩለን ብሄራትና ክነረጋግጽ ክንግደድ ኢና፡ ህዝቢ ባዕሉ ክመሓደረሉ ዝኽእል ባይታ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ወሲድና ሰብኣውን እምነታውን መሰላት ምውሓስ ሓደ ካብቶም መሰረታውያን ዕላማታት ስምረት’ዮም፡ ፡ ብተወሳኺ ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን እምነ ኩርናዕ ስምረት ኮይኖም ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ኣብ ምትካል መሰል ደቀንስትዮ ዝሕለወሉ ባይታ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ክህልወና ይግባእ፡

2.ስምረት ድኻታት ኢና ኢላ ትኣምን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ቁጠባዊ ሓርነት ዘውሕስ ቅርጸ መንግስቲ ኣይተኸለን፡ ሃብቲ ሃገር ብውሑዳት ተገቢቱ ህዝቢ ኣደዳ ጥሚርትን ዓጸቦን ኮይኑ’ሎ፡ ከም ስምረት ቁጠባዊ ሓርነት ዘውሕስ ቅርጸ መንግስቲ ተተኺሉ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ተጠቃምን ተቛዳስን ጸጋታት ሃገሩ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ አለዋ፡ ፡

  1. ምርግጋጽሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት፡ እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ስርዓት ህግደፍ ጎዲሎም ዘለዉ መሰረታውያን ሕቶታት ህዝቢ’ዮም፡ ፡ ባህልን ቋንቋታትን ህዝብታት ዝኽበርሉን ዝዕቅበሉን ባይታ ፈጢርና እምነታት ነጻነት ክውሓሰሎም ይግባእ፡ ነጻ ፖለቲካዊ ውዳቤ ምውሓስን ናይ ነጻ ፕረስ ህላዌ ምርግጋጽን መሰረታዊ እምነታት ስምረት’ዮም፡ ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊት ሂወት ናይ ሕጊ ውሕስነት ክህልዋ ምርግጋጽ ሓደ ካብቶም ስምረት ኣትሪራ ትቃለሰሎም ዘላ ዕላማታት’ዮም፡ ፡

4.ምውሓስ ማሕበራዊ መሰላት፡ እዚ ማለት ኣብ ማሕበራዊ ሓርነት ዝተሰረተ መንግስታዊ ቅርጺ ምትካል ማለት’ዩ፡ ፤መሰል ሰራሕተኛታት፡ ተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓረስቶት፡ ወዘተ  ክኽበረሉ ዘለዎ ባይታ ክንፈጥር ሓላፍነት ኣለና፡ ብተወሳኺ ግዳይ ግዱድ ዕስክርና ዝኾኑ ዜጋታት መሰረታዊ ፍትሕ ክድለየሉን ደቂ ስዉኣትን ኣረጋውያንን ዝሕገዝሉ ባይታ ምፍጣር ከድሊ ኢዩ፡ ፡ ጉዳይ ኣብ ሓርነት ዝሰንከሉን ኣብ ምክልኻል ሃገር ኣብ ዘጋጠመ ስንክልናን ጉቡእ ቆላሕታ ተዋሂብዎ ዘላቒ ዝኾነ ክንክን ዝግበረሉ ባይታ ክንፈጥር ዘይተሓታት ጉዳይ ይኸውን፡ ፡

5.ሃገራዊ ጸጥታን ምክልኻልን፡ እዚ ጥበብ ዘድልዮ መሰረታዊ ጉዳይ ኢዩ፡ ንሕና ከም ሃገር ንኩናትን ወዲ ኩናትን ቀዳምነት ክንህብ እምነትና ኣይኮነን፡ ካብዚ ስርዓት ህግደፍ ዝተኸሎ ሃገራዊ ጸጥታ ፍልይ ብዝበለ ንህላዌና ዘረጋግጽ ምክልኻል’ምበር ንፈተውትና እነርዕደሉ ሰራዊት ክንሃንጽ ኣይንደልን፡ ቀዳማይ ጸላኢና ድኽነትን ድንቁርናን ምዃኑ ኣሚንና ንጎረባብትና ዘርዕድን ዘሰክፍን ናይ ምክልኻል ፋብሪካ ክንተክል ድልየት የብልናን፡ ፡ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ሃገራዊ ጸጥታን ምክልኻልን መሰረቱ ሰላም ኮይኑ ንዘይተደለ ተጻብኦ ናይ ህላዌና ውሕስነት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ስምረት’ዩ ክብል እግደድ፡ ፡ ምክልኻል ኤርትራ ብቁዋም እታ ሃገር ዝምእዘዝ ኮይኑ ምስ ጎረባብትናን ዓለምን ሰላማውን ጥዑይን ርክብ ጌሩ ንኹሉ መዳያት ሃገር ካብ ተፈጥሮኣውን ሰብ ዝፈጠሮ ተጻብኦን ዝሕሉ ምዃኑ ክነረጋግጽ ይግብኣና፡ሰራዊትን ጸጥታን ረብሓ ህዝቢ ዘረጋግጽ ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ትካል’ዚ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ጸግዒ ነጻ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣለዎ፡ ብሃገራዊ ቁዋም ተማእዚዙ ብቕዑን ንቑሕን ሰራዊት ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ክህልወና’ዩ፡ ፡

6.ወጻኢ ዝምድናታት፡ ንሕና ከም ሃገር ቀዳሞት ኣዝማድናን ፈተውትናን ጎረባብትና’የን ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለና፡ ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣሚንና ምስ ጎረባብትና ኣብ ሓባራዊ ጥቕሚ ዝተሰረተ ሕጋውን ዘለኣለማውን ዝምድና ክንፈጥር ባህግና ጥራሕ ዘይኮነ ክንገብሮ ዘለና ጉዳይ ኢዩ፡ ፡ ህግደፍ ዝፈጠሮ ጽልእን ቅርሕንትን ምስ ህግደፍ ክቕበር ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ እምነት ስምረት’ዩ ክብል እደፍር፡ ህዝቢ ኤርትራ ጽልእን ቅርሕንትን ዝጸልእ ሓላል ህዝቢ’ዩ፡ ጎረባብትና’ውን ማዕረ ማዕረና ንሰላም ይሃርፍዎ’ዮም ዝብል እምነት ኣለና፡ ፡ ቁጠባዊ ምዕባለ ሃገርና ኣብ ሰናይ ጉርብትና ዝተሰረተ ምዃኑ ኣሚንና ጎረባብትና ደገፍትና’ምበር ዝተናኾሉና ከምዘይኮኑ ከም ህዝብን ሃገርን ምስ እንኣምን ጥራሕ’ዩ፡ ፡ ጎረባብትና ይደልዩና ኢዮም፡ ንሕና’ውን ንደልዮም ኢና፡ እዚ ናይ ክሊቴና ድልየት ብሕግን ስርዓትን ዝተማእከለ ክንገብሮ ሓላፍነት ኣለና፡

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ ስምረት ካበይ ናበይ ኢያ ክንፈልጥ ዘኽእል ባይታ ተፈጢሩ’ሎ፡ ህዝቢ ንዕላማታት ስምረት ብደቂቕ መርሚሩ ውሳኔ ክወስድ ኣለዎ፡ ስምረት ከምቲ ሓደ ሓደ ዝገልጽዋ ሕብሪ ኣለዋ ድዩ? ዘንቀደቶም ዕላማታት ሃገራውያን ድዮም ወይ ዘይቅርዑያት ሕብርታት ዝውንኑ? እዞም ዕላማታት እዚኣቶም ንሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ዝምልሱ ድዮም ኣይኮኑን?ዝብሉ ሕቶታት ህዝቢ ክካትዓሎም ኣለዎ እብል፡ ካብ ህግደፋውያን ዝመጽእ ጸለመ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኢና ኢልና ንነብስና እንጽውዕ ነዚ ዕላማታት ስምረት መርሚርና ክጎድል ዘለዎ ክጎድል ክምላእ ኣለዎ እንብሎ ከኣ መሊእና ንስምረትና ክንድግፍ እዋኑ ሕጂ ኢዩ፡ “THE BALL IS IN THE ERITREAN PEOPLE’S COURT.” ስምረት ኣብ ህዝቢ ቀሪባ ሃገራዊ ዕላምኣ ኣዊጃ’ላ፡ ተራ ህዝቢ እንታይ ይኸውን ህዝቢ ባዕሉ ዝውስኖ ይኸውን፡ ስምረትን ኣባላታን ህላዌ ሃህዝብን ሃገርን ኣብ ቅድሚት ሰሪዖም ንህዝቢ ሓግዘና ይብሉ’ለዉ፡ እቲ ሕልና ዘለዎ ኣብ ጎድኒ ስምረት ኮይኑ ክቃለስ ባይታ ተኸፊቱ ስለ ዘሎ እዋን ምድሓን ሃገር ጽባሕ ዘይብሃሎ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ኣታ ሕልና ዘለካ ሃየ ተበገስ ክብሎ እደሊ፡ ፡

ፍትሒ ይንገስ!!

ወልዱ ተኽለ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9296

Posted by on Jan 19 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net