ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ጅግንነታዊ ስርሒት ፎርቶ !!!

ensf baner

ብምክንያት ካልኣይ ዓመ ስርሒት ፎርቶን መስዋእቲ ጅግና ስዒድ ሓጃይ (ወድ ዓሊ)፡ እዚ ስርሒት’ዚ ብኸመይ ተበጊሱ፡ መን’ዮም ከ እቶም ቀንዲ ኣዋፈርቱ፡ ንምንታይከ ዕላምኡ ክወቅዕ ኣይከኣለን ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒልና፡ ነቲ ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ካባና ሰፊሩ ዘሎ ጽልግልግ ዝበለ ስእሊ፡ በዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝርከቡ ብጾትና ዝተዳለወ ጽሑፍ ኣቢልና ከነብርህ ክንፍትን ኢና።  ሰናይ ንባብ ከኣ ንምነየልኩም።

 

ቅድሚ ስርሒት ፎርቶ ብ3 ዓመት ይኸውን፡ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ 2010 ዓ.ም. ብምልኡ ሰራዊት፡ ናብራ ኸቢድዎ፡ ደሞዝ ክውሰኾ ዓቢ ምዕዝምዛማት ኣብ ዘርእየሉ ዝነበረ ግዜ፡ ከምኡ’ውን ናብ ኢትዮጽያ ናይ ምህዳም ጉዕዞ ብዘይ ምቁራጽ  ብብዝሒ ኣብ ዝተራአየሉ ወቕቲ፡ ካብዚ ኩነታት ዝተላዕለ  ጅግና ስውእ ወድ ዓሊ ዝረከቦም ብርክት ዝበለ ዝቁጽሮም ኣባላት ሰራዊት፡ ኩነታት ምምሕዳር ሃገር ናብ ዝሓሸ ንምቕያር ኣድላዪ ስጉምቲ ምውሳድ ከም ዘድሊ ክዘራረቡ ጀመሩ።

ስዉእ ወድ ዓሊ ኣቐዲሙ ምስ ናይ ዞባ ደቡብ ሓላፊ ጀነራል ዑመር ሓሰን ጠዊል ብምርካብ እዚ ህድማ ናይ ሰራዊት ክንዓግቶ ስለ ዘይንክእል ካብ ኢድና ከይወጸ ቁልጡፍ ፍታሕ ክርከበሉ አለዎ ብምባል አትሪሩ ተዛረቦ። ጀ/ ዑመር ጠዊል ከይደንጐየ  ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ምስ 4 ጅነራላት ማለት ስብሓት እፍሬም፣ ገረዝጊሄር ውጩ፣ ሃይለ ሳሚኤል ቻይና፣ ፍሊጶስ ወልደ የውሃንስ ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ ተዛተየ። ሰራዊት ዝሓልፎ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ድሐሪ ምግላጽ ናይ ዶሞዝ ምውሳኽ ጥራሕ ኢዩ መፍተሒ ብምባል ተረዳደኡ። ነዚ ጉዳይ ብኸመይ ከዕውትዎ ሓሳባት ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ንስብሓት ኤፍሬም ምስ ኢሳይያስ እፍወርቂ ክዛረበሉ ተሰማምዑ።ድሕሪ 2 ወርሒ ኣቢሉ ይከውን ስብሓት ኤፍረም ነቲ ሒዝዎ ዝኸደ መልእክቲ ብኢሳይያስ ተቀባልነት ከም ዘይረኸበ  ሓበሮም። ዑመር ሓሰን (ጠዊል) እዚ ጉዳይ’ዚ አብ ሓዲኡ ክበጽሕ ኣለዎ ብምባል ምስ ኢሳይያስ ክራኸብ ከም ዝደሊ ሓቢሩ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ንምርኣይ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ይኸውን፡ ኢሰይያስ አኼባ ሚኒስተራት ጸወዐ። ኣብ’ቲ ዝተጸወዐ ኣኼባ እቶም ኣቀዲምና ዝጠቐስናዮም ጀነራላት ከም ዝሳተፉ’ውን ተገብረ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ኢሳይያስ ዶሞዝ ምውሳኽ ኣይካኣልን ኢዩ ምስ በለ፡ ዑመር ጠዊል: ከምኡ እንተኾይኑ ስለምንታይ ኣባላት ሰራዊት ይሃድሙ አለዉ? ስለምንታይ ይኽብልሉ ኣለዉ? ኢልኩም ድሕሪ ሕጂ ኣይትሕተቱና ክብል ድሕሪ ምግላጹ፣ ገረዝግሄር ውጩን ቻይናና ትቕብል ኣቢሎም፡ ስነ ስርዓት ገይርካ ተዛረብ ክብሉ ክገንሕዎ ፈተኑ። ዲክታቶር ኢስያስ ድማ ኩነታት ናይቲ ገዛ ብምዕዛብ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ድሕሪ ግንቦት ንጹር መልሲ ክወሃቡ ኢዩ ብምባል ነቲ ኣኼባ ዓጽዎ። ድሕሪ’ቲ ኣኼባ፡ እቶም ጀነራላት ንሰራዊት ዶሞዝ ድሕሪ ግንቦት ክትውሰኹ ኢኹም ኢሎም ከም ዝትስፎው ገበርዎ።

ግንቦት ድማ ንነብሳ ክትብል ደበኽ በለት’ሞ፡ እቲ ዝተባህለ መብጻዓ ከኣ ከይተፈጸመ እታ ወርሒ ኣብ መፈጸምታኣ በጽሐት። ስለ’ዚ እንደገና እቲ ንሓጺር ግዜ ተቛሪጹ ዝነበረ ናይ ኣበላት ሰራዊት ህድማ ክውሕዝ ጀመረ። እቲ ምዕዝምዛም ድማ መሊሱ ገደደ።

ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ዶክታቶር ኢሰይያስ ነቲ ጉዳይ ንምዝሕሓል፣ ብደረጃ ሃገር ተቖጻጸሪ ኮሚቴ (ኢንስፐክተር) ናብ ቅድመ ግንባራት እናሰደደ ዶሞዝ ክትውሰኹ ስለ ዝኾንኩም፣ ቁጽርኹም ክንደይ ከም ዝኾነ ብልክዕ ንምፍላጥ ኢና መጺእና ብምባል ግዜ ናይ ምክሳብ ሜላ መሃዘ።

ወርሒ ሕዳር 2011 ኩሉም ጀነራላት እንደገና ንኢስይያስ ክረኽብዎ እናኸዱ፡ ስብሓት እፍሬም ምስ ኣልአሚን መሓመድ ሰዒድ ኮይኑ ተራኸቦም፡፡ ዘረቦኦም ድሕሪ ምስማዕ ከአ፡ ኣልኣሚን፣ እቲ እተቕርብዎ ዘለኹም ሕቶ ቅኑዕ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ብደገ ዝራኸበኹም ሰባት ከይህልው ክብል ሓተቶም። ዑመር ጠዊል፣ ሕቶ ናይ ኣልኣሚን ስለ ዘቝጠዖ፡ ካባና ንላዕሊ እታ ሃገር ትሓልየላ አይመስለንን ክብል መለሰሉ። ቀጺሉ ኣልአሚን ዕድል ሃቡኒ ንኢስያስ ከዛርቦ ኢሉ ተፋነዎም። መልሲ ናይ ኣልአሚን ግን ክሰምዓኒ አይካአለን ዝብል ስለ ዝነበረ፣ ንኢሰይያስ ባዕሎም ክረኽብዎ ወሰኑ።

እቶም ጀነራላት ናብ በቦተኦም ምስ ተመልሱ፡ ኢሰይያስ ነቶም ጀነራላት ከመይ ገይሩ ከም ዝፈላልዮም ከም ኣመሉ ክሰርሕ ጀመረ። ብቀሊሉ ክኸስቦም እ  ኽአል ኢየ ብምባል  ንፍሊጶስን  ንተኽለ ማንጆስን ክሓቁፍ ተጓየየ። ቀጥታ ኢሰይያስ  ንተኽለ ማንጆስ ናይ ሙሉእ ማለሽያታት ሓላፊ ገይሩ ሸይምዎ። ኣሎ ዝበሃል ብረት አውጽኡ ንደቂ 60-70 ዝዕድምኦም ከም ዝዕደል ገበረ። ነዚ መግበሪኡ፡ ገለ ለውጢ እንተተራእየ፡ ህዝብና ኣብ ነንሕድሕዱ ክፋለስ ዝዓለመ ምንባሩ ኣብ ህዝቢ ይኹን ኣብ ሰራዊት ዓው ኢልካ ዝዝረበሉ ጉዳይ ኮነ።

እቶም 4 ጀነራላት ሒዘሞ ዝነበሩ መደብ ክንቅጽሎ ኣሎና ብምባል እንደገና ንኣልኣሚን መ/ስዒድ ብምርኻብ፡ እዚ ሰራዊት ገለ አንተገይሩ ተሓተትቲ ኣይኮናን ዝብል መርገጾም ኣስሚዖም ናብ በበቶኦም ተመልሱ። ነቲ  ኩሉ ዘጓነፈና  ንሰራዊት እና ሓበርናን  ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቦትኡ ሰባት እናሰርዐ ነቲ ሓሲብናዮ ዝነበርና ዕላማ  ኣብ መደምደምታ ከነበጸሖ አሎና ተበሃሂሎም ተፈላለዩ። ካብ’ቲ ቀንዲ ንሰራዊት ዝሓበርዎ፡ ደሞዝ ምውሳኽ  ከም ዘየለን ኣብ ክንድኡ 5000 ናቅፋ ከም ብርኪ በቲ መንግስቲ ኣብ ባንክ ክመሓላለፈሎም ምዃኑ ነበረ።

ካብዛ ግዜ’ዚ ጀሚሩ ኢዩ ድማ እቲ ናይ ተቓውሞ ምጥርናፍ ኣብ ኩሉ ዞባታት ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሰራዊት ዝተቐላቐለ። እቲ ቀንዲ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ጉዕዞ ጅግና  ስውእ ስዒድ ሓጃይ (ወድ ዓሊ) ስለ ዝኾነ  ብዛዕባ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝነበረ ውደባ ኣትኵርና ክነዛረብ ኢና።

ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሃዘሞ ጀ/ ዑመር ጠዊል ነቶም ላዕለዎት አካላት ከም በዓል ሙስጠፋ ኑርሑሴን፣ ስዒድ ሓጃይ (ወድ ዓሊ)፣ ኢብራሃም ገላዋ፣ ሳልሕ ዑስማን፣ መንግስቱ ወዘተ……ብምእካብ፡ ሕማቕ ኩነታት ሰራዊትን፡ ነዚ ኩነታት’ዚ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ሓሳባት ብኢሰይያስ ጸማም እዝኒ ከም ዝተዋህቦን፡ ብዙሓት ጀነራላት ከኣ ነቲ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ኣብ መደምደምትኡ ክነብጸሖ ተሰማሚዕና ኣሎና ክብል ገለጸሎም።  ድሕሪኡ፡ ወድ ዓሊ ኣብ 2012 ኣብ ቅድመ ግንባራት (ድፋዓት) አናኸደ ንኹሉም ሓለፍቲ ብርጌዳት እናዞረ ክሕብር ጀመረ። ካብ’ዚ ብምቕጻል ድማ፡ ዓቢ ምትእክኻብ ክገብር ምስ ዝድለ፡ ሽፋን ክኾኖም ብማለት፡ እቶ ሓለፍቲ ናይ’ቲ ዞና ክፍሊ ባህሊ እናአምጽኡ፡ በቲ ሓደ ወገን ጓይለ ይተኽሉ፡ በቲ ካልኣይ ወገን ድማ ዕማማቶም ከሰላስሉ ይፍትኑ። ኣብ 2013 ዓቢ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝተጸንዐ ስርሒት ንምክያድ ኣብ ሓባራዊ ርድኢት ተበጹሑ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ስርሒት ዝፍጸመሉ ዕለት ግን ኣይተወሰነን። እቲ ሰራዊት’ውን እንተኾነ፡  ክሳብ’ቲ ሰዓት’ቲ ብትሕም ትሕም ጥራሕ ኢዩ ነቲ ዝኸይድ ዝነበረ ምዕባሌ ክከታተል ዝጸንሐ።

ብዕለት 10 ጥሪ 2013  ወድ ዓሊ ንሰራዊት አኼባ ይገብረሉም።  ዝኣከቦም ሰራዊት ከኣ እቲ ልሙድ ሕቶ ይሓትዎ፣ ከም ጉዳይ ደሞዙን ካልእ ንዕኡ ዝኣመሰሉ ጉዳያትን። ደሞዝኩም ክወሰኽ እንተኾይኑ ኩነታትኩም ክመሓየሽ እንተደሊኹም፡ ኣብ’ዚ ሃገር ለውጢ ክረጋገጽ ኣለዎ፣ እዚ ከኣ ናትኩም ሓላፍነት ኢዩ ዝብሉ ቃላት ከይ ተወላወለ ክገልጸሎም ጀመረ። ዳሕራይ ከኣ ደሞዝ ምውሳኽ ኣቢዩ ዘሎ እቲ መንግስቲ ስለ ዝዀነ ኣብ ክንዲ ንዓይ ትሓቱ ነቲ መንግስቲ ሕተትዎ እናበለ ፈሊጡ ክተዃትኾም ጀመረ።

ድሓን ዝኾነ ባይታ ድሕሪ ምንጻፉ ከኣ፡ ስዉእ ወድ ዓሊ ንመራሕቲ ብርጌዳት ኣኪቡ፡ ሰጋእ ከይበለ፡ ገለ ካብ’ቲ ኣብ ሓንጎሉ ሰፊሩ ዝነበረ ናይ ለውጢ ሓሳባት ከካፍሎም ጀመረ። ክንደይ ግዜ ንሰራዊት ክነደናግር ኢና፡ ከምኡ ‘ወን ኩላህና ላዕለዎት  መራሕቲ ለውጢ ክንገብር ተራዳዲእና ኣብ ሃገርና ለውጢ ንምርግጋጽ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንሰርሕ ይግባእ ክብል ሓያል መደረ ኣስመዖም። መብዛሕቲኡም ድማ ኣብ ቀረባ ስለ ዝጸንሑን ኩነታት ናብ ኣዚዩ ዝበኣሰ ጥርዚ ይሰጋገር ምህላዉ ብምግንዛቦምን፡ ብቀጥታ ምስ ሓሳቡ ተቀባበሉ።

እዚ ምስ ገበረ ድማ፡ ስዉእ ወድ ዓሊ ናብ ወኪል አዛዚ ክፍለ ሰራዊት 31  ወዲ ረሺድ  ዝተባህለ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ቁልጡፍ መልእኽቲ ይልእክ፤ ወዲ ረሺድ ድማ ብግድኡ ነቶም ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ብርጌዳትን ከም በዓል ደንበላስን ወዲ ወልዱን፣ ስራጅን፣ ማንጆስ ፍትዊን ወ.ዘ.ተ. ብምእካብ መልእኽቲ መጺኡና አሉ፡ ንሱ ድማ አብ ሓጺር ግዜ መአረምታዊ ስጉምቲ ክንወስድ ይግባእ በሎም። ንሶም ድማ ብመን ዝመጸት መልእኽቲ ኢያ ይብልዎ?  ብጀ/ ዑመር ጠዊል ኢያ ከኣ ይብሎም፡፡ ኩሎም ተሳተፍቲ ኣኼባ ጽቡቅ ሓሳብ ምዃኑ’ኳ እንተረጋገጹ፡ ደንበላስ ግን  አነ ኢደይ ኣየእትወላን ኢየ፣ እንተኾነ ግን እግዛእብሔር ምሳኹም ይኹን በሎም። እቲ ጉዳይ ብምስጢር ክዕቖብን ኣብ ናይ ተጠንቀቕ ኩነታት ክጸንሑን  ድማ ተረዳዲኦም ተፋነዉ።

ብወገን ዑስማን ሳልሕ ዝመራሕ ክፍለ ሰራዊት 17፡ ኣብቲ መጀመርያ ናይ ምውዳብ ምንቅስቓስ፡ ዑስማን ሳልሕ ንባዕሉ ጽኑዕ መርገጽ ስለ ዘይነበሮ፡ ቡዙሕ ኣይደፈኣሉን ነይሩ። ኣብ መጨረሽታ ግን ስዉእ ወዲ ዓልን ሙስጠፋ ኑርሔሰንን ምስኡ ብምርኻብን ብምልዛብን ከዕግብዎ በቒዖም።

ስዉእ ወዲ ዓሊ ንክፍሊ ሰራዊት መካናይዝድ 42 ካብ መራሕ ሓይሊ ንላዕሊ ኣብ በሪክ ሑጻ  ዝበሃል ኣብ (ሃዘሞ) ዝርከብ ቦታ፡ ብምእካብ፡ ናይ ዶሞዝ ሕቶ ይደግምሉ’ሞ፡ ኣቱም ሰባት ጉዳይ ገንዘብ ይኹን ኩነታትኩም ከተማሓይሹ ካብ ደለኹም፡ ንሕና ኩላህና ተሓጋጊዝና ለወጢ ንምምጻእ ክንቃለስ ኣሎና፣ ኣብ ሃገርና ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል ክንጽዕር ኣሎና። ክሳብ ናብኡ ንበጽሕ ብጀ/ ስብሓት እፍሬም ዝምራሕ ግዜያዊ መንግስቲ ከነቕውም ይግባእ ዝብል ርእይቶ ከም ዘሎ ይሕብሮም።  መብዛሕቲኦም ብፍሱህ ገጽ ክቅበልዎ ከለዉ ገለ’ውን እቲ ኩነታት ደንጺይዎም ምህላዉ ኣብ ገጾም ይረአ ነበረ። እንተኾነ ግን ዋላ ሓደ’ውን ይኹን ዝቃወም ኣይነበረን።

ምዕባሌታት ከም’ዚ ኢሉ አናተጓዓዘ ስጉምቲ ዝወሰደላ ዕለት አኸለት (ናይ ዜሮ ሰዓት)፡ ጅግና ወድ ዓሊ ለይቲ ዕለት 20 ጥሪ 2013  ታንክታት ካብ ዑና ጎባ ከባቢ እንዳ’ባ ኢስቲፋኖስ (ደባትፋኖስ)-ሃዘሞ፣ ተበጊሰን ንግሆ ዕለት 21 ጥሪ ናብ ቀላይ በዓቲ ገጸን ኣምረሓ። ኣብኡ ምስ በጽሐ ነዳዲ ምልእወን ዝብል ትእዛዝ ናብ ወዲ ረሺድ አመሓላለፈ። ወዲ ረሺድ ትእዛዝ ንክፍጸም ኣብ ዝቀራረበሉ ዝነበረ፡ ሓላፊ ናይ’ቲ ቦታ ነዳዲ ክመልኣልካ ትእዛዝ የብለይን ብምባል ይኽልክሎም። ወዲ ዓሊ ኣብ ማይ ዓይኒ ምስ በጽሔ ነዳዲ ከም ተኸልኸሉ  ብቴሌፎን  ምስ ተሓበረ ብቐጥታ ናብ’ቲ ቦታ ተመልሰ፡ ብሓይሊ ከኣ እተን ታንክታት  ነዳዲ ከም ዝመልኣ ገበረ።

ብመሰረት’ቲ ኣቐዲሙ ተወጢኑ ዝነበረ መደብ ኣብ በዓል ተኹል ምስ በጸሑ፡ ዑስማን ሳልሕ ዝመርሐን  4 ዓበይቲ መካይን (ማርሰዲስ) ሰራዊት ዝጸዓና ከም ዘርክባ ይኸውን።

ስዉእ ወድ ዓሊ ንዑመር ጠዊል ደዊሉ፡ ስለምንታይ ነቲ ሓላፊ ነዳዲ ዘይሓበርካዮ ክብል ሓተቶ? ዑመር ጠዊል ብወገኑ እቶም ብጾትና ክሒዶምና ኢዮም፡ መዓልቲ ክንቅይር ኣለና፡ ስለ’ዚ ናብ ቦታኻ ተመለስ ምስ በሎ፤ ስራሕ ቆልዑ መዓስ ኮይኑ ሕጂ ዝምለስ ብምባል ቡዙሕ ይጨቃጨቁ፡ ኣብ ዘይምርድዳአ ድማ ይበጽሑ። ሰራዊት ከኣ እቲ ዝግበር ዝነበረ ዝርርብ ይሰምዖ ብምንባሩ ሞራሉ ቁሩብ ክትንከፍ ይጅምር።

ወድ ዓሊ ጉዕዝኡ ናብ አስመራ ገጹ እናቀጸለ፡ ናብ ሓደ ካብ’ቶም ምስኡ ተሰማሚዖም ዝነበሩ ዓበይቲ ሓለፍቲ ይድውል፡ እቲ ዝተጓነፈ ተረኽቦታት ምስ ሓበሮ፡ ዘረባ  ዑመር ጠዊል ኣይትስማዕ ጉዕዘኻ ሱቅ ኢልካ ቀጽል ኢሉ ኣተባብዖ።

ነቲ ናብ ኣስመራ ገጹ ዘምርሕ ዝነበረ ሓይሊ ንምዕጋት፡ ናይ ሙሉእ መካናይዝድ ሓላፊ (ወዲ ሞክየ) ይሰድሉ። ስማዕ ወዲ ዓሊ ብናይ መን ትእዛዝን ምስ መን ተረዳዲአኻን ኢኻ ነዘን ታንክታት ኣንቀሳቅካየን ይብሉ? ካብኡ ዝተላዕለ ክልቲኦም ሓደን ክልተን ምስ ተባሃሉ ተዅሲ ይኽፈት ወዲ ሞክየ ድማ ይውጋእ። ሳልሕ ዑስማን ስለምንታይ ትትኩሰሉ፣ ደም ክፈስስ ኣይንደልን ኢና ይብሎም? ጅግና ወዲ ዓሊ ከኣ፡ ሱቅ በል ከይሃርምካ ወይ ከይተሃረምካ ዝመጽእ ለውጢ የለን ይብሎ።

እቲ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ኣስመራ ምስ በጽሐ፡ ቀጥታ ናብ’ቲ ኣብ ፎርቶ ዝርከብ መደበር ክፍሊ ዕዮ ዜና (ቲቪ-ኤረ) ገጹ ኣምረሐ። ጅግና ወድ ዓሊ ናብ መደበር ዜና ብምእታው ብቲቪ ኤረ ኣቢሉ 5 ነጥብታት ዝሓዘለ ኣገዳሲ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ መዝጊቡ፡ ነቶም ናይ ዜና ኣቀናበርቲ ክልእክዎም ኣዘዞም። እቲ መልእኽቲ ከኣ ብቲቪ ተቓለሐ። ካልእ መልእክቲ’ውን ክፍኑ ምስ ኣዳለወ፡ እቲ መልእክቲ ካብ’ቲ ቦታ ተመሓላሊፉ ከብቅዕ፡ እንተኾነ ግን እቲ ፈነወ ናብ ህዝቢ ከይበጽሐ፡ ኣብ ቤት ገርጊስ ዝርከብ ቀንዲ ናይ ፈነወ መደበር (ርስቨር) ተዓጊቱ ተረፈ። ፈነወ ቲቪ ኤረ ድማ ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ ጠጠው ኢሉ ከም ዝወዓለ ኩላህና ዝተኸታተልናዮ ኢዩ። ካብ’ተን 5  ክመሓላለፈ ተመዲበን ዝነበራ ነጥብታት “ቅዋም ይተግበር፣ ፖለቲካውያን እሱራት ይለቐቑ” “መነባብሮ ኣባላት ሰራዊት ይመሓየሽ” ዝብላ ኢየን። ኣብዚ ግዜ’ዚ ዑስማን ሳልሕ ምስ ገለ መራሕቲ ምስ ሃደመ እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ’ቲ ኣብቲ ቦታ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ንዖኦም ብምርኣይ  ጠጠው ክብል አይከኣለን። ወዲ ዓሊ ካብ ቲቪ-ኤረ ውጽእ አንተበለ ብጀካ ሓንቲ ታንክ ምስ ናይ ከቢድ ብረት (መድፋዕጂ) ካልእ ኩሉ መንገዱ ጸሪጉ ጸንሖ።

እዚ ኩሉ ጥልመት ምስ ረኣየ፡ ጅግና ስዉእ ስዒድ ሓጃይ (ወድ ዓሊ) መኪንኡ ኣልዒሉ ነቲ ምስኡ ዝነበር ብጻዩ “ ድላይካ ምርጫ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፡ አነ ግን ክሳብ ዝስዋእ ክቅጽል ኢየ” ኢሉ ተወንጨፈ። ልኡኻት ናይ ኢሰይያስ ድማ ደድሕርኡ እናሰዓቡ ተታኸስዎ፡ ጅግና ወዲ ዓሊ ድማ  ክሳብ መጨረሻ ጥይቱ ትውድእ ተታኾሶም ብጅግንነቱ ድማ ተሰወአ።

ነዚ ብጅግና ወዲ ዓሊን ብጾቱን ዝተገብረ ቅያ ንምንእኣስን ህዝቢ ንከይስዕቦን፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከይሓፈረ ዘይመልክዑ ክህቦ ፈተነ። ኣብ መጀመርታ፡ ገለ ከም ዘይተረኽበ ክገልጽ’ኳ እንተ ፈተነ፣ ድሮ ህዝብናን ዓለምን ዝፈለጡ ጉዳይ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ፡ ነቲ ዝተረኽበ ስርሒት ፎርቶ ከም ናይ ወገንን ሃይማኖትን ምንቅስቓስ ኢዩ ዝብል ፕሮባጋንዳ ብመጋበርያታቱ ክነዝሕ ጀመረ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝገበሮ ከንቶ ፈተነታት ምስ ሓቅታት ተራጸመ። ጅግና ወድ ዓሊ ከም መቐጸልታ ጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ፍናን ቃልሲ ህዝብና ሰማይ ከም ዝዓርግ ገበሮ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ተቓላሳይ ህዝብና ዉዕዉዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ብምስራዕ ስእልታት ናይ ስዉእ ወዲ ዓሊ ተሓንጊጡ ወጸ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ናይ ለውጢ ሽግ ንምጥፋእ፡ ሃገር ብምሉኣ ናብ ራዕድን ሽበራን ቀየራ። ብዙሓት ተቓለስቲ ባእታታት፡ ናብ’ቲ  ድሮ ዒቝ ኢሉ ዝርከብ ብኣማእት ዝቝጸር ኣብያተ ማእሰርቲ ደቕደቖም። ከም’ቶም ዝሓለፉ፡ ብዘይ ፍርድን ሕጋዊ ክስን ንኻልኣይ ዓመቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክበልዩ ይርከቡ ኣለዉ።

ንሕና፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ህዝቡ ንምድሓን ኢሉ ቅያ ዝፈጸመ ጅግና ስዒድ ሓጃይ፡  ወድ ዓሊ፡ ወላ’ውን ጉቡእና ይኹን እምበር፡ ንኩቡራት ስድራ ቤቱ ካብ’ዚ ኣረሚናዊ ስርዓት’ዚ ንምድሓን እጃምና ከነልዕል ናይ ግድን ኢዩ ካብ ዝብል እምነት ተበጊስና፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ሱዳንን ዝርከቡ ኣባላትና፡ ክብርቲ ስድራ ቤት ጅግና ወድ ዓሊ ኣብ’ዚ ሎሚ ብሰላም ተዓቍባትሉ ዘላ ቦታ ንክትበጽሕ ሃገራዊ ግዴና ምፍጻምና ኮርዓት ይስመዓና።

ጅግና ይስዋአ  ታሪኩ ግን ነባሪ ከም ዝበሃል ፡ኩሉ ግዜ ጅግና ወድ ዓሊ ምሳና ክነብር ኢዩ።

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

21 ጥሪ 2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9307

Posted by on Jan 22 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net