ጋዜጣዊ መግለጺ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ቁ(1)

ሃገራዊ ባይቶ ካብ 15 ክሳብ 20 ታሕሳስ 2014 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ብዝወሰኖ ውሳኔ መሰረት ምግባርን፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ 2ጉባኤ ንምድላው ዝተሃባ መምርሕ ምርኩስ ምግባርን፡ መደባታ ንምፍጻም ቀዳማይ ኣኼባኣ 7 ጥሪ 2015 ኣካየደት።

  1. ዕዯኣ ዝስርዕን ኣብ ሞንጎ ኣባላታ ሓላፊነታት ዘነጽርን ውሽጣዊ መምርሒ ኣጽደቐት።
  2. ብመሰረት ስርዒታዊ መምርሒ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶን ኣብ ቀዳማይ ኣኼባኣ ዝጽደቐቶ ውሽጣዊ መመርሕን፡ ኣብ ርእስኡ ኣቦመንበራ ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ዝተነጸረ ብምንባሩን ዕማማታ ኣቦ ሞንጎ ኣባላታ ብከምዚ ዝስዕብ ኣከፋፈለት፦

 

መሓመድ ኣሕመድ ሰፈር ምክትል ኣቦመንበር፣ ትዕግስቲ ብርሃነ ሰክርተር፣ መሓመድ ጣሃ ዑመር ሓላፊ ናይ ውደባን ኣገልግሎትን ሽማግለ፣ እብራሂም ሳልሕ ፋር ሓላፊ ናይ ዜናን ባህልን ሽማግለ፣ ኣብርሃም ነጋሲ ሓላፊ ናይ ገንዘባዊት ሽማግለ።

 

ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ሰነዳት ንእትዳሉ ሽማገለ ክሳብ ባዶነት ዝምላእ በዓሉ ክከታተላ’ዩ።

ከምኡ’ውን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ ምስንዳእ መድረኽ ዘድልዮ ባጀትን፡ ምስ’ጉባኤ ዝግበረሉ ጊዜ ዝሰማማዕ ጉባኤኛታት ኣብ ቦታ ጉባኤ ብምብጻሕ ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ዝውዳእ ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ መድረኻት ዝከፋፈል ውጥን ዕዮን፡ መቓን ናይ፡ጊዜን ሰሌዳን ኣቐምጣ ኣላ። ነፍስ ወከፍ መድረኽ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕማማትን መተካእታታትን ብንጹር ዝተቐመጠሉ ንኡሳን መድረኻት ኣሎዎ።

 

ኣሰናዳኢት ሽማግለ መድረኽ(ሀ) ከም ዛዘመት ትገልጽ። ንሱ ድማ ውጥን ዕዮን፡ ስርዒታዊ መምርሕን፡ ዲሲፕልንን፡ ሕግታትን፡ ነገራውን ሕጋውን ትሕተ ቅርጻ ምንጻፍን ዘጠቓለለ’ዩ። ካብ ሎሚ ጀምራ ድማ ናብ መድረኽ(ለ) ትብገስ ኣላ። ንሱ ካኣ ዞባታት ምስራዕ ምእንቲ ብመንገዲ ምርሕታት ኣሰናዳኢት ኣቢለን ኣብ ውደባን ምወላን ምርጭታትን ግደአን ንምብርካት። ምስኣተን ጽዑቕ ምምኽኻር ምግባርን፡ ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምንጻርን ዘጠቓለለ’ዩ።

 

ኣናዳኢት ሽማግለ ካብ ገድላዊ ሸኸም ምድላው ዝተሰከመትሉ ሓላፍነታዊ መንፈስን፡ ኣብ ሞንጎ ኣባላታ ሰፊኑ ዘሎ መንፈስ ስጥመትን፡ ምትእምማንን ብምንቃል ዝስዕቡ መደባታት ንምምላእ ቅሩብነት ከም ዘሎዋ ትገልጽ።

 

ኣብ ርእስኡ ድማ  መላእ ህዝቢ ኤርትራን፡ ተሓጋገዝቲ ሽማግለታትን፡ ዞባታትን ጨንፈራትን ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን፡ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ስቭል ማሕበራትን፡ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝቃለሱ ሃገራውያን ባእታታትን፡ ኣብ ጎኒ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ደው ብምባል ነገራውን ሞራላውን ተክኒካውን ደገፋት ንምብርካት ትጽዊዕ። ከምኡ’ውን ምእንቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ተቓውሞ ሓይልታት ህዝቢ ኣብ ጎኑ ብምስላፍ ካብ ገዛኢ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንህዝቢ ከናግፍ ኣይክእልን’ዝብል ጥርጣሬ ዘልግስን ማዕረ ትጽቢት ህዝቢና ዝኸውንን ዕዉት ጉባኤ ንምክያድ ክከኣል፡ ብመምርሒ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓላፍነት ንእተሰክሞም ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት መደባቶም ኣብ ምስላጥ ክተሓጋገዝዎም ትጽዊዕ።

 

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ርእይቶን ትዕዝብትን ህዝቢ ንምስማዕ፡ ዘበናዊ መሳለጥያታት ብምጥቓም ምስ ኩሎም ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ ብዝተኽእለ መጠን ጊዜን ነገራዊ ዓቕሚ ብዝፈቕዶ፡  ዎርክ ሾፓትን ስሚናራትን ከተካይድ’ያ።

 

ኣሰናዳኢት ሽማገል

 

24 ጥሪ 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9332

Posted by on Jan 27 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net