ጽዑቕ ንጥፈታት ጨናፍር ግ.ሃ.ድ.ኤ.

ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT swiss branch

ስዊስ፡  ብዕለት 7/2/ 2015 ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪኽ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ወተሃደራውን ጸጥታውን ቤት ጽሕፈት ግ.ሃ.ድ.ኤ ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ዝተሳተፎ ዕዉት  ናይ ኣባላት ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ካብ ዝተፈላለየ ካንቶናትን ከተማታትን ስዊስ ዝመጹ ወከልቲ ጉጅለታት ጨንፈር ስዊስ ከም ዝተረኽብዎ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።  ኣኼባ ብቃል ሽማግለ ጨንፈር ተኸፊቱ። ቀጺሉ ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ህልው ኩነታት ሃገርናን፡ ኩነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ሃለዋት ውድብና ኣብዚ መድረኽ እዚን፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣጋጢሙዎ ዝጸንሔ ሽግራትን  ኣገባብ ኣፈታትሓኡን  ብዝምልከት እውን ብሰፊሑ ንኣኼብኛታት ንጹር መግለጺ ብምቕራብ፡ ቤላበለውን ሓሶትን ተጻባእቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ በኒኑ ከም ዝተረፍ ኮይኑ ክብል ካብ ስዊዘርላንድ ዝመጸና ሓበሬታ ኣብ

 

ርእሲ ምርጋግጹ ፡ ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ድሕነት ዝጸንሑ ኣባላት ክፍሊ ባህሊ ናይ ውድብና ዝነበሩ ዝርከብዎም፡ ብዝሓት መንእሰያት ከም ዝተሳተፍዎ  ተፈሊጡ። እቶም መንእሰያት ሎሚ እውን ከም ቀደም ንውድቦም ብዘለዎም ሞያ ከገልግሉ ድሉዋት  ምዃኖም ቃል ከም ዝኣተዉ  ካብ ከተማ ዙሪኽ ዝመጸና ዜና ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ መግለጽን ሓበሬታን ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ካብ ኣኸበኛታት ዝቐረበ ሕቶታት  መልሲ ድሕሪ ምሃብን፡ ካብ ኣኼብኛታት ንዝቐረቡ ሃነጽቲ ርእይቶታን ለበዋታትን ድሕሪ ምቕባል፡ እቲ ኣኸባ ናይ ቃልሲ ወኒ ብዘለዓዕል ኣገባብ ብዓወት ምዝዛሙ ተሓቢሩ።

ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ጉዕዞኡ ብምቕጻል ኣብ ከተማ ጅነቭ ብዕለት 09.02.2015 ምስ ኣገደስቲ ናይ ዲፕሎማሲ ሰባትን፡ ኣባላት መሪሕነት መሓዙት ተቓወምቲ ውድባትን ኣገደስቲ ሃገራውያን ባእታትን ተራኺቡ ንህዝብናን ሃገርናን ኮምኡ’ውን ንውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝምልከት ሃናጺ ዝርርብ ከም ዘካየደ ካብ ጅነቭ ዝበጻሓና ዜና ኣፍሊጡ።

ስዑዲ ዓረብ፡ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ጨንፈር ርያድ ብዓርቢ ዕለት 30/01/2015 ኣገዳሲ ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ኣኼባ ብጻይ መሓመድ ስዒድ ሓጎስ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ግ.ሃ.ድ.ኤን ወኪል ፈጻሚ ኣካል ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ተረኺቡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርን ተቓውሞ ደንበን ብፍላይ ድማ ውጽኢት ህጹጽ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከምኡ’ውን  ውጽኢት ሻድሻይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ውድብናን ኣመልኪቱ ኣገዳሲ መብርሂ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ ብጻይ ኣሰፋው ኣብራሃ ኣቦ መንበር ጨንፈር ርያድ ካብ ውድብ ዝመጸ መምርሒታትን ሓበሬታን ንኣኼብኛታት ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ ሽማግለ ጨንፈር ዘካየዶም ንጥፈታት ብዝምልከት ሓጺር ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣኼብኛታት ኣብ’ዚ ምርኩስ ብምግባር ድማ፡  ጨንፈርን ውድብን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን፡  ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ሃገርና ህዝብናን ዘቕነዐ ዓሚቝ ገምጋም ኣካይዶም። ውድብና ካብ’ቲ ኣቲይዎ ዝነበረ ቅልውላው ወጺኡን ሓድነቱ ዓቂቡን፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ህዝባውን ዜናውን ንጥፈታትን ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኣውንታዊ ስራሓትን፡ ጨንፈር ርያድ ኣመጕሱ። ኣብ መጻኢ ግዜ፡ ግደ ጨንፈር ርያድ ዝያዳ ንምዕዛዝን ሃገራዊ ግደ ውድብና ንምሕያልን ነፍሲ ወከፍ ኣባል ካብኡ ዝጥለብ ከማልእ ድሉው ምዃኑ ብምርግጋጽ ኣኼባ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ጨንፈር ርያድ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።   

  

ሽወደን፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ጨንፈር ሽወድን  ኣብ ትሕቲ “ ሕጂ’ውን ከም ትማሊ፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” ዝብል ጭርሖ፡ ብዕለት 07/02/2015  ዕዉት ጨንፈራዊ ጉባኤኡ ከም ዘካየደ ካብ ስቶክሆልም ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ብጻይ መሓመድ ስዒድ ኢድሪስ (መፍለስ) ኣቦ መንበር ማእከላይ ባይቶ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ኣብ ሃገርና ተኸሲቶም ዘለዉ ፖለቲካዊ ምዕባሌታትን፡ ከምኡ’ውን ውድብና ብፍላይ፡ ተቓውሞ ደምበ ድማ ብሓፈሻ  ዝርከበሉ ዘለዉ ኩነታት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ። ብጻይ ጃብር ያሲን ወኪል ፈጻሚ ኣካል ኣብ ኤውሮጳ፡ ብፈጻሚ ኣካል ተመዲቡ ዘሎ ዕማማትን፡ ንህዝባዊ ስርርዓትና ዝምልከት መምርሒታትን ብዝምልከት ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ። ካብኡ ብምቕጻል፡ ጉባኤኛታት ናይ ዝሓለፈ እዋን ጸብጻባት ድሕሪ ምርኣይን ወድዓዊ ገምጋም ብምክያድ፡ ንዝመጽእ ግዜ ዝሰርሕሉ መደብ-ዕዮ ተሊሞም። ካብ’ቶም ኣብ መጻኢ ብትዅረት ንክረኣዮ ዝተወሰኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሽወደን ጽዑቕ  ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብምክያድ ስርርዕና ከም ዝሰፍሕ ንምግባር ነበረ። ብሳላ’ቲ ውድብና ዝውንኖ ሃገራዊ ኣመላኽታን ዘለዎ ፖለቲካዊ ክብደትን እዚ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዕማም ንክዕወት ዓቢ ተስፋ ከም ዘሎ፡ እቲ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ። ኣብ መደምታ፡ ክሳብ ዝመጽእ ጉባኤ፡ ጨንፈር እትመርሕ ሽማግለ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽን ኣገደስቲ ውሳኔታትን ለበዋታትን ብምምሕልላፍን፡ ጉባኤ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ጨንፈር ሽወደን ብዓወት ከም ዝተዛዘመ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!           

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

12/02/2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9390

Posted by on Feb 13 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net