ቃል ምስጋና

fikakብምኽንያት እንፍቅሮ በዓልቤተይ፣ ኣቦና ወላዲናን፣ ኣቦሓጎናን፣ ኣቦ ኣቦሓጎናን መምህር ቍርባን ንጉሠ ፍካክ ኣብ ሆስቲታል ተዓቊቡ ክሕከም ድሕሪ ምጽንሑ ብሞት ተፈልዩና። ብናይ ፍቑር ኣቦና ሞት ዝወረደና መሪር ሓዘን፤ ኣብ’ዚ ከቢድ እዋን ሓዘንና፤ ድኻምኩም፡ ግዜኹም ከይጸብጸብኩም ኣብ ገዛና ብምምልላስ ዘጸናናኩምና ኮነ፡ ከምኡ ኣብቲ ናይ መጨረሽታ ናይ ዕርፍቲ ቦትኡ ንምስናይ ካብ ሃገር ሽወድንን፣ ካብ ሃገራት ኤውሮጳን፣ ካብ ሰሜን ኣሜሪካን፣ ኣብ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ተረኺብኩም ዝቃበርኩምናን፡ ዘጸናናኩምናን፣ ፤ዝገበርኩምልና ኩሉ፡ ዓይነት ድጋፍን ምትሕብባርኩምን ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን።ከሞኡ’ውን ብደብዳቤ፡ ተሌፎን፡ ብኢሜል፡ ብኻሊእ መራኸቢታት ዘጸናናዕኩምና ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን።  ጸሎተ-ፍትሓት ዘዕረግኩም ጥቀ ክቡራን ቐሳውሳትን ዲያቆናትን ከኣ ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን። ብመሳጢ መዛሙራት ዘሰነኹሞ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ኡጄንያ/ስቶኮልም/ መዘምራን ክፍሊ ግእዝ ከኣ ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን። ቤተ-ክህነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ፡ ዘጸናናዕኩምናን፡ ዘቃበርኩምናን፡ ዝተሓባበርኩምናን ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን፤ ከምኡ’ውን ንጃልያ ኢስላምያ ኤርትራ፡ ዘጸናናዕኩምናንን፡ ዘቃበርኩምናን፡ ዝተሓባበርኩምናን ኣዝዩ ብልቢ ነመስግን። ንኩልኹም ብሓበራ ሕሰም ኣይትርከቡ፡ የቀንየልና፡ ክብረት ይሃበልና ንብል።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት መምህር ቍርባን ንጉሠ ፍካክ

መምህር ቍርባን ንጉሠ ፍካክ ብ04 ጥሪ 1939 ዓ.ም.ፈ. ካብ ወለዱ ኣቶ ንጉሠ ፍካክን፣ ወይዘሮ ኣብረሀት እክትን፡ ሓደ ኣብ መንጎ ሸውዓተ ኣሕዋት ኣብ ከረን ተወሊዱ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ከረን ድማ ተጠሚቁ።ኣብታ ዝተወልደላ ከተማ መባእታን፣ ማእከላይ ትምህርቱ (ኣብቲ እዋን’ቲ፡ እቲ ዝለዓለ ትምህርቲ፡ ማእከላይ ቤት ትምህርቲ (Middle School) እታ እንኮ ቤት ትምህርቲ ንምሉእ ኣውራጃታት ሠንሒትን፤ ሣሕልን፤ ባርካን/ ናይ ሎሚ ጋሽ-ባርካ/) ምስ ፈጸመ፡ ኣብታ ኣብ ኣሸራ(ከረን) እትርከብ ናይ ቁምስና ቤት ትምህርቲ፡ መምህር ተቈጺሩ ካብ 1959 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ 1970 ኣገልጊሉ። ኣብዛ ኣኸቲላ ክሳብ 8 ክፍሊ ዝበጽሐት ቤት ትምህርቲ፡ ንብዙሓት ብፍልጠትን ብሥነ ሥርዓትን ምሂሩን ኰስኲሱን። ብዙሓት ካብቲ ንሱ ዝማሃሮም፤ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝርከቡሉ ወጻኢ ሃገራትን፡ ቦታ ስደትን ተዘርጊሖም ይርከቡ። ኵላቶም ንመምህሮም፡ መም. ቍርባን  ብጽቡቅ ይዝክርዎ፡ ኣውራኳ ስነ-ሥርዓት ዝመሃሮም።

መምህር ቍርባን ኣብ ኣሸራ ክምህር ምስ ጀመረ ኣይደንጐየን ምስታ ምእላይ ሕሙማት ብግቡእ ተማሂራ፡ ሽዑ ኣሸራ ብሕምና ተገልግል ዝነበረት ወ/ት ለተየሱስ ተክለሃይማኖት፡ ብቃል ኪዳን ተመርዕዩ፡ክሳብ እታ ዝዓለፈላ ሰዓት ብፍቕርን፡ ብእምነትን ብሓደ ተጓዒዞም። ኣርባዕተ ውሉድ፣ ኣኸቲሎም ከኣ 13 ደቂደቆም፣ 3 ደቂደቃ ንበዅሪ ጓሎም ፈርዮምን ሐቍፎምን።

በቲ ናይ ሽዑ ዘይርጉእ ኵነታት፡ መምህር ካብ ኣሸራ ንከረን፡ ናብቲ ብ”እንዳ ሚስቴር ሂዩ” ዝፍለጥ ዝኽታማት ቆልዑ ዝዕቆቡሉን፣ ዚእለዩሉን፣ ዚመሃሩሉን (orphanage)ዝነበሩ ትካል፡ ተቈጺሩ ን 7 ዓመት ዚኣክል ነቶም ዘኽታማት ኣብ ምዕባይን ምምሃርን፡ ሓልዮት ዝዕላምኡ ጽቡቅ ኣሰርን ዝናን ዝገደፈ ኣገልግሎት ኣወፊዩ። ገሊኣቶም ካብቶም ሽዑ መምህር ዝኣልዮም ዝነበረ፡ ሕጂ ምስ ሞተ ሓዘኖም እናገለጹ፡ ነቲ ናይ መምህር ቍርባን ተገዳስነትን፡ ሓልዮትን ብኣድናቆት ትዝትኦም ብስምዒት ክዝክሩ ተሰሚዖም። ክሳብ እቲ ትካል በቲ ብናይ ገድሊ ኵነት ምኽንያት ዝገጠመ ለውጢ፡ ሥርሑ ዝትዓናቀፍ ኣብኡ ጸኒሑ’ዩ። ብድሕሪኡ ግን መጀመርያ ንሱዳን፡ ጸኒሑ ድማ ንዓዲ ዓረብ ተሰዲዱ ክሳብ 1991 ኣብኡ እንዳሰርሐ ተቀሚጡ ። ኣብቲ ዳሕራይ ፍርቂ ዓመት ናይ 1991 ናብ ሽወደን ናብ ስድራ ቤቱ ተጸንቢሩ ኣብ ከተማ ቭነሽቦሪ ተቀሚጡ። ኣብኡ’ውን በቲ ብንእስነቱ ዘዘውተሮ ሥርሑ ብምቅጻል “ናይ ቋንቋ ኣደ” መምህር ተቈጺሩ ክሳብ ናይ ጥሮታ ዕድመ ዚመልእ ሠሪሑ። ድሕሪኡ ግን ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ርእሲ ከተማ ሽወደን ስቶኮልም ሠፊሮም። ኣብዚ መወዳእታ ዓመታት ብዙሕ ጥዕና ኣይረኸበን፤ ካብ መጨረሽታ 2013 ከኣ እናበትዖ ከይዱ። ኣውራ ግን ብሠኔ 2014፡ ድሕሪ ጊዜ ዝወሰደ መርመራ፡ ሓካይም እዛ መጨረሻ ናይ ሞቱ ምኽንያት ሕማም ከምዘላቶ ኣረጋጊጾም ኣፍሊጦሞ። ካብ ሽዑ እናተቃለሰ ከሎ እታ ናይ ኵላትና ዕጫ ዝኾነት፡ ዕለታን፡ ሰዓታን ፈሊና ዘይንፈልጣ ሞት ኣርኪባቶ። እቲ ብሕይወቱ ከሎ ብእምነትን፣ ትግሃትን ዘገልገሎ ጐይታ፡ ኣብ ሰማያዊ ዘለኣለማዊ መንግስቱ ይቀበሎ።

ሕጂ’ውን ደጊምና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ፡ የቀንየልና፤ ክብረት ይሃበልና፡ንብል።

በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ለተ’ሱስ ተክለሃይማኖትን፡ ደቆምን፣ ደቂ ደቆምን፣ ምስ ምሉእ ሥድራ ቤትን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9396

Posted by on Feb 22 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net