ሃገራዊ ሓድነት ምውሓስ መቅድም ዓወትን ቀጻልነትን ሃገር’ዩ

 ensf baner

 ቅድሚ ዝኣገረ ክንሕብሮ እንደልዮ ጉዳይ፡ ብኣና ይኹን ብካልኦት መሓዙት ተቓለስቲ ሓይልታት ኤርትራ ዝቐርብ ርኢቶታ እንኮን ጉድለት ዘይብሉ ፍጹም ቅኑዕ’ዩ፡ ወይ ድማ እንኮን ሓቅታት ዘይብሉ ፍጹም ጌጋ’ዩ ዝዓይነቱ ድፉን ሚዛን የብልናን። ርእይቶና ዕግበትና’ኳ እንተኾነ ቅኑዕን ጉድለታትን ጎኒታት ከም ዝህልዎ ንኣምን። ስለዝኾነ ርኢቶና ምስ መሓዙት ሃገራዊ ሓይልታት ብእንካይዶ ሃናጺ ዘተ ዝክለስን፡ ዝመላላእን ዝምዕብልን ኢዩ። ከምኡ ስለዝኾነ’ዩ ንምይይጥ እነቕርቦ። ዕላማ ራእዪና፡ ናይ ሓባር ሃገርን፡ ስሙር ህዝብን ምህናጽ’ዩ። ኣቃልቦና’ውን ናብ’ቲ ንሃገርና ኣንጸላልይዋ ዘሎ ጭቡጥ ሓደጋ ምግባር’ዩ። ህልዊ ሓደጋታት  ንምግታእ ብመንገዲ ሃገራዊ ዘተ ዲሞክራስያዊ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር’ዩ። ምእንታኡ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትና ብዝተፈላለዩ መልከዓት ህንካን-ሃባን ዝመሰረቱ ብዘይ ዝኾነ ይኹን መልከዓት ተጽዕኖታት ሕድሕድ ሕድገታት ዝቕበል ሃናጺ ዘተ ብምክያድ፡ ጠርናፊ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ምፍራይን ብቐጻሊ ምምዕባልን። ንሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቱ ደቁን ሃገርን ዝልክም ህልዊ ጭቡጥ ሓደጋ ኣብ ቅድመና ተደቂኑ ክሳብ ዝሃለወ፡ ህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ብምዝታይን፡ ነንሕድሕድና ቅቡል ሕድገታት ብምግባርን፡ ፍሬ ውጽኢት ዘተና ዝኾነ ሓባራዊ ተረዶኦ ኩሉ ከከም ዓቕሙ ንምትግባሩ ብምጽዓርን፡ ባይታ ሕድሕድ ምትእምማን ክንፈጥር ኣሎና። ባህሊ ዘተን ልምዲ ሕድገታትን’ውን ይዓዝዝ’ዩ።

ኣብ ርእይቶና ጉድለት ዘስተብህል ዝኾነ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ሓይሊ፡ ከም ሃገራዊ መሓዛና መጠን፡ ኣብ’ቲ ቅኑዕ ሸነኻቱ ክድግፈናን፡ ኣብ’ቲ ዝጎደለና ብምምኽኻርን ዘተን ክምልኣልናን፡ ነቲ ጌጋታትና ምትእምማን ብዝፈጥር እሩም ኣገባብ ኣቀራርባ ክእርመንናን ትጽብትና’ዩ። ከምኡ ምግባር ነቐፈታዊ ደገፍ ስለዝኾነ ቅኑዕን ሃናጽን’ውን’ዩ። ንሕና’ውን ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራዊ ተቓለስቲ ሓይልታት ርኢቶታት ከም ሃገራዊ መሓዞኦም መጠን፡ ካብ ዝኾነ ኣሉታዊ ግብረ መልሲታት ብምርሓቕ ብመንገዲ ዘተ ከምኡ ክንገብር ገድላዊ ጉቡእና’ዩ። ኣጻብዕ ምውጥዋጥን፡ ዘለፋን፡ ዝንጠላን፡ ኣጉል ፊተ-ፍርድን ምቕራብ ግን፡ ንኩላህና ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ለኻኺሙ ዘውድቐንና’ምበር፡ ናይ ኩላህና ገድላዊ ግደ ዘየበርኽን ሕድሕድ ምትእምማን ዘቋስልን፡ ተጋድሎ ተቓውሞ ንድሕሪት ዝጎትትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ ከም ዘይብሉ ከነዘኻኽር ንፈቱ።

ኣብ ሃገርና ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ንከቢድ ሓደጋ ይቓላዕ ኣሎ። ኣብ ሃገርና ብስንኪ’ቲ ናይ ገዛእቲ ስርዓታት ጉጉይ ፖለቲካውን ቁጠባውን ፖሊሲታት ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ሱር ሰዲዱ ኣሎ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብፖለቲካውን ቁጠባውን ምንቁልቋል ክሳቐ  እንከሎ፡ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ገሪሩ ቅድሚ ምግንፋል፡ ናይ ደገ ጸላኢ ንምርካብ ኣብ ልዕሊ ጎረባባቲ ሃገራት ወራር የካይድ። ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ድማ ከም ባእታ ዘራጊት ዞባዊ ሰላም ይቁጸር። ጉዕዞ ኩሉ መዳያዊ ሂወት ሃገር ልምዓታዊ ገስጋስ ይኹለፍ። ናይ ሃገር ፖለቲኮ ቁጠባዊ መስርሕ ነዊሕ ርሕቀት ንድሕሪት ይጉተት። ህዝቢ ኣደዳ ናይ ገዛእቲ ጉጉይ ፖሊሲታት ብምዃን ንዓሚቕ ድኽነትን፡ ምምዝባልን፡ ምብትታን ስድራቤታትን ስደትን ብቕሉዕ ይቓላዕ። ሃገር ከም ሃገር ጠጠው እትብለሉ ዓንድታት ሓድነትን ሃገራዊ ሽርክነትን ክነቅዝ ይረአ። ናይ ሕብረተሰብ ሃገራዊ ንቕሓት ብምጒዳምን፡ ሃገራዊ ማኣስር ኣካቢ ሃገራውነት ብምድኸምን፡ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ጠርናፊ ፖለቲካ፡ ኣውራጃውን ቀቢላውን ሃይማኖታውን ቅርሕንትታት ዳግም ዝጽሕትርን ዘስርጽን መቓቓሊ ተጻባኢ ፖለቲካ  ክኩስኲስ ይረአ ኣሎ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ከም ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ተርእዮ፡ እዚ ሓደጋ’ዚ ብጭቡጥ ክረአ ክጅምር እንከሉ’ዩ፡ ከም ምልክታት ፍሽለት ሃገር ዝውሰድ። ህዝብን ሃገርን ንሓደጋ ምብትታን ክሳጣሕ እንከሎ፡ ብኡንብኡ እዚ ሓደጋ’ዚ ብሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ እንከይተፈወሰ ነዊሕ ጊዜ ምስ ዝወስድ፡ ንፖለቲካዊ ተቓውሞ ሓይልታት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ብኣሉታ ይጸልዎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊኦም’ውን ከይዱ ከይዱ ኣብ ናይ ሕንፍሽፍሽ ፖለቲካ ብዘጥሕሎም ሓደጋ ምድስካል የቓልዖም። ኣብ ከም’ዚ ኩነታት’ዩ’ምበኣር፡ ምዕዛዝ ሃገራዊ ሓድነት ዝያዳ ኩሉን ግድነታዊ ህጹጽ ሕቶን ዝኸውን። ምኽንያቱ ድማ፡ ሃገራዊ ሓድነት ዘይጠምሮ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ሓይልታት ንዝቦኽቦኸ ስርዓት ከወድቕ ይኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ብርግጽ ስሙር ህዝብን ስምርቲ ሃገርን ከሃንጽ ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሕድሕድ ምቅንጻል ስለ ዝኣትዉ ንሃገር የፍርሳን፡ በብእዋኑ ንዝቀያየር መልከዓት ኢድ ምትእትታው ደገዊ ሓይልታት ደረት ዘይብሉ ባብ የርሕውን። 

ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ስለ እንቃወሞ ኣብ ልዕሊኡ ካብ ዘሎና ምሒር ጽልኢብምንቃል፡ ንህዝብናን ሃገርናን ዘየንጸላልዎ ሓደጋ ምብትታን ከም ዘሎ ኣምሲልና ምዝራብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ንሃገርና ምሒር ስለ እንፈትዋ መሐጎሲ ጓና ከይንከውን ብምባል፡ ንህዝብናን ሃገርና ብጭቡጥ ዘንጸላልው ዘሎ ሓደጋ ምብትትታን ከም ዘየሎ ኣምሲልካ፡ እቲ ሽግር ኣብ ኢሳያስን ጸባብ ጉጅለኡን ጥራይ ኣሕጽርካ ብምርኣይ፡ ንዓታቶም ካብ ስልጣን ምውራድ’ዩ ዘድሊ’ምበር፡ ሓድነት ህዝብናስ ጽቡቕ’ዩ ዘሎ ምባል’ውን ቅኑዕ ኣይኮነን። ካብ ክልቲኡ ግጉይ ጫፋት ምድሓን ኣገዳሲ’ዩ። ንሃገራዊ ጭቡጥ ኩነታትና ብልክዕ ከም’ቲ ኣብ ባይታ ሰፊኑ ዘሎ ኪንገልጾ’ዩ እቲ ወድዓውን ቅኑዕን።

ብድሕሪ ምውድቕ ስርዓት “ደርግ”ን ምርግጋጽ ናጽነትን፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ምሙቕ ሕጽኖት ዝኣተወሉን፡ ህዝቢና ድማ ጸሓይ ናጽነት በሪቓ እ`ናበለ ብዓወት ሰውራኡ ኣብ ዝደርፈሉን ዝድብለሉን ዝነበረ ወቕቲ፡ ኢሳያስ ነቲ ናይ ህግሓኤ ሕጽኖትን ናይ ህዝቢ ጉሩህ ታሕጓስን ጽምብልን ከም ረጒድ ሽፋን ተጠቐመሉ። ጸረ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ዝቃለስ ዝነበረ ሃገራዊ ሓይልታት ዝሓቊፍ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ምቋም ብምጽራር፡ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንበይኑ ናብ ግዝያዊ መንግስቲ ኣሰጋገሮ። ናብ ጨካን መሳርሒ ዲክታቶርያውነት ለዊጥዎ። ሽዑ ኣግላሊ ኣተሓሳስባን ናይ ሓደ ውልቀሰብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምትካል ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር፡ ኣንጊሁ ኣብ ናጻ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ መሰል ህዝቢ  ብምርጋጽ፡ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ብኣዋጅ ከልከለ። ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ታሪኻዊ ቀዳማይ ዕድል ድማ በኣረኣእያን ተግባርን ተጻበአን ቐንጸለን።

ህግደፍ ኣብ ኣተሃናንጻኡ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ሕቶታት ኣብ ምምላሽ፡ ፖለቲኮ ዲሞክራስያዊ ፍታሓት ንምንዳይ ድልየትን ብቕዓትን ዘይብሉ፡ ብቐንዱ ወተሃደራዊ ውድብ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ናይ ውሽጡን ደገኡን ዕላማታቱ ብስነ ሞጎት ሓይሊ ከረጋግጽ’ዩ ዝጽዕት። እዚ ሕጂ ዝቅልቀል ዘሎ ኣስጋኢ ሓደጋ’ዚ፡ ኣብ ከርሲ ህግሓኤ ክበቊል ዝጀመረ’ዩ። ዝኾነ ይኹን ጸረ ዲሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ክሳብ ብፖለቲኮ ዲሞክራስያዊን ሕጋውን ኣገባብ ዝሳዓርን፡ ቦታኡ ብካልእ ዲሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዝትካእን፡ ኣብ ውሽጡ ይኹን ኣብ ደገኡ ኣብ በበይኑ ግዜታት መልከዓቱ እናቀያየረ ሕድሕዱ ዝበላላዕን ለኻኺሙ ዘጥፍእን ተጻባኢ ግርጭታት‘ዩ ዘፍሪ። ህግደፍ ድማ ከምኡ’ዩ። ብንግሆኡ፡ እዚ ናይ ኢሳያስ ስርዓት ኣግላሊ ኣካይዳ’ዚ፡ ኣብ መጻኢ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ኮሎ ጌና ዘቅለቡሉ ዉሑዳት፡ ኣንጊሆም ነዚ ሓደጋ’ዚ፡ ንምግታእ ንሃገራዊ ዕርቂ ካብ ዝጸወዑ ኣባ ተወልደ ብርሃን ጸጋይን፡ ኣሕመድ ናስርን ነበሩ። 

ኣባ ሃብተማርያም ጸጋይ፡ ብድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዕድመ ምሕራር ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1991 ኣብ ፍራንክፎርት ኣብ ዘካየድዎ መንፈሳዊ ሰበኻ፡ ንህዝብን ናይ ሽዕኡ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ ብዘየሻሙ መንገዲ ንጹር ሃገራዊ መልእክቲ ኣመሓላሊፎም’ዮም። ካብኡ ቃል ንቃሉ ንምጥቓስ፦

’’ 2.3- ንኣብነት ኣብ ሜዳ ክልተ ኣሕዋት ከም ዚነበሩና ንፈልጥ። ሓዲኦም ዓዲ ሒዙ ኣሎ። እቱ ካልኣይ ግን ክሳብ ሕጂ ደሃይ የብሉን። ስለ’ዚ ንእግዚኣብሄር፣ ቃኤል! ኣበይ ኣሎ ኣቤል ሓውካ? (ኦሪት ዘፍጥረት ምዕ, 4 ቁ9) ክብል ከም ዚሰማዕና፡ ንሕና’ውን ሻዕቢያ!  ኣበይ ኣሎ ሓርነት ( ብጥቕልሉ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ማለተይ’የ) ሓውኻ? ኪንብሎ ንድፈር። ከም’ቲ ቃኤል፡ ንእግዚኣብሄር ብዛዕባ ሓዉ ‘’ ኣይፈልጥን፡ ኣነ ሓላዊ ሓወይ ድየ’’ ዝበሎ፡ ከምኡ ካኣ ኣሕዋትና’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ንዕኡ ዝጥዕም ደረቅ መልሶም ከይህብዎ ድማ ጸሎትናን ተስፋናን ይኹን። ሃገርና ቀዋሚ ሰላም ክትጓናጸፍን ክትምዕብልን እንተደልና ኩልና፡ ማለት ነፍስ ወከፍና ዕርቂ’ዞም ክልተ ኣሕዋት ኪንልምን ኣሎና። ናይ ብሓቂ ሃገራውያን እንተ ዄንና፡ ክዕረቁ ዝተኻኣለና ኪንገብር ይግብኣና።’’

‘’ 2.4- ሃገራዊ ዕርቂ እንተ ዘይተጌሩ ግን፡ ሃገርና እንታይ ዓይነት ሃገር ከም ትኸውን እስከ ሕሰቡ!! ዓዲ በደል ኣብ ልዕሊ በደል፣ ዓገብ ኣብ ልዕሊ ዓገብ ዝተኾመረ ሃገር ክትከውን’ያ። ከመይ እንተ በልኩም፡ ሓደ ከምታ ዝገበረኒ ክገብሮ’የ ክብል እንከሎ፡ እቱ ካልኣይ’ውን ብጊደኡ ዕጽፊ ክምልሰሉ ሕኪት ክብል’ዩ። እወ!! ሓዊ ብሓዊ ክጠፍእ ስለዘይከኣል፡ ዕራ ህዝቢ ብውግእ ደኺሙ’ዩ፡ ንተቓወምቲና ዝኽተሎም የብሎምን ዝብል ገምጋም መዝምዛካ ካብ ዕርቂ ምህዳም ጌጋ’ዩ። ብጽቡቕ ዝምባሌ ህዝቢ ጠላዕ ምጽዋት’ዩ። ከምኡ ምባል ኣብ ቅኑዕ ኣተና ዘይተመስረተ ስለዝኾነ ኻኣ ‘’ ዓሻ  ክሳብ ዝፈልጠካ ኣይትጒራሕ’’ ከም ዝባሃል እዚ መደብ’ዚ ክቃላዕ’ዩ። [ ድጊ ግፉዓት ገጽ 20-21]።

እዚ ሓቂታት’ዚ፡ ምስ’ዚ ህልው ኩነታት ኤርትራ ክንጻጸር እንከሎ፡ ዓሚቕ  ትርጉምን ሓያል ቁም ነገርን፡ ሰፊሕ መንፈስ ሃገራዊ ዕርቅን ኣሎዎ።             

ከምኡ’ውን ስዉእ ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ(ሰውራዊ ባይቶ) ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ኣብ ጥቅምቲ 1991 ኣብ ጅዳ ምስ ጋዜጣ ኣሸርቕል-ኣውሰጥ  ብዓረበኛ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ‘’ ,,,,,, ኤርትራ ኣብ ከም ናይ ሊባኖስን፡ ኣንጎላን፡ ሞዛምቢክን ዝመሳሰል ዓዘቕቲ እንከይትወድቕ ምእንቲ፡ ናብ መርሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ጉባኤ ሃገራዊ ዕርቂ ምክያድ ዝጽዊዕ መዘከር ልኢኽና’ኳ  እንተሃለና  ዛጊት ኣወንታዊ መልሲ ኣይረኸብናን። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንሰላማውን ዲሞክራስያውን ሕጋውን ቃልሲ ባይታ ዝፈጥር ሃገራዊ  ዘተ ብምንጻግን፡ ንካልኦት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣግሊሉ ንበይኑ ሃገር ክሃንጽ  ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ናይ ምፍንጫላትን ምብትታንን ኩውንነት  ኵንካ ሃገር ምህናጽ ይትረፍሲ፣ ሃገራዊ ሓድነት ኣውሕሳካን ናይ ደገ ሓገዛት’ውን ረኺብካን  ሃገር ምህናጽ ቀሊል ኣይኮነን። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ከም’ዚ ናትና  ሃገራዊ ሓልዮት እንተዘየርአየትን፡ ሃገራዊ ዘተ  ኣብ ምንጻግ እንተቐጺላን፡ ንህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ናብ ዘተፋንን መስርሕ ክትመርሖ ምዃና ዘይተርፍ’ዩ’’ በለ። [ ትርጉም ናብ ትግርኛን፡ መስመርን ናትና’ዩ]።

 ኣብ ኤርትራ ካብ ርኢቶ ኢሳያስ ዝተፈለየ ካልእ ርእይቶ ዘሎዎ ዜጋ ሃይማኖቱ፣ ብሄሩ፣ ዓሌቱ፣ ኣውራጃኡ ብዘየገድስ፡ ኣባል ወይ መሪሕነት ህግሓኤ-ህግደፍ ዲዩ ብዘየገድስ፣ ጾታኡ፣ ዕድሜኡ ብዘየገድስ፣ ጳጳስ ዲዩ ሙፍቲ ብዘየገድስ፣ ኣብ ሃገሩ መሰል ውሕስነት ሂወት የብሉን። ኣብ ትሕቲ’ዚ ህልው ዲክታቶርያዊ ገዛኢ ስርዓት’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብናጻ ድልየቱ ዝደለዮ ዓይነት ፖለቲካዊ ስርዓት ክመርጽ ዘኽእሎ ፖለቲካዊ ባይታን ዲሞክራስያዊ መሰልን ብፍጹም የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ንእምነቱ ፡ ካብ መንግስታዊ ኢድ ምትእትታው ናጻ ብዝኾነን ሰረት ሃይማኖታዊ ስኒት ብዘይፍንቅልን ኣገባብ  ክኽተል፡ ሃይማኖታዊ ሓርነት የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ብሕብረተ ሰብ ደረጃ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ወዲቑ ይርከብ። ብዓይኒ ኢሳያስ ህዝብን፡ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖትን ከም ኣገልገልቱ’ዮ ዝርእዮም። እንተላይ ዝተወልደ ቆልዓ ንከገልግሎ ከም ዝዓቢ’ዩ ዝርእይ። ይዕበ ይንኣስ ብዘየገድስ፡ ካብ ሓጹር ኣገልግሎ ኢሳያስ ዝወጸ ዜጋ ኣብ በዓትታትን ዘይተፈልጡ ጎዳጉድን ይዳጎን። ከምልጥ ዕድል ዝረኸበ ድማ ከይፈተወ ዓዱን ቤተ ሰቡን ለቒቑ፡ ናብ ርሑቕ ቦታ ይስደድ። ስለ ዝኾነ፡ ኢሳያስ ንኤርትራ ናብ ነፋጕት ደቃን ዓባይ ቤት ማእሰርትን ቀይርዋ ዘብለና ዘሎ። 

ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ሃገር ፍሽለት ምልክታት ይቅልቀል ኣሎ ዶ?

ብርእይቶና፡ ምልክት ፍሽለተ ሃገር ኤርትራ እወ ይቀላቐል ኣሎ። ስርዓት ኢሳያስ ንመላእ ዝዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ይጭቊን ኣሎ። ብስርዓት ኢሳያስ ዝረሃዎምን ዘይተጭቊኑን ክፍልታት ሕዝቢ ኤርትራ ኣሎዉ ክባሃል ኣይከኣልን’ዩ። ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዕ ጭቁን’ዩ። ኣብ ኤርትራ ኩሉ ሃይማኖታት ጭቁናት’ዮም። ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ፡ ናይ’ቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝኽተሎ ዘሎ ጨካንን ዓፈናን ቀንጸላን ጭውያን፡ ስልቲ ከፋፊልካ ግዛእን ኮይኑ ኣሎ። ከም መግለጺኡ ድማ ኣውራጃዊ፣ እንዳዊ፣ ሕድሕድ ምንጽጻግን ቅርሕንትታትን ዝያዳ እናበለሐ ይመጽእ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣድማዕነቱ ብዘየገድስ ገሊኡ ብዝተፈላለየ ግዳማዊ መልክዕ ናብ ፖለቲካዊ ውዳቤታት’ውን ክሰጋገር ይረአ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ኣውራጃታት ሕድሕድ ዘይምትእምማን ሓያል ሱር ይሰዲድ ኣሎ። ሕድሕድ ምትኽቷኽን ምጥቕቓዕን፡ ንሃገራዊ ሓድነት ዘዳኽም’ዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ኣውራጃ ናይ ሃይማኖታውን ብሄራውን ብዙሕነት  ስኒት ዘቋስል ቅርሕንትታት ብግህዶ ክሰራሰር ይረአ ኣሎ። እዚ ብሽፋን ኣውራጃ ብግድሚ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ሕብረተሰብኣዊ ቅርሕንትታትን ተጻብኦታትን ዝመንቀሊኡ ፖለቲካ፡ ኣብ ኤርትራ ሓደጋ ሕንፍሽፍሽ ከም ዘከትል ኣየጠራጥርን’ዩ። ብስንኪ ቀጻሊ ዋሕዚ ስደት ኤርትራዊት ስድራቤት ትበታትን ኣብ ርእሲ ምህላዋ፡ ማሕበራዊ መኣስር ሕብረተሰብ ኤርትራ ይበጣጠስ ኣሎ። ከምኡ’ውን ስርዓት ኢስያስ ሓይሊ ቁጽጽር ምሕደራ ብምስኣን፡ ገለ ወተሃደራውን ስለያውን መኮነናት መዝነቶም ኣብ ኩሉ ዓይነት ስግረ ዶብ  ኮንትሮባንዳዊ ንግድን፡ እንከላይ ኣብ ንግዲ ሰብን ይዋፈሩ ብምህላዎም፡ ንኤርትራ ካብ ህዝባ ባዶሽ ዝገብራን ምፍራስ ሕብረተሰብ  ዘኸትልን ሓደጋ ንቕድሚት መጺኡ ኣሎ። ብስንኪ’ዚ ካኣ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ካልእ ሃገር፡ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እንከሎ’ዩ ሓደጋ ምፍራስ ሃገር ዝኽሰት። ዝሰፈሐ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራስዊ መሰሉ ተረጊጹ ይዕፈንን ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ይወድቕን ካብ ሃለው፣ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ቅርሕንትታት ከም ብሓዲሽ ይሰራሰር ካብ ሃለወ፣ ስድራቢታት ይበታተና ካብ ሃለዋ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ስደት ማኣስር ሕብረተሰብ ይበታተኽ ካብ ሃለወ፣ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓደጋ ምብትታን ኣንጸላልይዎ ኣሎ።

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2009 ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ጉባኤኡ ኣብ ዘጽደቖ ፖለቲካዊ ጸብጻብ ብዛዕባ ኩነታት ሃገራዊ ሓድነት ዝስዕብ ሚዛን ኣቕምጡ ነበረ፦

 

“ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ህልዊ መድረኽ፦

 

ርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘንገሶ መርሓ ዲክታቶርነትን፡ ምኽልካል ብዝሐ ፖለቲካ ሰልፍታትን  ኣጽንዑ ሒዝዎ ዘሎ ዘይሕጋውን ዓማጽን ዓፋኒ ኣዋጅ 20 ሰነን፡ ንሃገራዊ ሓድነት ዝጻባእ’ዩ። ህዝብና ካብ ነዊሕ ዓመታት ዓቂብዎ ንዝጸንሐ ስኒት ዝሃርም’ዩ።፡ ኣብ መስርሕ ተጋድሎ ሃገራዊ ናጽነት ንዝሰረጸ ሃገራዊ ሓድነት ዝዳኽም’ዩ። ብኡ ንብኡ ድማ ንህዝብና ብመስርሕ ናብ ስሙር ህዝቢ ንዝለወጦ ረቛሒ ሃገራዊ መኒነት ዝዝርግዩ።

 

ንህቢ ኤርትራ ኣብ ክሊ ሃይማኖታውን ብሄራውን ባህላውን ብዝሕነቱ ስሙር ህዝቢ ክኽወን ዝገበሮ፡ ስፍሓተ ዝርግሐ ሓደ ቋንቋ፡ ወይ ዓብላልነት ሓደ ሃይማኖት፡ ወይ ግዝእተ እትኒክ፡ ወይ’ውን ጸብለልትነት ኣውራጃ ዘይኮነስ፡ ኣብ ኩለ-መዳያዊ ዘመናዊ ታሪኹ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ከም ጠርናፊ መንነት እናዓበየን፡ እና ሰረጸን ስለ ዝመጸ’ዩ። ሃይማኖታውን ባህላውን ኢትኒካውን፡ ቋንቋውን መግለጺ መለለዪ ማሕብረ-ብዙሕነትን ስኒትን ህዝብና’ዩ። ህዝብና ኣብ ክሊ ብዙሕነት ሃገራዊ ሓድነት ዝረጋግጽን ዘውሕስን ሃገራዊ መንነት እንተዝስእን ኔሩ፡ ኣብ ኤርትራ ከም ሓደ ስሙር ህዝቢ ኮይኑ ንዘበናት ተሳኒዩ ብሰላም ተኸባቢሩ ብሓባር ክነብር እምበይመኻኣለን ኔሩ።

 

ርትራዊ ሃገራዊ መኒነት ተፈጥሮኣዊ ኣይኮነን። ናይ ሓደ ዝተውሰነ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ ወይ’ውን ናይ ዝዓብለለ ፖለቲካዊ ውድብ ወጽኢት’ውን ኣይኮነን። ኣብ መስርሕ ዝተናወሐ ሕብረተሰብኣዊ ታሪኽ ህዝቢና ዝተዋህለለን ዝተጠርይን’ዩ። ንባዕሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ኣብ ዝተወሰነ ታሪኻዊ ኲውንነት ማለት ኣብ ጸረ መግዛእታዊ ተጋድሎ ሃገራዊ ሓርበኝነት ዝተቀልቐለን ዝሰረጸን’’ዩ። ስለዚ ሃገራዊ መንንት ማሕበረ-ፖለቲካውን ባህላውን’ዩ። ትሕዝቶኡ ብዲሞክራሲ ይምዕብል። ብዲክታቶርያዊ መርሓ መስርሕ ምዕባለ ሃገራዊ መንነት ስለ ዝግታእ፡ ትሕዝቶኡ ይዝረግ።

 

ብ ናጻ ኤርትራ ሃገራዊ መንነት ህዝብና ብስንኪ መርሓ ግዝእተ ዲክታቶርነት ስርዓት ህግደፍ፡ ናይ ህዝብና ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ስቪላውን ሓርነታትን፡ ብሓደገኛ ኩነታት ይጋሃስ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ሃይማኖታውን ኣውራጃውን እትኒካውን ፈላላዪ ስምዒታት ንምቅልቃል ይድፍእ ስለ ዘሎ፡ ሃገራዊ መንነት ኤርትራ ንሓደጋ ይሳጣሕ ኣሎ። ስለ ዝኾነ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣግላልን ኣድልዎኣውን ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ንኣዕኑድ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት፡ ክልሕልሕ ይረአ ኣሎ።” [ ካብ ፖለቲካዊ ጸብጻብ 1 ጉባኤ ግሃድኤ ዝተወስደ’ዩ]።

 

 መብዛሕትኦም ኤርትራዊ ተቓውሞ ሓይልታት፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንሓደጋ ምብትታን ተሳጢሑ ምህላዉ ይገልጹ። እዚ’ውን ሓቂ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ናይ ሙሁራት ኤርትራውያን ሚዛን ብዛዕባ ሃገራዊ ኩነታት ብቁም ነገሩ፡ ካብ’ቲ ናይ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ሓይልታት ዝፍለ ኣይኮነን። ንኣብነት ፕሮፈሴር በረኸት ሃብተ ስላሴ፡ “ኤርትራ ቁስልቲ ሃገር” ዝብል መጽሓፍ ብእንግሊዘኛ ደርሶም። ፕሮፈሰር ተስፋጽዮን መድሃኔ፡ “ኤርትራ ሞይታ! ቃልሲ ንትንሳኤ” ዝብል ትንታነ ብትግርኛ ጸሒፎም። ኣምባሳዶር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርግስ፡ “ኤርትራ ኣብ መፍለዪ(ቃራና) መንገዲ” ዝብል መጽሓፍ ብእንግሊዘኛ ደሪሶም። ከምኡ’ውን ኣቶ ፈትሒ ዑስማን፡ “ኤርትራ ካብ ሕልሚ ሓርነት ናብ ዲክታቶርያዊ ሃተፍተፍ” ዝብል መጽሓፍ ብዓረበኛ ደሪሶም። ዓሚ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ “ሓውካ ኣበይ ኣሎ” ዝብል ሃዋርያዊ መልእኽቲ ናብ መንግስትን ህዝብን ኣመሓላሊፎም። ከምኡ’ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት  ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ናይ 2013 ዝዘርገሖ ጸብጻቡ’ “ኤርትራ ኣብ ንግዲ ሰብ ሓንቲ ካብ’ተን ዝኸፈኣ ሃገራት’ያ” ክብል ገሊጹ ነይሩ።  ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ ዓለም ለኸ ብሄራዊ ጉጅለታት ስደት Nationaliets Of Migrants Arrivinng in Italy (NOM) ካብ ጥሪ ክሳብ ነሓሰ 2014 ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻቡ፡ ኤርትራ ብዋሕዚ ስደተኛታት ንኤውሮጳ ቀዳመይቲ ካብ 15 ሃገራት  ምዃና ገሊጹ ኔሩ።

ስርዓት ኢሳያስ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እትኣክል ሓባራዊ ሃገር ንምህናጽ ጥጡሕ ፖለቲካዊ ባይታ ኣየንጸፈን። ስለ’ዚ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ንኹሉ ህዝቢ እትኸውን ሃገር ካብ ዘይኮነት፡ ብግብሪ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኮነን። ሃገራዊ ሓድነት መግለጺ ስሙር ሃገራውነት’ዩ። ስሙር ሃገራውነት ዘይብሉ ህዝቢ፡ ስምርቲ ሃገር ከሃንጽ ኣይክእልን’ዩ። ንሕና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ፈሪሱ’ዩ ዝብል እምነት ብፍጹም’ኳ እንተዘይብልና፡ ይዳኸም ኣሎ ዝብል ሚዛን ግን ኣሎና። ምኽንያቱ ሃገራውነት ከም ዜግነት ብሕጊ ዝወሃብ ሰነድ ዘይኮነስ፡ ሃገራዊ ኣካብነት ዝወልድ ዓሚቕ ስምዒትን ንቕሓትን ህዝቢ’ዩ። ሃገር ብሃገር ደረጃ ዝቃለሱ ሓይልታት’ዮም ብሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ፡ ናይ ህዝቢ ስምዒታት ኣስሚሮም ምቹእ ፖለቲኮ ዲሞክራስያዊ ባይታ ዘንጽፉ። ህዝቢ ድማ ካብ ሰላምን ዲሞክራስን ብሕጊ ተጠቓማይ ብምዃን ስምርቲ ሃገር ብሓባር ክሃንጽ ይኽእል።

 

ኣብ ኤርትራ ኢሳያስን ጸቢብን ሒደትን ጉጅለኡን ካብ ልዕሊ ቅንጥብ ኣቢልካ ምድርባይ’ምበር፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ረጊጹ ኣሎ ዝብል ዳርጋ የሎን። ነዚ ወድዓዊ ብድሆ’ዚ፡ ከም ወድዓውነቱ ተቐቢልካ ወድዓውን ዲሞክራስያውን ፖለቲካዊ ሰላማዊ ፍትሓዊ ፍታሕ ንምርካብ ከይተሓለልካ ምጽዓት’ዩ ዘድልዮ’ምበር፡ ንዕኡ ምክሓድ ኣድላዪ ኣይኮነን። ንሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ ዘጓንፎ ዘሎ ዝተሓላለኸን ጽንኩርን ኩውንነት ከም ኣብ ቅድመና ዝተደቍነ ወድዓዊ ሓቂ’ዩ። ኩሉ ነገራውን መንፈሳውን ገድላዊ ዓቕምታትና ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ንምቕናዕ፡ ኣብ ሰላምን ዲሞክራስን ሓቀኛ ረብሓ ዘሎዎም ኩሎም ተቓለስቲ ደቂ ሃገር ዝሓቊፍ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምንዳይ ኪንቃለስ ግድን’ዩ። ሃገራዊ ሓድነት ምውሓስ መቅድም ዓወትን ቐጻልነት ሃገርን ምዃኑ ነረጋግጽ።

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

24/02/2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9399

Posted by on Feb 24 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net