ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ብመርበብ ደቂኣነስትዮ ኤርትራውያን ዝውጸ መግለጺ

EriWomenNetwork

8 መጋቢት ኣብቲ ደቂኣንስትዮ ምእንቲ ማዕርነትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓርነትን ኣግዐዞን ንምርግጋጽ ዘካየደኦ  ዘይሕለል መሪር ቃልሲ ኣብ ምሉእ ዓለም ከም ኣህጉራዊ በዓል ደቂኣንስትዮ ብፍሉይነት ክትከብርን ክትዝከር እትነበር ታሪኻዊ ዕለት እያ። ስለዝኾነት ከኣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሓጺር ድሕሪ-ባይታዊ መብረሂ ምቅራብ ኣብነታዊ ፋኢደ ኣለዎ።

ደቂኣንስትዮ ካብ ርእሰ-ማላዊ ምዝመዛን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ጾታዊ ኣድልዎ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ኣብ ቅድሚ ሕግን ሓራ ንምውጻእ ዘካየደኦ ቃልሲ ብዕለት 19 መጋቢት 1911 ዝለዓለ ብልሒ ዝበጸሓሉ ተረኽቦ እዩ። ብ1977 ሕቡራት መንግስታት 8 መጋቢት ከም ኣህጉራዊ መዓልቲ መሰል ደቂኣንስትዮን ሰላምን ክትዝከር ኣፍለጡ፡ ከምኡ ድማ ኣህጉራዊ ውድብ ንሰብኣዊ መሰል ከም ኣህጉራዊ ዓለምላኻዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ኣብ ምሉእ ዓለም ክትብዕል ኣዊጁ።

ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ክነብዕል ከሎና፡ ድሕረ-ባይታ ሕሉፍን ህልውን ሃለዋትናን ዝኸድናዮ መስርሕ ኣግኦዘን ክንድህስስ ኣዚዩ ልዑል ኣድላይነት ኣለዎ።

ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝኣክል ኣንጻር ብሓያላት መንግስታት ዝተመወለን ዝተደገፈን ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ተቓሊሱ ዘረጋገጾ ነጻነት እነሆ ብሰንኪ አቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተኻየደ ትርጉም ኣልቦ ኩናት ዘስዐቦ ኣደዳ ዘይተጸበዮ ግፍዕን ሕስራንን መከራን ስቕያትን ባርነትን ወዲቁ ይርከብ።

ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ከም ኩሎም ካልኦት ማሕበራዊ ሓይልታት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ከይስለፋ ዝዕንቅፋን ዝነበረ ኣረጊት መስፍናዊ ባህልታትን መሰናኽላት ጥሒሰን ዓቢ ኣድናቆት ዝገደፈ ታሪኻዊ ኣስተዋጽኦ ተጻዊተን እየን።  እንተኾነ ድሕሪ ናጽነት ብሰንኪ ሕጊ ኣልቦ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ደረት ተረሲዐን፡ ሰብኣዊ መሰላተን ኣብ ኩሉ መደያዊ መነባብሮ ብጅምላ ተጋሂሱ፡ ንኣደዳ ማእለያ ዘይብሉ ግህሰታትን ውርደትን ሕስረትን ዓመጽን ኣድልዎን ተሳጢሓን ይርከባ።  ስለዚ ኣብ እዋን’ዚ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኩነታት ደቂኣንስትዮ ብዝምልከት ዝዝርግሕኦ ዘለዋ ጻብጸባት ኣዚዩ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ይሕብር። ምልካዊ ስርዓት ከም ባህርያዊ መግለጺኡ ንጃህራ ዝኣወጆ ድንጋገታትን ሕግታትን ዝፈረሞ ዞባውን ኣህጉራዊ ውዕላት አብ ተግባር ንመሰል ደቂኣንስትዮ ክንዲ ዝክላኸል ሳዕቤን ሓሰረ መከራ ደቂኣንስትዮ ኮይኑ አሎ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይኮነን።

ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ካብ ዕሸል ዕድመኤን ጀሚረን ግዳይ ወጽዓ ኣባታዊ ሕብረተ-ሰብ፡  ኣብ ልዕሊ ሕጻነት ኣዋልድ ዝፍጸም ገበናዊ ምኽንሻብ ጌና 89 ሚእታዊ አሎ። ጾታዊ ኣድልዎ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ዕደላ መሬትን፤ ባህሊ ምድሃልን ምንእኣስ ክብሪ ደቂኣንስትዮን ኩሉ ዓይነት ዓመጽን ውህብ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ፡ ከም ኣሉታዊ ሳዕቤን ናይ’ዚ ኵውንነት’ዚ ጓል ኣንስተይቲ ወትሩ ኣደዳ ፍርህን ጭንቀትን ተሰፋ ምቅራጽን ስነ-ኣእምሮዊ ሕማማት ወዲቃ ትርክብ።

መንእሰያት ኣብ ክንዲ  ተማሂሮምን ሰሪሖምን ናብርኦምን ቤተሰቦምን ዝናቢዩ፤ ነጊዶምን ሓሪሶምን ቁጠባ ሃገር ዘማዕብሉ፤ ብሰንኪ መወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ባርነት ተስፋ ቆሪጾም፡ ነቲ ጀጋኑ ሂወቶም ኣሕሊፎም ዘምጽእዋ ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱን ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ባሕርን ግዳያት ኣስካሕካሒ ጉዕዞ ጥፍኣት ኮይኖም ይርከቡ።

ወለዲ ከም ዘይወለዱ ደቆም ካብ ሕቅፍኦም ተመንዚዖም ብናፍቖትን ሓዘንን ድኽነትን ተዋሒጦም ጥራይ ዘይኮነ  ማዓስ ዶ ኮን መርድእ ደቕና ንሰምዕ ብዝብል ከብዶም ሓቒፎም ይሓድሮ ኣለዉ።  እዚ ኣሳቃቂ ኩነታት’ዚ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ ብኣካል፣ ብሞራል፣ ብገንዘብን ኣጆኹም ኣጆና እንዳበላ ግቡኣን ዝፈጸማ ኣደታት ሎሚ ወሊደን ከምዘይወለዳ ዝያዳ ቆሪረን፣ ዝያዳ ናፊቐንን ሓዚነን ኣለዋ።  እዚ ኹሉ መከራን ድሕረትን ኣብ ሃገርና ዘሎ መንግስቲ ዘይሓላፍነታዊን ብዘይሕጊ ዝኸይድ ብትምክሕትን ንዕቀት ህዝብን ዝሰኸረን ስለዝኾነ እዩ።

 

ስለዚ ንሕና ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ምስ ካልኦት ሃገራዊ ማሕበራዊ ሓይልታት ተሰሊፍና ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ኣብ መድረኽ ህንጸት ሃገር ኣወንታዊ ኣድማዒ ኣስተዋጽኦና ምእንቲ ምዕዛዝ ብቀዳምነት ንኩሉ’ቲ  ኣብ ውሽጢን ወጻእን ኣብ ቅድመና ተገቲሩ ዝርከብ ብድሆታት ብግቡእ ምርዳእ የድሊ።

  1. ሃገር ከውሕሱ ዝወፈሩ ደቅና ናብ ባሮት ካብ ተቐየሩ፣ከም ኣናጹ ኣብ ጎዳጉዲ ብዘይንሕስያ ንዘይተወሰነ ግዜ ካብ ዝእሰሩ፣ ቤትና ጥርሑ ካብ ዝተርፍ እንታይ ንጽበ ኣሎና። ሎሚ ከም ቀደምና ደጊምና በዓውታን ብተግባርን እምቢ ንውልቀምልኪ ንበል።
  2. እወ! ሎሚ ከም ቀደምና ሓድነት ሰላምን ፍትሕን እንዳማዕደና ነዚ ገባቲን ግፍዐኛ ስርዓት ኣሊና ብቕዋም እትመሓደር ኤርትራ ክውንቲ ጌርና ወነንቲ ሃገርናን ሂወትና ክንከውን ኣብ ምቅልጣፍ ናህሪ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ መሰረታዊ ተራ ክንጻወት ኣሎና። ዘሎና ክእለትን ተሞክሮን ብምጥቃም ኣብ መንጎ አርትራውያን ዕርቅን ሰላምን ምምጻእ’ውን ሓላፍነት ብዝመልኦ ኣገባብ ከይተሓለልና ክንጽዕር ግዴታ ኣሎና ።
  3. ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ንመሰልና ዝዓግቱ ትምክሕትታትን ጸቢብነትን ኣተሓሳስባታትን ንምቅያር ምምካት ሃላፍነትና እዮ። ንሕና ደቀንስትዮ ክረጋግጽ ንደልዮ ለውጢ፤ ኣብ ምሕንጻጽ ፖልሲታትን ሕግታትን ንረብሃ ህዝቢ ብሓፈሻ ረብሓ ደቀንስትዮ ብፍላይ ዘውሕስ ዘላቒ ለውጢ ንምርግጋጽ ሎሚ’ውን ከምትማሊ ክንቃለስ ኢና።

 

ዓወት ንቃልሲ ደቂኣነሰትዮ ኤርትራ ምእንቲ ሓርነትን ሰብኣዊ መሰልን

ዓወት ንቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

 

መርብብ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9420

Posted by on Mar 8 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net