ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ 8 መጋቢት 2015፡ ምኽንያት ብምግባር፡

eudc

ብኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ

እዚ ታሪኻዊ ዕለት’ዚ፡ ዓመት-ዓመት ክበዓል እንከሎ፡ ትርጉሙ ረዚን’ዩ፡፡ ብ8 መጋቢት 1908፡ ቅድሚ 107 ዓመት ከምዛ ሎሚ፡ ሕሱም ፖለቲካዊ ጭቆናን ቁጠባዊ ምዝመዛን ዝመረረን፡ ኣሜሪካውያን ሸቃሎ ደቂ-ኣንስትዮ ፋብሪካ -ዓለባ፡ ንደርባዊ ሓርነተንን ጾታዊ ማዕርነተንን ክብላ፡ ተወዲበን ዝኣደማሉ ዕለት’ዩ፡፡ “ናይ ምምራጽን ምድማጽን መሰልና ይተሓለወልና! ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ይከፈለና! ናይ ዕረፍቲ መሰልና ይተሓሎ! ናይ ወሊድን ሕጻንን መሰል ይከበር!….” ክብላ፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ብዘካየድኦ ሰፊሕ ሰላማዊ-ሰልፊ፡ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈላሉ ታሪኻዊ ዕለት’ዩ፡፡ ብ1910፡ ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን፡ ኣብ ዝተኻየደ 2 ዓለም-ለኻዊ መጋባእያ ደቂ-ኣንስዮ ድማ፡ 8 መጋቢት፡ ዕለተ-ደርባዊ ቁጠዐ፡  ዕለተ-ምዑት ቃልስን ዕለተ-ድርብ ዓወትን በቲ ሓደ ወገን፤ ትእምርቲ ስሙር ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ኮይና እናተዘከረት ክትነብር ከኣ በቲ ካልእ ወገን፤ ውሳኔአን ኣሕሊፈን፡፡ እንሆ ከኣ ንመበል 105 ዓመታ ክንዝክራ ንርከብ፡፡

እዛ ትእምርቲ ማዕርነት፣ ሓርነትን ዓለም-ለኻውነትን ዝኾነት ታሪኻዊት ዕለት’ዚኣ፡ ዋላ’ኻ ብስም ደቂ-ኣንስትዮ ትዝከር ዕለት ትኹን እንበር፡ ብሰውራዊ ቁም ነገራን ተልእኮኣን ግን ናይ በይነን ዕለት’ያ ማለት ፈጺሙ ኣይኮነን። ናይ ኩሎም’ቶም ንፖለቲካዊ ማዕርነት፣ ቁጠባዊ ሓርነትን ሰብኣዊ ክብረትን ክብሉ ክቃለሱ ዝጸንሑን ዘለዉን ውጹዓት ህዝብታት ክብርቲ ዕለት’ውን’ያ፡፡ ደለይቲ ፍትሒ ውጹዓት ደቂ-ተባዕትዮ’ውን፡ እተን ፍርቂ ክፋል ሕ/ሰብ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ንማዕረነተንን ሓርነተንን ኣብ ዘካይድኦ ቃልሲ፡ ደርባዊ ምሕዝነቶም ዘረጋግጹላ ዕለት’ውን’ያ፡፡ ንሕና ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ’ውን እንተኾነ፡ ነዛ ታሪኻዊት ዕለት’ዚኣ ክንዝክራ እንከለና፡ ካብዚ ሰውራዊ ቁም ነገር’ዚ ብምብጋስ ጥራሕ’ዩ፡፡

ደለይቲ ሰላም፣ ማዕርነትን ፍትሕን ህዝብታት ኤርትራ!

ኣንጻር ተበራረይቲ ገዛእቲ ዝተኻየደ መሪር ቃልስን ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋን፡ ዕላምኡ ካልእ ኣይነበረን፡፡ ሰብኣዊ መሰልን ማዕርነትን ዜጋታታ ዝኽበረላ፤ መሰል-ርእሰ-ውሳኔ ብሄራዊ ህዝብታትና ዝሕለወላ፤ ሃገርና ኤርትራ፡ ብጥሙር ዓቕሚ ህዝብታትና ክትለምዕን ንክሓልፈልናን፤ ቀሲንናን ምዩቕ ከይበልናን፡ ብሰላም እንነብረላ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ’ዩ ነይሩ፡፡ እንትኾነ ግን፡ እቲ ብጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓ ዝዓወረ ውድብ ህግሓኤ/ህግደፍ፡ ነቲ ዝረኸቦ ግዝያዊ ልዕልነት ተጠቒሙ፡ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ጸባብ ቤት ማእሰርቲ ዜጋታታ ቀይርዋ፡፡ ህዝብታትና፡ ብዘስካሕክሕ ፖለቲካዊ ጭቆናን ዓፈና፤ ድኽነትን ኩናትን ሓለንጊ ክግርፎም ጸኒሑን ኣሎን፡፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ እነሆ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ከቢድ ሓደጋ ብርሰትን ምርማስን ከንጸላልዎም ብምግባር፡ ህዝብታትና ካብ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ ጸላኢ ከምዘይብሎም ጋህዲ ኮይኑ ይርከብ፡፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ’ውን እንተኾነ፡ ከም ኣካል ኣምሳል ኩሉ ዉጹዕ ህዝብታት ኤርትራ፡ ጾታዊ ኣድልዎ ጸቕጥን ተወሲኽዎ፡ ዘስካሕክሕ ሂወት ከሕልፋ ይርከባ፡፡

ምዑታት ተቓለስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ!

ሎሚ፡ ነዛ ታሪኻዊት ዕለተ-8 መጋቢት፡ ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ክትዝክራኦን ከተኽብራኦን እንከለኽን፡ ከተልዕልኦም (ብሓባር ከነልዕሎምን) ዘለና ሕቶታት ኣለዉ፡፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረክን ተሳትፎ ድኹም ስለ ዝነበረ ድዩ? ኣይፋሉን፡፡ ማዕረ’ቲ ወዲ-ተባዕታይ ሓውክን እባ ተሳቲፍክን፤ ብመስተንክር ጀግንነት ተቓሊስክንን ተሰዊእክንን፡፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣራዊት ወዲ ሃገር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ’ዩ? ድሕሪ’ዚ ኩሉ መስተንክር ቃልስን ጀግንነታዊ መስዋእትን፡ ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ብማዕረነት ደቂ-ኣንስትዮ ዝኣምን ደሞክራስያዊ ስርዓት ዘይተተኽለሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ’ዩ? ኣብ ኩሉ ጉዳያት ናይ ሃገርክን ንቑሕን ዉዱብን ተሳትፎኽን ተረጋግጻሉ፡ ዱልዱል ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ከይተውሕሳ ዝገበረ ድኣ እንታይዩ? …. ዝብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ግድን’ዩ። እቲ መልሲ ከኣ ሓደን ሓደ ጥራሕን’ዩ፡፡ ንሱ ድማ፡ እቲ ህዝባዊ ሰውራ፡  ወሳንነት ሓፋሽ ብዝኣምን ብቑዕን ደሞክርስያውን መሪሕ ውድብ ይምራሕ ስለ ዘይነበረ ጥራይ’ዩ፡፡ ብኣንጻሩ፡ እቲ ሰውራ ብጸረ-ደሞክራስያዊ ሓይሊ ይምራሕ ስለዝነበረ፡ ነቲ ኩሉ ጀግንነታዊ ተሳትፎን መስዋእትን ሓፋሽ ህዝብታትና ብሓፈሻ፤ ንተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓኡ ስለዘውዓሎ’ዩ፡፡ እታ ብስም ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ብኣምሳሉ ዝሰርሓ ሃማደኤ ድማ፡ ኢደ-በይዛን መጋበርያን ፋሽሰታዊ ተግባራቱ ኮይና፡ ብስም ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ክትሽሕጥ ትርከብ፡፡

ሎሚ፡ ነዛ ታሪኻዊት ዕለተ-8 መጋቢት ክንዝክራ እንከለና እንበኣር፡ ኣብ ሎሚ ኮይና ንሕሉፍ ታሪኽና ብምግምጋም፡ ካብኡ ክርከብ ዝኽእል ንቕሓት ሓፊስና፤ ንጹር ራእይ መጻኢ ጉዕዞና ብምውጣን፤ ንቀጻሊ ቃልሲ ቃልና ንምሕዳስ’ውን’ዩ፡፡ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)፡ ካብዚ ጽኑዕ እምነቱ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ታሪኻዊ 2ይ ውድባዊ ጉባኤኡ ንዘጽደቖ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮን ሰውራዊ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ዓጢቑ ንርሱን ቀጻሊ ቃልሲ ተበጊሱ ኣሎ፡፡ ኤስደለ፡ “ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራን ኩሎም ውጹዓት ህዝብታት ሃገርናን፡ ካብ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ ጸላኢ የብሎምን፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ኣድልዎ፡ ጠንቁ እንኮ ስርዓት ህግደፍ’ዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ድኽነትን ዓጸቦን፡ ጠንቁ እንኮ ስርዓት ህግደፍ’ዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሱር ዝሰደደ ድንቁረናን ድሕረትን፡ ጠንቁ እንኮ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ’ዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ናህሪ ስደትን ምብትታንን፡ ጠንቁ ንሱ’ቲ ልጓም-ኣልቦ ትምክሕተኛ ስርዓት ህግደፍ’ዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተተርኢስዎም ንክወድቕ ዝጨከነ ብርሰትን ዕንወትን ስርዓት’ዩ” ዝብል ጽኑዕ ርእይቶ’ዩ ዘለዎ፡፡ ኤስደለ፡ ካብዚ ገምጋም’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ዝፍታሕ፡ ስርዓት ህግደፍን ኩሎም ናይ ጭቆና ፖለቲካዊ መሓውራቱን ድምሲስካ፡ ኣብ ዑና መቓብሩ ብዝትከል ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ጥራሕ’ዩ፡፡

ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ንቑሕ፣ ውዱብን ምዕሩይን ተሳትፎ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ሃገረን ንከረጋግጻ፡ እንኮ ዋሕሰን፡ ኣብ ዙርያ ዱልዱል መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓሲለን ምቅላስ ምዃኑ ሕሉፍ ተሞኩሮ ሰውራና ኣምሂሩና’ዩ፡፡ ንቑሕን ዉዱብን ደሞክራስያዊ ማሕበር ንክህልወን፤ ናይ ምምራሕ ብቕዓተን ብቐጻሊ እናሃነጻ፡ ወሳንን ተወዳዳርን ጉልበት ንክህልወን፡ ምህናጽ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንጽባሕ ዘይበሃሎ ውራይ’ዩ፡፡ ኤስደለ፡ ናይ’ዚ ወሳኒ ዕማም ሰውራ’ዚ ልኡኽ ኮይኑ ከካይዶ ዝጸንሐ ቃልሲ፡ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ 8-መጋቢት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዕለት’ዚ፡ ሎሚ’ውን ከም ወትሩ፡ ብናህሪ ክምርሽ ምዃኑ ቃል ብምእታው’ዩ፡፡

 

ዓወትን ድምቀትን ን8-መጋቢት!

ዓወት ንሰውራዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታትና!

ሞትን ውድቀትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ!

ቤ/ጽ ዜናን ባህልን ኤስደለ

08 መጋቢት 2015

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9429

Posted by on Mar 9 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net