ቃል ግ.ሃ.ድ.ኤ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባ

aburujaila

ከም‘ዛ ሎሚ መዓልቲ ቅዲሚ 51 ዓመት ብዕለት 15 መጋቢት 1964 ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባ ኣብ መንጎ ጅግና ሰራዊት ሓርነት ኤርትን ጎበጣዊ ሓይሊ መግዛእቲ ኢትዮጵያን ዝተኻየደላ ዕለት ኢያ።

 

ባዕዳዊ  ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ሰውራና ብዕሸሉ ከሎ ንምጥፋእ ብሓይሊ ፖሊስ (ፊልዲ ፎርስ) ፈቲኑ ምስ ተሓለሎ፡ ነቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ሃልሃልትኡ ኣብ መላእ ሃገር ክዝርጋሕ ዝጀመረ ቃልሲ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቅሃም ስሩዕ ሰራዊቱ (ጦር-ሰራዊት) ብዘመናዊ ዕጥቂ ኣደልዲሉ ናብ ኤርትራ ኣበገሶ። 15 መጋቢት 1964 ከኣ መደባቱ ክፍጽመላ ተሃንዲዱ ዝወፈረላ መዓልቲ ነበረት። እንተኾነ ግን እዚ ሰፍ ዘይብል ሓይሊ ሰብን ኣጽዋርን ተሰኪሙ ዝመጸ መግዛእታዊ ሰራዊት፡ ምስ‘ቲ ብብዝሒ ሰብ ይኹን ብዕጥቂ ፈጺሙ ዘይዳረጎ ሓይሊ፡ ስዉእ ጅግና መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ “ኣቡ ሪጀላ“ ዝመርሐን ሰለስተ ጋንታታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ትብዓትን ጅግንነትን ተወፋይነትን ተዓጢቐን ነቲ ከጥፈአን ዝመጸ ሓይሊ ጸላኢ ከቢድ ስዕረት ብምስዓብ ዛሕ-ዛሕ እናበለ ከም ዝምለስ ገበረኦ። ኣብ‘ዚ ውግእ‘ዚ ጸላኢ 84 ዝኾነ ካብ መኮንናቱን ስራዊቱን ክመትዎ ከለዉ ብዙሓት ከኣ ቍሰሉ። ሒዝዎ ዝመጸ መደባት ንምዕዋት‘ሲ ይትረፍ ብኣገባብ ክሃድም ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት በጽሐ። ብወገን ሰራዊት ሓርነት ከኣ ንዘልኣለም ዝዝከር ጅግንነትን ተዋፋይነትን ገዲፎም 18 ዝኮኑ ብጾት ተሰውኡ።

 

ልክዕ‘ዩ ቅድሚ ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባን ብድሕሪኡን ብዙሕ ተመሳሳሊ ዕዉት ስርሒታት ኣንጻር ሰራዊት ጸላኢ ተፈጺሙ ኢዩ። ይኹን‘ምበር ኵናት ተጎርባ፡ ኣሃዱታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ንዓቐኑን ዓይነት ዕጥቁን ዘይመዛዘን ስሩዕ ሰራዊት ጸላኢ ብሰፍ ዘይብል ክሳራ ከም ዝሰዓር ዝገበረሉ ኵናት ብምዃኑን፡ ኣብ‘ቲ ዝቐጸለ መድረኻት ድማ ርኡይ ኣሰራት ስለ ዘመሓላለፈ ኢዩ ፍሉይ ዕለት ዝገብሮ። ካብ‘ቲ ኣገደስቲ ውጽኢታት  ኵናት ተጎርባ፡ ክሳብ‘ቲ ዕለት‘ቲ መግዘእታዊ ሓይሊ ቅልጡፍ  ኵናት ኣካይድካ ብቐሊሉ ክድምሰሱ ዝኽእሉ ውሑድ ዝቝጽሮም ሸፋቱ  ኢሉ ዝግምቶም ዝነበረ ተጋደልቲ፡ ካብ‘ቲ ንሱ ዝብሎም ዝለዓለ ዓቕምን ተወፋይነትን ብህዝቢ ዝድገፍ ናይ ርሑቕ ሃገራዊ ዕላማ ዝውንኑን ምዃኖም እቲ ዝተኻየደ ኵናት ኣረጋጊክጽዎ ኢዩ። ከምኡ‘ውን እቲ ኣብ ውሱን ቦታታት ተሓጺሩ ዝነበረ መቓልሕ ሰውራና ናብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ ክዝርጋሕን፡ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ሰውርኡ ዝያዳ ክተኣማመንን ንተሳትፍኡ ኣብ ቃልሲ ከተባብዕን፡ ታሪኻዊት ኵናት ተጎርባ ደራኺ ተራ ተጻዊታ።

 

ብርግጽ ሓርበኛዊ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ብብዙሕ ንተጎርባ ዝመሳሰል ዓወታት ኢዩ ተመሊኡ። ስለ‘ዚ ካብቲ ካልእ ዓወታት ነጺልካ እትረአ ዕለት ኣይኮነትን። እንተኾነ ግን ፍልይቲ መዓልቲ ዝገብራ፡ ኵናት ተጎርባ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ኣብ መንጎ‘ቲ ኣብቲ ግዜ‘ቲ ኣብ ኣፍሪቓ ዝሓየለ ሰራዊት ተበሂሉ ዝዝነየሉ ዝነበረ ሓይሊ ዝተኻየድ ኵናት ሰለ ዝኾነ ኢዩ።

 

ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ካብ‘ታ ናይ መራሒ ሰውራና ስዉእ ጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ጓንዴን ውሑዳት ጠያይትን ነቒሉ‘ዩ ነቲ ፈላሚ ስጉምቲ ኣበጊስዎ። እዚ ፈላሚ ስጉምቲ‘ዚ ድማ ብዝተናወሐ መስዋእትነትን ተወፋይነትን ንገዚፍ ጎበጣዊ ሓይሊ ጸላኢ ዝገጥምን፣ ኣላሽ ኣቢሉ ድማ ዓበይቲ ዓወታት ኣብ ልዕሊኡ ከረጋግጽ በቒዑ ኢዩ። ሰራዊት ሓርነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክምዕብልን ንሓይሊ ጸላኢ ኢትዮጵያ ስዒሩ መሬትናን ህዝብናን ነጻ ክገብር ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ዘብጸሖ፡ ተቓላሳይ ህዝብና ኣብ ጎድኑ ኮይኑ ዓቢ ደገፍ የውፍየሉ ስለ ዝነበረ ኢዩ።  

 

ሽሕ‘ኳ እኩብ ድምር ቃልስታ ሰውራ ኤርትራ ዓቢ ዓወት ብምርግጋጽ፡ መሬትና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነጻ ብምውጻእ፡ ኤርትራ ሃገርና ልዑላውነታ ክረጋገጽ እንተ በቕዐ፡ ብሰንኪ‘ቲ ኣብ መስርሕ ቃልስና ዝተራእየ ውሽጣዊ ሓጎጽጎጽ ዝፈጠሮ ምፍንጫላት ንሃገራዊ ሓድነትና ብኣሉታ ስለ ዝጸለዎ፣ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ምልካዊ ስርዓት ብምቛም፡ መጻኢ ዕድል ሃገር ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቍጽጻሩ ኣእቲዩ፣ ንኤርትራ ኣብ ዓባይ ቤት መእሰርቲ ቀይሩ፡ ካብ መዓልቲ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ግፍዕን መከራን ከውርድ ይርከብ። ከምኡ‘ውን ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታቱ ሃገርና ኤርትራ ልዑላውነት ሃገር ኣብ ዓቢ ሓደጋ ኣውዲቕዋ ይርከብ።

 

ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ኣቲየሞ ዝርከቡ ወሳኒ ታሪኻዊ መድረኽ፡ ኩሎም ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ቃልሶም ከኻዕብቱ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ከነዘኻኽር ንፈቱ። እዚ ምስ ዝፍጸም ጥራሕ ኢዩ ከኣ ሕድሪ ስዉኣት ኵናት ተጎርባን ኩሎም ስዉኣትናን ዝትግበርን፡ ናጻነትን ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ  ስዉኣትና ህይወቶም ዝኸፈለሉ ጉዳይ ብምዃኑ  ሓቢርና ኣብ ግብሪ ከነተግብር ዘኽእለና።

 

ክብርን መጎስን ንስዉኣትን ጀጋኑ ሓርበኛታን ተጎርባ !

ኤርትራ ሃገርና ነጻን ዲሞክራስያዊትን ኮይና ትንበር !

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

 

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ“

 

 

ፈጻሚ ኣካል

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

15/03/2015

 

         

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9450

Posted by on Mar 16 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net