እንተ ተደጋገመስ ሓቂ ንከይመስል!!

eudc

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ነዊሕ ግዜ ብዝወሰደ ሓላፍነታዊ ብዝኾነ ሕድሕድ ልዝባትን ዘተታትን ሓሙሽተ ፖሎቲካዊ ውድባት ብመስርሕ ሰፊሕ ሰሚናር ኣቢሉ ኣብ ወርሒጥሪ 2013 ብዝተጋብአ ዕውት ቀዳማይን ሓድነታውን ጉባኤኡ ብሄራውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ሕብረ-ብሄራዊ ውድብ ኮይኑ’ዩ ተመስሪቱ። ብቀጥታ ብድሕሪ ምምስራቱ፡ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ፖሎቲካዊ ዕላማታት ምስ ዝመሳሰልዎ ውድባት፡ ጉጅለታትን ውልቀ ባእታታትን ናብ ሓድነታዊ ምትሕንፋጽ ንምብጻሕ ብርቱዕ ጻዕርታት’ውን ኣሰላሲሉ። ብካልእ ገጽ’ውን ውድባት ሕድሕድ ምትእምማንን ምኽብባርን ከጥርዩ ምስ ዝኽእሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብክንድ’ቲ ትጽቢት ህዝብና ትጽቢት ንቕድሚት ብምስጓም፡ ኣብ ምቕልጣፍ ውድቀት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣገዳሲ ገድላዊ ተርኡ ምእንቲ ከበርክት፡ ምስ ኩሎም ፖሎቲካዊ ሓይልታት ካብ 2013 ክሳብ ድሮ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኡ 2015 ተደጋጋሚ ልዝባትን ዘተታትን ካብ ምክያድ ኣይተቆጠበን።

 

ሕጂ’ውን ኣብ ዝሓለፈ  ወርሒ ለካቲት 2015 ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቓውሞ ብዙሕ ዘይተለምደ ክፉትን ኣሳታፍን ዕውት ሰሚናርን ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤን ከም ዘካየደ ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን ክግለጽ ምጽንሑ ይዝኸር። ዕላማኡ ድማ ኣብ መላእ ደንበ ተቓውሞ ብሓፈሽኡ፡ ጉባኤታት ፖሎቲካዊ ውድባት ኣብ ዕጹው መድረኻት ጥራሕ ዝጋብኣሉ ኩነታት ብምንባሩ፡ እቲ ካብ ሕድሕድ ክንመሃሃሮ ዝግባእ ብኡ ደረጃ’ውን ሓድሽ ሓሳባት ከነጥርየሉ ንኽእል ዕድላት ዕጽው ብምጽንሑ፡ ንዕኡ ንምቕያር ተራና ንምጽዋት ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝለመድናዮ ጸቢብ ውድባዊ ዓንኬል ብምውጻእ ምስ ካልኦት ዘለና ፍልልያት ንምጽባብ፡ መትከላት እንካን ሃባን ንምዕዛዝ፡ ኣምር ግልጽነት ኣብ ወረቐት ጥራይ ካብ ምስፋር ተግባራዊ ንክኸውን መንገዲ ንምኽፋት’ዩ ነይሩ ዕላምኡ። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ካብዚ ጽኑዕ እምነት’ዚ ብምብጋስ፡ ነዚ ሓላፍነታዊ ተበግሶን ውሳኔን ክወስድ ከሎ እቲ ዝወሰዶ ኣውንታዊ ተበግሶ ንኩሉ ደላይ ለውጢ፡ ሓባራዊ ረብሓታት ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ብሓባራዊ ቃልሲ ናብ ዝበለጸን ዝማዕበለን ፖሎቲካዊ መድረኽ ክሰጋገር ከም ዝኽእል’ውን ብምእማን’ዩ።

 

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ብፍላይ’ውን ኣብ ድሮ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኡ ብዘይሌላን ጉሌላን ክፉትን ኣሳታፍን ዝኾነ ሰፊሕ ሰሚናር ክዕድም ዝደረኾ ተወሳኺ ረቋሒታት፡ ኩሉ’ቲ ኣብ ጉባኤኡ ዝውስኖ ፖሎቲካዊ ውሳኔታት ክሰፍሕን ክዓሙቕን ብኡ ኣቢሉ’ውን ዝያዳ ቅኑዕ ኮይኑ ክወጽእ ዝሕግዝ ምዃኑ ብምግንዛብ’ዩ። ኣብ ጉባኤ ኤስደለ ንበይኑ ተኣኺቡ እቲ ዝፈልጦን ዝኣምነሉን ጥራሕ ወሲኑ ምስ ዝወጽእ፡ ክሕገዝን ክሕግዝን ከም ዘይኽእል ብምርዳእ፡ ኩሉ ክተሓጋገዝ ፍቓደኛ ምስ ዝኸውን ካብቲ ዘለናዮ ክንብርኽ ከምንኽእል ስለዝኣምን’ዩ። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ከም ውድብ ዝልለየሉ ፖሎቲካዊ ዕላማታትን ተመክሮታትን’ኳ እንተለዎ፡ ኩሉ ግዜ ምስ ግዜን ኩነታትን ክምዕብል ዝኽእል ፖሎቲካዊ ኣረኣእያታት ክውንን ስለ ዝግባእ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ሰሚናር፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ራእይን ንምህናጽ፡ ሕድሕድ ሰናይ ዝምድናታት ንምፍጣር፡ ክህልዎ ዝኽእል ኣውንታዊ ተራ ብቀሊል ዝርእዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ብከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ሰሚናር ኣቢሉ ደንበ ተቓውሞ ኣብቲ ንኩሉ ብማዕረ ዝብጽሖ ሓባራዊ ሃገራዊ ኣጀንዳታትን ብሓባር ተላዚቡ ኣብቶም እዋናውያን ጉዳያት ሓባራዊ መርገጽ ክሕዝን ኣድህቦ ክንገብርን ስለዝሕግዝ’ዩ።

 

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ኩሉ ኣብ ክውንነትና ይኹን ርኽባትና ብብሄር፡ ሃይማኖት፡ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ኣውራጃ…….ወዘተ ዝፍጠር ፍልልያትን ሳዕቤናቱን ቀሊል ተርእዮ ዘይምዃኑ ይግንዘብ። እቲ ብውልቅና ቅኑዕ ንብሎን ዝያዳ ዘገድሰናን ጥራሕ እናኣቃላሕና ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ኣተሓሳስባ ዓለም ምሕንባስ ትርጉም ዘይብሉ፡ ንዕለታዊ ርኽባትና ወይ ንሰናይ ዝምድናታትና ንድሕሪት ዝጎትት ምዃኑ’ውን ይኣምን። ካብዚ ዕግበት’ዚ ብምብጋስ’ውን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ክፉትን ኣሳታፍን ሰሚናር ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ውድባትን ክፍልታት ሕ/ሰብናን ኣብ ሓደ መኣዲ ዘተ ንብዙሓት ሃገራዊ ኣጀንዳታትን ዝህልውና ጸገማትን ብግልጽነት ክዝትይሉን ክተዓጋገቡሉን ዘኽእል መድረኽ ምፍጣር መባእታዊ ሓድሽ መንፈስ ምትእምማን ንምጥራይ ማዕጾ ዝኸፍት ምዃኑ’ውን ይኣምን። ብርግጽ ከምዚ ዝበለ ተበግሶታት እንተደኣ እናማዕበለ ከይዱ ኣብታ ጽባሕ ንጽበያ ሓዳስን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ዝገጥመና ብድሆታት እናፈኾሰ ክኸይድ ከም ዝኽእል ዕግበቱ ገይሩ ብምውሳዱ’ዩ። ሰሚናር ኤስደለ ድማ በዚ እምነት’ዚ ተጀሚሩ ብኡ መንፈስ ድማ ተዛዚሙ።

 

ኤስደለ ነዚ ዝተጠቕሰ ቅኑዕ መትከላዊ ተበግሶን ዕላምኡን’ዚ ካብቲ ዝኸፈሎ ዋጋ ንላዕሊ ምኽፋል እንተደኣ ተደልዩ’ውን ሓላል ገይሩ’ዩ ዝወስድ። ነቲ ተበግሶ ናቶም ዓወት ምዃኑ ዝተረድኡ ኣካላት ኩሉ’ቲ ካብኦም ዝጥለብ ዝተፈላለየ ኩሉ-መዳያዊ ሓገዛት ከወፍዩ ከለው፡ ገለ ካብ ፖሎቲካዊ ውድባት ግን በቲ ኤስደለ ዝወሰዶ ኣውንታዊ ተበግሶን ዕውት ስርሓትን፡ ሰውራዊ ቅንኢ ብምሕዳር፡ ካብኡ ንላዕሊ ክሰርሑ ኣብ ክንዲ ዝህቅኑ፡ ነቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ዘይምስሉን ዘይትርጉሙን ብምሃብ ንውድብና ንምድኻም ለይትን ቀትሪን ክጓየዩ ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ብጣዕሚ ዘጉሂ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ካብኡ ሓሊፉ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዕድመ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምንዋሕ ዘገልግል ምዃኑ ከስተውዕሉ ምተገበአ ንብል። እቲ ንሶም ክገብርዎ ዘይከኣሉ ካልኦት ክገብርዎ ምስ ዝርእዩ፡ ብርግጽ ንሕና ከምኡ ክንገብር ብዘይምኽኣልና ሓሚቕና ኣለና ኢሎም፡ ውሽጦም ፈቲሾም ድኻሞም ክቕበሉ ይግባእ ነይሩ።ብኣንጻሩ ግን ነቶም ሰናይ ተበግሶ ዝወሰዱን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሓድሽ መቐያይሮ ከተኣታትዉ ዝፍትኑን ብድሕሪኦም ካልእ ሓይሊ (ብፍላይ ከኣ ኢትዮጵያ) ስለ ዘላ እምበር ብናቶም ዘቤታዊ ዓቕሚ ከምኡ ክገብሩስ ኣይምኸኣሉን ብምባል ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ንነብሶም ከታልሉ እንተዘይኮይኖም ንማንም ደላይ ለውጢ ዝሕግዝ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ነቲ ካብ ጽኑዕ መትከላዊ ዕግበቱ ተበጊሱ ንምጥርናፍ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ኣገደስቲ ባእታታትን ዝወስዶ ጻዕርታት እንተኾነ ከተባብዑ ካብኡ ተረፈ ድማ ካብ ጸለመ ክቑጠቡ እንተዝኽእሉ ክንደይ’ኳ ሰናይ ምኾነ። እዚ ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን ኣሉታዊ ወፍርታት’ዚ ነቶም ወፈርቱ’ውን ዝጠቅም ኣይኮነን።

 

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ጸለመታት’ዚ ኣብ ልዕሊ ኤስደለ ንመጀመርታ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ወፍርታት ኣይኮነን። መቐጸልታ ናይቲ ካብ ጽባሕ ቀዳማይን ሓድነታውን ጉባኤ 2013 ዝተበገሰ፡ ንውሽጣዊ ሓድነት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ንምስንጣቕ፡ ካብ ጫፍ ንጫፍ ኩርናዓት ዓለም ብስልኪ ዝካየድ ጸለመታትን ንገለ ብግዝያዊ ረብሓታት ዝሰድዑ ንምድላል ዝግበር ፈተነታትን’ዚ ንሓባራዊ ቃልሲ ቅንጣብ ኣገልግሎት ዘለዎ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። እቲ ንኣምነሉ ንዑ ስምዕዎ እንተ ኺኢልኩም’ውን በድህዎ፡ ዘዕግብ ምኽንያት ብምቕራብ፡ መተካእትኡ ዝሓይሽ ሓድሽ ሃናጺ ሓሳባት  ብምምጻእ ሓግዙናን መሃሩናን ብምባል ዕድመ ዘቕረብናሎም፡  ኣይንመጽእን ብምባል ክፉትን ኣሳታፍን መድረኻት ዝተሓረሙ ኣካላት፡ ንዘይነበረዎ ሰሚናርን ጉባኤን ብኣሉታ ክገልጹን ከጸልሙን ክውዕሉ እንታይ ይርብሑ? በዚ ዝረብሕ ምስ ዝህሉ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጥራሕ ምዃኑ ሕጂ’ውን ደጊምና ከነስምረሉ ንደሊ። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ፖሎቲካዊ ሓይልታት፡ ብሄራውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ህዝብና ንምጥርናፍ ክጽዕርን ክቃለስን ዝጸንሐ ውድብ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ከኣ ብብሄራውን ሃይማኖታውን ኣስተዋጽእኡ ሃብታም ውድብ እናኾነ መጺኡ ዘሎ።

 

እዞም ኣብ ጸለመታት ዝዋፈሩ ዘለዉ ኣሓት ውድባት ነዚ ሃብታም ኣስተዋጽኦ’ዚ ከምናቶም ዓወትን ብልጫን ብምቁጻር ከደንፍዖን ከተባብዖን ይግባእ ነይሩ። ኮይኑ ግን ገለ መራሕቲ ውድባት ንገለ-ገለ ሰባት ብኣጉል ግዝያዊ ረብሓታትን ጸቢብ ኣተሓሳስባን ብምስዳዕ ኤስደለ ከም ዝተፈናጨለ ንምምሳል፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታታት ዘየሎ ኣዋጅ ክጽሕፉ ምትብባዕ፡ ኣብ ሕጓ ኣብያተ ጽሕፈቶም ብምስጢር ክመኽሩን ኣብቲ ልሕሉሕ ቁጻር (weakest link) ኢሎም ዝግምትዎ ናይ ውድብና ሸነኽ ኣተኲሮም ንምፍንጫልና ክሰርሑን ብምዕዛብና ኣስደሚሙና። ካብ ፈታዊ ትብሎ ሓይሊ ከምዚ ኣይትጽበይን። ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብርግጽ መተካእታ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክኸውን እንተኮይኑ ሓደ ካብቲ ካልእ ክበልጽ ቅዱስ ውድድር ከተባብዕ ይግባእ ደኣምበር ንቕድሚት ክስጉም ንዝፈተነ፡ ሓንኲልካ ብምውዳቕ ኣብ ባይታ (ዜሮ) ኩልና ሓደ ክንኸውን ዝመርጽ እንተኮይኑ፡ ናይ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ክኸውን ኢልካ ኣይሕሰብን። ኤስደለ ነቶም ንምጽላሙን ምድኻሙን ከይደቐሱ ዝሓድሩ ኣካላት፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ፈታዊኩምን መቃልስትኩምን ደኣምበር ጸላኢኩም ዘይምዃኑ ክሕብር ይፈቱ። ኣብ ሕማቕ ኩነታትኩም ቅድሚ ኩሉ ሕማቕ ተሰሚዕዎ ዝጉሂ፡ ኣብ ጽቡቕኩም ዝሕጎስ ፖሎቲካዊ ውድብ ምዃኑ ክትዝንግዕዎ ኣይምተገበአን። ኤስደለ ጸላኢኡ ህግደፍን ከም ደንበ ተቓውሞ ኣቲናዮ ዘለና ድኻምን ድሕረትን ጥራይ’ዩ። ኤስደለ ይኹን ካልእ ውድብ ካብ ድኻማቱ በሪኹ ምስ ዝወጽእ ንደንበ ተቓውሞ ከድሕን ዝኽእል መሳልል ጌርና ደኣ ንወስዶ እምበር ነቲ ዝደኸመ መቐጥቀጢ በትሪ ጌርና ኣይንርእዮን።

 

ስለዚ እንተኽኢልኩም ብሓድሽ ኣተሓሳስባን ንዕኡ ዘሰኒ ሰናይ ተግባርን ልዕሌና ሰሪሕኩም ክትቅድሙና ነተባባዓኩም እንተዘይክኢልኩም ግን ንከይትዕንቅፉና ሓደራ ንብለኩም። ኤስደለ ብናህሪ በቲ ሒዝዎ ዘሎ ቅኑዕ ህዝባዊ መስመርን ፈጢሩሉ ዘሎ ሰውራዊ ወነን እናሓደረ ዝውስኽ ቀጻሊ ምዕብልናታት ከረጋግጽ ዝኽእል ውድብ ክኸውን ተተሓሒዝናዮ ኣለና። በዚ ዝተኣማመን ኤስደለ በቲ ዝገጥሞ ዘሎ ጸለመታትን ዕንቕፋታትን ከይበርገገ ኣብ መንገዲ ዓወት ክምርሽ’ዩ። ኤስደለ እንተደኺሙ ከም ኣካል ኣምሳል ናይ ደንበ ተቓውሞ፡ ንኹሉ ደንበ ተቓውሞ ብኣሉታ ዝጸሉ፡ እንተሓይሉ ድማ ብኡ መጠን ብኣዎንታ ዝጸሉ ምዃኑ ኣይተርፎን። እቶም ንዓና ከዳኽሙ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣካላት ግን ካብቲ  ዝለመድናዮን ዝጸናሕናዮን ሓፈሻዊ ድኽመት ደንበ ተቓውሞ ጋም-ማን እናበልና ክንነብር ዝመረጹ ጥራሕ’ዮም። እዚ’ውን ብርግጽ ንረብሓ ህግደፍ እምበር ንረብሓ ደንበ ተቓውሞ ዝውዕል ኣይኮነን።  ደንበ ተቓውሞ ካብ ካብዚ ዝኣመሰለ ንድሕሪት እንተዘይኮይኑ፡ ንቕድሚት ዘየሰጉም ኣሉታዊ ተግባራት ክናገፍ ምስ ዘይኽእል ኣብ ኤርትራ እቲ ህዝብና ትጽቢት ዘንብረሉ ዓይነታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከረጋግጽ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ዝኸኣል ኣይኮነን። ኤስደለ ግን ኣብ ጽልእን ቅርሕትን ዝነብር ፖሎቲካዊ ውድብ ስለዘይኮነ እዚ’ውን ክስገር ዘይከኣል ጸገማት ጌይሩ ኣይወስዶን’ዩ።

 

ብዝኾነ፡-

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዝውንን ሕብረ-ብሄራውን ሃይማኖታውን ውድብ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሄራዊ መንነቱ ሃይማኖታዊ ክብሩን ተዓቂቡሉ ክነብር፡ ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ፖሎቲካውን ምምሕዳራውን ኣንፈቱ ኣብ ላዕሊኡ  ዝነጥብ ዘይኮነስ ብደሞክራሲያዊ ምርጭኡ ባዕሉ ወሳኒ ዝኾነሉ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ተዋፊሩ ዘሎ ውድብ’ዩ። ኤስደለ ብዘይድምር ናይቶም ኩሎም ብሄራውን ሃይማኖታውን ጸጋታት ህዝብና ኤርትራ ትበሃል ሃገር ክትህልወና ከም ትኽእል ይኣምን። ልዕልነት ናይ ሓደ ኣካል ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ጥዕና ዘለዋ ሃገር ክንሃንጽ ከም ዘይንኽእል ምሉእ ዕግበቱ’ዩ። ስለዚ ተኸባቢርናን ተኸኣኢልናን ጥዕይቲ ሃገር ንምህናጽ ኩሉ-መዳያዊ ጻዕርታት ንገብር ኣለና። እቶም ኣብ ወረቐት ተመሳሳሊ ዕላማታት ዘስፈርኩም ፖሎቲካዊ ውድባት ኣብ ግብሪ መታን ሓደ ክንከውን ሕጂ’ውን ሰውራዊ ጻውዒትና ብምሉእ ልብና ነቕርበልኩም።

 

ኤስደለ ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማታት ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ብሓባር ንምስራሕ ኩሉ ግዜ ድልውነቱ ዘረጋግጽ፡ ወትሩ ኣብ ስልጡን ዘተን ልዝብን ዝኣምን፡ ምስ ኩሎም ፖሎቲካዊ ውድባት ብዘይዝኾነ ፍልልይ ንምዝታይ ብዘይምሕላል ተደጋጋሚ ቅኑዕ ተበግሶታት ዝወስድ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ’ዩ። ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝፍጠሩ ግርጭታት ንምፍታሕ ብህድኣትን ትዕግስትን ዝዋሳእ፡ ኣብ ውሽጡ ዝፍጠሩ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ንምእራም’ውን ብትብዓት ዝቓለስ’ዩ። ሓድነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕቓብን ንዝቖመሉ ዕላማታት ንምትግባርን ዓቕሙ ዘፍቅደሉ ኩሉ ክገብር ዝጸንሐ ውድብ‘ዩ። በብእዋኑ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ተዳኪሙ ትልኽ ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን ድማ ሓድሽ ኣንፈት ሒዙ ንክበራበር ተባዕን ሕጋውን መርገጻት እናሓዘ ዝመጸ ውድብ’ዩ። ከምኡ ብምግባርና ብመትከል እንኣምነሉ ኣብ ተግባር ንምውዓሉ እምበር ጸረ ውልቃዊ ድሌታት ናይ ገለ መራሕቲ ክንከውን ስለ ዝደለናስ ኣይነበረን። ይኹን እምበር ንሓባራዊ ጉዕዞ ዝሃሲ ይዕበ ይንኣስ ዝገበርናዮ ጌጋ እንተልዩ ግን ብትብዓትን ኣብ ግልጺ መድረኽን ክበሃለናን ንሕና’ውን ካብ ጌጋና ክንመሃርን ድልዋት ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ ክንገልጽ ንፈቱ።  ሕጂ’ውን ብዘይቀለዓለም ንሓድነት፡ ንስልጡን ዘተ፡ ልዝብ፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባ፡ ግሉጽ ኣሰራርሓ፡ ንሰናይ ምሕዝነታዊ ዝምድናታትን ሓባራዊ ገድላዊ ዕዮታትን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ማዕጾ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ርሒብን ክፉትን ምዃኑ ነረጋግጽ።

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንዓንቀፍቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ

 

ፈጻሚ ሽማግለ ኤስደለ

20 መጋቢት 2015

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9466

Posted by on Mar 21 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net