ወጽዓ ደቂ-ኣንስትዮን መበገሲኡን

ቀዳማይ ክፋል

ደቂ-ሰባት ከም ሓደ ዓይነት ዘርኢ መጠን፡- ከምቶም ኩሎም ሂወት ዘለዎም ፍጡራት ብኽልተ ጾታ ማለት ብኣንስታውን ተባዕታውን ጽምዶ ዝቖሙ ባህርያዊ ፈልሲ ምኻኖም መብርሂ ዘድልዮ ኣይኮነን። የግዳስ ናብ ሓደ መብርሂ ዘድልዮ መንገዲ ዘእትወና ኣምር ብምኻኑ እዩ። እዞም ምስሎም ክልተ ሂወቶም ግን ብሓደ መጥመሪ ዝተወደነ ሕ/ሰብኣዊ ቡቕሎ፡ ከልተ ገጽ ናይ ሓደ ቅርሺ ከንሶም፡ ከምቲ ዝጠመየ ዝብእስ ቁስሉ እንተበልዐ ዝተዓንገለ ይመስሎ ዝብሃል፡ እቲ ሓደ ክፋል ናይዚ ሕ/ሰብዊ ቡቕሎ፡ ናይ ኣካያድነታዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ፡ ነቲ ባህርያዊ ክውንነት  ክኸድዖ ጀመረ። ንካላኣይ ሸነኹ (መዋድንቱ) ዓሚጹን ጎዲኡን ሓደ ጎኑ ጥራይ ከህጥር ህርዲግ ኣብ ምባል ኣተወ። እዚ ሸነኽ፡ ቃንዛ ናይ ዝተጎዘዘ ጎድኑ ንኸይስመዖን ከየቕልበሉን ብጭካነ ዝወሰነ፡ ኣብ ናይ ጥልመትን ነብሰ ርመሳን ዘንብር መርሆ ክኽተል ዝመረጸ ሸነኽ ኮነ።

ይኹን እምበር፡ እዚ ክልቲኡ ጾታ ኣብ ምቋምን ምቕጻልን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ምዕሩይ ትዕድልት ሓላፍነት ዘለዎ ምኻኑ ብታኣምር ዘይዝለል ባህርያዊ ሓቂ’ዩ። በዚ መጠን ክረአ ከሎ ኣምብኣር ግደ ደቅ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ከይዲ ምዕባለ ሕ/ሰብ  ወሳኒ ኣካል ምኻኑ እዩ። እቲ ባህርያዊ ሓቂ እዚ ከንሱ ግን፡ እቲ ብዘይ ህላወ ደቅ ኣንስትዮ ህላወኡ ዝብቕዕ ክፋል ሕ/ሰብ፡ ንኹሉ መሰላተን ገፊፉ ሃብታም ጸጋታተን፡ ኣፍራይ ብልሓታተን፡ ከልምሶ ተቓለሰ። ከምቲ ልዒሉ ዝተገልጸ ግን ሓደ ካብዞም ክልተ መጻምዲ ምስ ዘይህሉ እቲ ካላኣይ ክህሉ ባህርያዊ ከምዘይኮነ፡ በቲ ንዐኦም ዝፈጠረ ዝተሰርዐ ሕጊ ምኻኑ ርዱእ’ኳ እንተኾነ፡ እዚ ብፍላጥ ሓደ ዓዩን ዘንቆረ ፍርቂ ሓንጎሉ ዘመሽመሸ ሸነኽ፡ ዓቢ ናይ ምምዛንን ምስትውዓልን ተኽእሎኡ ስለዝቐተለ፡ በቲ ዝተገድዐ ኣካሉ መሪሑን ሰሪሑን ምሉእ ሕ/ሰብ ከዕግብ ድማ ስለ ዘይክል፡ ጸገማቱ ክሽፍን ዎትሩ ኣብ ዓመጽን ዓፈናን ጥራይዩ ዝምርኮስ። እቲ ናቱ ጸገም ናብ ካልእ ከጸግዕን ከድርዕን ድማ፡ ናይ ደቅ-ኣንስትዮ ኩሉንትናዊ መሰላተን ገፊፉ ከብቕዕ፡ ተምሊሱ ነዐአን ኣካለ-ጎደሎ ገይሩ ብምስራዕ ከም ሓደ ዓቢ ጸገምን ከቢድ ሸኽሚ ናይ ሕ/ሰብ ጌርካ ከም ዝቑጸራ ገይሩወን’ዩ።

ስለዝኾነ ድማዩ ሕ/ሰብ ዓለምና በዞም ነቲ ፍርቂ ኣካሎም ብኣረሜናዊ ጭካነ ጨፍሊቖም፡ በቲ ፍርቂ ጎደሎ ዝኾነ ስንኩል (ሃንድካብድ) ኣተሓሳስበኦምን ተግባሮምን ኣህዛብ ኣብ ከቢድ ህውከትን መከራን ዘቒቶም የሳቕይዎ ዘለዉ።

ወጽዓ ደቂ-ኣንስትዮ ዝጀመረሉ፡- በቲ ንመሰረታዊ መሰላት ደቅሰባት ገፊፉ ዝረግጽ፡ ብኣረሜናዊ ስርዓት ዝፍለጥ ንሓይሊ ከም እንኮን መተካእታ ዘይብሉ ሕጊ ገይሩ ብምቕራጽ፡ ዝገዝእ ዝነበረ ስርዓተ ዓመጽን ዓፈናን፡ ስርዓተ ጊላነትዩ።

ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፈላሚ ሕ/ሰብኣዊ ስርዓተ ምዕባለ፡ ደቂ ሰባት ብሓባር ሰሪሖም ብርትዓውነት ተኻፊሎም፡ ድኹማቶምን ጽጉማቶም ሓንጊሮም ሓብሒቦም ዝጎዓዝሉ ዝነበሩ እዋን፡ ከም ሓደ ዘርኢ መጠን ካብ ዝተፈላለዩ ሓደገኛታት እንስሳን ባህርያዊ ተጻብኦታት ተጠርኒፎም እናተኸላኸሉ ተሓቓቒፎም ብሰላም ይካየዱ ከምዝነበሩ ይፈለጥ። እዚ እዋን’ዚ ዘመነ ፍልመ-ዴሳዊ እናታዊ ስርዓተ ምዕባለ ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ።

ግዜ እናኸደ፡ መልክዕ ናብራ መቐይሮ (ለውጥ) ክጎዛጎዝ ጀመረ። መንፈስ ብሕታውነትን ናይ ብሕቲ ዋንነትን እናደፈኣ መጸሞ፡ እቶም ሓያላት ነቶሞ ድኽም ዝበሉ እናዓምረሩ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽሮም ኣእተውዎም። በዚ ኣቢሉ ድማ እቲ ሰላምን ምትሕልላይን ምትሕብሓብ ዝሰፈኖ ስርዓተ ሓባርነት ተሳዕረ።

ስለዚ ድማ እቶም ብሰላም ናብረኦም ዝመርሑ ዝነብሩ ህዝብታት፡ ጥሪቶም ንብረቶም መሬቶም ኩሉ መሰላትም ብሓያላት ተዘሚቶም ኣብ ትሕቲ ምሉእ ዋንነት ጎይቶት ኣተዉ። ጊሎት ድማ ተሰምዩ፡ ጎይቶት ሓይሎም ዝያዳ ንምድልዳል ግዝኣቶም ንምስፍሕፋሕ ዝኣክል፡ ካለኦት ከምኣቶም እኩባትን ዱልዱላትን ክወሩ ንጊሎት ከም ናይ ውግእ ሓይሊ (ሰራዊት)ን ካልእን ይግልገሉሎም ነበሩ። ዝበዝሑ ጊሎት ዝወነነ ዝሓየለን ዝሰፍሐ ግዝኣት ይህልዎ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ዘመን፡ ዘመን ሓይሊ ስለ ዝኾነ ኩሉ ሕይል ዝበለ ብዓቕሙ ነቶም ድኽም ዝበሉ ክቆጻጸሮምን ክውንኖምን ባህርያዊ ኮነ። ቀንዲ ካብዞም ኣብ ዘበነ ሓያላት ድኹማት ዝቑጸሩ፡ ሕጂ‘ውን ገና ዘይትረፈ ዘሎ፡ ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑትን እዮም። ብዚ ምኽንያት ብኻልኦት ክውነኑን ክርገጹን ግድን ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ጊሎት ብምሎኦም ነቲ ዝገዝኦም ዝነበረ ወናኒኦም ጎይታ ብሓባር ከገልግሉ ከለዉ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣብ ሓደ እዋን ንኽልተ ዝተፈላለየ ደረጃታት ዘለዎም ጎይቶት ማለት ንጎይታ ቁጽሪ ሓደን፡ ጎይታ ቁጽሪ ክልተን ንድርብ ጎይቶት የገልግላን ይግዛኣን። እቲ ጎይታ ቁጽሪ ሓደ፡ ዝዓበየን ንኹሎም ብማዕረ ዝገዝእን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ጎይታ ቑጽሪ ክልተ ድማ እቲ  ናይ ገዛ (መናብርቲ) ማለትዩ። ስለዚ ኣብ ደገ ሓቢሮም ንዝዓበየ ጎይታ ከገልግሉ ውዒሎም  ናብ መንበሪኦም ምስተመልሱ ድማ፡ ወየ ነታ መናብርቱ “ሰበይቱ”ን ቆልዑትን ጎይታ ዝኾነ ናይ ገዛ ገዛኢ፡ ስራሕ ውዒሉ ከዕርፍ ስለ ዘለዎ፡ እታ ናቱ ውንንቲ ዝኾነት ጊልኡ፡ እግሩ ሓጺባ ተሳሊማ ኢድ ነሲኣ መግቡን ኩሉ ጠለባቱን ድሕሪ ምምላኣ፡ ንወየ መሕደሪኣ ዝኾነ ጥሕና እኽሊ (ቀለብ)ን ካልእን ከተዳሉ ኣብ ድሕሪ መጥሓን መለንቀጢ መሬት ይወግሓ።

መዋእላት ሓሊፉ ስርዓተ ጊላነት ብመስፍንነት ተተኪኡ እቲ ወዲ ተባዕታይ ብተዋፋራይ ክጽዋዕ ከሎ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ግን ብጊላኣ ተረፈት።

ጎይታ ገቢቱዎ ዝጸንሐ ምሬት፡ ተካኢኡ መስፍን ካብቲ ዝለመዐ መሬት ዝኣኽሎ ኣትሪፉ፡ እቶም ተዋፋሮ ሕርሽኡ ኣልሚዖ ዘሪኦም ሓፊሶም ኣጻፊፎም ክእክብሉ፡ ካብቲ ዘየድልዮ ረቂቕ መሬት ዓስቦም ቃጸዓሎም።

ተዋፋሮ ወላ’ካ ዝተዋህቦም ምሬት እኹል እንተዘይኮነ፡ ፈሓሒሮም ፎጋፊጎም ከከም ዓቕሞም ዝነባበሩላ ናይ ሕርሻን ቦታን፡ ናይ መጠሲ መሬት ክውንኑ ከለዉ ደቂ ኣንስትዮ ግን በታ ኣብ ዘመነ ጊላነት ዝተዘመትኣ ብዝተምትኣ ከዳ ኣብ ባዶ ኢደን ተረፋ። ስለዚ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብቲ ብዘበነ ጊላነት ዝተበየነለን ናይ ዓመጽን ኣረሜናዊ ግፍዒ ብይን፡ ገና ክሳዕ ሕጂ ብእኡ ክግዛኣ ተፈርደለን።

ክቕጽልዩ

                  ኑርያ ሑሴን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9471

Posted by on Mar 24 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net