መግለጺ ብኣጋጣሚ ዓመታዊ ዝኽሪ መስዋእቲ ኣብነታዊ መራሒ ኣሕመድ መሓመድ ናስር

ensf baner

ሎሚ ዕለት 26/03/2015 ድሮ ሓደ ዓመት መስዋእቲ ዓቢ ሃገራዊ መራሒ ኣሕመደ መሓመድ ናስር ኣቕጺሩ ይርከብ።

ስዉእ ኣሕመድ ናስር ሓደ ካብ’ቶም ልሉያት ታሪኻውያን መራሕቲ ኤርትራ ኮይኑ፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዕድሜኡ ብምሉኡ ዘወፈየ ሓርበኛ ኢዩ። መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገርና ተሰዒሩ ንክወጽእን፡ ኤርትራ ናጽነታ ንክትጎናጸፍን ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ህዝብና ካብ’ቶም ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ዝስለፎ ልሉያት መራሕቲ ሓደ ኢዩ። በቲ ዝነበሮ ዓቕምን ተመክሮን ድማ፡ ምስ’ቶም ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃገራውያን ተቓለስትን መራሕትን፡ ትካላት ሓዳሽ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ምቛም ዓቢ ግደ ንክጻወቱ ተስፋ ተነቢርሎም ዝነበረ መራሒ ኢዩ። ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝበሓተ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣስተዋጽኦ ውፉፍያት ሃገራውያን ኣብ ዳግመ ህንጻ ሃገር ንከይውዕል ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑን ክሳብ ሕጂ ይቕጽሉን ኣሎ።

 

ስዉእ ኣብነታዊ መራሒ ኣሕመድ ናስር ካብ’ቶም ንሃገሮም ብተወፋይነትን ብንጹህ ልብን ዘገልገሎ ብሉጻት ሃገራውያን ምንባሩ ሰፊሕ ኣካላት ህዝብና ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ብጻይ ኣሕመድ ብንጽህና ኢዱን እርኑብ መልሓሱን ከምኡ’ውን ብክብ ዝበለ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዝልለ ተቓላሳይ ኢዩ ነይሩ።

 

ንሕና፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ዓመታዊ ዝኽሪ መስዋእቱ ነኽብረሉ ኣብ ዘለናሉ እዋን፡ ንሃገራዊ ውርሻ ኣብነታዊ መራሒና ኣሕመድ ናስር ክንዕቅቦን፡ ካብ ሃገርና ጭቆና ለጊሱ፣ ሰንደቕ ዕላማ ዲሞክራስን ፍትሕና ንከንበልብል ነካይዶ ኣብ ዘሎና ቃልሲ ጽኑዕ ሓይልን ሓያል ድልየትን ንክህልወና ጅግንነታዊ ታሪኽ ብጻይና ኣሕመድ ናስር ደራኺ መንፈስን ሓይልን ከም ዝህበና ብምርግጋጽ፡ ቃልስና ብዝያድ ክሓንን ምዃኑ ሎሚ ንብጻይና ኣሕመድ ናስርን ንኩሎም ስውኣትና መብጻዓና እነሕደሰሉ ዕለት ኢዩ።

 

መንፈስ ስዉእ ኣሕመድ ናስር ልዑል ሃገራዊ መትከላቱን ህያው ኮይኑ ንክነብር፡ ኩሎም  ሃገራውያን ሓይልታት፡ ሓድነትን ሃገራዊ ጥርናፌ ኤርትራውያን ክዕቀብን፡ መትከል ልዝብ ተጻዋርነትን ኣንጊሶም ምፍልላይ ወጊዶም ኩሎ ዓቕምታቶም፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ዘሕልፎ ካብ ዘሎ  ዘይጽወር  ኩነታት ኣገላጊሎም፣ ዲሞክራስን መሰል ደቂ ሰባት ዝኸብረላ ኣብዛሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝነገሳ ሃገር ንምምስራት ሓያል ቃልሲ ከካይዱ ይግባእ። 

 

ብጻይ ኣሕመድ ብኣካል’ኳ እንተ ተፈለየና  ታሪኹን መትካላቱን መርገጻቱን፣ ኮታ ኩሉ ዓሚቕ ኣሰራቱ፣ ንዘልኣለም ነባሪ ኢዩ። ትስፉው መጻኢ ጽኑዕ ህዝብና ንምርግጋጽ ኣብ እንካይዶ ቃልሲ፡ ጽንዓትን ክብ ዝበለ ሰውራዊ ንያትን ተሓንጊጥና ንክንጓዓዝ፡ ካብ ታሪኽ ስዉእ ሓርበኛ ኣሕመድን ኩሎም ስዉኣት ብጾትናን እነቐስሞ ዓቢ ኣስተምህሮ ኣሎ።  

 

ኣብ መደምደምታ፡ ንኣብነታዊ መራሒ ሓርነኛ ኣሕመድ ናስር እነመሓላልፎ መልእኽቲ፡ እቲ ዝብህጎን ዝሰርሓሉን ዝነበረ ጉዳይ፡ ሎሚ ተቓለስቲ ብጾቱ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ተባዕ ስርሒት ኣንጻር ሓደ ካብ ትካላት ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ዝፈጸሙ ብምብሳር፡ ዘይተሓላለ ጉዕዞ ቃልስና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ፣ከም’ቲ ብህይወትካ ከለኻ ትሰርሓሉ ዝነበርካ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ንክኸውን ብተዋፋይነት ብዘይሕለል መንፈስን ክንሰርሓሉ ምዃና ቃል ንኣቱ።

 

ደጊምና ንኩቡራት ስድራ ቤቱን ንመላእ ኣባላት ግ.ሃ.ድ.ኤን ከምኡ’ውን ንኩሎም ኤርትራውያን ተቓለስቲ በዚ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ናይ ብጻይናን መራሒናን ኣሕመድ መሓመድ ናስር ጽንዓትን ኣኻእሉን ክህብና እናተመነና፡ ህዝብና ከም’ቲ ስዉእ ብጻይና ዘማዕድዎ ዝነበረ፡ ኣብ ሃገርና ዲሞክራስን ፍትሕን ሰላምን ንክነግስ ቃልስታቶም ካብ ዝሓለፈ እዋናት ንላዕሊ ከበርትዑ ንጽውዕ።

 

ዝኽሪ ዓቢይ መራሒ ኣሕመድ ናስር ንዘልኣለም ኣብ ልብና ነባሪ ኢዩ !!

ክብርን ዝኽርን ንስዋኣትና !!

 

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ “ !!

 

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

26/03/2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9479

Posted by on Mar 28 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net