ናይ መዓልቲ ከቢረ 2015 ”ከቢረ ሽልማት 2015” ተሸላሚ ሓውና ፍሰሃ ናይር

kabry day

ናይ መዓልቲ ከቢረ 2015  ”ከቢረ ሽልማት 2015” ተሸላሚ ሓውና ፍሰሃ ናይር

ዘቅረቦ ኣስተምህሮ ”ስደት ሕዝብታት ኤርትራ ትማልን ሎምን እንታይ ይመስል” ዝብል ኣስተምህሮ፡ንህዝብና ዝህቦ ጠቅሚ ብምስትውዓል ፍቃድ ደራሲኡ ረኽብና ንዝርገሖ ኣለና።ሰናይ ምክትታል ንባብ ይምነየልኩም።

 

ዓብዱ ሱለይማን

ሓላፊ ፕሮጀክቲ መዓልቲ ከቢረ 2015

28/03/2015

 

ብምኽንያት ዝኽሪ  ስዉእ ኣቦና ዓብደልቃድር ከቢረ መሪሕ መሰል ርእሰ- ውሳነ ኤርትራ ኮይኑ ንናጽነትን ሓርነትን ሕዝቢ ኤርትራ ዝተበጀወ በዚ መዓልቲ እዚ ኣብ ቅድመኹም ቀሪበ መደረ ኣብ ትሕቲ ስደት ዝብል ተማ ክህብ ብዝተገብረለይ ዕድመ ሐበን ይስማዓኒ።

 

ነዚ መደረዚ ንዝኽርን ክብርን  ኣቦና ስዉእ ዓብደልቃድር ከቢረ እውፍዮ ኣሎኹ።

 

ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ጽንብል ዝኽሪ ስዉእ ዓብደልቃድር ከቢረ!

ዝኸበርኩም ኣባላት ማሕበር ረድኤት ከቢረ!

ዝኸበርኩም ኣባላት ማሕበር ብሄረሰብ ጀበርቲ ኤርትራ!

ዝኸበርኩም ኣባላት ፖሊቲካውን በርገሳውን ውድባት ንደሞክራስያዊ ለውጢ!

ዝኸበርኩም መራሕቲ ሃይማኖታት ኤርትራ!

ዝኸበርኩም ዕዱማት!

 

መጀመርያ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ መደረ ብዛዕባ ስደት ኤርትራውያን ንከቅርብ ዝዓደሙኒ ወደብቲ ናይዚ ጽንብል ብልቢ ከመስግኖም እፈቱ፣ዕላማዚ ጽሑፍዚ ብሰነዳትን ጽሑፋትን ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮሚስዮነር ስደተኛታትን፣ ካልኦት ብዛዕባ ስደተኛታት ተመራመርቲ ዝተመርኰሰ ኮይኑ ተወሳኺ ድማ ብናይ ገዛእ ርእሰይ ዝተመከርክዎን ዘንብብኩዎን ምሳኻትኩም ኮይነ ንምዝታይን ንምምኽካርን ኢዩ ።

 

ታሪኽ ስደት ሕዝብታት ኤርትራ ናይ ዝሓለፈን ዘሎን ብሰፊሑ ኣኪብካ ምስንዳእ እዋኑ ኢዩ ነሩ፣ በዚ ኣጋጣሚ ምልዓሉ እውን ኣገዳስነት ኣለዎ ዝብል ተረድኦ ሰለዘሎኒ ድማ፡፤ ኣርእስቲ ጽሑፈይ፣ ስደት ኤርትራውያን ትማልን ሎምን ብዝብል ከቅርቦ ክፍትን ኢየ።

ኣብዚ ጽሑፍዚ ዘትኩርለን ዛዕባታት ድማ እዘን ዝስዕባ ኢየን።

 

       ስደት ሕዝብታት ኤርትራ ትማልን ሎምን እንታይ ይመስል

 

ትሕዝቶ መደረ-ጽሑፍ

 

  1. ቐንዲ ጠንቅታት ስደት እንታይ ኢየን

1.1  ኩናት፣

1.2  ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት

1.3.  ድኽነት

1.4. ኤትኒካዊ ምጽራይ

 

  1. ንስደት ንምግታእ እንታይ ክግበር ነርዎን ፣ እንታይ ኢዩ መፍትሒኡ

2.1. ንድሕነት ሕዝብን ሃገርን ኤርትራ እንታይ ክንገብር ኣሎና

2.2  ናይ ሎሚ ስደተኛታት ኩነታት እንታይ ይመስል

 

  1. ግደ ማሕበራትን ፖሊቲካዊ ውድባትን ኣብ ዳያስፖራ

3.1. ሓያል ውደባ ምምስራት

3.2. ምምኽካርን ምዝታይን ባህሊ ምትእትታው

  1. መደምደምታ

 

  1. ዝተወከስክዎ ጽሑፋት

 

 

 

  1. ቐንዲ ጠንቅታት  ስደት እንታይ ኢየን

 

ሓደ ሕዝቢ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ወይ ድማ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ክስደድ ከሎ ኣብቲ ክነብረሉ ዝጸንሔ ቦታ ወይ ሃገር ብሰላም ንኽነብር ወይ ድማ ናብራ ኣብ ሃገሩ ኣስካሕካሕን ወጽዓን ዝመልኦ ስርዓተ ምሕደራ ምስ ዝገጥሞ እሞ ዝኾነ ምርጫ ምስ ሰኣነ ሕይወቱ ንምድሓን ናብ ካልእ ሃገር ወይ ቦታ ይንቀሳቀስ ወይ ድማ ይስደድ። ኣብ ታሪኽ ስደት ኤርትራውያን እንተረኤና እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ናይ ስደት ብግዜ ናጽነታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ መስፍናዊ ስርዓት ሃይለስላሰ “ኤርትራ መረታ እምበር ሕዝባ ኣየድልየንን” ብዝብል ፖሊሲ ዝተኸተሎ ናይ ጅምላ መቅተልትን ኣባይቲ ምፍራስን ምዝንባልን ኣብ መታሕት ኤርትራ ምስ በዝሔ ብ 1967 ንመጀርያ ግዜ ኣብ ሃገረ ሱዳን ዑቁባ ምሕታት ተጀመረ ሽዑ ኢዩ ድማ ላዕላዋይ ኮሚስዮነር ስደታኛታት ሕቡራት ሃገራት ዓለም( UNHCR) ኣቃልቦ ክህቦ ዝጀመረ። እቶም ሽዑ ዝተሰዱ ካብ ገጠራት መታሕት ብፍላይ ድማ እምነቶም ኢስልምና ዝኾኑን ምስ ጐረበት ሕዝቢ ሱዳን ድማ ባህላዊ ዝምድና ዝነበሮም ስለዝኾኑ ቀልጢፎም ምስ ሕዝቢ ሱዳን ክወሃሃዱ ከኣሉ፣ በዚ ምክንያት ኣርሒቆም ካብ ሱዳን ንምዕራባውያን ሃገራት ንኽኸዱ ኣይተመንዩን። እቲ ኣብ ግዜ ናጽነታዊ ቃልሲ ዝተረኽበ ስደት ብሰንኪ ኩናት ኢትዮጵያ ኣንጻር ሕዝቢ ኤርትራን ቃልሱን ነበረ፣ ብዙሓት ተመራመርቲ ስደት ከምዝብልዎ ግን ጠንቂ ስደት እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝካየድ ኩናት ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዝያዳ ሃሳይን ሕዝቢ ዘስድድን እቲ ውሽጣዊ ግርጭት ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝርከብ ጊጉይ ምሕደራ ኢዩ ይብሉ፣ ገለ ተመራመርቲ ስደት ድማ ኩናት ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ግህሰት ሰብኣዊ መስላት፣ ድኽነት ምጽናት ናይ ሓደ ኤትኒካዊ ሕዝቢ፣ከምኡ እውን እቶም ኣቀዲሞም ዝተሰዱ ገንዘብ ብምሳድድ ናብራ ኣዝማዶም ምምሕያሽ ስለዘርኣዩ ካልኦት ኣብታ ሃገር ዝተወጽዑ እውን ካብ ኣብ ትሕቲ ጭኮናን ድኽነትን ምንባር ስደት ይስሕቦም ዝብሉ እውን ኣለዉ። እቲ ካብ 1967- 1975 ዝተሰደ ኤርትራዊ ሕይወቱ ንምድሓን ካብ ጅምላዊ መቅተልቲ ጐበጣ ተኸታታሊ ስርዓታት ሃይለስላሰን ወተሃደራዊ ደርግን ኢዩ ነሩ። ካብ 1975 ናጽነታዊ ፖሊቲካዊ ውድባት ከተማታት ኤርትራ ምሕራር ምስጀመረ ስደት ካብ ከተማታት ኤርትራ፣ መንእስያት፣ ተማሃሮ፣ ሰራሕተኛታት ንስደት ክውሕዙ ጀመሩ፣ ኣብዚ ግዜዚ ስደት ኤርትራውያን ካብ ሱዳን ሓሊፉ ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ኤውሮጳ ኣመሪካ ካናዳ ኣውስትራልያ ክስደድ ጀመረ፣ ኣብቲ ግዜቲ ስደታኛታት ኤርትራውያን ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብዙሕ ሓደጋታት ይገጥሞም ኣይነበረን።እቲ ናይ ሎሚ ስደት ኤርትራውያንክ ከመይ ይመስል አጽብብ ኣቢለ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኣቀራርባ ወሪደን ዘለዋ ነጥብታት ብብሓደ ነተን ኣውራ ጠንቅታት ስደት ክገልጸን ክፍትን ኢየ።

 

1.1  ኩናት- ውሽጣውን ግዳማውን- Intra-state and inter-state conflict

 

ኩናት ወይ ጐነጽ ዝላዓለሉ ምኽንያታት ክከምቲ ግዝየን ኩነታት ሃገሩን ሕዝቡን ኢዩ፣ ናይ መግዛእቲ ምስፍሕፋሕ ፣ስሰዔ፣ ጭቆና፣ ስነሓሳባዊ ፣ ወዘተ። ኣብ ታሪኽ ሃገራት ዓለም እቲ ዝዓበየ ኩናት ቀዳማይን ( 1914-1918) ካልኣይን ውግእ ዓለም ( 1936-1946) ኮይኑ ካልእ ድማ ቀጺሉ ድሕሪዚ ውግኣት ዝመጽኤ ኣብ ግዜ ከም ዝሑል ኩናት ከም ኣብ መንጎ ርእሰ ማላዊ ስርዓት ዝኽተላን ማሕበተኛነትን ሃገራት ዝፍለጥ ኢዩ፣ ኣብዛ ሎሚ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ዝነብር ሕዝቢ በዚ ናይ ዓለምና ውግኣትን ብናይ ዞባ ውግኣትን ዝተሃስየ ሕዝቢ ምዃኑ ታሪኽና ኤርትራን ሕዝባን ይምስክር። ኤርትራ ናይ ወረርትን ገዛእትን ተባሃጊ ጀዮግራፍያዊ ኣቀማምጣ ዘለዋ ስለዝኾነት ድማ ሕዝቢ ኤርትራ ብደገን ብውሽጥን ሰላምን ቅሳነትን ኣይረኸበን፣ መግዛእቲ ጥልያን ምስ ተወድኤ፣ መሰል ውሳነ ሕዝቢ ኤርትራ ከምተን ካልኦት ሃገራት ብቅልጡፍ ናጽነት ዝረኸባ ክኸውን ከምዘይከኣለ ታሪኽና ይምስክር ኣብዚ መደረ ንኸቅርቦ እውን ሰፊሕ ሰለዝኾነ፣ ስደት ኤርትራውያን ትማልን ሎምን ብዝብል ጥራሕ እንተረኤናዮ ይሓይሽ መታን ነዚ ናይ ሎሚ ስደት ኣቃልቦን ኣብ ምፍታሑን ከነተኩር።

 

ምናልባት ትማልስ ብደገ ዝመጽኤ መግዛእቲ ኣብ ሃገርና ብሰላም ክንነብር ዕድል ስለዝተኻላእና ኢዩ ነሩ ሎሚኸ ድሕሪ ኤርትራ ናጽነት ረኺባ እንታይ ኢዩ እቲ ጠንቂ ናይዚ ዓለም ዘዛርብ ዘሎ ውሕዚ ስደት ኤርትራውያን ኢልና ክንሓስብን ክንዝትን እዋኑን ኣገዳስን ብምዃኑ፣ በዚ መዓልቲ ጅግና ኣቦና ዓብደልቃድር ከቢረ[1]ስደት ኤርትራውያን ጠንቁን ሳዕባናቱን ኣለሊና ከመይ ገርና ሕዝብና ኣብ ሃገሩ ብሰላምን ቅሳነትን ክነብር ከምዝኽእል መገድታት ክንደልን ንምግታኡ ብመንፈሰን ሕልናን ኣቦና ከቢረ ጸኒዕና ክንቃለስ እዚ መዓልቲዚ ይጽዋዓና ኣሎ።

 

ስደት ኤርትራውያን ብግዜ ናጽነታዊ ቃልሲ ካብ 1961 ክሳብ 1991 ብሰንኪ ወራር ኢትዮጵያን፣ ኣንጻሩ ዝተኻየደ ናጽነታዊ ቃልስን ከምዝነበረ ኩልና ንፈልጦ ኣብቲ ግዜቲ ዝተሰደደ ሕዝቢ ብሰንኪ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ብሰንኪ ጊጉይ ኣፈታትሓ ውሽጣዊ ፍልልያት ናይተን ብረታዊ ናጽነታዊ ቃልሲ ከካይዳ ዝነበራ ፖሊቲካዊ ውድባት ሕይወቱ ከድሕን ዝተሰደ እውን ውሕድ ኣይኮነን፣ ኣብዚ ግዜዚ ዝተሰዱ ብዝሒ ስደተኛታት ብመሰረት ጸብጻብ ው. ሕ. ሃ. ሰደተኛታት 450000 ይበጽሕ፣ ኣብዚ ግዜዚ ካብ መነባብሮ ኦም ዝተፈናቀሉ 600000 ክኾኑ ከለዉ ዝተቅትሉ 575000 ኢዮም። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ብክልተ ኩናት ማለት ሓደ ምስ ኢትዮጵያ እቲ ካልኣይ ከኣ ኩናት ሓድሕድ፣ ብገለ ተመራመርቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ እቲ ዝኸፍኤ ግርጭት ንምፍትሑ እውን አጸጋሚ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርክብ ጊጉይ ምሕደራን ኣብ መንነት ዝተመርኰሰ ከም ንኣብነት ዓለት፣ ሃይማኖት፣ ባህሊ፣ ቋንቋ ካልእ ወዘተ… ምስኡ ድማ  ዘይምዕሩይን ዘይፍትሓውን ኣብ ምውሳንን ምዕዳልን ፖሊቲካውን  ቁጠባውን፣ ማሕበራውን፣ ባህላውን ስለዝርከብ ኢዩ ይብሉ፣ ካብ 1989 ክሳብ 1996 ዝተኻየዱ ኩናት 101 ክኾኑ ከለዉ[2] 95 ካብዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተረኽቡ ክኾኑ ክለዉ 6 ጥራሕ ኢዮም ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝተረኽቡ። ብ1992 ኣብ ዓለም 17000000 ከምዝነበሩ ይግለጽ፡፤ ናይ ሕዝቢ ኤርትራ ስደት ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ግርጭታት ምዃኑ ዝኣክል መረድእታት ኣሎ። ኣብ ኤርትራ  ብዘይካ እቲ ኩናት ኢትዮጵያ  እቲ ብመራሕቲ ፖሊቲካዊ ውድባት ኣብ ልዕሊ ሕዝቦም ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ግፍዕታት እውን ምኽንያት ስደት ሕዝቢ ኤርትራ ከምዝነበረ ቅድሚ ሕጂ ዝተጻሕፈ[3] ብመርተዖታቱ ኣሎ።

 

እቲ ኣብ መንጎ ናጽነታዊ ቓልስን ኢትዮጵያን ኩናት ጠንቂ ናይ ዝሓለፈ ስደት ምዃኑ ርኢና፣ ኣብዚ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዋሕዚ ስደትከ ስለምንታይ፣ ኩናት ስለዘሎ ድዩ፣ ምናልባት ገለገርሂ ልቦም ኩናት የለን እቲ ምኽንያት ሲ ኣይ ኤይ (CIA- USA) ወያኔ ቀኒኦምና ናይ ሎሚ ስደት ጠንቂ ንሳቶም ኢዮም ዝብሉ ኣለዉ፣ እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኣይኮነን እቲ ድሕሪ ናጽነት ስልጣን ዝጨበጠ ነቲ ኣብ ሜዳ ዝኽተሎ ዝነበረ ናይ ምሕቃቅ ምቅታል ምእሳር ወዘተ ብዕሊ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኣዊጁ ኢዩ ናይዚ ኣዋጃትክ ዓመት በታ ናይ ሓሶት ቲቪ ገሩ ክነግር ጸኒሑን ኣሎን፣ ስለዚ ኣብ ኤርትራ ኩናት ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነ ሰፊሕ ወራር ጅምላዊ ምጽናት ሕዝብታት ዘካይድ ገባቲ ስርዓት ኢዩ ዘሎ። ናይ ዝሓለፈ ኩነታት ስደት ከምዚ ናይ ሎሚ ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ይኹን ኣብተን ዑቁባ ዝሓተቱለን ሃገራት ብዙሕ ሓደጋታትን ሞትን መስናክላትን ኣይነበረን፣ እቶም ሎሚ ዝስደዱ ዘልዉ ግን ካብ ውሽጢ ኤርትራ ጀሚርካ ተኲስካ ቅተል፣ ብኽንደይ ናይ ሞትን ሒወትን ሓደጋታት ሓሊፎም ወላ ኣብታ ዝተሰዱላ ሃገር እውን በቲ ስርዓት ክህደኑን ግዳይ ናይ ነጋዶ ደቂሰባት ኮይኖም ሎሚ መዛረቢ ዓለም ኮይኑ ኣሎ፣ ከምዚ ዓይነት ትራጀዲ ኣብ ስደት ኤርትራውያን ነመጀርያ ግዜ ኢዩ። እቲ ኩናት ኣንጻር ሕዝቢ ኤርትራ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስልጣን ይቅጽል ኢዩ ዘሎ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ሎሚ ካብ ኤርትራ ኣብ ሰሙን ሰሙን ኣብ ጉረባብቲ ሃገራት ብኣማእት ይስደድ ኣሎ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ በዚ ስርዓት ዝቅተሉን ዝጠፍኡን ዘለዉ ቁጽሮም ወላእኳ ኣይፈለጥ በሽሓት ኢዮም ዝቁጸሩ፣ ብሓጺሩ እዚ ስርዓትዚ ዕላማኡ ብርሰትን ምጽናትን ሕዝቢ ኤርትራ ኢዩ ነሩን ዘሎን እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። ሕዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ኩናት ኢዩ ዘሎ እቲ ቀንዲ ስደት ናይ ሎሚ ድማ ንሱ ኢዩ። ጠንቂ ኩናት ርኢና፣ እስከ ቀጺልና ድማ ጠንቂ ግህሰት ሰብኣዊ መስላት ከም ምክንያት ናይ ስደት ንርኤ።

 

 

1.2  ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት

 

ግህሰት ሰብኣዊ መስላት ኣብ ኤርትራ እቲ ቀንዲ ሕቶ ኣብዚ ግዜዚ ቆላሕታ ረኺቡ መጀመርያ ሕ. ሃ. ውድብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተመዘት ሽይላ ኪታሩት፣ጸኒሑ ድማ እቲ ዓሚ ዝቆመ መርማሪ ኮሚስዮን ብጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኽፍኤ ደ[4]ረጃ ስለዝበጽሔ ክምኡ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን እዚ ሕቶዚ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ።

 

እስከ መጀመርያ እንታይ ኢዩ ሰብኣዊ መሰላት ንርኤ[5]

  1. ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት

ዓንቀጽ 1

ኩሎም ደቂ-ሰባት ሓር ኮይኖም ዝተወልዱ፣ ከምኡ እውን ማዕረ ክብርን መሰልን ዘለዎም ኢዮም። ኣእምሮን ሕልናን ዝተዓደሉ ብምዃኖም ድማ ኣብ ነንሓድሕዶም ብመንፈስ ሕውነት ኪቀራረቡ ይግባእ። ነዚ ዓንቀጽ እዚ ሓርበኛ ኣቦና ዓብደልቃድር ከቢረ ቅድሚ 65 ዓመት ምስቶም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝብሉ የቅርበሎም ነሩ።

 

  1. አህጉራዊ ውዕል ብዛዕባ ቁጠባውን፣ማሕበራውን ባህላውን መሰላት

 

ዓንቀጽ 1

ኩሎም ሕዝብታት ንርእሰ -ውሳነ መሰል ኣለዎም፣ በዚ መሰልዚ ፖሊቲካዊ ቦታ ኦም ብሓርነት ይውስኑ ከም ኡ እውን ቁጠባዊ፣ ማህበራውን፣ ባህላውን፣  ምዕባለኦም ብሓርነት ይከታተሉ።

 

  1. ኣህጉራዊ ውዕል ብዛዕባ ሲቪላውን ፖሊቲካውን መሰላት

 

ዓንቀጽ 8

ዝኾነ ሰብ ብጊልያነት ኪተሓዝ ኣይግባእን፣ጊልያነትን፣ ንግድ ግልያን ብኹሉ መልክ ዓቶም ውጉዛት ኢዮም።

 

 

ኤርትራ ከም ኣባል ሕ. ሃ. ዓለም በዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ክትቅየድን ኣባልነታ ዝፈረመትን እንክነሳ፣ ነዚ ዝፈረመትሉ መሰላት ነጺጋ፣ ንባህርያዊ ክብረት፣ ማዕረን ዘይግሃስን መሰላት ዜጋታታ ዘይምኽባርን፣ ምጥሓስን፣ ንሕልና ሕዝቢ ኤርትራን ኣህጉራዊ ማህበረ ሰብን ዘቈጥዔ ባርባራዊ ተግባራታ ከም ንኣብነት ንዜጋታታ ብጊላነትን፣ ብስቅያት ብጨካን ኢ-ሰብኣዊ ወይ ዘዋርድ ኣገባብ ምሓዝን ምቅጻዕን፣ ምጥፋእን፣ ምቅታልን፣ እቶም ገበነኛታት ብነጻ ክንቀሳቀሱ እቶም ዝተበደሉ ንብረቶምን ሒይወቶም ተወሪሶም እቲ ክሃድም ዝኸእል ይሃድም እቲ ዘይኽእል ድማ ኣብ ዘለዎ ቦታ ይመውት፡፤ ሎሚ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኢዩ፡፤ ሕመረት ቃልስና ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ብቀጻሊ ኣብ ኣእምሮና ብምስፋር ኣኽብሮት ናይዞም መሰላትን ሓርነታትን[6] ብትምህርቲ ንምስፋን ክንጽዕር ምኽንያቱ ኣብ መጻኢት ኤርትራ እቲ ቀንዲ ምኽባር እዚ መሰላትን ሓርነታትን ኣገዳሲ ኢዩ።

 

 

 

1.3.  ድኽነት

 

ድኽነት ማለት ስእነት ናይቲ ንወድሰብ ንኽነብር ዘድልዮ ነገራውን መንፈሳውን፣ሃላኽን ዘይሃላኽን ኣብ ዘለዎ ኣነባብራ ምንባር ማለት ኢዩ። ድኽነት ዝብል ቃል ብዙሕ ኣተረጓጉማ ኣለዎ፣ ኣብ ኩሉ ሜዳያት ማለት ፖሊቲካዊ ቁጠባዊ ማሕበራውን ባህላውን ሕይወትካ እቲ ዘድሊመሰረታዊ ነገራት ዘይምርካብ ኢዩ። ድኽነት ነባሪ ወይ ድማ ግዜያዊ ክኽውን ይኸእል። ከምቲ ውድብ፣ሕ. ሃ ናይ ልምዓት ፕሮግራም ዝገልጾ ድኽነት ካብቲ እታ ሃገር ትኽተሎ ዘይምዕሩይን ዘይፍትሓውን ምሕደራ መንግስታት ሃገራት ኢዩ ይብሉ፣ ተራእዮ ድኽነት ዳይናሚካዊ ሰለዝኾነ ኩልግዜ መልክዑ እናቀይረ ኢዩ ዝርኤ። ኣብዚ ግዜ ሓዲሽ ተክኖሎጂ ተመራመርቲ ድኽነት ንድኽነት ኣብ ክልተ ይመቅልዎ፣ ፍጹም ድኽነት፣ መጠነኛ ድኽነት። ፍጹም ድኽነት ዝብሃል ድማ ነፍሰ ወከፍ ዜጋ መሰረታዊ ዘድልይዎ ከም መግቢ፣ መዕቆቢ ፣ክዳን፣ ጥዕና ፣ ትምህርቲ ፣ ሓበረታ ምስ ዝኽላእ ኣብ ፍጽም ድኽነት ይነብር። እቲ መጠነኛ ድኽነት ተባሂሉ ዝፍልጥ ድማ ናይ ነፍሰወክፍ ዜጋ ኣታውን፣ ናይ መላ እ ሃገር ማእቶት ተደሚሩ እቲ ሕዝቢ መጠነኛ ናብራ ሃልይዎ ግንከ ስእነት ናይቲ ብካልይ ደረጃ ዝጥለብ ምስ ዘየማልእ ኩነት ምስ ዝህሉ ኢዩ።

 

ካልእ መግለጽታት ናይ ድኽነት እውን ኣሎ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ውዕል[7][8] 2000 ዓ. ም.ፈ ኩለን ኣባላት ሕ.ሃ. ዓለም 193 ዝተሰማምዓሉ ናይ ድኽነት እንታይነትን፣ትሕዝቶ ኡን ድኽነት ክበሃል ከሎ ተረካብነት ናይ ኩሉ ክረጋገጽን ድኽነት ኣብ 2015 ወይ ክጐድል ወይ ድማ ምጥፍኡ ኣብ ዝብል ተወሳኺ መግለጽታት ክሳብ ሰብኣዊ መስላት ዘይምኽባር እውን ከም ድኽነት ከምዝቁጸር ኣብ ስምምዕ ተኣትዩ ኢዩ። ኤርትራ እውን ኣብዚ ስምምዕዚ ፈሪማ ክነሳ ብኣንጻሩ ሕዝቢ ኤርትራ ብድኽነት ክሳቀን ሃገሩ ገዲፋ ከምዝስደድን ትገብር ኣላ፡፤ ናይ ሎሚ ጠንቂ ስደት እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባርባራዊ ስርዓት ዝተኸተሎ ናይ ኣጥሚኻ ሓዝ ዝብል ምሕደራ እምበር ሕዝቢ ኤርትራ ስራሕን ትምህርትን ዘይፈቱ ኮይኑ ኣይኮነን፡፤

 

 

 

1.4. ኤትኒካዊ ምጽራይ/ መንነታዊ ምጽራይ

 

ንሓደ ሕዝቢ ወይ ኢትኒክ ብሃይማኖቱ ይኹን ባህሉ ካባኻ ምስዝፍለ ብሓይልን ብዝተፈላልየ ስልትን ሓይልን እናተጠቀምካ ካብቲ ዝነብረሉ ቦታ ኣባሳቢስካን ሰጒኳን ነቶም ናትካ ኣብ ቦታኦም ምስፋር ኣብ ኤርትራ በዚ ስር ዓት ክካየድ ጸኒሑን ኣሎን፣ ን ኣብነት ካብ ከበሳታት ኤርትራ ኣምጺእካ ኣብ መታሕት ኤርትራ ምስፋር፣ ነቶም ደቂ ዓዲ ድማ ምስጓግን ካብ ስደት ዓዶም ንክይምለሱ ምግባር ስዉር ምጽራይ ኤትኒካውን መንንታውን ኢዩ። እዚ ስርዓት እዚ ሎሚ ብናይ ውግእ ገበናት፣ ብናይ ኢሰብኣዊ ገበናት፣ ብናይ መንነታዊ ምጽራይ ገበናት( Transitional Justice) ዝፍረደሉ ግዜ እምበር ብናይ ዕርቅን ሰላምን ኣይኮነን ዝሕለፍ፡፤ እዚ ሓደ ልቢ ሓደ ሕዝቢ፣ ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና፣ ንሕና ንመንግስትና፣ መንግስትና ን ኣና ዝብል ኣምር ባዕሉ ን ኣና ዘይመስል ካብ ኤርትራ ይጥፋእ፣ ኤርትራ ይግደፍ ማለት ምዃኑ ብሩህ ኢዩ፣ ንኣብነት፣ ካብ ገለ ምሁራት ናይዚ ስርዓት ዝነበሩን ዘለዉን ኣብ ዘረባኦም ሓሓንሳብ ናይ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሔራት ኣበይ ዝነበርኩም ተረፍመረፍ እናበሉ ናይ ጽልእን ፣ ቅርሕንትን፣ ምፍርራሕን የዘውትሩ፣ እዚ ድማ ከይዱ ከይዱ ኣብ መንነታዊ ምጽራይ ከምርሕ ይኸእል፡፤

 

እቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ስልጣን ዝጨበጠ ብመጽናዕቲ ነቲ ብባህሉን፣ ሃይማኖቱን ፣ ቋንንቋኡን ካባኡ ዝተፈልየ ብስዉርን ግሁድን ኣሲርካ ምጥፋእን፣ ምቅታልን መረቱ ምውሳድን፣ሓዳስ ኤርትራ ብሓደ ኤትንክ/ህዝቢ ሓደ ሃይማኖቱን ቋንቋኡን ንምምስራት ኣብዚ ዝሓለፈ 23 ዓመት ዘስካሕክሕ ናይ ሕዝብታት ኤርትራ ምጽራይ ተፈጺሙን ይፍጸምን ኣሎ። መንንታዊ ምጽራይ ኣተሓሳሰባ ፣ ብገለ ተቃወምቲ እውን ትሕቲ – ሃገራውነት እናተባህለ ይርኤ ስለዘሎ ኣብ መጻኢት ኤርትራ እውን ከይቅጽል፣ እተን በዚ መንነታት ኤርትራ ዘይኣምና ውዳበታት ካብ ብሕጂ ክንጥንቀቀለን ኣሎና፡፤

 

እተን ኣገድስቲ ጠንቅታት ስደት ርኢና፣ ሕጂ ድማ ከመይ ገርና ኢና ነዚ ጠንቅታት ናይ ስደት ንገጥሞን ንም እላይ እንታይ መገድታትን ኣፍልጦን ክህልወና ኣለዎ ብዝብል ክቅጽል ኢየ።

 

 

  1. ንስደት ንምግታእ እንታይ ክግበር ነርዎን እንታይከ ኢዩ መፍትሒኡ

 

ዋሕዚ ስደት እቲ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝጨበጠ ዝተኸተሎ ናይ ምፍርራሕን ራዕድን ሽበራን ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱን ብጾቱን ብስዉርን ብጉሁድን ናይ ምሕቃቅን፣ ምእሳርን ኤርትራ ኣነ ኢየ ኣምጺኤያ እንተድኣ ኣነ ዝበልኩኹም ዘይትሰምዑን ዘይትእዘዙን ኰንኩም እታ ዝፈጠርኩዋ ኤርትራ ክድምስሳ እኽእል ኢየ እናበለ እንሆ መጀመርያ እቶም ክቃወሙኒ ዝኽእሉ  ናይ ገለ ፖሊቲካዊ ውድባት በቶም ኣገልገልቱን ሳዕብቱን ገሩ ብብሓደ ምስ ኣጽረዮም ጸኒሑ ድማ እቶም ምስኡ ዝቃለሱ ዝነበሩ እሞ ለውጢ ንዝሓተቱ በብሓደ ኣብዚ 25 ዳርጋ ዝተኣስረ ተኣስረ፣ ዝጠፍኤ ጠፍኤ፣ ዝሞተ ሞተ፣  ክሃድም ዝኽእል ድማ ሃደመ። ባርባራዊ ስርዓት ውልቀ -መላኺ ኣብ ኤርትራ ኩናት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኩናት ምስጐረባብቲ፣ አጥሚኻ ሓዝ ፖሊቲካኡን፣ ደረትን ሕግን ዘይብሉ ኢ-ሰብ ኣዊ ተግባራቱን፣ ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ምጽናት ሕዝብታት ኤርትራ በብተራ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ዋሕዚ ስደትን ሳዕበናቱን ርኢና፣ እምበር ነዚ ቀንዲ ተሽካሚ ናይ ኩሉ ብርሰትን ምጽናትን ስደትን ዝኾነ ስርዓት ከመይ ንግጠሞ ዝብል ዓቢይ ብድሆ ናትና ደለይቲ ለውጢ ዝኾና ሓላፍነት ምዃኑ ሓደ እኳ ዝስሕቶ የለን። መጀመርያ ነዚ ስርዓት ምልጋስ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሓላፍነት ኢዩ፣ከምቲ ገለ ብጾቱ ዝነበሩን ገለ ድማ ኣቀዲሞም ኣተንቢሆም ዝነበሩ፣ ኤርትራ ኣነ ፈጢረያ ኣነክ ከጥፍኣ ኢየ ዝበሎ እናበርሀ ይመጽእ ኣሎ፣ ናይዚ መረድኣታ ድማ ስግር ዶብ ተሳጊሩ ብሽም ድሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ሕዝቢ ትግራይ ዝብሉ ምዕስካርን፣ ከምብሓዲሽ ካብ ኢትዮጵያ ጦርሰራዊት ሓለውቱ ገሩ ንሕዝቢ ኤርትራ የሳድድን፣ ይሃድንን ኣሎ። እዚ ጉዳይዚ ህጹጽ ምምኽኻርን ምርድዳእን ብመንፈስ ናይቶም ዝሓለፋ ኣቦታትና ዓብደልቃድር ከቢረ፣ ራስ ተሰማ፣ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ኢብራሂም ሱልጣንን፣ ከድልየና ኢዩ። ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ኣርእስቲ ድማ መጀመርያ ምልላይ ውሽጣዊ ፍልልያትን፣ድሕነት ሕዝብናን ሃገርናን ዝዕንቅፉና ሕቶታት ምርኣይን፣ስደት ብሰንኪ ውሽጣዊ ቅልውላው ሃገር ከምዝኾነ ብምፍላጥ፣ ንሕና እውን ብወገና ነዚ ዝስደድ ዘሎ ሕዝቢ ብኸመይ መሰሉን ሕይውቱን ክሕሎ ይኽእል ብዝብል ክገልጽ ኢየ። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ድማ ከመይ ገርካ ነቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ሓይልታት ኣብ መኣዲ ዘተ( Negotiation Process) ተቅርቦም ድሕሪኡ ድማ መስርሕ ዘተን ውጺኢቱን ( Outcome) ከመይ ገርካ ኣብ ግብሪ ትትርጉም፣ ካልኣይ ድማ ከመይ ገርካ ኣህጉራዊ ቆላሕታን ደገፍን ትረክብ ምጽዓርን፣ ምድላይን ኣብ ዝብል ብሓጺሩ ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

 

 

 

2.1. ንድሕነት ሕዝብና ሃገርናን እንታይ ክንገብር ኣሎና

 

ኣብዚ ግዜዚ ካብቶም ነዚ ምልካዊ ስርዓት ዝድግፉ፣ ዝቃወሙ ይበዝሑ እንተበልኩ ሓሶት ኣይኮነን። እቲ ኣቃውማና ግን ፋሕ ዝበለን ኣንፈቱ ወይ ኣቕጣጫኡ ዘይተነጸረ ብምዃን ነፍሰወክፍ ሓይሊ ኣብታ ትምችዎ ገዛ ( Comfort Zones) ኮይኑ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ኩሉ እከይ ተግባራቱ ክከሽሕን ከዋርድን ጸኒሑን ኣሎን እዚ ግን ነቲ ስርዓት የድክሞ የለን፣ ሕዝቢ ምውዳቅ ምልክነት ይደሊ እናበልካ ሰላማዊ ሰልፍታትን ካልእ ጭርሖታትን፣ መግለጽታትን ውሳነታትን ምውጻእ እውን ኣይተንከፎን፣ እንታይ ድኣ ክንገብር ንኽእልን ኣሎናን ነዚ ውርደተኛ ስርዓት ንምልጋስ፣ እምበኣር ከምቲ ኣቦና ዓብደልቃድር ከቢረ ዝበሎ ፣ ካብ ም እቲ ዓመት ብውርደት ሓደ ዓመት ብክብረት ኢልና ነፍሰወከፍ ማህበረሰብ ኤርትራ ካብታ ምችውቲ ገዝኡ ወጺኡ ምስ ኩሎም ሓልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ክማኸርን፣ክዝትን ኣለዎ። ኩልና ድሕነት ሕዝብና ቅድሚ ኩሉ ንብል ከምኡ እውን ድሕነት ሕዝብና ካባና እምበር ብወጻኢ ዝመጽእ ለውጢ ከምዘየሎ ንኣምን፣ድሕነት ሕዝብና ቅድሚ ኩሉ ካብ ኮነ ሰለምንታይ ድኣ ነዚ ሕጹጽ ጉዳይ ቀዳምነት ሂብና ክሉ ንጥፈታትና ኣዋሃሂድና ዘይንሰርሕ፣ ልክዕ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሕ ግዜ ዘተታት፣ ዋዕላታት፣ጉባኤታት ተኻዪዱ ወላእኳ ምሉእ ብምሉእ ኣይተዓወት ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ኢዩ ነሩ፣ ኩልና ስምረት ፣ ሓድነት እናበልና ኣብ ኩሉ ኣኼባታትን መደረታትን ንዛረብ፣ እቲ ሕመረት ሕቶ ግን መጀመርያ እንታይ ኢዩ እቲ ጸገም ኢልና ንምፍላጡ ምድላይ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብዚ ካብ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ጀሚርና ክሳብ ሎሚ ብዕበጦ – ዕበጦ ፖሊቲካ፣ሓደ ሕዝቢ ኢና እናበልካ፣ ነቲ ዓሚቅ ኣብ መንነት ዝተመርኰሰ፣ ንሕና ፣ ንሳቶም፣ ንሳቶም እንተሃልዮም ንሕና ኣይክንህሉን ኢና ኣብ ዝብል ናይ ግርጭት ስሉስ ኩርናዕ፣( Conflict triangle) ፖሊቲካዊ ኩነትን፣( Situation) ተግባራትን፣( behaviour)ኣተሓሳስባን፣( Attitude) ኣዕሚቁና ንክንፈልጥ እንተዘይተበጊስና፣ ናብቲ እንደልዮ ስምረት ወይ ሓድነት ክንብጽሕ ኣይንኸልን። ኣብ ደንበ ተቃውሞ እት ህልዊ ፖሊቲካዊ ኣራኣእያ ናይ ምንጽጻግን፣ ናይ ምፍርራድን፣ ናይ ምውንጃልን ወይ ድማ ናይ ዘይምትሕባባር ተግባራት ንሳቶም እንተለዉ ኣነ የሎኹን እናበልካ ምርሓቅ ነንሕድሕድካ ምፍራድ፣ካብቲ ብግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝወረስናዮ ባህሊ ወይ ድማ ካብዚ ዓንከል ናይ ሁከት እንተዘይወጺእና ይትርፍዶ ንሕዝቢ ኤርትራን ሃገን ክነድሕን ንነፍስና እውን ከነድሕን ኣይንኸልን። ሰለዚ እቲ ዘድሊ ዘሎ ምትንታን ውሽጣዊ ግርጭትን ኣፈታትሓኡን ምድላይ ከድልየና ኢዩ፣ ነዚ ክገብሩ ዝኽእሉ ድማ ካብ ኩሉ ፖሊቲካዊ ጸጊዕነት ነጻ ዝኾኑ ናይ ግርጭታት ኣፈታትሓ ፈላጣትን ምሁራትን ( Professors and lawyers) ኤርትራውያን ብኩሎም ደለይቲ ለውጢ ተኣማማምነትን ሓላፍነት ዘለዎም፣ ተዋሂቦም ነቲ መስርሕ ናይ ዘተ ምድላው ሓላፍነት ይወሃቦም፡፤

እቲ ቅድሚ ሕጂ ንኽተሎ ዝነበርና ናይ ግርጭት ትንተና ወይ ንሕና ወይ ንሶም ብዝብል ( Adversarial Approach) ይቀርብ ስለ ዝነበረ ግዚያዊ ኮይኑ ድሕሪ ቁርብ ግዜ እቲ ውዕል ይፈርስ፣ እቲ ድሕሪ ሕጂ ክንክተሎ ዘሎና ኣቀራርባ ግን ናትካ እናኣቅረብካ ናይቶም ዝቃወሙኻ ርእይቶ እውን ክትሰምዕን ክትቅበልን ኣሎካ፣( Intgrative Approach) ኣብ ከምዚ ደሞክራስያዊ ኣገባብ ኣፈታትሓ ፍልልያትና ፈሊጥና ናብ ነባሪ ፍታሕ ክንበጽሕ ንኽእል ሕዝብና ድማ እምነት የሕድርን፣ ብተስፋ ይስዕበካ ንድሕነቱን ሃገሩን ድማ ካብ ብርሰትን ምጽናትን የድሕን። እዚ ምስ ዝርኤ ንስደት ኣርሒቁ ዝሓልም ክርከብ ኣይኮነን፣እቲ ዛጊት ኣብተን ዓቂበንኦም ዘለዋ ሃገራት ድማ ናባኻ ይጽንበሩ ክንዲ በቲ ዘዋርዶም ዘሎ  ስርዓት ዝታለሉ ድማ፣ ንድሕነት ሕዝቦም ዘቃልስ መንፈስን ትብዓትን የሕድሩ።

 

ኣብዚ ግዜዚ ደንበ ተቃውሞ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ኢንቲፋዳ ወይ ድማ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ተቃውሞ ጥራሕ ከይተሓጽረ ብኣካል ኣብ ነፍሰ ወክፍ ሃገርን ከተማታትን ዝቅመጥ ናይ ምቅርራብን ምውህሃድን፣ ምምኽኻርን ማእከል ክምስርትን፣ንድሕነት ሕዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ሂቡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ኩናትን፣ድኽነትን፣ ግህሰት ሰብ ኣዊ መሰላትን፣ ናይ ሕዝቢ ምጽናት ኣዊጁ ዘሎ ናይ ውሑዳት ስልጣን ካብ ሱሩ ምሒኻ ንምድርባይ ነቲ ቀንዲ ስርሑን ዕላማኡን ፈሊጥካ፣ ነቲ ድኹም  ጐድኑ እናሃረምካ ነቲ ሓያል ጐድኑ ድማ እናኣፍረስካ ከስርሕ ዝኽእል ስትራተጅያዊ ውጥን ክሉ ሕዝቢ ኤርትራ ዝዓስለሉን ዝኣምነሉን ናይ ሓባር ኮሙኒቲ ምቛም። ቅድሚ ሕጂ ፈቲና ኢና ኢልካ ተስፋ ከይቁረጽካ ክሳብ ትዕውት ምቅላስ የድሊ። ስደትን ኣብ ስደቶም ዝጓነፎም ዘሎ ሞትን ስቅያትን ኣብዚ ግዜዚ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ እቲ ዝኸፍኤን ቅልጡፍ ጠመተን ቆላሕታን ረኺቡ እቶም ኣብ ኩለን ሃገራት ተሰዲዶም ንዝርከቡ ኩሉ ሰነ- አእምሮኣውን ነገራውን ሓገዝ ክግበረሎም ምስቶም ኣብዚ ጉዳይዚ ዝንቀሳቀሱ ወልቀሰባትን ማሕበራትን ምትሕብባርን ምድጋፍን ከድልየና ኢዩ። ቀጺለ ኩነታት ናይ ሎሚ ስደተኛታት፣ እንታይ ከም ዝመስል ብሕጽር ዝበለ ተንኪፈ ኣብቲ ግደና እንታይ ክኸውን ኣለዎ ክሓልፍ ኢየ።

 

2.2 ናይ ሎሚ ስደተኛታት ኩነታት እንታይ ይመስል

 

ምናልባት ምስዚ ናይ ሎሚ ዝኽሪ ጉዳይ ሰደት እንታይ ኣምጽኦ ኢሉ ዝሓትት ኣይሰኣንን፣ ልክዕ በዛ ወርሒ እዚኣ መጋቢት 27 1949 ንመሰል ሕዝቢ ኤርትራን ናጽነት ስለዝተቃለሰ በቶም ጸረ ሓርነት ናጽነትን ዝኾኑ ናይ ራዕድን ሽበራን ዝተሰውኤ፣ኣንፈት ናይ ንመሰልካ ቃልሲ ዝኸፈተ፣ መሰል ሕዝቢ ኤርትራን ድልየቱን ቅድመ ኩሉ ኢሉ ኣብቲ ግዜቲ ሕዝቢ ኤርትራ ስዒብዎ ነሩ እንተዝኸውን እቲ ዝሓለፈ ስደትን ናይ ሎምን ኣይምተረኽበን ነሩ። ሕዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን ከምቲ ኣብ ግዜ ናጽነታዊ ቃልሲ ዝተጓነፎ ወጽዓን ጭቖናን ብዝኸፍኤ ስለዝቀጸለ ሒይወቱ ንምድሓን ብብዝሒ ይስደድ ኣሎ፣ እዚ ናይ ሎሚ ስደት ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ስደት ሞትን ስቃይን፣ ምእሳርን ምጭዋይን፣ ግዳይ ሰብ ዝሓርዱን ዘሳቅዩን ኮይኑ፣ መዕገቲ ስኢኑ ናይ ሕይውትን ሞትን ብምዃኑ ካብ ከምዚ ዓይነት ስደት ንሕዝብና ንምድሓን፣ ካብ ሚእቲ ዓመት ብውርደት፣ ሓደ ዓመት ብክብረት ኢልና ነቲ ቅድሚ 66 ዓመት በቦና ዓብድለቃድር ከቢረን ብጾቱን ዘሕለፉልና ተባዕ ውርሻ ከነሕድስ ንምምዝኽካር ኢዩ።ቀጺለ ድማ ኣብቲ ሳልሳይ ክፋል ግደና እንታይ ክኸውን ኣለዎን፣ውደባናን ኣሰራርሓናን ከመይ እንተኾነ ይሓይሽ ብዝብል ገሊጸ ኣብ መጨረሽታ ድማ መደምደምታ ብምሃብ መደረይ ክዓጹ ኢየ።

 

  1. ግደ ማሕበራትን ፖሊቲካዊ ውድባትን ኣብ ዳያስፖራ

 

3.1. ሓያል ውደባ ምምስራት 

 

ኣብ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዙሓት ተመራመርቲ ከም ጂን ሻርፕ ከም ኡ  ሃንቲንግቶን ዝበሃሉ ዝጽሓፍዎ መጽሓፍቲ እንተረኤና[9] ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምዃኑን ብልሓትን ጥበብን ናይቶም ተቃለስቲ ይሓትት፣ ኣብ መጽናዕቶም ኩሉ ቃልስታት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ፣ገሊኡ ሓቀኛ ለውጢ ዘምጽኤን ፣ ገሊኡ ድማ ቅሩብ ለውጢ ዘምጽኤን፣ ገሊኡ ድማ ዝተዓንቀጸ፣ ገሊኡ ድማ ብወተሃደራዊ ስርዓት ዝተተከኤ፣ ገሊኡ ድማ ነታ ሃገር ፋሕ ብትን ኣኣትዩ፣ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ጀነራልትን ሚልሻን ዝተረፉ ከምዘገበረ ብጭብጥታት ኣብ ጽሑፋቶም ኣንቢሮም፣ስለምንታይ ዝተፈላለየ ውጽኢታት ንዝብል እውን ብሰፊሑ ይትንትኑ። እስከ ብመንጽር እዚ ቃልስና ክሳብ ክንደይ ይስጉም ኣሎ ንርኤ።

 

ብተመክሮና ኣብ ነፍሰ ወከፍ ምዕራባውያን ሃገራት ኩምራ በርገሳዊ ማሕበራትን ፖሊቲካዊ ውድባት ኣባላትን ካብ 2000 ዓ. ም.ፈ ክሳብ ሕጂ ዳርጋ 14 ኣሎና፣ ግደ እዘን ማሕበራን ፖሊቲካዊ ውድባትን ከመይ ነሩን ድሕሪ ሕጂኸ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ብዝብል በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽር ኣፍቅዱለይ። ብርገሳውን ፖሊቲካውን ውድባ ከም ቃንጥሻ ምብዝሖም ኣይኮንን እቲ ጸገም እንታይድኣ ነዘን ዝቆማ ሓይልታት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከመይ ገርካ ኣብቲ ናይ ሓባር ስራሕ ብምኽብባርን ምጽውዋርን ሓደ ሰፊሕን ኣድማዕን ተቃውሞ ከምዘርኣያ ትገብረን፣ንምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዕድመኡ ዘንውሑን ናይ ዳንከራን ፕሮፓጋንዳን ብምዃን ዘገልግልዎ ዘለዉ እቶም ካብዚ ስርዓትዚ ተሰዲዶም ተጣዒስና እናበሉ ዘይተኣደነ ገንዘብን ድድሕሪ ፈስቲቫላቱ ዘኹደድኹን ውሑዳት ደገፍቲ እቲ ንሕዝብና ዘጽንት ዘሎ ተመሊሶም ሕይወት ዝህብዎ ዘለዎ፣ ብቀዳምነት ክግጠሙ ዘለዉን ስለዝኾነ ግደ እተን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሳ ኣብ ዲያስፖራ ነዚ ብሕጋውን ዲፕሎማስያውን ኣገባብ ኩነታቶም ተራእዩ እቲ ከም ስደተኛታት ተዋሂብዎም ዘሎ መንበሪ ፍቃድ ንክሰሓብ ምጽዓር። እገዳ ኣብ ልዕሊቲ ስርዓት ብመሰረት በቲ ብሕ. ሃ. ጸጥታ በት ምኽሪ ክተርርን፣ ተወሳኺ እውን ፖሊቲካውን ዲፕሎማስያውን እገዳ ኮይኑ እቶም ቀንዲ ልኡኻቱ  ካብ ሃገር ናብ ከይ ኣትዉን እቲ ገንዘብ ሕዝቢ ዝእክብ ናይ ወጻኢ በትጽሕፈታት ክዕጾ እሞ ኣብ ክንድኡ እቲ ተፈላጥነት ንተቃወምቲ ክዋሃብ ምጽዓር።

 

ኩሉ እኩብ ድምር ንጥፈታትና ነት ስርዓት ምልጋስን ሕዝብና ምድሓንን፣ ነቶም ስደትኛታት ድማ መሰሎምን ድሕነቶምን ዝሕለውሉ ምስ አህጉራውያን ትካላትን መንግስታትን ብምትሕብባር ኮይኑ ቃልስና ከነዋሃህድ እዋኑ ኢዩ።

 

 

 

3.2. ምምኽካርን ምዝታይን ባህሊ ምትእትታው

 

ስለምንታይ ዋሕዚ ስደት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራን፣ እቲ ንስደት ምንጪ ምኽንያት ዝኾነ፣ እቲ ድሕሪ ናጽነት ክኽውን ዝነበሮ መዛዘሚ ኩናትን ውግ እን ኣብ መንጎ ፖሊቲካውያን ኤርትራውያን ብምዝታይን ብምምኽካርን ዘይኮነስ ንሕና ኢና ናጽነት ኣምጺናልካ ብምባል ብፍርራሕን ራዕድን መጀመርጃ በቶም ካብ ውድቡ ወጻኢ ዝነበሩ ምጽራይ ጽኒሑ ድማ ኣብ ውሽጡ ንዝኾነ ፍሉይ ርእይቶ ዘለዎ ምእሳርን ምህዳንን ኮይኑ፣ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ስልጣን ዝጨበጠ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፣ነቲ ካብ ሜዳ ኤርትራ ሒዝዎ ዝጸንሔ ናይ ጸብለልትነትን ትዕቢትን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ደጊምዎ፣ ኣብ ታሪኽ ፖሊቲካ ኤርትራ ቀዳሞት ኣቦታትና ክም ዓብደልቃድር ከቢረ፣ ኢብራሂም ሱልጣን፣ ወልድኣብ ወልድማርያም፣ ራእሲ ተሰማ፣ እቲ ክካየድ ዝጸንሔ ፖሊቲካዊ ቁሩርቁስ ኣብ መንጎ ራቢጣን ኣንድነትን ብፈደራላዊ ድንጋገ ምስ ተፈጸመ፣ ናይ ምስግጋር ጉባኤ ዕርቅን ሰላምን ኤርትራውያን ገሮም፣ ነቲ ዝጸንሔ ቅርሕንታትን በቀልን ብሰላም ዛዚሞም። እቲ ድሕሪ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ነዚ ባህሊዚ ደምሲስዎ ኣብ ናይ ጐነጽ ባህሊ ኣታኣታትዩና እንሆ ድማ ክሳብ ሎሚ ሕዝብና የሳቂ ኣሎ፡፤

 

ሎሚ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከም መንግስትን ሃገርን ከፍልጦ ዝኽእል ክልተ መለለይታት ጥራሕ ኢዩ ዘለዎ ፣ ንሱ ድማ ግዳማዊ ሉዑላውንትን፣( External Sovereignty) ኣህጉራዊ ተፈላጥነትን፣ እምበር እቲ ንመንግስቲ ኣሎ ከብል ዝኽእል እቲ ኣገዳሲ መለለዪ እታ ሃገር ውሽጣዊ ሉዑላውነት( Internal Sovereignty) – ልዑላውነት ሕዝቢ[10] ከተረጋግጽ ክትሰርሕ ነርዎ እዚ ግን ኣብ ኤርትራ ድህሪ ናጽነት ብዓንተብኡ ኣይተሓስበሉን። ፖሊቲካ መራሕቲ ኤርትራ ካብ ታሪኽ ክማህሩ ነርዎም ግን ብናይ ሕዝብና ንዕቀት፣ ክንዲ ንሕዝቦም ዘገልግሉ ሕዝቦም ንኦም ከግለግል ኢዩ ድልየቶም እዚ ኢዩ ድማ እቲ ቀንዲ ምንጪ ውሽጣዊ ኩናትን፣ድኽነትን፣ ኣስቃቂ መሰል ሰብኣዊ ግህሰትን፣ ምጽራይን ተወሳሲኹ ንሕዝብና ዘሳድድ ዘሎ።

 

ንሕና እቶም ነዚ ድኽመታትዚ ኣሪምና ንሕዝብና ከነድሕን መታን መጀመርያ እቲ ሕቶና ደሞክራስያን ሕቶ መሰል ዜጋታትን ምዃኑ ፈሊጥና ነዚ መሰላትዚ ኣብ ኤርትራ ንክኽበር መጀመርያ እቲ ነዚ መሰላትዚ ገፊፉ ዘሎ ናይ ውሑዳት በትረ ስልጣን ክንኣሊ ቀጺሉ ድማ እቲ ድሕሪ ምልጋስ እዚ ምልክነት ናብ ሓዲሽ ምልክነት ክይንምለስ ንሕና ካብ ሎሚ ኣብ ውሽጥና ባህሊ ምምኽኻርን፣ ባህሊ ምቕብባልን ከነእቱ ባህሊ ምንጽጻግን ባህሊ ጸብለልትነትን ክነርሕቅ ኣሎና። ከምቲ ሓውናን ብጻይናን ተጋዳላይ ሃይለ ወልደትንሳኤ-ድሩ ዕ ንገለ ብጾቱ ዝበሎም፣ እቲ ኣብ መጻኢ ዓቢይ ብድሆ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ስምዒት ጸብለልትነት ኣብ ጸገም ከእትወና ኢዩ እሞ ክንሓስበሉን ክንፈትሖን ኣሎና ኣነ እውን በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ደንበ ተቃውሞና እዚ ባህሊዚ ካብ ሎሚ ክንሓስበሉን ክንፈትሖን ኣሎና በሃላይ ኢየ።

 

  1. መደምደምታ

 

እዚ መደረ ዚ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይ ዋሕዚ ስደት እቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ክኸውን ዝነበሮ መሰጋገሪ ኣብ ጐነጽን ትዕቢትን ዝተመርኰሰ ብምንባሩ፣ ክንዲ ካብቲ ዝሓልፈ ታሪኽ ተማሂሩ እቲ ዝሓለፈ ቅርሕንትን ባእስን ኣብ መንጎ ፖሊቲካዊ ውድባት ዝነበረ ክንዲ ቀዳምነት ሂቡ ናይ ዕርቅን ሰላምን ጉባኤን ፣ እታ ብዙሓዊት ኤርትራ ብከመይ ትመሓደር ኢሉ፣  ንክመያየጥን፣ ክዝትን ኣፉ ስለዝተለጉመ እቶም ስልጣን ዝሓዙ ድማ ብንዕቀት ምስቲ ሽዑ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝመጽኤ መሓዛኦም ሕዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ውዕል ተፈራርሞም ክንየው ዶብ ኢና ንሓሰብ ተባሂሉ፣ እቲ ካብ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ድሓር ድማ ኣብ ዝሓለፈ ናጽነታዊ ቃልሲ ናብ ውግእ ሓድሕድ ተዓቢጡ ዝሕለፍ ከምዘይኮነ፣ እዚ ሕጂ ንኩልና ብሓባር ዘጽንተና ዘሎ ስርዓት፣ ብሰንኪ ውሽጣዊ ፍልልያትና ብሰላማዊ ኣገባብ ክንፈትሕ ቀዳምነት ዘይምሃብና ኢዩ፣ እቲ ስርዓት ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝናኸስ ዘሎ ነጸብራቅ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ጊጉይ ኣፈታትሓን ኣተኣላልያን ውሽጣዊ ፖሊቲካዊ ኩነታትና ኢዩ።

ሎሚ ኤርትራ ትፍለጠሉ ሰደተኛታት ብምፍራይ ኢዩ፣ እዚ ድማ ጠንቁ እቲ ምልክነት ድሕሪ ናጽነት ዝተተኽለ ስር ዓት ኢዩ፣ ስዒቡ ዝመጽኤ ኩናት ምስ ሕዝቢ ኤርትራ፣ ድኽነት፣ ግህሰት ሰብ ኣዊ መሰላት፣ ምጽራይ ሕዝብታት ኤርትራ በብተራ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ኢዩ። ሎሚ በዚ ኣጋጣሚ እታ ኣቦና ስዉእ ዓብደልቃድር ከቢረ፣ ካብ ሚእቲ ዓመት ብውርደት ሓደ ዓመት ብክብረት ኢልና ክንብገስ መስረታዊ ለውጢ ክንደሊ፣ከምቲ  ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ዲዮጀነስ ዝበሃል ፍላስፋ ቀትሪ ምድሪ ፋኑስ ወሊዑ ክዘውር ምስ ተራእየ እንታይ ድኣ ዀንካ ቀትሪ ምድሪ ፋኑስ ወሊዕካ ትዘውር ኢሎም ምስሓተትዎ፣ ኣነ ሰብ እደሊ ኣሎኹ እቲ ዝደልዮ ሰብ ድማ ኣርባ ዕተ መሓውር ጥራሕ ዘለዎ ዝዛረብ፣ዝሓስብ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ብትብዓት፣ ብቅንዕና ዝቃወም ሰብ ኢየ ዝደሊ ዘሎኹ ኢሉ መለሰሎም፣ ደንበ ተቃውሞና እውን ከምዚ ዓይነት ሰባት ክረክብ ዓበይቲ ፋኑሳት ሒዙ ኣብ ኩለን ኤርትራውያን ዝርከቡወን ሃገራት ከናዲ ኣለዎ። እምበር ሎሚ በዚ ኣጋጣሚ መብጻዓና ነሕድሰሉ መዓልቲ ኢዩ፣ ትብዓትን ቅንዕናን ናይቶም ንመጀምርያ ግዜ ተቃውሞኦም ዘርኣዩ ኣቦና ዓብደልቃድር ከቢረ ናቶም ኣሰር ንክተል እናበልኩ መደረይ እድምድም።

 

የቀንየለይ!!!!!!!!!!!!

 

 

  1. ዝተወከስክዎ ጽሑፋት/ References

 

  1. SIDA, Democratization And Armed Conflicts

 

  1. International IDEA, Dialogue For Democratic Development, Policy Options

 

  1. International IDEA, Democracy and Deep- Rooted Conflicts: Options for Negotiations.

 

  1. Wolde- Yesus Ammar, Root Causes of War & Refugees, 1992.

 

  1. Gene Sharp, ” From Dictatorship To democracy” A Conceptula Framework For Liberation.

 

  1. Teksete Negash, Eritrea and Ethiopia, ” The Federal Experience” 1997

 

  1. Andebrhan Welde Giorgis, Eritrea At Crossroads, A Narrative of Triumph, Betrayal and Hope, 2014.

 

  1. ኣለምሰገድ ተስፋይ፣ ኣይንፈላለ ፣ 1941-1950፣ 2001

 

  1. ረድኢ መሓሪ፣ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፣ 2012

 

  1. Redie Bereketeab, Eritrea The Makking Of A Nation, 1890- 1991

 

  1. Axel Hadenius, ” Decentralisation and Democratic Governance” Experience from, India, Bolivia and South Africa, 2003.

 

  1. Jan Olsson and Lennart Wohlgemuth, ” Dialogue in Pursuit of Development”, 2003

 

 

 

[1]  ዓለምሰገድ ተስፋይ ኣይንፈላላ፣1941-1950 ብመጋቢት 29 1949 በቶም ግብረ ሽበራን ራዕድን ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ተቀቲሉ እቲ ዕላማን ሓሳብን ከቢረ ግን ቀጸለ

[2] UNHCR- Global Refugee Population 1978-1997

[3] Wolde-Yesus Ammar, Eritrea- Root causes of War and Refugees- 1992

[5] International Bill of Rights =Unversal Human Rights + ICESCR+ICCPR

[6] See Eritrean constituions of  1952  and 1997

 

[7] MDG UNDP 2000

[9] Samuel. P. Huntington, The Third Wave in the Late 20th Century, 1997

Professor Gene Sharp, A Conceptual Framework for Liberation

[10] Barry Burzan, People, states & fear: An agenda for international security studies in the post cold war era. 1991

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9481

Posted by on Mar 29 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net