ካልኣይ ስሩዕ ኣኬባ ማእከላይ ሽማግለ ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር።

esmns logo

ደምዳሚ መግለጺ

ካልኣይ ስሩዕ ኣኬባ ማእከላይ ሽማግለ ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር።

ማእከላይ ሽማግለ ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ናይ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ጉዕዞ ቃልሱ ንምግማጋምን ናይ ዝመጽእ ናይ ስራሕ መደባቱ ንምስራዕን ዘካየዶ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓወት ዛዚሙ። እቲ ካብ መጋቢት 22 ክሳብ መጋቢት 26, 2015 ዝተኻየደ ኣኼባ ካብ ዝተዛረበሎም ዛዕባታት ንህሉው ኩነታት ኤርትራን ንጉዳይ ሓድነት ዝምልከት ይርከብዎም። ከምኡውን ጸብጻብ ናይ ክፍልታት ሰሚዑ ኣገደስቲ ውሳነታት ኣሕሊፉ።

ማእከላይ ሽማግለ ስምረት ኣብ መዳይ ህልው ኩነታት ሃገርና ኣመልኪቱ ኣብ ዝርኣየሉ፡ ኣብ ትሕቲ ጨካን ኣራዊታዊ ምሕደራ ዘላ ኤርትራ፡ ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ትኸይድ ከም ዘላ፡ በዚ ህግደፍ ዝኸዶ ዘሎ መንገዲ  ኤርትራ ናብ ሓደጋ ገምገም ተምርሕ ከም ዘላዩ ገምጊሙ። ህግደፍ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ክጸድፍ፤ ኩሉ እቲ ኣሎ ዝብሃል ግፍዕታትን  በደልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይፍጽም ምህላው ኢዩ። እዚ ጉጅለ ኩሉ እቲ ባዕዳውያን ዝፈጸምዎ በደላት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ’ኳ ክፍጽም ምጽንሑ ርዱእ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማታት ኤርትራ  ዘካይዶ ዘሎ ኣራዊታዊ ተግባራት ምፍራስ  ኣባይቲእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ርእሱ ኩሉ ገበናት ህግደፍ ምኳኑ ኣስሚርሉ።ማ/ሽማግለ ስምረት ነቲ ኣረኣሜናዊ ፍጻሜ ብትሪ ይኹንን፡፡ ካብዚ ሓሊፉ እቲ ህግደፍ ነቲ ነፍሱ ንምድሓን ዕደመ ሰልጣኑ ንምንዋሕ፤ ንህዝብ ኤርትራ ድፍዑ ንምግባር ዝገብሮ ዘሎ ብኣልማማ ሽማግለታት ምዕጣቅ፡ ናይ ቀቢጸ ተስፋነት ምልክት ምኳን ማ/ሽማግለ መዚኑ። እዚ ዘመልክቶ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምጽናትን ምብራስን ኣዊጅዎ ዘሎ ኩናት ተልእኾኡ ዘነጸረ ምኳኑ፡ ብከምዚ ዝኸዶ ዘሎ ህግደፍ  ጽባሕ ኣብ ጎደናታት ኤርትራ ዜጋታት ብቃልዕ ክርሽን ዘይተርፍ ምኳኑ ተረዲኡ፡፡ ምስ’ዚ ዝተኣሳስር እቲ ሕሱም ምሕደራ ህግደፍ ዝፈጠሮ ጃምላዊ ናይ ስደት ጉዕዞ እቲ ካልእ ናይ ምጽናትሓደጋ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እምብኣርከስ ኤርትራ ሃገርና ብኸምዚ ዘላቶ ኩነታት ክትቅጽል ከም ዘይትእኽል፡ ምቕጻልና ልዕሊ ማንም እዋን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣትዩ ምህላው ኢዩ። ስለ’ዚ እዚ ዘለናዮ መደረኽ ህጹጽ  ሃገር ናይ ምድሓን ወፍሪ ክካየደሉ ዘለዎ እዋን ኢዩ። ከም ስምረት ነዚ ዘለናዮ መድረኽ ዝገጥም ቃልሲ ሕጂ ምኳኑ  ማእከላይ ሽማግለ መዚኑ። ነዚ ክዉን ንምግባር ስምረት ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ሓይሊ ኣላልዩ፡ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ናይ ቀዳምነታት ቀዳማይ ዕማም ሰሪዑ ሓባራዊ ናይ ስራሕ ገድሊ ክፍጽም ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ።

ማእከላይ ሽማግለ ስምረት፡ነቲ ድሕሪ ቦኹሪ ጉባኤ ምቅንዑ፡ ኣብ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኬባኡ ዘጽደቆ መደረኻዊ ናይ ስራሕ ትልሚ፡ ዝሓለፈ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ዝኸዶ ጉዕዞ፡ ሓደ ብሓደ ክፍሊ ብኽፍሊ ዓሙቕ ገምጋም ኣካይዱ። ኣብቲ ዘካየዶ ገምጋም ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኩሉ ክፍልታት ዘዐወቶም ንጥፈታት ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ዘለው ኣወንታውን ኣሉታውን መዳያት ፍቲሹን ተዛትዩን። ማእከላይ ሽማግለ ነቲ ኣብ መዳይ ውደባ ተበጺሑ ዘሎ ጭቡጥ ዓወታት ክዕቀብ። ነቲ ዘሎ ውደባታት ክሕይልን ክድልድልን፡ ንቅሓት ኣባላት ክብርኽ እቲ እንኮ መንገዲ ምኳኑ ኣስሚርሉ። ንቅሓት እቲ ዝልዓለ ኣጽዋር ናይ ቃልሲና ከም ዝኾነ መዚኑ። ነቲ ኣብ መዳይ ውድባ ቦኺሩ ዘሎ፡ ብንጹር ተልላዩ ህጹጽ ስራሕ ክክየድሉ ከም ዘለዎ ርእዩ። ከም ስምረት ነቲ ጌና  ዘይተበጽሐ ከባቢታት ዓለም ክብጻሕ፡ ውደባ ስምረት ንምስፋሕ ኩሉ ዝከኣል ክግበር፡ ንምዕዋቱ እኩል ቅድመ ምድላው ክግበር ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ። ኣብ ዜናን ሓበሬታን ስምረት ብኽንዲ ዝኽኣሎ ይሰርሕ ምህላው ድሕሪ ምርኣይ። ነቲ ዘሎ ርኡይ ሕጽረታት ብዝግባእ ተለልዩ፡ ኣድላይ ምትዕርራይ ክግበርሉ ተሰማሚዑ። እዚ ክፍሊ ነቲ ብቀጻሊ ኣብ ገድላዊ ጉዕዞ ስምረት ንምዕጋትን ንምፍራስን ክውፈር ዝጸንሐን ዘሎንተጻብኦታት ንምፍሻል ዝተጻወቶ ተራ ልዑል ምንባሩ ማእከላይ ሽማግለ ገምጊሙ። ማእከላይ ሽማግለ ሎሚ ኣብዚ 21 ክፍለ ዘመን ህዝባዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ምቅያር ኣተሓሳስባን ምውሓስ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጻወቶ ዘሎ ተራ ብምርዳእ፡ ልዕሊ ዝኾነ ዕጥቂ ምኳኑ ድሕሪ ምግንዛብ፡ ስምረት ነቲ ሒዚዎ ዘሎ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መስመር ኣብ ህዝቢ ንምስራጽን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ህዝቢ ንምብጻሕ ድልዱል ናይ ዜና ማዕከን ክሃንጽ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ እዋናዊ ዕማም ምኳኑ ርእዩ። ንምትግባሩ ኩሉ ደላይ ለውጢ ሓገዙ ከበርክት ጸዊዑ። ማእከላይ ሽማግለ ስምረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ብዝገበሮ ገምጋም፡ ንህሉው ኩነታት ዝገጥም፡ ትልሚ ዕዮ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ብምሕንጻጽ፡ ንህጹጽነት ኣብ ግምት ዘእተወ ውሳኔታት የሕሉፉ ኢዩ።

ሓደ ካብቲ ማእከላይ ሽማግለ ስምረት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ድሕሪ ምግምጋሙ ዝሕለፎ ውሳነ፡ ውሽጣዊ ዳግመ ውደባ ምግባር ኢዩ። በዚ መሰረት ስምረት ኣብ መዳይ ፈጻሚት ሽማግለ ዳግም ስርርዕ ኣካይዱ። ነፍሱ ዳግም ሰሪዑ።

ማእከላይ ሽማግለ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጉዕዞ ቃልሲ፡ ክገጥሞ ዝጸንሐ ጽዑቅ ናይ ውሽጥን ወጻእን ተጻብኦታት ብዕምቆት ፈቲሹ። እቲ ተጻቦታት ሓደ ብሓድ ድሕሪ ምዝርዛር፡ መፍቲሕታት ኣቀሚጡ። ነቲ ካብ ግዳም ካብ ዝተፈልላዩ መዳይ ዝመጽእ ተጻብኦታት ከም ወትሩ ብንቅሓት ጽንዓትን ክምከት ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ። እቲ ካብ ውሽጢ ንዓና ንስምረት  ተመሲሉ ዝነቅል፡ ጃኬት ስምረት ዝተኸድነ፤ ልሳናት ስምረት ዘድምጽ ሓልዮት ዝመስል ሕቡእ ተልእኾታት ዘለዎ ተጻብኦታት ከም ምዃኑ ሓበራዊ መረዳእታ በጺሑ። ስለ’ዚ እቲ ሕጊ ህንጻ ጥሒሱ፡ ጥርናፈ በቲኹ ክፍጸም ዝጸንሐ ፋሉልነት ዝነገሶ ኣካይዳ፡ ብግብርን ትሕዝቶን መንፈስን ተጻይ ስምረታዊ ዕላማን ኣካይዳን ብምኳኑ፡ እቲ ጉዳይ ብመሰረት ውድባታት ስምረት መንገዲ ጨናፈር ሕጋዊ መዕለቢ ክግበረሉ ተሰማሚዑ። ሕጊ ዝጥሕስ ብሕጊ ስምረት መዕለቢ ክግበርሉ ኣስሚርሉ።

ማእከላይ ሽማግለ ስምረት ኣብ ጉዳይ ሓድነት ኣመልኪቱ ኣብ ዝግበሮ ዘተን ልዝብን፡ስምረት ብዘይ ስምረትን ሓድነትን ዝብጻሕ ዓወት ከም ዘየሎ እምነቱ ምኳኑ ገሊጹ። ሕቶን ጻዊዕትን ህዝቢ ሓድነት ምኳኑ ይኣምን። ነዚ ክውን ንምግባር  ከም ስምረት ምስ ኩሎም ኣንጻር ህግደፍ ዝተሰለፉ ሓይልታት ዘለና ዝምድና ካብ ተራ ዝምድና ምዃን ሓሊፉ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝወስዱ መስርሓት ተበግሶታት ወሲድና ክንሰርሓሎም ከምዝግባእ ማእከላይ ሽማግለ ኣስሚሩሉ። ማእከላይ ሽማግለ ኣብ ሚዛኑ፡ ዘለናዮ መድረኽ፡ ከም ህዝቢ ኣብ ምቕጻልን ዘይምቅጻልን ኣብ ቀራና መንገዲ ምህላውና ብምርዳእ፡ ነዚ ህጹጽ ሃገር ናይ ምድሓን ወፍሪ  ብስሙር ሓይሊ ምግጣሙጥራይ ምኳኑ ኣስሚርሉ። ምእንት’ዚ ስምረት ምስ መሻርኽቲ ሓይልታት ብምኳን፡ ነቲ ኩነታት ዝገጥም ቃልሲ ንምክያድ፡ ኣብ ሓበራዊ ሰራሕ ዘተኮረ ተበግሶ ክውሰድ ከም ዘለዎ ተሳማሚዑ። ማእከላይ ሽማግለ፡ ሓድነት ዘውሕስ ብጉባኤታት ዘይኮነስ ብሓበራዊ ስራሕን ብግብሪን ብጽምዳዊ ተበግሶን ፡ ኣብ’ቲ ሓበራዊ ዕላማ ንምዕዋት ኣትኪልካ ብምዕያይን ምዃኑ ኣስሚርሉ። ነዚ ንምዕዋት ስምረት ብኹሉ መዳይ  ምስ ንዕኡ ዝመስሉ ሓይልታት ሓቢሩ ክሰርሕ ፡ ነዚ መድረኽ ዝሓቶ ቃልሲ ከካይድ ቅሩብ ምዃኑ ሓበራዊ መረዳእታ ሒዙ ። ነዚ ክውን ንምግባር ተበግሶ ክውሰድ ከም ዘለዎ ማእከላይ ሽማግለ ኣሚሙ፡፡ ንዝኾነ ሓበራዊ ዕዮ ንምድንፋዕ ዝግበር ተበግሶ ከኣ ከም ዝድግፎን ንምዕዋቱ ክሰርሕ ቅሩብነቱ የረጋግጽ።  ሓድነት ኣብ መስርሕ ሓባራዊ ስራሕ ዝፍጠር ምትእምማን ዝወልዶ ከም ምዃኑ መጠን፡ኣብ መስርሕ ደረጃኡ ዝሓለወን ብዝተጸነዐን መንገዲን ሓድነት ኣብ ምዕዋት ድሉው ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ማእከላይ ሽማግለ ኣብ መዳይ ባይቶ  ኣመልኪቱ ኣብ ዝርኣዮ ጉዳይ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲ ከም ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል እዩ። ባይቶ ዘለዎ ርእይ ሕጽረታት ንምፍዋስ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2014  ዘካየዶ ህጹጽ ኣኬባ ዘሕለፎም ወሳኔታት ንምዕዋት ስምረት ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ከምዘለዎ ማእከላይ ሽማግለ ተሰማሚዕሉ።ባይቶነቶም ብዝተፈላለየ ውደባን ዕላማን ተጠርኒፎም ዘለዉ ሓይልታት ደምበ ለውጢ  ኣብቲ መሰረታዊ ዕላማ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ዓቅምታቶም ጠሚሮም ክቃለስሉ ዝኽእሉ ባይታ ብምዃኑ፡ እቲ ሓቢርና ክንቃለሰሉ ዘኽእል ሰፊሕ ባይታ ንምስሳኑን ምሕያሉን ናይ ኩሉ ሓይልታት ሓላፍነት ምዃኑ ይኣምን ። ባይቶ ብዘድምዕ መዳይ ምስ ዝሰርሓሉ ነቲ ዝተፈላለየ ኣራኣእያታት ኣብ ምቅርራብን ምጽባብን፡ ዝቦኾረ ናይ ምትእምማንን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ባህሊ ከምዘበርኾ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ሓቂ ኢዩ። እንተኾነ ባይቶ ነዚ ኣብ ምውሓስ ብሕጽረታት ተኸቢቡ ምህላው ዘይካሓድ ሓቂ ኢዩ። ስለ’ዚ ሕጂ’ውን ነቲ ልሉይ ብኩራት ንምፍዋስ ናይ ኩሉ ሓይልታት ሓያል ጻዕርን ኣወንታዊ ኣበርክቶን ዝሓትት ኢዩ። እዚ ጥርኑፍ ሓይሊ ካብቲ ዘለዎ ሕጽረታት ክናገፍን ፡ ነቲ ተሊምዎ ዘሎ ሃገር ናይ ምድሓን ወፍሪ ንምዕዋት ክበቅዕን ኣድማዒ ንክኸውን ስምረት  ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ሓይልታት ኮይኑ ክጽዕረሉ ምኳኑማእከላይ ሽማግለ ሓባራዊ መረዳእታ ሒዙ።

ማእከላይ ሽማግለ ነቲ ኣሚምዋ ዘሎ እዋናዊ ሸቶ ንምዕዋት ውደባታቱ ንምሕያል፡ ኣብ ትሕቲ ስምረት ዝነጥፉ ማሕበራዊ   ውደባታት ክግበር ተሳማሚዑ። በዚ ከኣ ነቲ  ኣብ ቃልሲ ስምረት ቦዂሩ ዘሎ ልሉይ ሃጓፍ ብምፍታሽ፡ ብኩራት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምስሳን፡ ኣብ’ዚ ቃልሲ ዘለውን ልሉይ ግደ፡ መተካእታ ከምዘይብሉ ብምርዳእ ነቲ ብደረጃ ስምረት ተተሊሙ ዘሎ መድረኻዊ ዕማማት ምስላጥ፤ ኣብ ክፍሊ ውድባ ስምረት ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ፍሉይ ኣካል ክቀውም ኣስሚሩሉ። ማእከላይ ሽማግለ ጽፉፍ ውደባ ርእሲ ኩሉን፤ እቲ ወሳኒ ረቋሒ ኣብ ቃልሲ ምኳኑ ብምግንዛብ፡ ውድባ ስምረት ዓይነታዊ ዝላ ክኸድ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ። ንትግባረ ውደባ ዝሕግዙ ሓሳባት ኣቅሪቡ። ውደባ እቲ ቀንዲን ኣገዳሲን ክፍሊ ናይ ሓደ ምንቅስቃስ ኢዩ። ናይ ውደባ መሰረት ከኣ  ንቕሓትኢዩ። ስለ’ዚ ናይ ኣባላት ንቅሓት ንምራኽ፡ ስጡምን ድልዱልን ውደባ ንምህናጽ፡ ኣብ ኩሉ ዘል ውደበታት ቀጻሊ ኣፍልጦ ዘዕቢ መድረኻት ክፍጠር ከም ዘለዎ ማእከላይ ሽማግለ ኣሚሙ።

ንኩነታት ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታው ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ጻውዒቱ ናብ ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ፡ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብሓፈሻ ናብ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ የቕርብ።ዎ  መንእሰይ ኤርትራ ህግደፍ ሓርነትና ገፊፉ፡ መስልካ መንዚዑ ን23 ዓመታት ባርያ ክትከውን  ተሪዲኳ ኣሎ። ከም ሰብ እቲ ተፈጥራዊ ሓርነትካ ጅሆ ተታሒዙ፡  ንቡር ህይወትካ ክትመርሕ ስለዘይካኣልካ በብዝረኸብካዮ ካብ ሃገር ክትስደድ ጸኒሕካ ኣለካ። ኣብ ጉዕዞ ስደት ግዳይ መጭወይቲ፡ ማሕረዲ፡ መቅተልቲ፡ ሞትን ምጥሓልን ትካውን ኣሎካ።ሰደት ግን ካብ ግዝያዊ መዕቆቢ ምኳን ሓሊፉ፡ነባሪ ፍታሕ ኣይኮነን። ሰደት  መፍትሒ ከምዘይኮነ  ትምኮሮ ዘሎካ ሓቂ ኢዩ። ። እቲ መፍትሒ’ሲ ቃላሲ ኢዩ። ቃልሲ ኣብ ጎኒ እቲ ዝካየድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ብምኳን ነቲ ዝተመንዛዕካዮ ክብሪ ምምላስ እዩ።

ዎ ኣብ መሳርዕ ግዱድ ዕስክርና ዘሎካ ወዲ ሃገር። ንዓመታት ብዘይ ዓስቢ ንባርነት ተፈሪድካ፡ መሰልካን ሓርነትካን  ተዘሚቱ፡ ኣብ ክንዲ ዋሕስ ሓርነት፡ ዋርድያ ክብረት ህዝባኻ ትኸውን ኣገልጋሊ እቲ ህዝቢ ዘጽንት ዘሎ ጉጅለ ክትከውን ኣይግባእን። እቲ ክኸውን ዘለዎ ሓላዋን ዋሕስን ክብርካን መሰልካን፤ ጠበቓ ልዕልና ጭቁን ህዝብካ ክትከውን ኢዩ። ሰለ’ዚ ይኣኽለካ ባርያ ምኳን። ይኣክል ኣገልጋሊ እቲ ቀታሊ ምኳን። ዎ ኣታ ኣብ ዝሓለፈ ብረታዊ ተጋድሎና እጃምካ ኣበርኪትካ ክሳብ ሕጂውን ኣብቲ መሳርዕ ዘለኻ፡ ዘትኽሕዶ ኣብ ቅድሚ ዓይንካ ዝፍጸም ዘሎ፤ ህዝብኻ ይጸንት ኣሎ፡ ኣብ ቅድሜኻ ዜጋታትካ ይሃልቁ ኣለዉ፡ መንበሪ ኣባይቶም ብግፍዒ ይፈርስ ኣሎ። ዑፋ እካ ቤት ዘለዋ። ህዝካብ ግን ቤት ኣልቦ፡ ሃገር ኣልቦ፡ ከም ደቂ ዛግራ ኣብ ፈቀድኡ ይብተን ኣሎ።  ንዓኻውን ኣይነሓፉኻን፡ እቲ ጨቋኒ ንዓካን ንደቅኻን ባሮት ጌርኩም ኣሎ። ስለ’ዚ ይኣክል በል፡ ኣብ ጎኒ ህዝብኻ ደው በል። እቲ ትማሊ ንብጻይካ ዝኣተካዮ መብጽዓ ዘክር፡ እቲ ስወእ ኣብታ ናይ ዜሮ ናይ መስዋእቲ ስዓት ዝበለካ ዘኽር። ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ናይቶም ታሪኽ ሰሪሖም ዝሓለፉ ብጾትካ ሕድሪ ኣኽቢርካ ኣብ ጎኒህዝብኻን ሰማእታት ኤርትራን ደው ክትብል ስምረት ዳግማይ ጻውዒታ ተቅርበካ/ተቅርበልኪ ኣላ።   ዎ ህዝቢ ኤርትራ ቤትካ ትዓኑ፤ ከም ህዝቢ ትጸንት ኣሎካ። ክሳብ ምዓስ ስቅታ። ሎሚ’ስ ይኣክል። ከምቲ ትማሊ ብሓደ ድምጺ ነቲ ናይ ባዕዲ ሓሕ ዝበልካዪ፡ ሎሚ’ውን ቅልጽም ሓድነትካ ኣሕብር። ነዚ ደርጋዊ ህግድፍ ንምጽዳፍ ተንስእ።መሰልካ ገዲዱ እንተዘይካይኑ ዝፈልጠልካ የሎን ሓደ’ኳ የልቦን። ስለ’ዚ ተላዓል። ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ንምጽናትን ምብራስን ኩናት ወሊዑ ኣሎ። እዚ ኩናት ዝጠፍእ ብሓበራዊ ተበግሶ ሰፊሕ ሱታፌ ህዝቢ ምኳኑ ማእከልይ ሽማግለ ስምረት ኣስሚርሉ። ምእንትዚ ነዚ ንጥፍኣትና ዝተኣወጀ ህግደፋዊ ናይ ምጽናትና ኩናት ንምምካን ህዝቢ ኣብ ጎኒ ዕላማታት ስምረት ክስለፍ ጸዊዑ።

ንዘመናት ተምበርኺቡ ዝነበር ህዝቢ የሎን ! !

ሓርነትና ናይ ግድን እዩ!!

ኤርትራን ኤርትራውነትን ንዘልኣለም ክነብሩ እዮም!!

ማእላይ ሽማግለ ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር

መጋቢት 27, 2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9484

Posted by on Mar 29 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net