ንመበል 20 ዓመት ልደት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ደምሓኩኤ) ምክንያት ብምግባር፡ ብኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ዝተዋህበ ናይ ዮሃና መግለጺ

eudc

ዝኸበርካ ኣቦ-ወንበር ደምሓኩኤ፡ ተጋዳላይ ቀርነልዮስ ኦስማን

ዝኸበርኩም ጀጋኑ ተቓለስቲ ኣባላት ደምሓኩኤ

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ

 

ፈለማ፡ ነዚ ክቡር ታሪኻዊ ዕለት’ዚ፡ ብከምዚ ድምቀት ከተኽብርዎ ምብቃዕኩም፡ እንቋዕ ሓጎሰኩም! እንቋዕ ሓጎሰና! ውራይ ኩላትና እዩ’ሞ፡ ንኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ወኪለ፡ ዮሃና! …..ክብለኩም እንከለኹ ዝስመዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን፡፡

 

ዝኸበርኩም ተጋበእቲ ብጾትን ዕዱማት ኣጋይሽን!

ኣብዚ ታሪኻዊ ውድባዊ ሰሚናርኩም እተካይደሉ ዘለኹም እዋን፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ከመይ ዝኣመሰለ ሕሱምን መሪርን ኩነታት ይሓልፉ ምህላዎም፡ ንዓኹም ምንጋር ንቐባሪ ከም ምርድእ’ዩ ዝቁጸር።  ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሕሱም (አረ ኣዝዩ ሕሱም) ጸላኢ’ዩ ኣጋጢሙዎም ዘሎ። ሰብኣዊ ክብረት ህዝብታትና ኣሕሲሩን ኣዋሪዱን ዝገዝእ፡ ብጨካን ናይ ድኽነትን ዓጸቦን ኩርማጅ ዝቐጽዕ፡ ህዝብታትና ብሓፈሻ፡ መንእሰያትና ከኣ ብፍላይ ዛሕ-ዛሕ ኣቢሉ ከም ደቂ ዛግራ ዝብትን፤ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ረሚሱ ከብርሶም ዝጨከነ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ውልቀ-መላኺ መንግስቲ ህግደፍ’ዩ ኣጋጢሙዎም ዘሎ።

 

እዚ ታሪኻዊ መጋባኣያኩም፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ግቡእ ኣቓልቦ ሂቡ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብዚ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ናይ ብርሰት ሓደጋ ንምድሓን ዝበቅዕ፡ ንኩሉ ሃገራዊ ዓቕምታት ጠሚሩ ዘቃልስ ናይ ኣፍ-ኣርክቡ ዕማም ክሕንጽጽ ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብቲ እትሕዝዎ ህጹጽ ሃገራዊ ዕማም ድማ ኤስደለ፡ ኣብ ጎንኹም ተሰሊፉ ንምቅላስ ድሉው ምዃኑ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ፡፡

 

ዝኸበርኩም ብጾት ኣባላት ደምሓኩኤ!

ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ንህዝብታትና ናብዚ ኣንጸላልይዎም ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ንክወድቁ ካብ ዝገበረ ገበናቱ ሓደ፡ ኣብ ልዕሊ ብሄራትን ብዙሕነታዊ ክውንነቶምን ዝፈጸሞ ዉጹእ ክሕደትን ጥልመትን’ዩ፡፡ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ- መንግስቲ ህግደፍ፡ ንህላወን መንነትን ብሄራት ብእዉጅ ዝኸሓደን፡ ንምብራሶም ዓሊሙ ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን ደመኛ ጸላኢ ህዝብታትና’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ህልም ዝበለ ጸረ መሰል-ርእሰ-ውሳኔ ብሄራት’ዩ። ትምክሕተኛ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሓውን ዓረርን ኤርትራዊ-ሃገርነት ንምህናጽ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ፋሽስታዊ ተግባራት ሕድሕድ ምትእምማን ብሄራት ክዘርግ፡ ክጠራጠሩን ከይተኣማመኑን’ዩ ዝገብሮም ዘሎ። ከም ውጽኢት ከኣ፡ ህላወን ቀጻልነትን ኤርትራዊ ሃገርነትና ከቢድ ናይ ምብታን ሓደጋ ከንጸላልዎ ዝገበረ ጸረ-ሓድነትን ጸረ-ማዕርነትን መንግስቲ’ዩ፡፡

 

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)፡ ካብዚ ጽኑዕ እምነቱ’ዚ ብምብጋስ’ዩ እንበኣር፡ ሕቶ ብሄርን ሕቶ መሰል-ርእሰ-ውሳኔ ብሄራትን ክሳዳዊ ሕቶ ደሞክራሲ ምዃኑ፤ ብሄራዊ መልክዕ ውደባ ድማ፡ እቲ ህሉው ብሄራዊ ጭቆና ዝፈጠሮ መድረኻዊ መልክዕ ካብ መልክዓት ውደባ’ዩ ኢሉ ዝኣምን። ኤስደለ ንሕቶ ብሄር ውጹዕ ህዝቢ ኩናማ፣ ንሕቶ መሰል-ርእሰ-ወሳኔኩምን ንብሄራዊ መልክዕ ውደባኩም (ደምሓኩኤ)ን ክድግፍ እንከሎ እንበኣር፡ ካብዚ ንጹርን ጽኑዕን መስመራዊ እምነቱ’ዚ ብምብጋስ’ዩ፡፡ ስለዚ ድማ፡ ውራይኩም ውራይ በይንኹም ጥራይ ዘይኮነ፤ ውራይና፡ ውራይ ኤስደለ’ውን’ዩ፡፡ ሰውራዊ ናይ ለውጢ ጉዕዞኹም ከኣ፡ ደምሓኩኤ በይኑ ዝኸዶ መንገዲ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ተጠሚርናን መሳርዕና ኣስሚርናን ብሓባር እንምርሾ ማዕበል ሰውራ’ዩ፡፡

 

ዝኸበርኩም ብጾት ተጋበእቲ’ዚ በዓል!

ኤስደለ፡ ኣብ ድሮ’ዚ እተኽብርዎ ዘለኹም ታሪኻዊ መበል 20 ዓመት ልደት ውድብኩም ደምሓኩኤ፡ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኣሳሊጡ፤ ብሰውራዊ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮ፣ ደሞክራስያዊ ሕገ-ህንጻን መድረኻዊ ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን ተጸንቢሉ፤ ቀጻሊ ዕማማቱ ንምዕዋት ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን’ዩ። ኤስደለ፡ ነዚ ድርብ ዓወታት’ዚ ከመዝግብ እንከሎ፡ ናይ ውድብኩም ደምሓኩኤ ሙሉእን ልባውን ተሳትፎን ደገፍን ከይተፈልዮ፡ ናይ ሓባርና ጉባኤ ኮይኑ ‘ዩ ብዓወት ተዛዚሙ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ፡ ንመሪሕነት ደምሓኩኤን ንኩሉኹም ኣባላት ውድብን፡ ኣብ ታሪኻዊ ጉባኤና ንዝገበርኩምልና ኩሉ-መዳያዊ ሰውራዊ ደገፍ ብሓደ ወገን፤ ኣብዚ ክቡር ጽንብል’ዚ ክንሳተፍ ንዝቐረበልና ዕድመ ከኣ በቲ ካልእ ወገን፤ ልዑል ምስጋናና ከመሓላልፈልኩም እፈቱ፡፡

 

ደጊመ፡ እንቋዕ ናብዚ ድሙቕ መበል 20 ዓመት ልደት ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ውድብኩም ደምሓኩኤ ኣብቃዓኩም ኣብቃዓና እናበለኩ ድማ መዓረይ እዛዝም፡፡ ኣጆኹም ኣጆና! ብዝሰመረ ቅልጽም ደሞክራስያዊ ሓይልታትናን ሓፋሽ ህዝብናን ክንዕወት ኢና፡፡

 

ምርግጋጽ መሰል-ርእሰ-ውሰኔ ብሄራዊ ህዝብታትና፡

ዋሕስ ቀጻልነት ስሙር ኤርትራዊ ሃገርነትና’ዩ!!

 

ኩሉ ዓቕምታትን ክእለታትን ሰውራና ጠሚርና፡

ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰት ንምድሓን ንቃለስ!!

 

ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ

05 ሚያዝያ 2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9512

Posted by on Apr 9 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net