ኣየወ ተሓጓሚ ከሎ ተሓዚ ይጎስዕ (መልሲ ንኣቶ ብርሃነ ኣብራሃ)

ይቕሬታ ንኣንበብቲ፡ እቲ ጭዋ ባህልና ከኽብር ኢለ’የ እቲ ክትጽየፍዎ ትኽእሉ ቃል ብጉሳዕ ዝቐየርኩዎ-እምበር እንታይ ንምባል ምዃኑ ኣይጠፍኣኩምን።

ዝተሓጉመ ቁሕም ኣቢሉዋ ስቕ እንተበለ’ሞ ተሓዚ ጎሲዑ-ጎሲዕኩም እንተበለስ ኣኸጃህ’ዶ ኣይኮነን? ካብ ሓደ መግለጺ ናይ ኤስደለ ቅንጭብ ኣቢሉ ብስም ኣቶ ብርሃነ ኣብራሃ ኣብ ሓርነት ዶት ኮም ዝፈነዎ ጽሑፍ ኣንቢበ ብርዐይ ከልዕል ተገዲደ። ሽግርና ኣብቲ ናይ ሓባር ጨፍላቒና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣባና ኣብቶም ደለይቲ ለውጢ እንበሃል’ውን’ዩ ዘሎ ዘብል እዩሞ እስከ ርግእ ኢልና ምእንቲ እታ ኩልና ንሓልየላ እንብላ ሃገርን ውጹዕ ህዝብናን ገለ ንበል። ኣቶ ብርሃነ ኣብራሃ ኣብ መንጎ ደውላን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ከረደኣና ብዙሕ ተንቲኑ። ዘይሩ ዘይሩ ከረደኣና ከምዝፈተነ ድማ እቲ ብ20 መጋቢት ዝተደኮዐ ንብረት’ሲ ናይ ደውላ ኤርትራ እምበር ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኣይኮነን ንምባል’ዩ። ስለዚ ልኡላውነትና’ዩ ተጋሂሱ ዝብለና ዘሎ። ኣነ ከኣ ኣሕጽር ኣቢለ ቢሻ ቁጠባዊ ትካል ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ መኻዕበት ጁባታት ሓለፍቲ ህግደፍን ዝያዳ መጨቆኒ ውጹዕ ህዝብናን’ዩ። ወተሃደራዊ ትካል ማይ ዕዳጋ ድማ ከምኡ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ንመንእሰያትን ኣረጋውያንን ዕረፍቲ ዝከልእ ንጎረባብትና ወትሩ ኣብ ስግኣት ክነብሩ ዝገብር እምበር ናይ ሰላም ተልእኾ ዘይብሉ ትካል’ዩ። ክልቲኦም ትካላት ጸረ ሰላምን ጸረ ምዕባለን ተልእኮ ዘለዎም ትካላት እዮም። ጸረ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ እዮም። እንተጠፍኡ ዝብከየሎም ትካላት ኣይኮኑን’የ ዝብል ዘለኹ።

እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ሰይጣናዊ መንግስቲ ብባህርያቱ ጸረ ህዝቢ እምበር ምእንቲ ህዝቢ ዝግደስ ስርዓት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ንህዝቢ ኣብ ትሕቲ ጫምኡ ዝረግጽ መንግስቲ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ እትውነን ትዕበ ትንኣስ ትካል ድማ ክሳብ ሕጂ መጨፍለቕ ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ደኣ ትኸውን ኣላ እምበር ንህዝቢ ክትረብሕ ኣይረኣናን። እቶም ብቢሻን ብኻልኦት ትካላት ህግደፍ ዝርብሑ ዘለዉ ኣካላት እቶም ፈቐዶ ሃገራት ዓለም ብዶላራት ናይ ባንክ ሕሳባት ዝከፍቱ ዘለዉ ሓለፍቲ ህግደፍን መሻርኽቶምን እዮም።

ህግደፍን ናይ ረብሓኡ ተቛደስቲ ዝኾኑ ኣካላትን ቃንዝኦም ከስምዑ ትጽበዮ ነገር’ዩ። ርእዩ ዝሰኣነ ህዝቢ ግን እቲ ትካል ኣብ ሃገሩ ስለዝተተኽለ ጥራሕ ናይ ስጋ ኮይንዎ ያዕ ክብል ትጽበዮ ኣይኮነን። ሓርነት ዶት ኮም ካብቶም ቀዳሞት ንውሳኔ ናይ ኣውሮጳ ሕብረት ንስርዓት ህግደፍ ንምሕጋዝ ዝወሰዶ ውሳኔ ዝተቓወመ መራኸቢ ብዙሓን ምንባሩ ዝምስገን’ዩ። ከመይ’ሲ! ስርዓት ህግደፍ ብቑጠባ እንተሰሲኑ መጨፍለቒ እምበር መድሕን ህዝቢ ስለዘይከውን። ብካልእ ኣዘራርባ ስርዓት ህግደፍ ብቁጠባ ማህሚኑ ንህዝቢ ኣብ ክቆጻጸረሉ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ክገድፍ’ሞ ብዝሓሸ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክትካእ ስለ ዝተመርጸ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ትርጉሙ። ብወገነይ ንኣውሮጳ ሕብረት ንስርዓት ህግደፍ ኣይትሓግዙ ምባልን ናይ ቢሻ ዕደና ካብ ስራሕ ወጻኢ ምግባሩን ዝህበኒ ፖለቲካዊ ትርጉም ሓደ’ዩ። እቲ ፍልልይ ናይ ኣገባብ እንተዘይኮይኑ ዕላማኡ ሓደ’ዩ።

ኣብዚ ጽጉም ኩነታት’ዚ መንእሰይ ይኹን ሽማግለ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ወዲ ሃገር ግን ቢሻ ተወቒዑ እንታይ ስለ ዝጎደሎ እዩ’ሞ እ-ሕ-ሕ ክብል? ኩትሻ ክገብራ ዝተተምነያ ኣዴታት መጉዲ’ውን ኣይቀየራን። ካብ ነጻ ኣገልግሎት ክድሕኑ ዝተተምነዩ መንእሰያት ስቅያቶም ንዘይተወሰነ ግዜ ይናዋሕ ኣሎ። ኣራፊዱ ክትስእን ከዕርፍን ዝተተምነየ ሽማግለ ጠበንጃ ኣሰኪሞም ክትሕደስ ኢሎም ንበረኻ የውፍርዎ ኣለዉ። መዋእሎም ከርተት ኢሎም ዘጥረይዎን ዘስርሕዎን ኣባይቲ ብታንክታትን ግሬደራትን ህግደፍ ይዓኑ ኣሎ። ቢሻ ዓቕሚ ናይቲ ገባሪ እከይ ህግደፍ ዘዕቢ ትካል እምበር ዓቕሚ እቲ ክሓልፈሉ እንደልዮ ውጹዕ ህዝብና ዘዕቢ ትካል ኣይኮነን። ስለዚ እንተዓነወ ጉጅለ ህግደፍ የእውየሉ። ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ብመሪሕነት ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽልዝጊ ደባይ ኣሃዱ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ድባርዋ ብጃፓናውያን ዝውነን ዝነበረ ናይ ነሓስ ዕደና ፋብሪካ ካብ ስራሕ ወጻኢ ክከውን ከሎ ብዘይካ’ቲ ጥቕሙ ዝጎደሎ ስርዓት ኢትዮጵያን ተሓባበርቱን ዝተቐንዘወ ኤርትራዊ ኣይነበረን። (ውሑዳት ንጹሃት ሰራሕተኛታት ኤርትራውያን ኣይተተንከፉን ኣይበሃልን’ዩ) ሕጂውን ከምኡ። ህዝባዊ መንግስቲ ምስ ተተኽለን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምስ ወዓለን ግን ሽዑ እንተተንኪፉ ኡይ ምባል ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ ናይ መጨረሽታ ንጣብ ደምና ክንካላከል እንተወፈርና ሓላል እዩ። ሽዑዩ ናትና – ናይ ህዝቢ ዝኸውን።

እወ ካብ ረብሓ ህዝብን መሰል ህዝብን ንላዕሊ ልኡላውነት የልቦን። ኣብ ፈቐዶ ስደት ንዘይሃገርና ሃገርና ጌርና ንነብር ዘለና መሰልናን ዜግነታዊ ረብሓናን ስለ ዝተተንከፍና ኢና። ኣብ ሰደትን ሰላማዊ መነባብሮን ኮይንና ድማ መሰል ሚልዮናት ውጹዓት ደቂ ሃገርና ህግደፍ ብድምጺ ኣልቦ ተግባራቱ ክግህሶ ከሎ፡ ነቲ ድምጹ ከየስምዕ ዝተኸልከለ ህዝብና ንሕና ድምጺ ክንኮኖ ይግባእ። ክሳብ ሕጂ ካብ ጽሑፍ ኣቶ ብርሃነ ይኹን ካብ ካልእ፡ ኣብ ቢሻን ኣብ ማይ ዕዳጋን፡ ዝተደብደበ ቁጠባዊ ትካልን ወተሃደራዊ ንዋትን ካብ ረብሓ ህግደፍ ሓሊፉ ረብሓ ውጹዕ ህዝብና እዩ ተተንኪፉ ኢሉ ከረደኣኒ ዝክእል ኣይረኸብኩን። ኣነ ከኣ ረብሓ ህዝቢ ነቐድም ኣየ ዝብል ዘለኩ እምበር ጓል ላምና ንበን ንሃባ እናበልኩ ጸያቂት ምራኽ ክከናኸን ኣይመረጽኩን። ህግደፍ ተሓጒሙ ግን ስቕ መሪጹ። ናቱ ምኽንያት ኣለዎ። ክፉእ መንግስቲ እዩ እየ ዝብል ዘለኩ እምበር ምድማር ምጉዳል ዝጠፍኦ መንግስቲ ኣይኮነን። ደሚሩ ኣጉዲሉ ስቕ ይሕሸኒ ኢሉ ስቕ መሪጹ።

እንተኾነ ግን ህግደፍ እንተጠመየ ህዝበይ ይጸግብ ኢለ ስለ ዝኣምን ቢሻ እንተዓነወ ዕጅብ እኳ ኣይብለኒ። ኣቶ ብርሃነ! ኣነ ካብ መንጋጋ ህግደፍ ዘምለጥኩ ብዛዕባ ናይ ማይ ዕዳጋ ወተሃደራዊ ትካልን ናይ ቢሻ ዕደና ወርቂ ትካልን ናይ ቀረባን ናይ ቀጥታን ሓበሬታ ዘለኒ ሰብየ። ቢሻ ንዓይ ነቲ ብኹዕታ ኣጽፋሩ ዝሰኣነ ሰብ ዘይረብሐ ነቲ ኣማዕድዩ ዝርኢ ህዝብና ክረብሕ ኢልካ ኣይትጸበ። ንስርዓት ህግደፍ እትድንግጽ ጥብ ትብል ደም’ውን የብለይን። ንውጉኣት ማይ ሓባር ብኣድራጋ ጥይት ዝተማዓተ፡ ንተመሃሮ ብሕሱም ዝጨፍጨፈ፡ ነቶም መሳርሕቱን መሳትኡን ንልዕሊ 14 ዓመታት ብዘይፍርዲ ኣብ ጸልማት ዳጒኑ ኣደዳ ሕማምን ሞትን ክኾኑ ዝገበረ፡ መልክዕ ኣዴታት ደዊኑ ኣቦታት ሓሞቶም ክዝረግ ዝገበረ፡ ባህሊ ህዝብና ኣጥፊኡ ናይ በጋሚንዶ ባህሊ ክሰፍን ዝገበረ፡ ንሃገርናን ህዝብናን ናይ ስደት ኣብነት ክኾኑ ዝገበረ ስርዓት ንዕኡ እትልውህ ትንፋስ የብለይን። ሕጂውን ከምቲ ኤስደለ ዝበሃሉ ኢሎሞ ዝበልካዮ፡ እዚ ስርዓትዚ ኣብ ዝቐልጠፈ እንተኸደ ዝበለጸ። ስለዚ መመሊስካ ክድኳዕ ኣለዎ።

ዎ ደሓንኩም –                                ካብ ትኩእ መንግስትኣብ (ወዲ ብላታ)

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9544

Posted by on Apr 18 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ኣየወ ተሓጓሚ ከሎ ተሓዚ ይጎስዕ (መልሲ ንኣቶ ብርሃነ ኣብራሃ)”

  1. Even though everyone’s opinion is respected, I had never seen an opinion such as this one which is out of touch and out of the reality. He has the right to hate the ruling party in Eritrea but not at the expense of the Eritrean’s properties. Bisha is not egdef;s property and the edf and their bases are people’s property. You can speak for yourself but not for me. Bisha is my property, the EDF bases are mine as long I am an Eritrean. If you are Ethiopian, it is another case. You are it doen’t belong to you. Afthala Hawina Ayzereban Newri. Ab lbkha temeles.

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net