ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ (ISIS) ኣብ ሊብያ: ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ንዝፈጸሞ ባርባራዊ ጃምላዊ ቅትለት ምኽንያት ብምግባር፡ ብኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ዝወጸ ናይ ሓዘን መግለጺ

eudc

ብ19 ሚያዝያ 2015 ኣብ ዝተፈነወ ናይ ዩ-ትዩብ ምስላዊ መልእኽቲ፡ ኣብ ሊብያ ብዝርከብ ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ጭፍጨፋ ዝሕብር፡ ጸረ-ሰብኣዊ ፍጡር ዝኾነ ሕሱም ትርኢት ተዓዚብና፡፡ እዚ ንሕልና ዓለምና ብሓፈሻ፡ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከኣ ብፍላይ ሕሱም ዘድመየ፣ ዘጉሃየን ዘቖጠዐን ትርኢት ድማ፡ ኣብ ልዕሊቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 28 ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና (ስደተኛታት) ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት’ዩ፡፡ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)፡ ነዚ ኣረሜናዊ ፍጻሜ’ዚ ኣምሪሩ ብምኹናን፡ ዝተሰምዖ ዓሚቕ ሓዘን ይገልጽ፡፡

እዚ ባርባራዊ ተግባር’ዚ፡ ዋላ’ኳ በቲ ንነብሱ “እስላማዊ መንግስቲ ዒራቕን ሶርያን (ዳዕሽ – ISIS)” ክብል ዝሰየመ ጥሩፍ ግብረ-ሽበራዊ እስላማዊ ጉጅለ ዝተፈጸመ ገበን ይኹን እንበር፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ እኩይ ዕላማን ዝፍጽሞ ዘሎ ኣራዊታዊ ተግባራትን ግን፡ ንሃይማኖት እስልምናን መለኮታዊ ትእዛዛቱን ፈጺሙ ዝጻረር ቀቢጸ-ተስፋዊ ተግባር’ዩ፡፡ ተኸተልቲ ሃይማኖታት ክርስትናን እስልምናን ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብሓባር ተኸባቢሮም ምንባር፤ ኣብ ራህዋኦምን ጸበባኦምን ተደጋጊፎም ናይ ምሕላፍ ታሪኽ እንበር፡ ብዓይኒ ቅርሕንትን ጽልእን ተጠማሚቶም ዝተናቖቱሉ ዛንታ ከቶ የብሎምን። ስለዚ ድማ፡ ነዚ ጥሩፍ ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ምእመናን ክርስትና ዝፈጸሞ ኢ-ሰብኣዊ ገበን ክመዝን ከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ሃይማኖታት ዝተፈጸመ ሕሱም ታሪኻዊ በደልን፤ ኣመንቲ ክልቲኡ ሃይማኖታት ኣምሪሮም ዝኹንንዎን ምዃኑ፡ ኤስደለ፡ ኣጽኒዑ ይኣምን፡፡

ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፡ እዚ ዘሕዝን ፍጻመ’ዚ ምስ ኣጋጠመ ዝሃብዎ ምላሽ፡ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን፡፡ ንሱ ድማ፡ ካብ ህዝባዊ፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ባህርያት ናይ’ቲ ሃኒጾሞ ዘለዉ ስርዓት ዝብገስ፤ ንህዝቦም ብሓፈሻ፡ ግዳይ ናይ’ቲ ሓደጋ ንዝኾኑ ዜጋታቶም ድማ ብፍላይ ዝሃብዎም ግቡእ ዜግነታዊ ክብረት ዝምልከት’ዩ፡፡ እቲ መርድእ ምስ ተሰምዐ፡ መንግስቲ፡ ብኣፈኛኡ ኣቢሉ፡ መሪር ሓዘኑ ዝገልጽ፤ ንህዝብን ንስድራ መወትን ዘጸናንዕ፤ ጉዳይ’ቶም ግዳያትን ካልኦት ስደተኛታትን ዜጋታቱ ንዝከታተል ዲፕሎማስያዊ ማእከል ድማ መምርሒ ሂቡ፡፡ ብእኡ ጥራሕ ከይተሓጽረ፡ ንወከልቲ ህዝቢ (ሃገራዊ ባይቶኡ) ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ፡ ብመሰረት’ቲ ሃገራዊ ቅዋሞም ዝፈቕዶ፡ ንክብረት ዜጋታቱን ንዝኽሪ ግዳያትን ክበሃል፡ ብሃገር ደረጃ ንሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት ኣውጁ፡፡ ደሞክራስያዊ መንግስቶም፡ ንቡር ገየሩሎም ክብረት ሂቡዎም ክብረት ይሃቦም፡፡

ብሸነኽ ገባቲ መንግስቲ ህግደፍ ከ?! ታሪኽ ደጋጊሙ ይምስክሮ ከም ዘሎ፡ ሎሚ’ውን ከም ወትሩ፡ ቅጭጭ’ኳ ኣይበሎን፡፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ከለዉ፡ ብኣርዑት ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ወፍሪ ባርነትን ብናይ ድሕረትን ድኽነትን ሓለንጊ እናገረፈ፡ ንኩሉ ዕድላቶም ኣጸልሚቱ ክገዝኦም ጸኒሑ፡፡ መቑሕ ህግደፋዊ ባርነት ሰይሮም ካብ ኢዱ ምስ ወጹ ከኣ “ደሓን ክንረኣኣይ ኢና” እናበለ ካብ ምሕንሓን ኣዕሪፉ’ኳ ኣይፈልጥን፡፡

ብግብሪ ከኣ፡-

  • መንእሰይ ኤርትራ መጻወቲ በደዊን ኮይኑ፡ ኣካላት ነብሱ (ኩላሊቱ) ንመቀያየሪ ክውዕል ከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ቀጭጭ ኢልዎ ኣይፈልጥን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከም ናቱ ዓወት ገይሩ’ዩ ክቖጽሮ ጸኒሑን ዘሎን፡፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን፡ ካብቲ ዝካየድ ምስግጋር ደቂ-ሰባት፡ ዶላር ክቕርምን ክምእርርን ዝርከብ ሽፍታ መንግስቲ’ውን’ዩ፡፡

 

  • ቅድሚ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ፡ ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ፡ ኣብ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ዜጋታትና እቲ ዘሰቅቕ ጃምላዊ ህልቂት ክወርድ ከሎ፡ ገባቲ ስርዓት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅጭጭ ኣይበሎን፡፡ ከም ዜና ንምቕራቡ’ውን ተጸይፍዎ፡፡ ሬሳታት ዜጋታትካ ውሰድ ተባሂሉ’ውን ዕጭ ሓንፈፍኩ ኢሉ። በቲ ዘሰቅቕ ትርኢት ዝሓዘነት ዓለም ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ዕለት፡ መዓልቲ ሓዘን ኣፍሪቃ ክኸውን ወሲኑ፡፡ ነውራም ስርዓት ህግደፍ ግን ወይ’ከ ቅጭጭ!

 

  • ሕጂ ከኣ እንሆ፡ ትማል ብ19 ሚያዝያ 2015፡ ከባቢ 850 ስደተኛታት ሒዛ ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጀልባ ምጥሓላን፡ ካብኣቶም እቶም 350 ኤርትራውያን ምዃኖም ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ ሕሱም እዋን ብሓደ ወገን፤ ጥሩፍ ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ፡ ብሕማቕ ኣቀታትላ ካብ ዘህለቖም 28 ኢትዮጵያውያን ክርስትያን ስደተኛታት፡ እቶም ካብ 5-8 ዝኾኑ፡ ኤርትራውያን ምዃኖም ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ መርሪ ህሞት፡ ኣራዊታዊ ስርዓት ህግደፍ ቅጭጭ ኣይበሎን፡፡ ብኣንጻሩ፡ ጓይልኡ ዝዓመረሉ ክመስል ኣብ ዳንኬራ ውዒሉ ክሓድር ንርእዮ ኣለና፡፡

 

  • ኣብ ሃገረ-የመን ተፈጢሩ ብዘሎ ህውከት ምክንያት፡ ናይ ብዙሓት ሃገራት ስደተኛታት ብጅሆ ተታሒዞም ምህላዎም ይፍለጥ፡፡ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ደሃይ ዝተመዛበሉ ስደተኛታተን ብምግባር፡ ብሰላም ናብ ዓዶም ዝምለሱሉ ኩነታት ኣብ ዘመዓራርዩሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ብስቓይ ዜጋታቱ ዝሕጎስ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ግን ቅጭጭ’ኳ ኣይበሎን፡፡ ዜጋታት ኤርትራ ዝረድኦም ስኢኖም፡ ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ክሳቐዩ ከኣ ይርከቡ ኣለዉ፡፡…… ወዘተ

ስለዚ ኤስደለ፡ “ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ብዝብል እንስሳዊ መርሆ ዝምራሕ፡ ህልም ዝበለ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝገዝእ ዘሎ ናይ ራዕድን ሽበራን ስርዓት’ዩ” ክብል ከሎ ካብ ባዶ ተበጊሱ ኣይኮነን፡፡ ብኡ መጠን’ውን ስርዓት ህግደፍን ጥሩፍ ጉጅለ ዳዕሽን ፍልልዮም ናይ መልክዕ እንተዘይኮይኑ ኣብ ትሕዝቶ ፍልልይ የብሎምን፡፡ ፍልልዮም፡ ኣብ መልክዕ ውደብኦምን ዘልዓልዎ ጭርሖን ጥራይ’ዩ፡፡ ኩሉ ተግባራዊ ንጥፈታቶም ግን፡ ህልም ዝበሉ ጸረ-ሰብኣዊ ፍጡርን ግብረ-ሽበራዊ ናይ ራዕዲ ሓይልታት’ዮም፡፡ ኣብ ህላዌኦም ሰላም፡ ልምዓት፡ ጥሙር ብዙሕነታዊ ሓድነት ህዝብን ሃይማኖትን የለን፡፡ ካብ ሱሮም ተማሕዮም ክድምሰሱ ዘለዎም ሓይልታት ድማ’ዮም፡፡

ንምጥቕላል ዝኣኽል ኤስደለ፡ ነቶም ብግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽን፤ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ህልቂትን ሂወቶም ዝሰኣኑ ስደተኛታት መንግስተ-ሰማያት ከዋርሶም፤ ነቶም ብመሪር ሓዘን ተኾርምዮም ዘለዉ ስድራ-ቤታት ከኣ ጽንዓት ክህቦም ይምነ፡፡

 

ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀት ንግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ዳዒሽን ገባቲ ስርዓት ህግደፍን

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤስደለ

                                      22 ሚያዝያ 2016

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9567

Posted by on Apr 24 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net