ደምዳሚ መግለጺ 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

 eda

ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብ 13 ክሳብ 17 ሚያዝያ 2015 ኣብ ዘሎ እዋን 5ይ ስሩዕ ኣኸብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ። ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣብዚ ኣኻባኡ እዚ ንህልዊ ሃገራውን፣ ዞባውን፣ ዓለማውን ኩነታት፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓፋሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝተኻየዱ ዕማማት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ብዕምቆት ተመያይጡን ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉን፡፡

 

ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ገባቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ግፍዓውን ጨቋንን ግሃስን ፖሊሲታት፡ ሳዕቤኑ ንዜጋታት ማእለያ ዘይብሉ በደላት፡ ዓመጽ፡ ማእሰርቲ፡ ስደትን ጥፍኣት እቲ ዝተሓተ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ነፊጉ ምህላዉ ተመልከተ። ናይዚ ጽዑቕ መርኣያ ከኣ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ዕለታዊ ሂወት ህዝብና ናብ ሓደገኛ ዕንወትን ጥፍእትን ክምርሕን፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት በብግዝየኡ ብኣሽሓት ክውሕዝን ይግብሮ ይርክብ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ሃገራዊ መኽሰባት ንምብርዓን ዝህድድ ብምዃኑ ምቕጻሉ ሓደገኛ ምዃኑ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ገምጊሙ።

 

ኣብ ዓለማውን ዞባውን ምዕባሌታት ዝምልከት ድማ፡ ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለማዊ ውድዕነት ነቶም ዓቢ ጽልዋታት ዘለዎም ሓይልታት ምቹእ ኩነታት ዝፈጥር ብምዃኑ፡ ምእዙዝነት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ተዳኺሙ ንጭቆናታትን ግህሰታትን ጥጡሕ ባይታ ዝምድምድ እዋን ኮይኑ ምህላዉ መዘነ። እዚ ኩነታት’ዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ብጨካን ኣተሓሕዝ ንምሓዙ ሓጋዚ ተራ ይጻወት ምህላዉ ርእዩ። ኣብ ዓለም ዝርከቡ ደለይቲ ሰላምን ደሞክራስያዊ ለውጥን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓገዝን ደገፍን ከዕዝዙ ዝግባእ ግዜ ምዃኑ’ውን ተመልከተ።

ካብ ወርሒ መስከረም 2014 ጀሚሩ ኣብ ፈታዊት ሃገረ የመን ከጋጥም ዝጸንሐን ዘሎን ሓደገኛ ምዕብልናታት ብዝምልከት መደምደምታኡ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ ስልጣን መንግስቲ የመን ብሑሲ ብዓመጽ መንገዲ ዝተገብረ ዘይሕጋዊ ምእላይ ብፍላይ ንውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ የመን ብሓፈሽኡ ድማ ኣብ ወሽመጥሃገራት ዓረብን ከባቢ ህዝብታትን ዘስዓቦ ሳዕቤናትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ምስቲ ብተበግሶ ሃገራት ከሊጅ ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ልዝብ ኩሉ ፖሎቲካዊ ብዙሕነት የመን ዝተሰማምዓሉ ሕጋዊ ኣካል ደው ከም ዝብል ኣረጋገጸ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ስርዓት ኣስመራ ነቲ ቅልውላው ናብ ዝኸፍአ ከምርሕ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት የመን ኢድ ምትእትታው ብምግባር ንሓደ ሸነኽ ብምድጋፍ፡ ንሑሲ መደበራት ታዕሊም ምሃቡን እቲ ዂናት ክቕጽል ብምግባር ዝተጻወቶ ኣዕናዊ ተራ ኮኒኑ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን መንግስቲ ስዑዲ ይኹን ኩሎም ሃገራት ዓረብ ኣብዚ ዞና’ዚ ግርጭታት ንምህዳእ ጻዕርታት ዘይገብር ብኣንጻሩ ዝተናኾል ስርዓት ኣስመራ ዘለዎም ዝምድናታት ዳግመ ርእይቶ ክገብሩ ይጽውዕ። ከምኡ እውን ኩሎም ዝምልክቶም ኣካላት ኣብ የመን ንዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን መሰላቶም ከኽብሩን ካብቲ ሳዕቤን ግርጭታት ሃስያታት ከየጋጥሞም ሓገዝ ክረኽቡ ጻውዒቱ የቕርብ። ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ካብቲ ንሰደተኛታት ኤርትራውያን ንሃገሮም ክምለሱ ዝወሰንዎ ውሳኔታት ዳግመ ርእይቶ ክግብሩሉ የማሕጽን።

ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ግብጺ ብዛዕባ ምህናጽ ግድብ ኣባይን ኣህዛብ ሰለስቲኡ ሃገራት ብማዕረ ተጠቐምቲ ንክኾኑን ኣብ ታሪኻዊ ስምምዕ ብምብጽሖም ዝተሰምዖ ሓጎስ ገሊጹ። እዚ ምሕዝነትን ስምምዕን’ዚ ድማ፡ ስርዓት ኣስመራ ኣብ መንጎ’ዞም ሃገራት ዚኣቶም ክጻወቶ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ተራ ዝገትእ ክኸውን እውን ተስፋ ንገብር።

ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ዘሎ ምዕብልናታት ብዝምልከት፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ዝተዓወተ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ገምጊሙ። ኣብ ውሽጡ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገማት፡ ብምምዕርራይ ቅርጺ ሓድሽ መሪሕነት፡ ምቋም ኣሰናዳኢ ሽማግለ ሃገራዊ ጉባኤን ምጅማር ስርሓቱን ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ባይቶን መደረኻዊ ቃልስን ምስቲ ኩሉ ድኹማት ጎንታቱ ኣውንታዊ ውጽኢት ዝነበሮ ምዃኑ ገምጊሙ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓፈሻ፡ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ድማ ብፍላይ፡ ካልኣዊ ፍልልይ ብምስጋር፡ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት መስርዖም ከዕዝዙ መጸዋዕትኡ የቕርብ። ከምኡ’ውን ብክንድ’ቲ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ሓደገኛ ብድሆታት ንምዃንን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንምግጣምን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ሓይሊ ሚዛን ናብ ረብሓታቱ ንምቕያር፡ ኩሉ መዳያዊ ጻዕርታቱ ከዕዝዝ ተማሕጸነ።

ኣብ ውድባዊ ጉዳይ ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት ብመሰረት ዝተሓንጸጸ ሕሉፍ መደባትን ኣውንታዊ ውጽኢታቱን ድኽመታቱን መዘነ። ንኩሎም መሰረታት ኣባላት ውድባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዕማማት ሃገራዊ ባይቶን ኣሰናዳኢ ሽማግለ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዛዝ ኩሉ ገድላዊ ዕዮታቶም ክብ ከብሉ ለበውኡ ኣቕረበ።

 

ፖሎቲካዊ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

18 ሚያዝያ 2015

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9569

Posted by on Apr 24 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net